SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ሽቱትጋርት 32 ሰባት ቆሲሎም። (Report)
    ኣርእስታት ጸብጻብ፦ ሃገራዊ ኮሚሽን ልዝብ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ዝዋግኡ ዘለዉ ዕጡቓት ጉጅለታት ንምዝርራብ ይሸባሸብ ከምዘሎ ሓቢሩ። ቢሮ ጥዕና ትግራይ ሓገዝ ናውቲ ሕክምና ክቕጽል ሓቲቱ። ወከልቲ ሃገራዊ ሕብረት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ዞባ ማእከል፡ ብዛዕባ ተመሓላለፍትን ዘይተመሓላለፍቲን ሕማማት ኣብ ዝተኻየደ ሰሚናር ተሳቲፈን። ካብ ሃገሮም ዝተሰደዱ ሱዳናውያን ኣብ ኢትዮጵያ ከም ዝሞቱ ተሰሚዑ። ዳግመ ህንፀትን ልምዓትን ታሪኻዊ መስጅዲ ኣል ነጃሺ ተበጊሱ። ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ሽቱትጋርት 32 ሰባት ቆሲሎም። ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን’ውን ከም ዝጥቀምሉ ዝንገር ቪዛ ፖላንድ ከቢድ ሕቶ ኣበጊሱ።
    9 min
  • እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ትግርኛ ChatGPT እንታይ ረብሓ'ዩ ዘለዎ፧ መብርሂ ካብ ኢንጂኔር ክፍላይ ተወልደብርሃን
    ኣብዚ ቅሩብ እዋን ዝማዕበለ ናይ ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ChatGPTብቋንቋ ትግርኛ ክትጥቀመሉ ከም ዝኽእል ማዕቢሉ ኣሎ። ኣብዚ ቅሩብ መዓልታት ድማ ህዝቢ ክጥቀመሉ ንክኽእል ብ ኣፕ ተዘርጊሑ ኣሎ። ብዛዕባዚ ተክኖሎጂን ብትግርኛ ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ ዝብዛዕባ ዘሎ ቻትጂቢቲ ኢንጂኔር ክፍላይ ተወልደብርሃን መብርሂ ሂቡ ኣሎ።
    17 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 መስከረም 2023)
    ናይ ሎሚ 17 መስከረም 2023 ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፈለማ ኣርእስታት: ኣብ ኣውስትራሊያ ዝግበረ ረፈረንደም ህዝቢ “እወ” ከድምጽ ምዃኑ ቀ/ሚ ኣልበነዝ ተስፋኡ ገሊጹ። ኣብ ሊብያ ልዕሊ 11 ሽሕ ዝቐዘፈን ልዕሊ 10 ሽሕ ሃለዋቶም ድሕሪ ምጥፋኦም ዝድሕኑ ሰባት ናይ ምርካብ ዕድል እናማህመነ ከምዝኸደ ተገሊጹ። ዋና ኣመሓዳሪ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ዓብዱልፋታሕ ኣል ቡርሃን ናብ ኡጋንዳ ገይሹ። ኣብ ሰለስተ መዓልታት ልዕሊ 8500 ስደተኛታት ብጀላቡ ናብ ደሴት ላምፔዱሳ ድሕሪ ምእታዎም ህዝቢን ዜጋታትን ኢጣልያ ኣሻቒሉ።
    8 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 መስከረም 2023)
    ኣብ ናይ ሎሚ ሓሙስ 14 መስከረም 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ነቶም ሓድሽ ዓመተ 2016 ከም ኡውን በዓል ቅዱስ ዮሃንስን ተብዕሉ ደጊምና እንቋዕ ኣብጽሓኩም እናበልና መልእኽቲ ቀሺ ገብረ ብርሃን ፍስሃ ኣመሓዳሪ ርእሰ ኣድባራት ቅድስቲ ማርያምን ሚካኤልን ብርስቤን ብምኽንያት ሓድሽ ዓመተ 2016 ከምኡውን በዓል ቅዱስ ዮሃንስን። ከነቕርበልኩም ኢና ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ዝሓዘ እዩ። ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብታ ሃገር ሰላም ክወርድ ጸዊዐን። መንግስቲ ኣሜሪካ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ሰሊዩ ዝበሎ ኢትዮጵያዊ ከም ዝኣሰረ ተገሊጹ። ኣስታት 5-ሽሕ ስደተኛታት ብሓደ መዓልቲ ላምፓዱሳ ከም ዝኣተዉ ተሰሚዑ። ኣብ እስራኤል፣ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ብፍቓዶም ንምውፃእ ምንቅስቓስ ከም ዝተጀመረ ተገሊጹ። ዳያስፖራ ትግራይ ተሓታትነት ክረጋገጽ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ ምዃኖም ተሓቢሩ። ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፥ ምድላው ንፈተና ዜግነት ኣውስትራሊያ: ዝብል ኣርእስትን ካልእ ትሕዝቶታትውን ቀሪብና ኣለና ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልበኔስ ንኣውስትራሊያውያን ኣብ ረፈረንደም ድምጺ ደቀባት ኣብ ፓርላማ ክወጹን 'እወ' ከድምጹን ተማሕጺኑ ። ** ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ናብ ቱርኪ ኣትዩ። ** ኣሜሪካዊ ጂኦሎጂካል ሰርቨይ፡ ትማሊ ምሸት ኣብ ኤርትራ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዘጋጠመ ኣፍሊጡ። ** ሓላፊ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ዓለም ፡ ስዑዲ ዓረብ ኣብ መጻኢ ኣብ ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ክትጻወት ከም ዝደሊ ገሊጹ ኣሎ ።
    56 min
  • ኣስታት 5-ሽሕ ስደተኛታት ብሓደ መዓልቲ ላምፓዱሳ ከም ዝኣተዉ ተሰሚዑ።
    ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ዝሓዘ እዩ። ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብታ ሃገር ሰላም ክወርድ ጸዊዐን። መንግስቲ ኣሜሪካ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ሰሊዩ ዝበሎ ኢትዮጵያዊ ከም ዝኣሰረ ተገሊጹ። ኣሜሪካዊ ጂኦሎጂካል ሰርቨይ፡ ትማሊ ምሸት ኣብ ኤርትራ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዘጋጠመ ኣፍሊጡ። ኣስታት 5-ሽሕ ስደተኛታት ብሓደ መዓልቲ ላምፓዱሳ ከም ዝኣተዉ ተሰሚዑ። ኣብ እስራኤል፣ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ብፍቓዶም ንምውፃእ ምንቅስቓስ ከም ዝተጀመረ ተገሊጹ። ዳያስፖራ ትግራይ ተሓታትነት ክረጋገጽ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ ምዃኖም ተሓቢሩ።
    8 min
  • ምዕልቕላቕ ማይ ሊብያ፡ ብውሑዱ 10,000 ሰባት ጠፊኦም/ሞይቶም፡ ክሳብ ርብዒ ከተማ ደርና ዓንያ።
    ጕጅለታት ምድሓን ነቶም ኣብታ ብምዕልቕላቕ ማይ ዝዓነወት ሊብያዊት ከተማ ደርና ግዳያት ንምርካብ ድልያ የካይዱ ኣለዉ: ኣብታ ከተማ ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ዝደቀስሉ ነዋሕቲ ህንጻታት በቲ ማይ ተወሲዶም እዮም ። ሰበ-ስልጣን ከም ዝገልጽዎ ፡ ቍጽሪ እቶም ክሳዕ ሕጂ ዝሞቱ ሰባት ብንጹር ዘይተፈልጠ እኳ እንተ ኰነ ፡ እንተ ወሓደ 10,000 ዝዀኑ ሰባት ሃለዋቶም ጠፊኡ ወይ ሞይቶም እዮም ። ... ጸብጻብ
    8 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 መስከረም 2023)
    ናይ ሎሚ 13 መስከረም 2023 ኣርእስታት ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፥ ኣብ ሊብያ ብዕልቕልቕ ማይ ልዕሊ 2,500 ሰባት ሞይቶም ልዕሊ10,000 ሰባት ሃለዋቶም ጠፊኡ። ኣብ ሞሮኮ ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ቁጽሪ ዝሞቱ ልዕሊ 2900 ከምዝበጽሐ ተፈሊጡ። መንግስቲ ኣውስትራሊያ ነቶም ዝተጎድኡ ንምሕጋዝ ናይ 1 ሚሊዮን ዶላር ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝገብር ኣፍሊጡ ። መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ምስ ፕረዚደንት ሩስያን ካልኦት ሰበስልጣን ሩስያን ንምዝርራብ ናብ ሩስያ ኣትዮ።
    7 min
  • ምድላው ንፈተና ዜግነት ኣውስትራሊያ: መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ
    ኣውስትራልያዊ ዜጋ ምዃን ንብዙሓት ብስደት ናብዚ ሃገር ዝመጹ ዘሐጕስን ዘዕግብን ነገር እዩ ። ዜግነት ንምርካብ ግን መጀመርያ "ናይ ኣውስትራሊያ ዜግነት ፈተና" ክትሓልፍ ኣለካ ። እቲ መርመራ ብዛዕባ ታሪኽን ባህልን ክብርታትን ፖለቲካዊ ስርዓትን ኣውስትራሊያ ንዘሎካ ፍልጠት ዝዕቅን እዩ ። ኣብዚ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ናይ ኣውስትራሊያ ዜግነትንምርካብ ዝወሃብ ፈተና ንምድላው ዝሕግዙ ምኽርታት ኽንህበካ ኢና ።
    11 min
  • ግብጺ ብዘይ መሓመድ ሳላሕ ንኢትዮጵያ ስዒራታ፣ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ንሽወደን ሽቶ ኣመዝጊቡ፣
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (11/09/2023) * ኣብ ውድድር ጉያ እግሪ ፍርቂ ማራቶን፣ ዘ ግሬት ኖርዝ ራን፣ ኢትዮጵያዊ ታምራት ቶላ ተዓዊቱ፣ * ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ላ ቩወልታ ኣ ኢስጳኛ ኤርትራዊ ኣማኑኤል ገ/ሄርን ኢትዮጵያዊ ወላይ ሓጎስ በርሀን ተሳትፎኦም ይቕጽሉ፣ * ናይ መወዳእታ ዙርያ መጻረዪ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2023 ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተኻይዶም ግብጺ ንኢትዮጵያ 1-0 ስዒራታ፣ * ብዕድመ’ቲ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ተዓልዩ ዘሎ መራሒ ጋቦን ዓሊ ቦንጎ ናብ ሃገራዊት ጋንትኡ ዝተመልሰ ፒየረ ኤመሪንግ ኦባመያንግ ንሱን ሃገሩን ናብ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2023 ከይሓለፉ ተሪፎም፣ * ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ንሽወደን ኣብ መጻረዪ ግጥማት ንዩሮ 2024 ሽቶ ኣመዝጊቡ 5-0 ተዓዊቶም፣ * ሓሙሽተ ኣፍሪቃውያን ከዋኽብቲ ንባሎን ድ’ኦር ተሓጽዮም፣
    13 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,876 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners