SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ናይ ጥዕና ጾታ ትምህርቲን ወለዲ ምስ ደቆም ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ንምዝርርዝብ ዝሕግዝ ሓበሬታን (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)
    ብዛዕባ ትምህርቲ ጾታዊ ርክብ ዝምልከት፡ ወለዲ ምስ ውሉዳቶም ንኺመያየጡሉ ካብ ዝጸገሞም ጕዳያት ሓደ እዩ ። እቲ ዘሐጕስ ግና ፡ ጾታዊ ጥዕና ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኣውስትራልያ ብሰፊሑ እዩ ዝውሃብ ፣ ወለዲ እውን ሕፍረት ወይ ነውራምነት ኰይኑ ከይስምዖም ንምግባር ፡ ብዙሕ ዝሕግዙ ነገራት ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም ። ኣብዚ ትሕዝቶ ወለዲ ምስ ደቆም ብዛዕባዚ ክዝትዩ ዝሕግዝ ናይ ክኢላታት ምኽርታት ቀሪቡ ኣሎ።
    12 min
  • ቱራ ዓብዲዋክ ኣብ ማራቶን ቺካጎ ካልኣይ ዳዊት የማነ ኸኣ ኣብ ዙር ኢራን ሳልሳይ ወጺኦም፣ ምርጫ ብራዚልን ሃገራዊት ጋንታን ብኸመይ ተኣሳሲሮም፧
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (10/10/2022) * ኣብ ማራቶን ቺካጎ 2022 ኢትዮጵያዊ ቱራ ዓብዲዋክ ካልኣይ ወጺኡ፣ * ዞባዊ መባእታዊ መጻረዪ ግጥማት ናብ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2023 መንእሰያት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየዱ’ለው፣ ኢትዮጵያ ክልተ ስዕረታት ኣጋጢምዋ፣ * ኣብ ቅድድማት ብሽግለታ ኢጣልያን በልጅምን ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ተቐዳደምቲ ይሳተፉ፣ ገሊኦም ቅድድማት ከበድቲ ኮይኖም ረኺቦሞም፣ ኤርትራዊ ዳዊት የማነ ግን ኣብ ዙር ኢራን ሳልሳይ ወጺኡ፣ * በዓል ነይማር ዝርከብዎም ህቡባት ተጻወቲ ብራዚል ደገፎም ንፕረዚደንት ቦልሶናሮ ኣብ ዝገልጽሉ እዋን ማልያ ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ፖለቲካዊ መልክዕ ሒዛ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ብራዚል ወሳኒት ኮይና
    12 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (10 ጥቅምቲ 2022)
    ናይ ሎሚ ሰኑይ 10 ጥቅምቲ 2022 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና እዞም ዝስዕቡ ትሕዝቶ ኣለዎ፡ ጸብጻብ ሉኡኽ፥ ግጭት ትግራይ ዘቤታዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ'ዩ" መግለጺ መንግስቲ ኤርትራ ቃለ መሕትት፥ ሓጸርቲ ዜናታት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊ ን ካልእ ትሕዝቶን ቀሪብና ኣለና።
    58 min
  • “ግጭት ትግራይ ዘቤታዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ'ዩ።" ኤርትራ
    ኣርእስታት ጸብጻብ፥ "ኢሳይያስ ንኣብዪ ኣሕመድ ናብ ጁብኡ ኣእትዩዎ ሎ። ዕድል እንተረኺቡ ምሕደራኡ ናብዚ ዞባ ከላብዖ ዩ። " ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ "ግጭት ትግራይ ዘቤታዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ'ዩ" መግለጺ መንግስቲ ኤርትራ ጁቡቲ 7 ወተሃደራታ ብዕጡቓት ከም ዝተቐትሉዋ ገሊጻ።
    8 min
  • ዛዕባ ጥዕና ኣእምሮ
    ንኣእምሮኣዊ ጥዕናኻን ደሓንካን ዝምልከት ርክብ ንምግባር ናይ ሃገራዊ ናይ ስነኣእምሮ ሓለዋ ጥዕና ኮምሽን ካብ ዝተፈላለየ ከባቢ ኣውስትራሊያ ምስ ዝመጹ ሰባት ዘራኽብ ፕሮግራም እዩ ። ኣብዚ ዓመት እዚ እቲ ኮምሽን ካብ ጆርጅ ታውን ናይ ታዝማኒያ ክሳብ ይርካላ ኣብ ኖርዘርን ተሪቶርይ ፡ ኣብ መላእ ብሮሜ ዌስተርን ኣውስትራሊያ ፡ ከምኡውን ደሴት ፓልም ኣብ ኲንስላንድ ኣብ መላእ ቪክቶሪያ ን37 ማሕበረሰባት በጺሕዎም ።
    7 min
  • ዩክሬን ንድንድል መራኸቢ ክርሚያን ራሻን ምፍራሳ ስራሕ ግብረ ሽበራ ፈጺማ ክትብል ራሻ ከሲሳ።
    ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ፡ ነቲ ካብ ሩስያ ናብ ክረሚያ ዝወስድ ቀንዲ መስመር መመሓላለፊ ድንድል ንምፍራስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከም ዝዀነ ብምግላጽ ፡ ፍሉያት ሓይልታት ዩክረይን ነቲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸምዎ ከሲሱ ኣሎ። ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ከተማ ዛፖሪዝሂዥያ ፡ ብመጥቃዕቲ ሚሳይል ሩስያ እንተ ወሓደ 14 ሰባት ሞይቶም ፡ ብዙሓት ድማ ቈሲሎም።
    4 min
  • ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ግህሰት መሰላት ዝምርምር፡ መርማሪ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ዕድመ ናይ ስራሕ ግዜኡ ተናዊሑ። (ሓጸርቲ ዜናታት)
    ሓጸርቲ ዜናታት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ግህሰት መሰላት ዝምርምር፡ መርማሪ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ዕድመ ናይ ስራሕ ግዜኡ ተናዊሑ ዩጋንዳ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ‘ዘይሕጋውያን’ ብምባል 200 ዝኾኑ ስደተኛታት ተኣሲሮም። ፕረሲደንት ዩዌሪ ሙሰቬኒ ነቲ ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ሰራዊት ኡጋንዳ ዝነበረ ወዱ ንኬንያ ድሕሪ ምፍርራሑ ካብቲ ዝጸንሖ መዝነት እንተውረዶኳ፡ ድሕሪ ቅሩብ ግዜ ዝለዓለ ኣዛዚ ሃይሊታት ሰራዊት ኡጋንዳ ጌሩ ብምሻም ምሉእ ጀነራል ጌርዎ። ስደተኛታት ዝጸዓና ጃላቡ ኣብ ጥቓ ለስቦስን ኪይራን ምስ ጠሓላ ፡ ብውሕዱ 22 ሰባት ሞይቶም ብዙሓት ድማ ጠፊኦም
    8 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 ጥቅምቲ 2022)
    ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 ጥቅምቲ 2022) መንግስቲ ትግራይ ንሕብረት ኣፍሪካ ብዛዕባ’ቲ ዝርርብ ሰላም ዝምልከት መብርሂ ክህቦ ሓቲቱ፣ ፍርቂ ብጽሒት ዕደና ፖታሽ ኤርትራ ይሽየጥ ከም ዘሎ ተገሊጹ፣ ኣብ ዓዲ-ዳዕሮ ንኻልኣይ ግዜ ብዝተፈጽ መጥቃዕቲ ኣየር፡ 65 ሰለማውያን ሰባት ተቐቲሎም፣ ኢትዮጵያ ኣሲራቶ ዝጸንሐት ኤርትራዊ ዘይሕጋዊ ኣዘዋዋሪ ሰብ ንሆላንድ ኣረኪባቶ ዝብሉ ሓደስቲ ዜናታት ጋዜጠኛ ሬድዮ ፐርሲቫል ማባሳ ኣብ ማእከላይ ከተማ ማኒላ ድሕሪ ምቕታሉ ስግኣታት ብዛዕባ ነጻነት ፕረስን ድሕነት ጋዜጠኛታትን ኣብ ፊሊፒንስ ኣልዒሎም ኣለዉ። ንሱ ሶኑይ ምሸት ጥይት ተተኲስዎ መይቱ፣ ቀታሊ ንምፍላጥ ገበናዊ መርመራታት ተበጊሶም ኣለዉ። ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ ኣብ ትግራይ ምስዝኸይድ ዘሎ ኲናት ተተሓሓዙ ሃገረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያናት ኤርትራ ነቲ ኵናት ዝኹንን መግለጺ ኣውጺኦም። ኣብ ዉሽጢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ነዚ ዘሎ ኣዕናዊ ኩነታት ዝኹንን መግለጺ የለን። ኣገልጋሊ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ቀሺ ዮናስ ነዚ መበገሲ ብምግባር እታ ቤተ ክርስትያን ክትገብሮ ትኽእል እንታይ ምዃኑን ምስኡ ዝተሓሓዝ ሕቶታት መሊሱልና ኣሎ። ኣልኮል ኣብ ኣውስትራሊያ ማሕበራዊ ህይወት ብዙሓት ሰባት ይጸሉ። ሕሉፍ መጠን ኣልኮላዊ መስተ ዝሰትዩ ሰባት ንርእሶምን ንኻልኦትን ኣብ ሓደጋ የእትዉ። ንፈትዎም ሰባት ምስ ዝኾኑ’ኸ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧ ኣብ ምንባር ኣብ ኣውስትራልያ መደብና ንድህስሶ
    51 min
  • መንግስቲ ትግራይ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ብዛዕባ’ቲ ዝተመደበ ዝርርብ ሰላም መብርሂ ሓቲቱ፣ ፍርቂ ብጽሒት ዕደና ፖታሽ ኤርትራ ተሸይጡ
    ጸብጻባት ዜና (06/10/2022) * መንግስቲ ትግራይ ንሕብረት ኣፍሪካ ብዛዕባ’ቲ ዝርርብ ሰላም ዝምልከት መብርሂ ክህቦ ሓቲቱ፣ * ፍርቂ ብጽሒት ዕደና ፖታሽ ኤርትራ ይሽየጥ ከም ዘሎ ተገሊጹ፣ * ኣብ ዓዲ-ዳዕሮ ንኻልኣይ ግዜ ብዝተፈጽ መጥቃዕቲ ኣየር፡ 65 ሰለማውያን ሰባት ተቐቲሎም፣ * ኢትዮጵያ ኣሲራቶ ዝጸንሐት ኤርትራዊ ዘይሕጋዊ ኣዘዋዋሪ ሰብ ንሆላንድ ኣረኪባቶ፣
    7 min
  • መቕተልቲ ፊሊፒናዊ ጋዜጠኛ ሕቶ መሰል ነጻ ፕረስ ኣልዒሉ
    ሓደ ጋዜጠኛ ሬድዮ ኣብ ማእከላይ ከተማ ማኒላ ድሕሪ ምቕታሉ ስግኣታት ብዛዕባ ነጻነት ፕረስን ድሕነት ጋዜጠኛታትን ኣብ ፊሊፒንስ ኣልዒሎም ኣለዉ። ፐርሲቫል ማባሳ ሶኑይ ምሸት ብጥይት ተወጊኡ፣ ሰብ መዚ ኣብ ልዕሊኡ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ መበገሲኡ ወይ ዕላምኡ ንምፍላጥ ገበናዊ መርመራ ኣበጊሶም ኣለዉ።
    5 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,791 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners