SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (04 መስከረም 2023)
    ናይ ሰኑይ 4 መስከረም 2023 ምሉእ ትሕዝቶ፡ ኣብ እስራኤል ኣብቲ ብ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝተወደበ ፈስቲቫል ኣብ መንጎ እቶም ነቲ መንግስቲ ዝድግፉን ኣንጻር እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ብዝተፈጥረ ግጭት ፡ ኣስታት 150 ሰባት ማህሰይቲ ወሪድዎም ፣ 30 ኣባላት ፖሊስ ተጎዲኦም። ነዚ ብዝምልከት ኣብቲ ኩነታት ካብ ዝተሳተፉ ሓንቲ ሸዊት ሃይለ ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ካብ ተል ኣቪቭ ገሊጻትልና ኣላ። (ኣብቲ ኩነታት ንመንግስቲ ኤርትራ ካብ ዝድግፉ ረኺብና ከነዘራርብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰለጠን)። ብዛዕባቲ ኩነታት ምስ ሸዊት ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት ከነቕርብ ኢና። ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ ሽዱሽተ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝንቀሳቐሳ 33 ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ሲቪላዊ ማሕበራትን ንምቁራፅ ኣፍሪቃዊ ኮሚሽን ምርመራ ገበናት ኲናት ተቓዊመን። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቢንያሚን ናታንያሁ “ኣስታት ሓደ ሽሕ ደገፍቲ እቲ ስርዓት” ዝበሎም ሰባት ክሰጉግ ምዃኑ ገሊጹ። ኣብ ኤርትራ ሓሙሽተ ደቀንስትዮ መሃንዲሳት፡ ካብ ግሉተን ናጻ ዝዀነ ፓስታ ከም ዘዳለዋ ተሓቢሩ። ኩርናዕ ኣሜሪካ ኣብ መቐለ ብዝብል ዝፍለጥ ማእኸል ሓበሬታን ቴክኖሎጅን ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ዳግም ተኸፊቱ ግልጋሎት ክህብ ጀሚሩ ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊ ከምኡውን ዜማታት ክንጋብዝ ኢና። ኣርእስታት ዜና፥ ** ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ናታንያሁ ነቶም ኣብዚቕነ ኣብ ናዕቢ ዝተሳተፉ ኤርትራዊያን ነበርቲ እስራኤል ካብታ ሃገር ክጥረዙ እዮም ኢሉ። ** ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ፔኒ ዎንግ ነቲ ኣብቲ ዝግበር ረፈረንደም ድምጺ ደቀባት ኣብ ፓርላኣማ "ኣይፋልን" ዝጉስጉስ ዘሎ ፒተር ዱተን ዝሃቦ መግለጺ ምላሽ ሂባትሉ። ** ኣብ ምዕራብ መልበርን ፡ ክልተ ሞተር ብሽክለታ ተጋጭየን ፡ ክልተ መንእሰያት ተቐቲሎም ፡ ክልተ ቘልዑ ድማ ብኸቢድ ቈሲሎም ። **ኣብ ርእሰ ከተማ ሱዳን ካርቱም ብውሕዱ 25 ሰላማውያን ሰባት ብመጥቃዕቲ ቦምባ ከምዝተቐትሉ ምንጭታት ሕክምና እታ ሃገር ኣረጋጊጾም።
    51 min
  • ኣብ ኤርትራ ሓሙሽተ ደቀንስትዮ መሃንዲሳት፡ ካብ ግሉተን ናጻ ዝዀነ ፓስታ ከም ዘዳለዋ ተሓቢሩ።
    ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ ሽዱሽተ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝንቀሳቐሳ 33 ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ሲቪላዊ ማሕበራትን ንምቁራፅ ኣፍሪቃዊ ኮሚሽን ምርመራ ገበናት ኲናት ተቓዊመን። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቢንያሚን ናታንያሁ “ኣስታት ሓደ ሽሕ ደገፍቲ እቲ ስርዓት” ዝበሎም ሰባት ክሰጉግ ምዃኑ ገሊጹ። ኣብ ኤርትራ ሓሙሽተ ደቀንስትዮ መሃንዲሳት፡ ካብ ግሉተን ናጻ ዝዀነ ፓስታ ከም ዘዳለዋ ተሓቢሩ። ኩርናዕ ኣሜሪካ ኣብ መቐለ ብዝብል ዝፍለጥ ማእኸል ሓበሬታን ቴክኖሎጅን ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ዳግም ተኸፊቱ ግልጋሎት ክህብ ጀሚሩ ። ንሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ወረዳ ኢሮብ ዝዓለመ መድረኽ ምትእኽኻብ እቶት ተሳሊጡ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊ ከም ኡውን ዜማታት ክንጋብዝ ኢና።
    7 min
  • ሄኖክ ምሉእብርሃን ምስ ጋንታ ኣስታና ካዛክስታን ተጸንቢሩ፣ ኣርሰናል ንማን ዩናይትድ ስዒራታ፣ ኒው ካስትልን ኣሌክሳንደርን ግን ሳልሳይ ስዕረት ተሰኪሞም፣
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (04/09/2023) * ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉእብርሃን ንዝመጹ ክልተ ወቕትታት ምስ ጋንታ ኣስታና ካዛክስታን ክጽንበር ምዃኑ እታ ጋንታ ኣፍሊጣ፣ * ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ላ ቩወልታ ኣ ኢስጳኛ ኤርትራዊ ኣማኑኤል ገ/ሄርን ኢትዮጵያዊ ወላይ ሓጎስ በርሀን ተሳትፎኦም ይቕጽሉ፣ ኣማኑኤል ሰንበት ኣብ 9ይ መድረኽ ዝድነቕ ራብዓይ ወጺኡ፣ * ዕዳጋ ተጻወቲ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ጥቓ 3 ቢልዮን ዶላራት ተደናዲኑ ዝሓለፈ ሰሙን ተዓጽዩ፣ * ስዑዳዊት ጋንታ ኣልኢቲሓድ ንሞ ሳላሕ ክትገዝእ ዘካየደቶ ጽዑቕ ጻዕሪ ፈሺሉ፣ ሳላሕ ንጋንትኡ ሊቨርፑል ሽቶ ኣመዝጊቡ ኣብ’ቲ ዓርቢ ዝካየድ ግጥም ሃገሩ ኣንጻር ኢትዮጵያ ግን ዕረፍቲ ክወሃቦ ምዃኑ ተፈሊጡ፣ * ማንቸስተር ሲቲ 100% መዝገብ ዓወታ ቀጺላ መሪሕነታ ዓቂባ፣ * ኣሌክሳንደር ኢሳቕን ጋንትኡ ኒውካስትል ዩናይትድ ሕጂ’ውን ስዕረት ይስከሙ፣ * ኣርሴናል ኣብ ተወሳኺ ግዜ ግጥም ክልተ ሽቶታት ኣመዝጊባ ንማንቸስተር ዩናይትድ ስዒራታ፣
    12 min
  • “ፖሊስ እስራኤል ዋጋ ኣኽፊሎሙና እዮም፡ ዳርጋ ግጥምና ምስ ፖሊስ’ዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።” ሸዊት ሃይለ
    ኣብ እስራኤል ኣብቲ ብ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝተወደበ ፈስቲቫል ኣብ መንጎ እቶም ነቲ መንግስቲ ዝድግፉን ኣንጻር እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ብዝተፈጥረ ግጭት ፡ ኣስታት 150 ሰባት ማህሰይቲ ወሪድዎም ፣ 30 ኣባላት ፖሊስ ተጎዲኦም። ነዚ ብዝምልከት ኣብቲ ኩነታት ካብ ዝተሳተፉ ሓንቲ ሸዊት ሃይለ ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ካብ ተል ኣቪቭ ገሊጻትልና ኣላ። (ኣብቲ ኩነታት ንመንግስቲ ኤርትራ ካብ ዝድግፉ ረኺብና ከነዘራርብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰለጠን)
    16 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 መስከረም 2023)
    ን ሎሚ 3 መስከረም ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ኣርእስታቶም፡ ኣብ እስራኤል ኣብ መንጎ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራን ተቓወምቱን ብዝተላዕለ ዕግርግር ፡ ልዕሊ 150 ተጎዲኦም ። ድሕሪ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ጋቦን ስልጣን ዝሓዘ ወተሃደራዊ ሓይሊ ነታ ሃገር ናብ ዲሞክራሲ ከሰጋግራ ምዃኑ ቃል ኣትዩ። ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ ብ ዓርቢ 61 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ካብ ምጥሓል ከምዘድሓነ ኣፍሊጡ።
    5 min
  • ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (31 ነሓሰ 2023)
    ኣብ ናይ ሎሚ ሓሙስ 31 ነሓሰ 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ኣብ ጋቦን ካልእ ዕልዋ ተፈጺሙ። እቲ ዕልዋ መንግስቲ ዝመጸ፡ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ኣብታ ግዝኣት ፈረንሳ ዝነበረት ኒጀር ብተመሳሳሊ ወተሃደራዊ ዕልዋ ምስተገብረ እዩ ። ፕረዚደንት ነበር ዓሊ ቦንጎን ስድራቤቱን ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ንጋቦን ዝገዝአ ኮይኑ እቲ ን56 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ስርወ መንግስትነት ንምንዋሕ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ምርጫ ከምዝተዓወተ ኣዊጁ ነይሩ። እቲ ወዲ 64 ዓመት ፕረዚደንት ኣብ ቀይዲ ምስ ኣተወ ናይ ርድኡኒ ምሕጽንታ ኣቕረቡ ኣሎ ። ነዚ ዝምልከት ትንታነ ዜና ኣለና። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝዓረፈ ሓኪምን ደራስን ዶ/ር ክብረኣብ ብዛዕባ ሕሉፍ ህይወቱ ምስ ፋርማሲስት ተስፋይ መንግስ ዝገበርናዮ ዕላል ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ክቐርብ እዩ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ዝሓዘ እዩ። ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ መንግስቲ ኣሜሪካን ሕቡራት ሃገራትን ተመያዪጦም። ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ክልተ ኣዋርሕ ጥራሕ 183 ሰባት ከምዝሞቱ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። ፖሊስ ዩጋንዳ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብታ ሃገር ምእታዎም ዝተገለጸ 20 ኤርትራውያን ምሓዙ ተሓቢሩ። ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣብ ናይሮቢን ኣዲስ ኣበባን ዑደት ጀሚሮም። ደቡብ ሱዳን ብኢትዮጵያን ኬንያን ኣቢላ መስመራት መተሓላለፊ ነዳዲ ንምቛም ምስ መንግስታት እተን ሃገራት ትዘራረብ ከምዘላ ኣፍሊጣ። ዝብሉ እዮም ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፥ ብዛዕባ ንዝተጎድኡ እንስሳ ዘገዳም ምሕጋዝ ዝብል ኣርእስትን ካልእ ትሕዝቶታትውን ቀሪብና ኣለና ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ድሕሪ እቲ ብዛዕባ ምቛም ድምጺ ደቀባት ኣብ ፓርላማ ረፈረንደም ዝግበረሉ ዕለት ትማሊ ምስተፈልጠ ፡ እተሓዋወሰ መልሰ ግብሪ ይቐርብ ኣሎ ። ** ሰራዊት ጋቦን ዕልዋ መንግስቲ ድሕሪ ምግባሩ እቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ፡ ፕረዚደንት ጋቦን ዓሊ ቦንጎ ክብ ማሕበረሰብ ዓለም ሓገዝ ሓቲቱ ። ** ልኡኽ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማል፡ ዝመጽእ ወርሒ መስከረም ሰለስተ ሽሕ ሰራዊት ከውጽእ ምዃኑ ተሰሚዑ።
    52 min
  • ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣብ ናይሮቢን ኣዲስ ኣበባን ዑደት ጀሚሮም።
    ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ክልተ ኣዋርሕ ጥራሕ 183 ሰባት ከምዝሞቱ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። ፖሊስ ዩጋንዳ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብታ ሃገር ምእታዎም ዝተገለጸ 20 ኤርትራውያን ምሓዙ ተሓቢሩ። ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣብ ናይሮቢን ኣዲስ ኣበባን ዑደት ጀሚሮም። ደቡብ ሱዳን ብኢትዮጵያን ኬንያን ኣቢላ መስመራት መተሓላለፊ ነዳዲ ንምቛም ምስ መንግስታት እተን ሃገራት ትዘራረብ ከምዘላ ኣፍሊጣ። ልኡኽ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማል፡ ዝመጽእ ወርሒ መስከረም ሰለስተ ሽሕ ሰራዊት ከውጽእ ምዃኑ ተሰሚዑ።
    7 min
  • ንልዕሊ 55 ዝጸንሐ ስድራቤታዊ ግዝኣት ጋቦን ወተሃደራዊ ዕልዋ ገጢምዎ፡ ኣብቲ ዞባ ኣብ ሰለስተ ዓመታት ሻሙናይ ዕልዋ ኮይኑ ኣሎ።
    ወተሃደራውያን መኮንናት ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃዊት ሃገረ ጋቦን ስልጣን ድሕሪ ምሓዞም ፡ ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ዓሊ ቦንጎ ኣብ ትሕቲ ናይ ገዛ ማሕዩር ኣእትዮምዎ ። እዚ ኣብ ሃገራት ምዕራብን ማእከላይን ኣፍሪቃ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ንሻምናይ ግዜ ዕልዋ መንግስቲ ዝተገብረ ኮይኑ ኣብቲ ዞባ ፖለቲካዊ ቅልውላው እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ዘመልክት እዩ ።
    8 min
  • "ንዶ/ር ክብረኣብ ዓርኩ መጻሕፍ’ዩ ነይሩ።" ፋርማሲስትን ደራስን ተስፋይ መንግስ
    ዶ/ር ክብረኣብ ፍረ ን ኣስታት 50 ዓመታት ኣብ ከተማ ኣስመራ ሓኪም ኮይኑ ንህዝቢ ብሞያኡ ዘገልገለ፡ ኣብቲ ዳሕረዋይ ዓመታት ዕድመኡ ኣብ ርእሲ ሞያኡ ከም "ባቢሎን፡ "ልኡኻት ሳጥናኤል"ን ዝብላን ካልኦት መጻሕፍቲን ብምብርካቱ ብብዙሓት ክፍለጥን ክኽበርን ገይርዎ እዩ። ዶ/ ክብረኣብ ፍረ ካብቶም ንፈለማ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ብናይ ሕክምና ዶክተር ዝተመረቐ፡ ካብቶም ናይ ፈለማ ናይ ብሕቲ ክልኒክ ኣብ ኣስመራ ዝኸፈተን እዩ ነይሩ። ኣብ ኣስመራ ዓሪፉ ስነ ስርዓቱ ተፈጺሙ ኣሎ። ምስ ዶ/ር ክብረኣብ ንልዕሊ 50 ዓመታት ጥቡቕ ዕርክነት ዝነበሮ ወናኒ ፋርማሲ ካቴድራልን ጸሓፍን ተስፋይ መንግስ ብዛዕባ ዶ/ር ክብረኣብ ዘለዎ ዓሙኢቕ ኣፍልጦኡ ኣካፊሉና ኣሎ።
    29 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (30 ነሓሰ 2023)
    እቲ ብዛዕባ ናይ ደቀባት ድምጺ ኣብ ፓርላማ ዝግበር ረፈረንደም ኣብ 14 ጥቅምቲ ከምዝኸውን ተፈሊጡ ። ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ስዊዘርላንድን ወኪል ኤርትራ ኣብ ጄኔቫ - ሕቡራት ሃገራትን፣ ኣቶ ኣደም ዑስማን ንመንግስቲ ኤርትራ ራሕሪሑ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝተፈጠረ ግጭት ብውሕዱ 183 ሰባት ከምዝሞቱ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።
    6 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,876 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners