SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ካብ ባህላዊ ድሕረ ባይታኻ ወጻኢ ምሕዝነት ምፍጣር ዝህቦ ጥቕሚ (ምንባር ኣብ ኣውስትራልያ)
    ኣብ ዝተሰደድካሉ ሓዲሽ ሃገር ፡ ኣዕሩኽ ምጥራይ ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ብድሆታት እዩ ። ብባህሪ ወይ ከም ልምዲ፡ ተመሳሳሊ ባህሊ ምስ ዘለዎም ሰባት ናይ ምድግጋፍ መርበብ ክንምስርት ኢና እንደሊ ። እንተዀነ ግን: ነቲ ማሕበራዊ ዓንኬል ከተስፍሖን ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል ። ክንዮ ተመሳሳሊ ባህላዊ ዝምድና ምስዘለዎም ዕርክነት ምፍጣር፡ ንኣረኣእያኻ ከመሓይሾን ን ናተይነት ስምዒትካ ኼዕዝዞን ይኽእል እዩ ።
    10 min
  • ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 ሓምለ 2023)
    ናይ ሎሚ ሰኑይ 24 ሓምለ 2023 ምሉእ ትሕዝቶ፡ ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ 2023 ኣብ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ዝሓለፈ ሰሙን ብዓወት ክልቲኤን ሃገራት ተጀሚሩ፣ ኣብ ዓለም ካብ ብሉጻት ተጻወቲ ትስራዕ ኣውስትራልያዊት ሳም ከር ኣብ ልምምድ ተጎዲኣ ብዘይምስላፋ ኣዛራቢ ኮይኑ። እዚ ሓደ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ ዜናታት ስፖርት ዝቐርብ ትሕዝቶ እዩ። ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ ፕረዚደንት ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ኣብ ኣሜሪካ ዝተዳለወ ፌስቲቫል ዳያስፖራ ንዝቐረቡ ሕቶታት መብርሂ ሂቡ። ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ዝተሰጎጉ ኤርትራውያን ተዳጉኖም ከም ዘለዉ ተገሊጹ። መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ትግራይ 6 ኤጲስ ቆጶሳት ሸይሙ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተላዕለ ተቓውሞ ማሕበራዊን ቁጠባዊን ተጽዕኖ ምሕዳሩ ኣመሓዳሪ'ቲ ክልል ገሊጾም። ሎሚ ሰኑይ ስለ ዝኾነ ዝተፈላለዩ ዜማታት ነአንግደሉ መዓልቲ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ** ቍጽሪ እቶም ኣብ ኣውስትራልያ ብሓደጋ ተሽከርከርቲ ዝሞቱ ሰባት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ ። ** ፕረዚደንት ዩክረይን ሩስያ ኣብ ወደባዊት ከተማ ኦዴሳ ዝገበረቶ መጥቃዕቲ 19 ዓይነት ሚሳይላት ተጠቒማ ኢሉ ።
    12 min
  • ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ዝተሰጎጉ ኤርትራውያን ተዳጉኖም ከም ዘለዉ ተገሊጹ።
    ኣርእስታት ጸብጻብ ፦ ፕረዚደንት ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ኣብ ኣሜሪካ ዝተዳለወ ፌስቲቫል ዳያስፖራ ንዝቐረቡ ሕቶታት መብርሂ ሂቦም። ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ዝተሰጎጉ ኤርትራውያን ተዳጉኖም ከም ዘለዉ ተገሊጹ። መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ትግራይ 6 ኤጲስ ቆጶሳት ሸይሙ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተላዕለ ተቓውሞ ማሕበራዊን ቁጠባዊን ተጽዕኖ ምሕዳሩ ኣመሓዳሪ'ቲ ክልል ገሊጾም።
    7 min
  • ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ 2023 ኣብ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ይቕጽል፡ ኣዛራቢ ኩነታት ብልጽት ተጻዋቲት ሳም ከር
    ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ 2023 ኣብ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ዝሓለፈ ሰሙን ብዓወት ክልቲኤን ሃገራት ተጀሚሩ፣ ኣብ ዓለም ካብ ብሉጻት ተጻወቲ ትስራዕ ኣውስትራልያዊት ሳም ከር ኣብ ልምምድ ተጎዲኣ ብዘይምስላፋ ኣዛራቢ ኮይኑ፣
    3 min
  • ቢንያም ግርማይ ታሪኻዊ ቦኽሪ ተሳትፎኡ ኣብ ዙር ፈረንሳ ዛዚሙ፣ ጉዳፍ ጸጋይ ኣብ ኣልማዛዊ ሊግ ለንደን ተዓዊታ፣
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (24/07/2023) * ኣብ ለንደን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ እግሪ ኣልማዛዊ ሊግ 5000ሜ ሻምፒዮን ዓለም ኢትዮጵያዊት ጉዳፍ ጸጋይ ተዓዊታ፣ * ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፈረንሳ 2023 ሰንበት ብዓወት ደንማርካዊ ኣባል ጋንታ ያምቦ ቪስማ ዮናስ ቪንጊጎር ተዛዚሙ፣ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ኣብ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ቅድድም ሻምፕ ኤሊስ 6ይ ብምውጻእ ቦኽሪ ተሳትፎኡ ዛዚሙ፣ * ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ 2023 ኣብ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ዝሓለፈ ሰሙን ብዓወት ክልቲኤን ሃገራት ተጀሚሩ፣ ኣብ ዓለም ካብ ብሉጻት ተጻወቲ ትስራዕ ኣውስትራልያዊት ሳም ከር ኣብ ልምምድ ተጎዲኣ ብዘይምስላፋ ኣዛራቢ ኮይኑ፣
    12 min
  • ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ሓምለ 2023)
    ኣርእስተ ዜና ኤስ ቢ ኤስ 23 ሓምለ 2023 ኣብ ኣኽሱም ስነ-ስርዓት ኣንብሮ ኢድን ጸሎተ ኣስኬማን ኤጲስ ቆጰሳት መንበረ ሰላማ ከምተገብረ ተፈሊጡ። ሎሚ ንግሆ [ኣብ 23] ኣብ ምዕራብ ሲድኒ ኣብ ህዝቢ ዝተገብረ ምትዃስ ፡ ሰለስተ ሰባት ተጐዲኦም። ኣብ ዒራቕ ፡ ኣንጻር'ቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ኤውሮጳ ምቅጻል ናይ እስልምና ቅዱስ መጽሓፍ ቁርኣን ፡ ብተኸታታሊ ተቓውሞታት ውጥረት ሰፊኑ ።
    5 min
  • ዕላል፡ ኣብ በረኻታትን ጫካታትን ብምዛር ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕናኡ እናሓለወ ህይወት ምስ ዘስተማቕር ዘሎ ክብሮም ከበዶም።
    አቶ ክብሮም ከበዶም ኣብ 1989 ኣብ ዝተፈላለዩ በረኻታትን ጫካታትን ኣውስትራሊያ ጉዕዞ ብእግሪ ንምግባር'ዩ ካብ ስዊድን ናብ መልበርን ምስ መጸ ኣብዚ ተሪፉ። ንልዕሊ 30 ዓመታት ካብ በረኻታት ኣውስትራሊያ ክሳብ ጎቦ ኢቨረስት ናይ ነፓል፡ ካብ ጫካታት ኒውዚላንድ ክሳብ በረኻታት ኣፍሪቃ ኣብ ምዛር የሕልፎ ኣሎ። እቲ ዝገብሮ ንጥፈት ኣብ ኣካላዊ፡ ኣእምሮኣዊን ብሓፈሻ ድማ ኣብ ሕጉስ ህይወት እንታይ ፍረ ረኺብሉ፧ ካልኦት ሰባትከ ኣሰሩ ክስዕቡ እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ፧ ኣዕሊሉና ኣሎ።
    25 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 ሓምለ 2023)
    ሓሙስ 20 ሓምለ 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ አቶ ክብሮም ከበዶም ኣብ 1989 ኣብ ዝተፈላለዩ በረኻታትን ጫካታትን ኣውስትራሊያ ጉዕዞ ብእግሪ ንምግባር ካብ ስዊድን ናብ መልበርን ምስ መጸ ኣብዚ ተሪፉ። እቲ ዝገብሮ ንጥፈት እንታይ ረኺብሉ፧ ካልኦት ሰባትከ ኣሰር ክስዕቡ እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ፧ ኣዕሊሉና ኣሎ። ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ከነቕርቦ ኢና። ልኡኽና ዝሰደልና ጸጻብ ኣርእስታቶም፥ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ጋምቤላ ጎንጺ ከም ዝተወልዐ ተገሊጹ። ነቲ ጎንጺ ንምክልኻል መንግስቲ እቲ ክልል ኣዋጅ እቶ ከም ዝኣወጀ ውን ተሓቢሩ። ምርጫ ኤጲስቆጶሳት ትግራይ ቀኖና ቤተክርስትያን ዝጠሓሰ'ዩ ክብል ጉባኤ ቤትፅሕፈት ቤት ክህነት ኢትዮጵያ ገሊፁ። ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ደማሙ ጠቐምቲዶ ጎዳእቲ፧ ምውናን ናይ ገዛ ድሙን ሓላፍነቱን። ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ እዩ ። ካልእ ትሕዝቶታትውን ቀሪብና ኣለና ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ቪክቶርያ ነቲ ተሓሲቡ ዝነበረ ብሰንኪ ብዝሒ ወጻኢታት ምስ ሰረዘቶ ጸወታታት Commonwealth ናብ ዩናይትድ ኪንግደም ኪመልስ ይኽእል እዩ ተባሂሉ ፣ ** መራሕቲ ሽዱሽተ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ሓሙሽተ ሃገራት ማእከላይ ኤስያን ፡ ኣብ ጂዳ ተኣኪቦም ብዛዕባ ቁጠባውን ክልትኣውን ርክባቶም ይዘራረቡ ኣለዉ ። ** ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ጋምቤላን ገአ ከባቢታት ክልል ኣምሓራን ተላዒሉ ብዘሎ ጎንጺ ኣዋጅ እቶ እቶ ተኣዊጁ።
    56 min
  • ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ጋምቤላን ገአ ከባቢታት ክልል ኣምሓራን ተላዒሉ ብዘሎ ጎንጺ ኣዋጅ እቶ እቶ ተኣዊጁ።
    ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ጋምቤላ ጎንጺ ከም ዝተወልዐ ተገሊጹ። ነቲ ጎንጺ ንምክልኻል መንግስቲ እቲ ክልል ኣዋጅ እቶ ከም ዝኣወጀ ውን ተሓቢሩ። ኣምባሳደር ቱርኪ በርክ ባራን ምስ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ዘትዮም፡፡ ምርጫ ኤጲስቆጶሳት ትግራይ ቀኖና ቤተክርስትያን ዝጠሓሰ'ዩ ክብል ጉባኤ ቤትፅሕፈት ቤት ክህነት ኢትዮጵያ ገሊፁ።
    6 min
  • ብጸሊም ባሕሪ ዝስደድ ዝነበረ እኽሊ ዩክረይን ደው ምባሉ፡ ሕጽረት ቀረብን ወሰኽ ዋጋ እኽልን ከይስዕብን መጠንቀቕታን ቀሪቡ።
    ሩስያ ነታ ኣብ ዩክረይን እትርከብ ወደባዊት ከተማ ኦዴሳ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ መዓልትታት ፡ ንመኽዘን እኽሊ ፡ ንኣዳራሽ ዕዳጋታትን ንመንበሪ ህንጻታትን ዒላማ ዝገበረ ደብዳብ ኣካይዳ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ፡ ሩስያ ነቲ ዩክረይን እትልእኮ እኽሊ ፡ ሩስያ ብዘይ ዝዀነ ዕንቅፋት ክትጐዓዝ ዘኽእላ ኣብ ጸሊም ባሕሪ ዝግበር ዝነበረ ዕዮ ምቍጽጻር ደው ዘብል ስምምዕ ድሕሪ ደው ምባላ እዩ ። ዩክረይን ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ንሰደድ ምግቢ ዝግበር መጥቃዕቲ ፡ ነተን ውሕስነት ምግቢ ዘይብለን ሃገራት ዓለም ከም ምጥቃዕ ምዃኑ ገለጻ ።
    7 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,876 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners