SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ደቀባታዊ ድምጺ ንባይቶ (ዘ ቮይስ) እንታይ'ዩ፧ ንዕኡ ደጊፎምን ተቓዊሞምን ዝጉስጉሱ ኸ እንታይ'ዮም ዝብሉ ዘለዉ፧
    ድሒሩ ኣብ’ዚ ዓመት፣ ኣውስትራልያውያን ነዚ ዝስዕብ ሕቶ 'እወ' ወይ 'ኣይፋል' ኢሎም መልሲ ክህብሉ ዝሕተትሉ ሓደ ድምጺ ህዝቢ ወይ ረፈረንደም ክሳተፉ’ዮም። ‘ሓደ ድምጺ ደቀባትን ህዝቢ ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ብምቛም ንቀዳሞት ህዝብታት ኣውስትራልያ ኣፍልጦ ንምሃብ ኣብ ቅዋም ሓደ ለውጢ ክግበር ትድግፉ ዲኹም፧’ እንተኾነ ግን እቲ ‘ድምጺ’ ወይ ‘ዘ ቮይስ’ ዝበሃል ብልክዕ እንታይ’ዩ፧ እንታይ’ዮም’ከ እቶም ንዕኡ ዝድግፉን ዝቃወሙን ክትዓት፧
    14 min
  • ናብ ኣውስትራሊያ ብትምህርቲ ንዝመጹ ዝኸውን መንበሪ።
    ኣውስትራሊያ ሓንቲ ካብተን ካብ ወጻኢ ሃገራት መጺኦም ዝመሃሩላ ፍልጥቲ ሃገር እያ: እንተዀነ ግን ኣብዚ እዋን እዚ ክራይ መንበሪ ንምርካብ ዓቢ ብድሆ የጋጥም ኣሎ ። ኣብዚ ናይዚ ሰሙን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ብዛዕባ ድሌት ተማሃሮ ዘማልእ ብፍላይ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ዓይነታት መንበሪ ክንድህስስ ኢና ።
    11 min
  • ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 ሓምለ 2023)
    ንሎሚ 12 ሓምለ 2023 ዝተዳለወ ዜና ኤስ ቢ ኤስ፡ ኣርእስታት ዜና፡ ናብ ሆስፒታል ካብ ዝኣትዉ ቘልዑ ብ ኢንፍሉዌንዛ ዝሓሙ 30 ካብ ሚእቲ ከም ዝወሰኸ ናይ ጥዕና ሰበስልጣን የጠንቅቑ ። መንግስቲ ሱዳን ኣብቲ ብናይ በዓል ስልጣን ምብራቕ አፍሪቃ በይነ መንግሥታት (ኢጋድ) ኣኼባ ዘይተሳተፈ ኬንያ ንተቓዋሚኡ ሓይሊ ፈጣን ረዲኤት ትድግፍ እያ ብዝብል ምኽንያት ምዃኑ ተፈሊጡ። ናይ መወዳእታ ግጥም State of Origin ፡ ሎሚ ለይቲ (ረቡዕ 12 ሓምለ) ድሕሪ ሰዓት 8 ቅ / ቀ (8: 05ምፕ) ፡ ኣብ ስታድዩም ሲድኒ ኽግበር እዩ ።
    4 min
  • “እቲ ናተይ ሽልማት ኣብ ቅድሚ’ዚ ብርጌድ ንሓመዱ ዝገበርዎ ጅግንነት ንእሽተይ ነገር’ዩ።” ይርጋኣለም ፍስሃ
    ገጣሚት ይርጋኣለም ፍስሃ ናይቲ ካብ 2001 ጀሚሩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት ኣብ ሙኒክ (ጀርመን) ዝወሃብ ሽልማት ጆርጅ ኤልዘር ናይ 2023 ተሸላሚት ኮይና ኣላ። እዚ ሽልማት ንዝኽሪ’ቲ ኣብ 1939 ዘይተርፍ መሲሉ ዘንጸላሉ ዝነበረ ካልኣይ ኲናት ዓለም “ንምክልኻሉ” ንኣዶልፍ ሂትለር ክቕንጽል ዝፈተነ ዮሃን ጆርጅ ኤልዘር ዝስሙ ጀርመናዊ ንምዝካር ዝዕደል ሽልማት’ዩ። ነዚ ኣመልኪትና ምስ ይርጋኣለም ዝገበርናዮ ጻኒሒት።
    14 min
  • ሰንበረ ተፈሪ ኣብ ውድድር ጉያ እግሪ ደድሕሪ ሞቶር ብሽግለታ ፖሊስ ክትከይድ መንገዳ ስለዝሰሓተት ተሳዒራ፣ ቢንያም ግርማይ ኣብ 7ይ መድረኽ ተዓሚጹ ድዩ፧
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (10/07/2023) * ኢትዮጵያዊት ሰንበረ ተፈሪ ኣብ ኣትላንታ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ እግሪ መንገዲ መሪሕነት ሒዛ ክትዕወት ቁሩብ ምስ ተረፋ መንገዲ ስለዝተጋገየት ሳልሰይቲ ወጺኣ፣ * ቢንያም ግርማይ ንጋንትኡ መሪሑ ኣብ ዙር ፈረንሳ 2023 ተሳትፎኡ ይቕጽል ኣሎ፣ በብመድረኻቱ ውጽኢቱ እናመሓየሸ ብምኻድ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ መበል 11 ክወጽእ እንከሎ ኣብ ሻብዓይ መድረኽ ሳልሳይ ወጺኡ፣ * ን12 ዓመታት ሓላው ልዳት ማንቸስተር ዩናይትድ ዝነበረ ደይቪድ ደሀያ ውዕሉ ኣብቂዑ ካብ’ታ ጋንታ ከምዝተሰናበተ ገሊጹ፣ * ፈረንሳዊ ኮኽብ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኪልያን ምባፐ ዓደቡኡ ካሜሩን ኣብ ዝበጽሓሉ ዘሎ እዋን ጋንትኡ ፒኤስጂ ምስኣ ክጸንሕ ድዩ ወይ ክኸይድ ዝደሊ ከፍልጣ ናይ ክልተ ሰሙን ዕድል ሂባቶ፣
    13 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (10 ሓምለ 2023)
    ናይ ሎሚ ሰኑይ 10 ሓምለ 2023 ምሉእ ትሕዝቶ፡ ሉኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ልኡኽ ሰላም ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ናብ ርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለ ኣምሪሑ። ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ከተማ መቐለ ተመዛበልትን ብሓባር ሰላማዊ ሰልፊ ኣሳሊጠን። ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሄሰን፡ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ ንዝተወልዐ ጎንጺ ምስ ኣምባሳደር ኤርትራ ክዘራረብ ዩ። ብውሑድ 200 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዝጸዓነት ጀልባ ተሰዊራ። ሎሚ ፡ ባህላዊን ኣገደስቲ ጽሑፋት ነቕርበሉን ሙዚቃ ነስምዓሉ መዓልቲዩ። በዚ መሰረት ድማ ሎሚ ኣብ መደብ ባህላዊን ኣገደስቲ ዛዕባታትን፡ "ኣገደስቲን ጠቐምትን ምኽርታት" ቀሪብና ኣለና። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን’ውን ኣካል ናይዚ ምሸት ትህዝቶና እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ ናብ በርሊን ኣትዩ ፣ ኣብኡ ድማ ናይ ሓደ ቢልዮን ዶላር ዝዋግኡ ስምምዕ መከላኸሊ ምስ ጀርመን ውዕል ፈሪሙ ። ** ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሄሰን፡ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ ንዝተወልዐ ጎንጺ ምስ ኣምባሳደር ኤርትራ ክዘራረብ ዩ። **ፍሉጥ ስጳኛዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ሉዊስ ስዋረዝ ኣብ መበል 88 ዓመት ዓሪፉ።
    51 min
  • ሚ/ር ውሽጣዊ ጉዳያት ሄሰን፡ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ ንዝተወልዐ ጎንጺ ምስ ኣምባሳደር ኤርትራ ክዘራረብ'ዩ።
    ሉኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ልኡኽ ሰላም ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ናብ ርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለ ኣምሪሑ። ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ከተማ መቐለ ተመዛበልትን ብሓባር ሰላማዊ ሰልፊ ኣሳሊጠን። ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሄሰን፡ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ ንዝተወልዐ ጎንጺ ምስ ኣምባሳደር ኤርትራ ክዘራረብ ዩ። ብውሑድ 200 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዝጸዓነት ጀልባ ተሰዊራ።
    6 min
  • ለውጢ ኣብ ግብሪ (ታክስ ሪተርን)፡ ወለድን ደሞዝን፡ ቃለ መሕትት ምስ ዶ/ር ሳላሕ ጂምዕ
    ወርሒ ሓምለ ሓድሽ ፋይናንሲያዊ ዓመት ዝጅምረሉ እዩ። ካብዚ ወርሒ ጀሚሩ ኣታዊታት ክረኽቡ ዝጸንሑ ግብሪ ዘወራርድሉ፡ መነባብሮውን ዝግምገመሉን መንግስቲ ሓደሽቲ ፖሊሲታት ቁጠባ ዘተኣታትወሉን እዩ። ነዚ መሰረት ገይርና ንዶ/ር ስላሕ ጅምዕ ብዛዕባ ኣብ ግብሪ ተገይሩ ዘሎ ለውጥታት፡ ኣብ ደሞዝን ኣብ ወለድን ምስኡ ዝተሓሓዝን ሕቶታት ሓቲትናዮ ዝሃበና መልሲታት ኣብዚ ክትሰምዕዎ ትኽእሉ ኢኹም።
    25 min
  • ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 ሓምለ 2023)
    ንሎሚ 9 ሓምለ 2023 ካብ ዝተዳለዉ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ኣርእስታት ዜና፥ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ 46 ስደተኛታት ካብ ምጥሃል ከምዝድሓኑ ተገሊጹ። ኣብ ፈስቲቫል ሙዚቃ ኤርትራ 22 ፖሊስ ጀርመን ቆሲሎም። ዉግእ ኣብ መበል 12 ሰሙን ሒዝሉ ዘሎ እዋን ፡ እቲ ኣብ ዝዓበየ ርእሰ-ከተማ ሱዳን ዝርከብ ሕክምናዊ ስርዓት ናብ ምፍራስ ገጹ ይኸይድ ኣሎ ተባሂሉ።
    6 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (06 ሓምለ 2023)
    ናይ ሓሙስ 6 ሓምለ 2023 ዝተቐረቡ ናይ ሓደ ሰዓት ትሕዝቶ፡ ኣብ ኲንስላንድ ከተማ ብርስቤን ዝርከቡ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ጳጳስ ኣቡነ ሽኖዳን ብዙሓት ዕዱማት ኣብ ዝተረኽብሉ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብዒሎም። ነዚ ዝምልከት ምስ ክልተ ኣገልገልቲ እቲ ቤተ ክርስትያን ዝተገብረ ዝርርብ። ከምኡውን ዕላል ምስ ወ/ሮ ዛህራ ዓብደልርሒም ዝገበርናዮ ካልኣይ ክፋል ዕላል ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ክቐርብ እዩ። ናብ ካልእ ግዝኣታት ኣውስትራሊያ ንምግዓዝ ዘድልዩ ነገራት ዝምልከት ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ዝቐርብ ትሕዝቶ እዩ። ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ፕረዝደንት ግ/ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ምስ ዳይሬክተር ትካል መግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጲያ ከም ዝዘተዩ ተገሊጹ። ጉጅለ ልኡኽ ዓለም ለኸ ፌዴሬሽን ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን ኣብ ትግራይ ዑደት የካይድ ኣሎ። ውዳበ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ሳልሳይ ዋዕላ ከም ዘካየደ ተገሊጹ። ኣብ ትግራይ ብሄራዊ ፈተና ነባራት ተምሃሮ 8ይ ክፍሊ ጀሚሩ ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ፓርላማ እታ ሃገር መብርሂ ይህብ ኣሎ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ክልተ መዓልቲ ሰለስተ ሰብ መዚ ጸጥታ ተቐቲሎም.. ሓደ ቤት ፍርዲ ጀርመን ኣብ ልዕሊ ክልተ ትሕቲ ዕድመ ደቂ ኣንስትዮ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ኤርትራዊ ንሕልፈት ፈሪዱ። ንኹሎም መደባትና ምሳና ጸኒሕኩም ክትከታተሉ እናዓደምኩ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ** ብርቱዕ ዋዕን ብርቱዕ ደርቅን ከምዝመጸ መጠንቀቕታታት ኣብዝወሃበሉ ዘሎ ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ሓያል ባርዕ ዘጋጥመሉ ወቕቲ ባርዕ ጫካ ከጋጥም እዩ። ** ጓል ሓንቲ ናይ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣብ ኣደላይድ ዝነብሩ ዝነበሩ ሰብ ሓዳር ብኽሲ ነቶም ግዳያት ብዕሊ ዓቐን መድሃኒት ሂባ ቐቲላ ተባሂላ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪባ። **ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ክልተ መዓልቲ ሰለስተ ሰብ መዚ ጸጥታ ተቐቲሎም
    56 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,873 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners