SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ኣብ ርእሰ ከተማ ሽወደን ስቶክሆልም ኣብ ዝተኻየደ ባህላዊ ፈስቲቫል ኤርትራ ብዝተፈጥረ ጎንጺን ናዕብን 52 ሰባት ቆሲሎም።
    ንሎሚ 5 ነሓሰ 2023 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ፈለማ ኣርእስትታቶም፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ሽወደን ስቶክሆልም ኣብ ዝተኻየደ ባህላዊ ፈስቲቫል ኤርትራ ብዝተፈጥረ ጎንጺን ናዕብን 52 ሰባት ቆሲሎም። ኣብ መላእ ክልል ኣምሓራ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ተኣዊጁ፡ ዉግእ ቀጺሉ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ኣብቲ ኣብ ኖርዘርን ተሪቶርዮ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ፈስቲቫል ጋርማ ተረኺቡ፡ ህዝቢ ኣብቲ ንድምጺ ደቀባት ናብ ፓርላማ ዝግበር ረፈረንደም እወ ከድምጽ ጎስጒሱ። ኣብ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ንኸቢድ ሕጽረት መግቢ ዝተቓልዑ ሰባት ልዕሊ 20 ሚልዮን.
    7 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 ነሓሰ 2023)
    ኣብ ናይ ሎሚ ሓሙስ 3 ነሓሰ 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ምስ ኣቶ ኣማኑኤል ይትባረኽ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣለዉ፧ ጉዳዮም ዝከታተሎ መን ኣሎ፧ ብዉድብ ይኹን ብውልቂ ክግበር ዝከኣል ሓገዝ እንተልዩን ብኸመይ ናብ ኣቶም ክበጽሕ ይኽእል፧ ጉዳይ ምስጓግ ስደተኛታት ናብ ኤርትራን ካልእን ዝምልከት ሕቶታት መሊሱልና ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ዝሓዘ እዩ። ኣብ ኤርትራ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ልዕሊ ህይወት ጉድኣት ከም ዘየውረደ ተገሊጹ። ዩኒቨርሲቲ መቐለ ብሰንኪ ኲናት ትምህርቶም ከቋርጹ ዝተገደዱ ተምሃሮኡ ምቕባል ጀሚሩ። ፕረዚደንት ባንኪ ዓለም ኣጃይ ባንጋ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድን ካልኦት ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን ተመያዪጦም። ኣብ ልዕሊ ትካላት ትእምት ተነቢሩ ዝነበረ እግድ ክላዓል ብቤት ፍርዲ ተወሲኑ !! መዕርፎ ነፈርቲ ታሪኻዊት ከተማ ላሊበላ ኣብ ቁጽጽር ዕጡቓት ፋኖ ወዲቑ። ኣብ ኤርትራን ትግራይ ዕስለ ኣንበጣ ከምዝተራእየ ተገሊጹ። ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፥ ረፈረንደም “ድምጺ ንፓርላማ”፡ እንታይ እዩ? ንምንታይ ኣውስትራሊያ ረፈረንደም ትገብር ኣላ? ኣብ'ዚ ደሃይ ዋንጫ ዓለም ደቀንስትዮ’ውን ብ ኢብራሂም ዓሊ ክቐርብ እዩ። ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ *ብሃገር ደረጃ ዋጋታት ገዛውቲ ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ 2023 ክሳብ ሓሙሽተ ሚኢታዊ ክውስኽ ትጽቢት ይግበረሉ ፡ * ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ ጥቅምቲ 2018 ኣብ ሓደ ቤት ጸሎት 11 ሰባት ዝቐተለ ሰብኣይ ፡ ብሞት ክቕጻዕ ተፈሪዱ ። ** ኣብቲ ካብ ዕለት 3 ክሳብ 6 ነሓሰ ኣብ ስዊድን ፡ ዝግበር ፌስቲቫል ኤርትራ ክካየድ ፍቓድ ተዋሂብዎ ክብል ፖሊስ ስቶክሆልም ኣፍሊጡ።
    58 min
  • ኣብ ኤርትራ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ልዕሊ ህይወት ጉድኣት ከም ዘየውረደ ተገሊጹ።
    ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ዝሓዘ እዩ። ዩኒቨርሲቲ መቐለ ብሰንኪ ኲናት ትምህርቶም ከቋርጹ ዝተገደዱ ተምሃሮኡ ምቕባል ጀሚሩ። ፕረዚደንት ባንኪ ዓለም ኣጃይ ባንጋ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድን ካልኦት ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን ተመያዪጦም። ኣብ ልዕሊ ትካላት ትእምት ተነቢሩ ዝነበረ እግድ ክላዓል ብቤት ፍርዲ ተወሲኑ !! መዕርፎ ነፈርቲ ታሪኻዊት ከተማ ላሊበላ ኣብ ቁጽጽር ዕጡቓት ፋኖ ወዲቑ። ኣብ ኤርትራን ትግራይ ዕስለ ኣንበጣ ከምዝተራእየ ተገሊጹ።
    9 min
  • ፈረንሳን ካል ኦት ሃገራት ኣውሮጳን ዜጋታተን ካብ ኒጀር የውጽኣ ኣለዋ።
    ዜጋታት ፈረንሳን ካልኦት ኤውሮጳውያንን ካብ ኒጀር ከወጹ ጀሚሮም። ኣብታ ምዕራባዊት ኣፍሪቃዊት ሃገር ዕልዋ መንግስቲ ብምክያዱ፡ ድሕነቶም ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ብምስጋእ እዩ እዚ ስጉምቲ ዝውሰድ ዘሎ። ሰራዊት እታ ሃገር ነቲ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ ፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ኣውሪዱዎ ኣሎ ፡ እዚ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ኣብ ምዕራብን ማእከላይን ኣፍሪቃ ወተሃደራዊ ዕልዋ ካብ ዝግበረለን ሃገራት ዘለዋ ዝርዝር ኣትያ ኣላ።
    6 min
  • ኣፍሪቃውያን ጋንታታት ቅያን ታሪኽን ኣብ ዝሰርሓሉ ብራዚልን ኢጣልያን ካብ ዋንጫ ዓለም ተገሊፈን፡
    ኣብ'ዚ ደሃይ ዋንጫ ዓለም ደቀንስትዮ - ግጥማት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ናይ መወዳእታ መልክዖም እናሓዙ ኣብ ዝኸድሉ ዘለዉ ናይጀርያን ደቡብ ኣፍሪቃን ሓሊፈን ሓበን ኣፍሪቃ ኮይነን፡ ኣውስትራልያውያ ደቀንስትዮ ውአሳኒ ግጥመን ኣንጻር ካናዳ ተዓዊተን መላእ ሃገር ኣነቓቒሐን፡ ብራዚልን ኢጣልያን ተገሊፈን፡
    8 min
  • "ሓደ ካብቲ ናብ ኢትዮጵያ ዝኸድናሉ ምኽንያት ብዛዕባ'ቶም ብሓይሊ ዝተሰጒ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ንምጽራይ'ዩ።" ኣማኑኤል
    ነባሪ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣቶ ኣማኑኤል ይትባረኽ ንብዙሓት ኤርትራዊያን ሲቪክ ማሕበራት ወኪሉ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ክሳብ ትግራይ ብምጉዓዝ ሃለዋት ስደተኛታት ኤርትራዊያንን ሓቲቱ፡ ምስ ዝምልከቶም መንግስታዊያንን ዘይመንግስታዊያንን ርክባት ኣካይዱ ተመሊሱ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣለዉ፧ ጉዳዮም ዝከታተሎ መን ኣሎ፧ ብዉድብ ይኹን ብውልቂ ክግበር ዝከኣል ሓገዝ እንተልዩን ብኸመይ ናብ ኣቶም ክበጽሕ ይኽእል፧ ጉዳይ ምስጓግ ስደተኛታት ናብ ኤርትራን ካልእን ዝምልከት ሕቶታት መሊሱልና ኣሎ።
    28 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ነሓሰ 2023)
    ናይ ሎሚ 2 ነሓሰ 2023 ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዜና፡ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን። ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎ ከቢድ ዉግእ ከምዝነበረ ነበርቲ እቲ ከባቢ ገሊጾም። ኣብ ኒጀር ጣልቃ ምእታው ከም ኣብ ቡርኪናፋሶን ማሊን ኲናት ምእዋጅ’ዩ። ኣብ ዉድድራት ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ፡ ጋንታ ማቲልዳስ ኣንጻር ጋንታ ዴንማርክ ክትገጥም እያ።
    6 min
  • Voice Referendum: What is it and why is Australia having one? - ረፈረንደም “ድምጺ ንፓርላማ”፡ እንታይ እዩ? ንምንታይ ኣውስትራሊያ ረፈረንደም ትገብር ኣላ?
    Australians will vote in the Indigenous Voice to Parliament referendum on October 14. Here’s what you need to know about the process, including why it’s taking place, and the information that communities can expect to help guide their decisions at the polls. - ህዝብታት ኣቦርጂንን ቶረስ ስትረይት ኣይላንደራዊያንን ኣብ ቅዋም ኣውስትራልያ ኣፍልጦ ከምዘይብሎም ትፈልጡዶ? ኣብ ቅዋም ኣውስትራሊያ ናይ ደቀባት ድምጺ ኣብ ፓርላማ ‘Voice to Parliament’ ንምእታው ፈደራል መንግስቲ ኣውስትራላዊያን ብረፈረንደም ድምጾም ክህቡ መዲቡ ኣሎ። ስለዚ እዚ ረፈረንደም እንታይ እዩ? ኣብ ኣውስትራሊያ ድምጾም ክህቡ መሰል ዘለዎም መን’ዮም? እዚ ድምጺ ንፓርላማ እንታይ እዩ ክገብር?
    10 min
  • ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (31 ሓምለ 2023)
    ኣርእስታት ዜና፥ ** ነቶም ሄሊኮፕተር ኣብ ጥቓ ደሴታት ኲንስላንድ ዊትስ ዝወደቐት ኣርባዕተ ዝጠፍኡ ወተሃደራት ናይ ምርካብ ተስፋ ከም ዘየለ ተገሊጹ ። ** መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ሰራዊት ኒጀር ነቲ ብሓይሊ ዝመንዝዕዎ ስልጣን ከረክቡ ሓደ ሰሙን ሂቦሞም። ** ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝነውሐ ግዜ ዝተኣስረ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ብቕልጡፍ ክፍታሕ ጸዊዑ።
    12 min
  • እቲ ዝነውሐ ግዜ ዝተኣስረ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ብቕልጡፍ ክፍታሕ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ።
    ኣርእስታት ጸብጻብ፦ ኣብ ኢትዮጵያ ሞት ኣዴታትን ዕሸላትን ይውስኽ ከምዘሎ ኢንስቲትዩት ፌደራል ሓባሲንብዓት ኣረጋጊጹ። ራብዓይ ኣኼባ ሓባራዊ ኮሚሽን ሚኒስተራት ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪቃን ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክጅምር እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ጉራጌ ናብ ዕዳጋ ኣብ ልዕሊ ዝኸዱ ዝነበሩ ሰባት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 8 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ተገሊጹ። ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ብሰንኪ ኲናት ኣቋሪፁዎ ምምሃር ምስትምሃር ዳግም ንምጅማር ቅድመ ምድላው ብምዝዛም ተምሃርኡ ንምዝገባ ፀዊዑ። ሓዱሽ ዳይረክተር ትካል ተራድኦ ኣመሪካ /USAID/ ኣብ ኢትዮጵያ ተመዚዙ።
    6 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,876 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners