ሰራዊት እስራኤል ፡ "ሓያሎ ጥርጡራት ዕጡቓት ቀቲለ" ክብል ከሎ ሓማስ ድማ ኣብ ጋዛ ሲቪላዊ ኣባይቲ እንተ ዓንዩ ፡ ነቶም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ዘለዉ እስራኤላውያን ከምዝቐትል ኣፈራሪሑ ። ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ብእስላማዊ ጕጅለ ሓማስ ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ፡ሰራዊት እስራኤል ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ 300,000 ወተሃደራት ኣዋፊሩ ከም ዘሎን ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ልዕሊ ጋዛ ዝግበር ዘሎ መጥቃዕቲ ብተወሳኺ ነታ ወሽመጥ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝዓጸወን ገሊጹ ። ዕጡቓት ሓማስ ን900 እስራኤላውያን ድሕሪ ምቕታሎምን ካልኦት ሓያሎ ሰባት ድሕሪ ምሓዞምን ፡ ኣብ ውሽጢ እስራኤል ኣብ ዝርከብ እተፈላለየ ቦታታት ተቖጻጺሮም እዮም ። ድሕሪ እቲ ንሰዓታት ብእስራኤል ዝተገብረ ጽዑቕ ደብዳብ ፡ ኣፈኛ ሓማስ ኣቡ ዑቢዳ ፡ ሲቪላዊ ኣባይቲ ብዘይ መጠንቀቕታ እንተ ተደብዲቡ ፡ እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ምሩኻት እስራኤል ናይ ቅትለት ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ገሊጹ ። ሚኒስትሪ ጥዕና ጋዛ ከም ዝሓበሮ ፡ ካብ ቀዳም ንነጀው ብ ኣየር እስራኤል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ፡ ብውሕዱ 687 ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም ፡ 3,726 ድማ ቈሲሎም ኣለዉ።