SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ምዕልቕላቕ ማይ ኣብ መነባብሮ ጸቕጢ ይገብር።
    ዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ማይ ኣብ ፌደራላዊ ባጀት ክሳዕ ክንደይ ዓብዪ ጽልዋ ከም ዘለዎ ዘርኢ ሓድሽ ኣሃዛት ትረዠሪ ወጺኡ። በቲ ዕልቕልቕ ዝጠፍአ ኣእካል ነቲ ዘሎ ዝቕባበ ዘወስኽ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣብ ዝቕጽል ሽዱሽተ ኣዋርሕ ፡ ተጠቀምቲ፡ ዋጋ ፍሩታታትን ኣሕምልትን ክውስኽ ምዃኑ ክጽበዩ ከምዘለዎም ተገሊጹ።
    7 min
  • ሌላ ምስ ብክእለት ሸፍ (ምኽሻን) ቪዛ ናብ ኣውስትራሊያ ኣትዩ ብሉጽ መግቢ ዘቕርብ ዘሎ ኤርትራዊ ኦስካር ቶፖ
    ኦስካር ቶፖ፡ ሞያ ምኽሻን (ቸፍ) ዘጥረየ ብሞያኡ ካብ 2017 ኣትሒዙ ብናይ ክኢላ (skilled) ቪዛ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝነብር ዘሎ ኤርትራዊ እዩ። ምስ ካልኦት ከም ቸፍ ኮይኑ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ናይ ገዛእ ርእሱ ቤት መግቢ ብምውጻእ ዝተፈላለዩ ናይ ጥልያን መግቢታት ከሺኑ ብምቕራብ ተፈላጥነት ዝረክብ ዘሎ ኦስካር ቶፕ፡ ብዛዕባ ጉዕዞ ኣመጻጽኡን፡ ዝሰርሖ መግቢታትን ኣዕሊሉና ኣሎ።
    16 min
  • ኣፍሪቃዊ መበቆል ንዘለዎም ተመሃሮ ኣብ ገሊኡ መማህራኖም ባዕሎም ትምህርቲ ከቋርጹ ይመኽርዎም ወይ ይደፋፍእዎም (ኡቡንቱ ፕሮጀክት)
    ዓሌታዊ ኣፈላላይ ኣብ ቤት ትምህርታት ኣውስትራልያ ብብዝሒ ከምዘጋጥምን ትካላዊ መልክዕ ከምዘለዎን ሓደ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጸ ጸብጻብ ኡቡንቱ ፕሮጀክት ደምዲሙ። እቲ ጸብጻብ ብዶክተር ዙለይካ ኣራሺሮ ዝተዳለወ ኮይኑ ‘ዓሌትነት ኣብ ቤት ትምህርታት፡ ኣፍሪቃውያን ኣውስትራልያውያን ተመሃሮ ኣፎም ይኸፍቱ’ ዝብል ኣርእስቲ ብእንግሊዝኛ ዘለዎ’ዩ። ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ክኢላ ዝኾነን ሓደ ካብ ደረስቲ መጽሓፍ ‘ዓሌትነት ኣብ ኣውስትራልያ/ረይሲዝም ኢን ኣውስትራልያ’ ዝኾነ ዶክተር ኣማኑኤል ኤልያስ ካብ ዲከን ዩኒቨርሲቲ እቲ ጸብጻብ ዘልዓሎም ነጥብታት ሓፈሻዊ መረዳእታ ክህበናን ክትንትነልናን ኣብ’ዚ ዓዲምናዮ ኣለና።
    17 min
  • ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ግሪኽ ካብ መጥቃዕቲ ንስክላ ተሪፋ፣ ህዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ማዕቀብ ክግበር ጸዊዑ፣
    ጸብጻብ ዜናታት (20/10/2022) ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ግሪኽ ካብ መጥቃዕቲ ንስካላ ከም ዝተረፈት ተገሊጹ፣ ኣብ ትግራይ ቁሸት ሺምብሊና ኣብ እትበሃል 46 ሰባት ብኣልማማ ተቐቲሎም፣ ህዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ማዕቀብ ክግበር ጸዊዑ፣ ናይ 2023 ዕቑር ሸርፊ ወጻኢ ኢትዮጵያ ን18 መዓልታት ዝሽፍን ምዃኑ iምፍ ኣሚቱ፣ ኢራን ድሕሪ ሓደ ዓመት ብጉዳይ ኲናት ትግራይ ተኸሲሳ ዝብሉ ንሎሚ በጺሖምና ዘለው ዜናታት’ዮም።
    10 min
  • ሓድሽ ሚኒስተር ፋይናንስ ዩኬ ቅድሚኡ ዝነበረ ሚኒስተር ዘውጽኦ ፖሊሲታት ቁጠባ ቀዳዲዱ ደርብይዎ
    ሓድሽ ሚኒስተር ፋይናንስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ዩኬ ሊዝ ትራስ ብምሉኡ’ቲ ንሳን ቀደም ዝነበረ ሚኒስተር ፋይናንስ ክዋዚ ክዋርተንን ዝኣመምዎ በጀት ቀዳዲዱ መሊሱ ናብ’ቲ ዝነበሮ ምምላሱ ኣብ ዝኣወጀሉ፣ እታ ቀ/ሚ ‘ጽላላ ትፈርሕ’ያ’ ተባሂላ ትኽሰስ ኣላ። ነዚ ኣብ ጸገም ተሸሚሙ ዘሎ መንግስቲ ብሪጣንያ ዝሓለፋ ሒደት መዓልታት ከብድቲ ኔረን።
    8 min
  • መኽሰባትን ሓደጋታትን ኣብ ኦንላይን ምግዛእ (ምንባር ኣብ ኣውስትራልያ)
    ሸመተ ኣቑሑ ብመንገዲ ኢንተርነት ወይ መርበብ ወይ ኦንላይን ሾፒንግ ምቹእ ብምዃኑን ገለ ቅናስ ዋጋታት ይርከበሉ ስለዝኾነን ብዙሓት ረብሓታት እንተሃለዉዎ'ኳ ገለ ሓደጋታት'ውን ኣለዎ። ብዙሓት ሕጋውያን ነጋዶ ወይ ሸቃጦ ኦንላይን ውልቃዊ ሓበሬታ ዓማዊል ይእክቡ እንተኾኑ'ኳ ኣታለልቲ ወይ ስካመርስ ከኣ ብተመሳሳሊ ወሰኽ ቁጽሪ ተጠቀምቲ ኦንላይን ዕዳጋ መዝሚዞም ንተኣፈፍቲ ኣውስትራልያውያን ዒላምኦም ገይሮም ናብ ንረብሓኦም ይጥቀሙሉ'ዮም።
    11 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ጥቅምቲ 2022)
    * ዜና * ደብዳብ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ትግራይ ሰራሕተኛታት ረድኤት ዝርከቡዎም ሰባት ቀቲሉ፣ ወተሃደራዊ መጥቃዕትታት እንትቕጽሉ ህልቂት ሰላማውያን ሰባት ክውስኽ’ዩ ክብሉ ዲፕሎማሰኛታት ኣጠንቂቖም፣ ሕብረት ኣውሮጳ፣ ኣሜሪካን ሕብረት ኣፍሪቃን ተኹሲ ደው ክብል ጸዊዖም፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ መካይን ዝርከብኦም 38 ዓይነት ናውቲ ናብ ሃገሩ ከይኣትዉ ከልኪሉ፣ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ አልቡርሃን ኣብ ፎረም ጣና ተሳቲፉ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ዝብሉ ጸብጻባት * ቀ/ሚ ኣንቶኒ ኣልባነዚ መንግስቲ ክፉል ዕረፍቲ ወሊድ/ፐይድ ፓረንታል ሊቭ ናብ 6 ወርሒ ከናውሖ ምዃኑ ይገልጽ። እዚ ንስድራቤታት ኣብ’ቲ ደቆም ንወለዶም ዘለልይሉ ወሳኒ እዋን ዝለዓለ ምትዕጽጻፍ ክህልዎም ከኽእሎም’ዩ ይብል። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። * ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ከተማ መልበርን ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣውስትራልያውያንን ኤርትራውያንን ብዙሓት ዕዱማት ዝተረኽብሉ ስፖርታዊ ንጥፈታትን መግብታትን ዝሓዘ ዓቢይ ምትእኽኻብ ኣካይዶም። ነዚ ምትእኽኻብ ዘወሃሃደ ማሕበር ኤርትራውያን ስድራቤታት ኣብ ህዩምን ሰሜንን ኮይኑ ውዕሎ’ቲ መዓልቲ ዝጽብጽብን ምስ ሓደ ካብ መስረቲ ኣቶ ያሲር ዓብዱረሒም ማሕሙድን፣ ካብ ኣካየድቲ ኣቶ ኻልድ ኢብራሂምን ዘካየድናዮ ዕላልን ንሎሚ ዝቐርቡ’ዮም። * ኣብ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኣብ ማራቶን ኣምስተርዳም ብክልቲኡ ጾታታት ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ምዕዋቶም፣ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ናትናኤል ተስፋጽዮን ንዝመጹ ክልተ ዓመታት ምስ ጋንታ ትረክ ሴጋፍሬዶ ክጽንበር ምዃኑ፣ ቀ/ሚ ሶማልያ ንመንእሰያት ት17 ሃገራዊት ጋንትኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምብጽሑን እቶም መንእሰያት ከኣ ሻምፒዮን መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ት17 ምዃኖምን፣ ኣባላት’ታ ኣብ ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ ዓለም 2022 ኣብ ዎሎንጎንግ ዝተሳተፈት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ገለ ሽዱሽተ ኣብ ኣውስትራልያ ተሪፎም ዑቕባ ከምዝሓተቱ ምርግጋጹን ዝትንትኖም ኣርእስታት’ዮም።
    49 min
  • ኣልማዝ ኣያናን ገንዘበ ዲባባን ኣብ ማራቶን ኣምስተርዳም ንፈለማአን ተወዳዲረን ተዓዊተን፣ ተቐዳደምቲ ኤርትራውያን ኣብ ኣውስትራልያ ዑቕባ ሓቲቶም
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኤስቢኤስ ትግርኛ (17/10/2022) ኣብ ማራቶን ኣምስተርዳም ብክልቲኡ ጾታታት ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ምዕዋቶም፣ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ናትናኤል ተስፋጽዮን ንዝመጹ ክልተ ዓመታት ምስ ጋንታ ትረክ ሴጋፍሬዶ ክጽንበር ምዃኑ፣ ቀ/ሚ ሶማልያ ንመንእሰያት ት17 ሃገራዊት ጋንትኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምብጽሑን እቶም መንእሰያት ከኣ ሻምፒዮን መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ት17 ምዃኖምን፣ ኣባላት’ታ ኣብ ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ ዓለም 2022 ኣብ ዎሎንጎንግ ዝተሳተፈት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ገለ ሽዱሽተ ኣብ ኣውስትራልያ ተሪፎም ዑቕባ ከምዝሓተቱ ምርግጋጹን
    11 min
  • ደብዳብ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ትግራይ ሰራሕተኛታት ረድኤት ዝርከቡዎም ሰባት ቀቲሉ (ካብ ጸብጻባት)
    ጸብጻባት ዜና (17/10/2022) ደብዳብ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ትግራይ ሰራሕተኛታት ረድኤት ዝርከቡዎም ሰባት ቀቲሉ፣ ወተሃደራዊ መጥቃዕትታት እንትቕጽሉ ህልቂት ሰላማውያን ሰባት ክውስኽ’ዩ ክብሉ ዲፕሎማሰኛታት ኣጠንቂቖም፣ ሕብረት ኣውሮጳ፣ ኣሜሪካን ሕብረት ኣፍሪቃን ተኹሲ ደው ክብል ጸዊዖም፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ መካይን ዝርከብኦም 38 ዓይነት ናውቲ ናብ ሃገሩ ከይኣትዉ ከልኪሉ፣ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ አልቡርሃን ኣብ ፎረም ጣና ተሳቲፉ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ
    9 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,863 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners