SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ብሪጣንያን ካናዳን ብምኽንያት ኣዋጅ ክተት ኣብ ኤርትራ መጠንቀቕታ ንዜጋታተን ሂበን፣ መራሕቲ ትግራይ ምሩኻት ለቒቕና ይብሉ (ጸብጻባት)
    ጸብጻባት ዜና: ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ተመያይጡ፣ ዝተማረኹ ዕጡቓት ፋኖን ምልሻታትን ኣምሓራ ከም ዝለቐቑ መራሕቲ ትግራይ ኣፍሊጦም፣ ኣብ ኤርትራ ብዘሎ ኣዋጅ ክተት ብሪጣንያን ካናዳን ንዜጋታተን ኣጠንቂቐን፣ ሕቡራት ሃገራት ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ክህቦ ዝሰለዖ 300 ሚልዮን ዶላር ደው ኣቢሉዎ፣ ምሉእ ትግራይ ሓዊስካ ካብ 29.3 ሚልዮን 13 ሚልዮን ተመሃሮ ዝቦኽሩሉ ዓውዲ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ብሓድሽ ስርዓተ ትምህርቲ ክወሃብ ጀሚሩ: ፕረዚደንት ሶማልያ ወተሃደራቱ ናብ ሃገሮም ዘይተመልሱሉ ምኽንያት ንፖለቲካዊ ፍልልያት ሃገሩ ምኽንያት ጌሩ ፕረዚደንት ኤርትራ ክመልሶም ፈቓደኛ ብዘይምዃኑ’ዩ ምባሉ ዝብሉ ጸብጻባት ንሎሚ ዘለውና’ዮም
    7 min
  • ሶማልያ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ወተሃደራታ ንምምላስ ሓገዝ ኣሜሪካ ትሓትት ከም ዘላ ፕረሲደንት እታ ሃገር ገሊጹ።
    ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸነኽ መሓመድ እቶም ወተሃደራት ኣቐዲሙ ናብ ሃገሮም ዘይተመልሱሉ ምኽንያት ክገልጽ ከሎ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ስዒቡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እቶም ወተሃደራት ንምምላስ ፈቓደኛ ብዘይምዃኑ ከም ዘይተመልሱ ኣረዲኡ።
    3 min
  • "ኣብ ቪክቶሪያ ናይ መጀመርታ ንደቂ ኣንስትዮ ዝዓለመ ማሕበራዊ ትካል ኢና ኣበጊስና ዘለና።" ናጅዋ ያሲን
    ኣብ ከተማ መልበርን ኣብዚ ቅሩብ እዋን ንብስደት ዝመጻ ደቂ ኣንስትዮ ስራሕ ኣብ ምርካብን ኣብ ምሕያልን ዝሰርሕ ማሕበራዊ ትካል ተኸፊቱ ኣሎ። ብዛዕባ እቲ ትካልን ዕላማኡን ዝምልከት ምስ መስራቲት እቲ ትካል ወ/ሮ ነጅዋ ያሲን ዝተገብረ ዕላል።
    16 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ ፖድካስት (15 መስከረም 2022)
    ናይ ሎሚ ሓሙስ 15 መስከረም 2022 ናይ ሓደ ሰዓት መደብና እዞም ዝስዕቡ ትሕዝቶታት ኣለዉዎ፡ ካብ ዕለታዊ ዜና፥ ** ለበዳ ኮቪድ-19 ንምጥፋእ ዓለም ካብ ዝሓለፈ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከም ዘላ ሓላፊ ዉድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ ። ** ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ንንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማይ ኣብ ዌስትሃም ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ኣኽብሮቶም ክገልጹ ጀሚሮም ካብ ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ሚንስትር ጉዳይ ወጻኢ ህንዲ ቨላመቨልይ ሙራሊድርሃን ኣስመራ ኣትዩ። ካብ ሸራሮን ካባቢኡን ልዕሊ 210,000 ህዝቢ ከም ዝተመዛበለ ተገሊጹ ቃለ መሕትት፥ ወ/ሮ ሳባ ኣብርሃም ካብቶ 10 ነናይ መዓልቱ ኣውስትራሊያዊያን ተባሂሎም ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንተኒ ኣልባኔስ ናብ ለንደን ከይዳ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ንግስቲ ኤልዛቤጥ ክትሳተፍ ዕድመ ቀሪቡላ ኣሎ። ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ተራ ብሪጣንያዊ ንግስነት ኣብ ኣውስትራሊያ እንታይ እዩ፧ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ እዩ።
    52 min
  • ሓድሽ ፕረዚደንት ኬንያ ንኡሁሩ ኬንያታ ኲናት ትግራይ ብዝርርብ ክፈትሕ መዚዙዎ።
    ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ሚንስትር ጉዳይ ወጻኢ ህንዲ ቨላመቨልይ ሙራሊድርሃን ኣስመራ ኣትዩ። ካብ ሸራሮን ካባቢኡን ልዕሊ 210,000 ህዝቢ ከም ዝተመዛበለ ተገሊጹ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ትግራይ ንዝቐጸ መጥቃዕቲ ኣየር፣ ተሳትፎ ኤርትራን ምዕጻው ሰብኣዊ ረድኤትን ኮኒኑ። ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመት ብ14 ዓመታት ወሲኹ ዝነበረ ዕምሪ ምንባር ኢትዮጵያውያን ምጉዳሉ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። ኢትዮጵያ ንሃገራዊ ጸጥታ ኣመሪካ ኣስጋኢት ኣብ ዝብል መዝገብ ክትቅጽል ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ኣሕሊፎም።
    7 min
  • ተኽእሎ ናይ ገዛእ ርእስኻ ሃገር ምፍጣርን ረብሓኡን
    ብሃገርካ ሕጉስ እንተዘይኴንካ ፡ ብኸመይ ናይ ገዛእ ርእስኻ ሃገር ክትፈጥር ትኽእል? ን ኡሳን ሃገራት (Micronations) ነተን ብውልቀ-ሰባት ዝፍጠራ ናይ ይምሰል ሃገራት ዝወሃብ ስም ክኸውን ከሎ: ኣውስትራልያ ኣብ ዉሽጣ ሓያሎ ሃገራት ብምእንጋድ ካብ ዝፍለጣ ሃገር እያ ። እዚ ተርእዮ እዚ ከም ዘይመስል ተጌሩ እንተራእየ ፡ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ግና ኣቓልቦ ምሁራት ዝሰሓበ ናይ ምንቕቓሕ ተግባር ኰይኑ ኣሎ ።
    7 min
  • ተራ ብሪጣንያዊ ንግስነት ኣብ ኣውስትራሊያ እንታይ እዩ፧ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)
    ኣውስትራሊያ ምስናይ ብሪታኒያ ንግስነታዊ ስርዓት ወግዓዊን ስምዒታውን ርክብ ኣለዋ ፤ እዚ ድማ ሓደ ውርሻ ናይ ብሪጣንያ ግዝኣት እዩ ። ብኣንጻሩ ግን ፡ እታ ኣብ ካሪበያ እትርከብ ደሴት ባርባዶስ ፡ ንንግስነት ብሪጣንያ ከም ርእሰ ብሄር ሃገራ ከይከውን ደው ኣቢላ ፡ ኣብ ሕዳር 2021 ድማ ሪፓብሊክ ኰነት ። ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማይ ኣብ 96 ዓመት ዕድሚኣ ብ8 መስከረም 2022 ድሕሪ ምሕላፋ ዝለዓል ዘሎ ሕቶታት ፦ ኣብዚ ዘመናዊ ኣውስትራልያ ንጉሳዊ ስርዓት ብሪጣንያ እንታይ ግደ ኣለዎ ?
    9 min
  • ሳባ ኣብርሃም ሓንቲ ካብ 10 ኣውስትራሊያዊያን ምስ ቀ/ሚኒስተር ኣብ ቀብሪ ንግስቲ ኤልዛቤጥ ክትሳተፍ ምምራጻ ሓጎሳ ትገልጽ።
    ናይ 2022 ናይ ኲንስላንድ ጀግና ተባሂላ ዝተሸለመት ወ/ሮ ሳባ ኣብርሃም ካብቶ 10 ነናይ መዓልቱ ኣውስትራሊያዊያን ተባሂሎም ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንተኒ ኣልባኔስ ናብ ለንደን ከይዳ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ንግስቲ ኤልዛቤጥ ክትሳተፍ ዕድመ ቀሪቡላ ኣሎ። ነዚ ኣመልኪትና ምስኣ ዝገበርናዮ ዕላል ቀሪቡ ኣሎ።
    14 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 መስከረም 2022)
    ናይ ሎሚ ሰኑይ 12 መስከረም 2022 ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ካብ ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤን ኣቶ ጌታቸው ረዳን ሰላማዊ ዝርርብ ኲናት ትግራይ ክመርሑ ተመዚዞም። ሕብረት ኣፍሪቃ ብወገኑ መንግስቲ ትግራይ ዘቕረቦ ጻውዒት 'ፍሉይ ዕድል' ብምባል ከም ዝተቐበሎ ኣፍሊጡ። ሚንስትሪ ሰላም ኢትዮጵያ ንመጸዋዕታ ሰላም ኲናት ትግራይ ተቓዊምዎ። ብምኽንያት ምውዳእ ዓመት 2014ን ምጅማር ሓድሽ ዓመተ 2015 (ካብ ዘመነ ማርቆስ ናብ ዘመነ ሉቃስ) መልኣከ ጸሃይ ቆሞስ ኣባ ዮሃንስ ከበደ ኣመሓዳሪ ሃመረ ኖህ ኪዳነ ምህረት ቤተ ክርስትያን ኣደላይድ ደቡብ ኣውስትራሊያ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ። ቃለ መሕትት፥ ምስ ዶ/ር ተስፋማሪያም መሓሪ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ከምኡ'ውን ምስ ዶ/ር ኣደራጀው ሓድሽ ካብ ካንቤራ ኣውስትራሊያ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊ
    52 min
  • መንግስቲ ኤርትራ: "ወያነ ሓሶት፡ ጥልመትን ምትላልን ከም ጥበብ ፖለቲካ" ይጥቀምሉ ኣሎ ክብል ከሲሱ። (ጸብጻብ)
    ኣርእስታት ዜና ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤን ኣቶ ጌታቸው ረዳን ሰላማዊ ዝርርብ ኲናት ትግራይ ክመርሑ ተመዚዞም። ሕብረት ኣፍሪቃ ብወገኑ መንግስቲ ትግራይ ዘቕረቦ ጻውዒት 'ፍሉይ ዕድል' ብምባል ከም ዝተቐበሎ ኣፍሊጡ። ሚንስትሪ ሰላም ኢትዮጵያ ንመጸዋዕታ ሰላም ኲናት ትግራይ ተቓዊምዎ። መንግስቲ ኤርትራ: "ወያነ ሓሶት፡ ጥልመትን ምትላልን ከም ጥበብ ፖለቲካ" ይጥቀምሉ ኣሎ ክብል ከሲሱ። ፕረዚደንት ትግራይ ብወገኑ "ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዘይመልከተካ ኲናት ንከንቱ ካብ ትመውት ኢድካ ብምሃብ ህይወትካ ኣድሕን" ክብል ፀዊዑ።
    6 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,809 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners