SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ኣብ ግንባር ሸራሮ ብዘሎ ውግእ ፤ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝርከብዎም ሰለማውያን ሰባት ተቐቲሎም ልዕሊ 200 ሽሕ ሰባት ተመዛቢሎም። (ጸብጻብ)
    ኣርእስታት ዜና፥ ኤርትራን ኢራንን ብሓባር ንምስራሕ ምይይጥ ከም ዝገበራ ሚንስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኢራን ኣፍሊጡ። ኣብ ግንባር ሸራሮ ብዘሎ ውግእ ፤ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝርከብዎም ሰለማውያን ሰባት ተቐቲሎም ልዕሊ 200 ሽሕ ሰባት ተመዛቢሎም ኣብ ክልል ኦሮሚያ፡ ሲቪላትን ኣባላት ምልሻን ተቐቲሎም ዝብሉን ካልኦትን ኣርእስታት ዝሓዘ ጸብጻብ፣
    6 min
  • “ሎሚ ዝኾነ ትሕዝቶ ኣብ መዲያ ከተቕርብ ፡ ህግደፍ ድዩ ኮይኑ ዋላ ወያነ ከይብሉኒ ኢኻ ትብል።” በክሪ ሑመድ
    ኣብ ዩትዩብ (YouTube) ብ “ፋልፋሳ” ብዝብል ናይ ቪድዮ ትሕዝቶታት ዘቕርብ በክሪ ሑመድ፡ ኣብ መልበርን ኣብዝመጻሉ እዋን ብዛዕባ ስርሑን ብዛዕባ ዝኸይድ ዘሎ ፖሎቲካዊ ኩነታትን ኣዕሊሉና ኣሎ። ቀዳማይ ክፋል ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ።
    17 min
  • ኣብ ዎሎንጎንግ ድሙቕ ደገፍ ዝተገብረሎም ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብቢንያም ኣቢሎም መበል 54 ወጺኦም
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (26/09/2022) * ኢትዮጵያዊት ትዕግስት ኣሰፋ ኣብ ታሪኽ ማራቶን በርሊን ሳልሳይ ዝቐልጠፈ ግዜ ብምምዝጋብ ተዓዊታ፣ * ናብ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2023 መንእሰያት ት17 ንምሕላፍ ዝካየዱ ዞባዊ መባእታዊ መጻረዪ ግጥማት ኤርትራ ኣንጻር ሶማልያን ኢትዮጵያ ኣንጻር ታንዛንያን ብዘካይደኦም ግጥማት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓርቢ ክጅመሩ’ዮም፣ ሩዋንዳ ብምኽንያት ሕጽረት ፋይናንስ ካብ ምስታፍ ኣንሳሒባ፣ * ኤርትራዊት ራሄል ዳንኤል ኣብ ዓውደ ኣዋርሕ ጉያ እግሪ መሮር 2021/22 ብውህሉል ተዓዋቲት ከምዝኾነት ኣትለቲክስ ዓለም ገሊጹ፣ * ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ ዓለም 2022 ኣብ’ዚ ኣብ ኣውስትራልያ ከተማ ዎሎንጎንግ ተኻይዱ ብዓወት በልጅማዊ ረምኮ ኤቨነፖል ተዛዚሙ፣ ድሙቕ ደገፍ ዝተገብረሎም ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብቢንያም ኣቢሎም ዘዕግብ መበል 54 ወጺኦም፣ * ኢትዮጵያን ሱዳንን ምሕዝነታዊ ግጥም ኣካይደን 1-1 ማዕረ ተፈላልየን፣
    13 min
  • ሕማቕ ወቕቲ ንሕሙማት ኣዝማ
    ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣውስትራሊያ ወቕቲ ቁጠዐ ሰብነት ወይ ኣለርጂ ስለዝህሉ ንሕሙማት ኣስማ ልዑል መጠንቀቕታ ተዋሂቡ ። እቲ ብቐጻሊ ዝኽሰት ዘሎ ናይ ላ ኒና ዘሎ ኵነታት ኣየር ፡ ነቶም በዚ ሕማም እዚ ዝሳቐዩ ሰባት ፡ ብፍላይ ካብ መጀመርታ ጥቅምቲ ኽሳዕ መወዳእታ ታሕሳስ ኣብ ዘሎ ግዜ ፡ ኣብ ዝለዓለ ሓደጋ ከም ዘእትዎም ፡ ክኢላታት ይሕብሩ ።
    6 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (22 መስከረም 2022)
    ናይ ሎሚ ሓሙስ 22 መስከረም 2022 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና እዞ ምዝስዕቡ ትሕዝቶታት ሒዙ ቀሪቡ ኣሎ፡ ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ሕልፈት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ንምዝካር ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ናይ ሓዘን መዓልቲ ዊዒሉ ። ** መራሕቲ ዓለም ነቲ ናይ ሩስያ ፕረዚደንት ሩስያ ዕቑር ሰራዊቱ ብከፊል ናብ ኲናት ክወፍሩ ምእዛዙ መራሕቲ ዓለም ኮኒኖሞ ። ካብ ኣርእስታት ጸብጻብ ልኡኽና፥ ሕብረት ኣውሮጳ፣ ጀርመን፣ ስዊድንን ካናዳን ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ምእታዋ ተቓዊሞም። ኣመሪካ ብወገና ኤርትራ ሰራዊታ ናብ ትግራይ ምእታዎም ከም ትፈልጥ ገሊጻ. ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብወገኑ ኤርትራን ህወሓትን ውን ተሓተትቲ ክኾኑ ጸዊዑ። ቃለ መሕትት። ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ዕድሜኻ 18 ዓመት ምምላእ ኣብ ኣውስትራሊያ፥ በጽሒ ምዃን ዘለዎ ረብሓን ቃንዛን ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘን ካልእ ትሕዝቶታትውን ቀሪብና ኣለና።
    56 min
  • ሕብረት ኣውሮጳ፣ ጀርመን፣ ስዊድንን ካናዳን ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ምእታዋ ተቓዊሞም።
    ካብ ኣርእስታት ጸብጻብ ልኡኽና፥ ሕብረት ኣውሮጳ፣ ጀርመን፣ ስዊድንን ካናዳን ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ምእታዋ ተቓዊሞም። ኣመሪካ ብወገና ኤርትራ ሰራዊታ ናብ ትግራይ ምእታዎም ከም ትፈልጥ ገሊጻ። ኣብ ትግራይ መ/ኢትዮጵያን መሻርክቱን ዝሕተቱሉ ከበድቲ ገበናት ምፍጻሙ ሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጸ ኢሉ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብወገኑ ኤርትራን ህወሓትን ውን ተሓተትቲ ክኾኑ ጸዊዑ።
    7 min
  • ሕብረ ብዙሃዊት ኣውስትራሊያ
    ብመሰረት ካብቲ ናይ 2021 ምቑጻር ህዝቢ ዝወጸ ኣሃዛት፡ መጠን ናይቶም ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝውለዱ ኣውስትራሊያውያን ይውስኽ ምህላዉ ይሕብር ። ኣብ ኣውስትራሊያ ልዕሊ 7 ሚሊዮን ሰባት ኣብ ወጻኢ ሃገር ተወሊዶም ፡ 5.8 ሚሊዮን ሰባት ድማ ኣብ ገዝኦም ብጀካ እንግሊዝኛ ካልእ ቋንቋ ይዛረቡ ። እዚ ንሃገር እንታይ ትርጉም ኣለዎ?
    6 min
  • ዕድሜኻ 18 ዓመት ምምላእ ኣብ ኣውስትራሊያ፥ በጽሒ ምዃን ዘለዎ ረብሓን ቃንዛን (ምንባር ኣብ ኣውስትራልያ)
    እኹል ሰብ ወይ በጽሒ ምዃን ማለት ብግብሪ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ ? ዕድመ ብጽሕና / ጕርዝውና ኣብ ሕጋዊ ዕድመ ናብ ማሕበራዊ ውሕስነትን ናብ ናይ ዕድመ ምልክትን ኣብ ምብጻሕ ፡ ርኡይ ለውጢ ከምጽእ ይኽእል እዩ ።
    11 min
  • “ንሓብተይ ሚርያም ዝረኣየ እንተሎ ሓብትኺ ትጽበየኪ እያ ዘላ በሉለይ። እንተሞይታ ድማ ኣቦኣን ኣዲኣን ይቀበልዋ መንግስተ ሰማይ የዋርሳ።” ልያ ሓጎስ
    ተጋዳሊት ምርያም ሓጎስ ሓንቲ ካብቶም ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ብዘይ ክሲን ፍርዲን ዝተኣስሩ ገዳይም ተጋደልትን ጋዜጠኛታትን እያ። ንሳ ን20ዓመታት ንናጽነት ኤርትራ ተጋዲላ፡ ድሕሪ 10 ዓመታት ናጽነት ናይ ኤርትራ ምስተኣስረት ዛጊት ደሃይ ዘይብላ ዜጋ እያ። ምስ ሓፍታ ወ/ሮ ልያ ሓጎስን ዶ/ር ሳባ ተስፋህይወትን ብዛዕባ ሊያን ካልኦት እሱራትን ኣመልኪትና ዝገበርናዮ ጻንሒት ዳግም ናባኹም ነብሎ።
    35 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ ፖድካስት (19 መስከረም 2022)
    * ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ተመያይጡ፣ ዝተማረኹ ዕጡቓት ፋኖን ምልሻታትን ኣምሓራ ከም ዝለቐቑ መራሕቲ ትግራይ ኣፍሊጦም፣ ኣብ ኤርትራ ብዘሎ ኣዋጅ ክተት ብሪጣንያን ካናዳን ንዜጋታተን ኣጠንቂቐን፣ ሕቡራት ሃገራት ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ክህቦ ዝሰለዖ 300 ሚልዮን ዶላር ደው ኣቢሉዎ፣ ምሉእ ትግራይ ሓዊስካ ካብ 29.3 ሚልዮን 13 ሚልዮን ተመሃሮ ዝቦኽሩሉ ዓውዲ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ብሓድሽ ስርዓተ ትምህርቲ ክወሃብ ጀሚሩ: ፕረዚደንት ሶማልያ ወተሃደራቱ ናብ ሃገሮም ዘይተመልሱሉ ምኽንያት ንፖለቲካዊ ፍልልያት ሃገሩ ምኽንያት ጌሩ ፕረዚደንት ኤርትራ ክመልሶም ፈቓደኛ ብዘይምዃኑ’ዩ ምባሉ ዝብሉ ጸብጻባት ንሎሚ ዘለውና’ዮም። * ኣፍሪቃዊ መበቆል ዘለዎም ክኢላታት ቅዲ ፋሽን ኣብ ከተማ ፐርዝ ፍርያቶም ብመልክዕ ዘመናውያን ቅዲታት ብምቕራብ ሓድሽ ህይወት ንባህሊ ክሶኽዑ ይጥቀምሉ’ለዉ። እዞም ፍርያታት ነቶም ምስ’ታ ኣህጉር መበቆሎም ዝተኣሳሰር ውርሻታቶም ኮሪዖም ከብዕልዎምን ነቶም ካልኦት ከኣ ምስ’ዞም ቅድታት ክላለዩን እዚ ምርኢት ፋሽን ዕድል ፈጢሩሎም ኣሎ። ነዚ ዝገልጽ ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። * ኣብ ከተማ መልበርን ኣብ’ዚ ቅሩብ እዋን ብስደት ንዝመጻ ደቂ ኣንስትዮ ስራሕ ኣብ ምርካብን ኣብ ምሕያለንን ዝሰርሕ ሓደ ማሕበራዊ ትካል ተኸፊቱ’ሎ። ብዛዕባ’ቲ ትካልን ዕላማኡን ምስ መስራቲት’ቲ ትካል ወ/ሮ ነጅዋ ያሲን ዝተገብረ ዕላል ንሎሚ ዘለና’ዩ። * ኣብ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ህቡብን ገዲምን ኮኾብ ኤርትራዊን ኢትዮጵያዊን ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዝነበረ ሉቺያኖ ቫሳሎ ካብ’ዛ ዓለም ብሞት ምፍላዩ፣ ናብ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2023 መንእሰያት ት17 ንምሕላፍ ኣብ ዝካየዱ ዞባዊ መባእታዊ መጻረዪ ግጥማት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ሓደ ምድብ ምምዳበን፣ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ዳዊት የማነ ተዓዋቲ ዙር ሰርቢያ ምዃኑ፣ ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ ዓለም 2022 ኣብ ኣውስትራልያ ከተማ ዎሎንጎንግ ምጅማሩን፣ ተቐዳደምቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምቅርራባቶም ከምዝወድኡን ዝትንትኖም ኣርእስታት’ዮም።
    52 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,809 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners