SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ቀጥታ ፈነወ SBS ትግርኛ (19 ግንቦት 2022)
    ካብ ኣርእስታት ዜና፥ ** መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ኣውስትራሊያ ካብ ነሓሰ 1974 ጀሚሩ ዝተሓተ ሽቕለት ኣልቦነት ናብ 3.9 ሚኢታዊት ወሪዱ ኣሎ ። ** ው/ሕቡራት ሃገራት ፡ እቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ውግእ ፡ ዓለምለኻዊ ፊናንሲያዊ ትካላት ኢዶም እንተ ዘየእትዮም ፡ ዓለማዊ ቅልውላው ምግቢ ኸለዓዕል ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ ። ካብ ኣርእስታት ጸብጻብ፡ ካብ ግንባራት መኸተ ዝነቐለት ሽግ ናጽነት ኤርትራ፡ ኣብ ሰፈር ልምዓት ድሙቕ ኣቀባብላ ከም ዝተገብረላ ተሓቢሩ። ኢትዮጵያ ንውዕል ኣልጀርስ ቀጻሊ ረብሓታት ንከውሕስ ትፍትሾ ከም ዘላ ሚንስተር ጉዳይ ወጻኢ ደመቀ መኮነን ተዛሪቡ። ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ “ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ምምራጽ” ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ እዩ ክኸውን። ብዛዕባ ምርጫ ኣውስትራሊያ ዝተሓሓዝ ንሰልፊ ሓምላይ ወይ ግሪንስ ዘፋልጥ መደብ ኣለና።
    57 min
  • ኢትዮጵያ ንውዕል ኣልጀርስ ቀጻሊ ረብሓታት ንከውሕስ ዳግም ትፍትሾ ከም ዘላ ም/ቀ ሚንስተርን ሚንስተር ጉዳይ ወጻኢ ደመቀ መኮነን ተዛሪቡ። (ካብ ኣርእስታት ጸብጻብ)
    ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ካብ ግንባራት መኸተ ዝነቐለት ሽግ ናጽነት ኤርትራ፡ ኣብ ሰፈር ልምዓት ድሙቕ ኣቀባብላ ከም ዝተገብረላ ተሓቢሩ። ኤርትራ: ኣብቲ ውዕሊ ዝርከብ ብይን ዶብ ብዘይቅድመ ኩነት ክትግበር ክትሓተሉ ዝጸንሐት ምዃና ይፍለጥ። ኤርትራ፡ ክሳዕ ሕጂ ንህዝባ፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ምሃብ ብዘይምጅማራ ከም ዝተሻቐለ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ። ንዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ካብ ገዝኡ ምስ ወፅአ ዘይተመለሰ ብርጋዴር ጀነራል ተፈራ ማሞ፡ ኣብ ባህርዳር ከም ዝተኣስረ ተፈሊጡ።
    8 min
  • "ወያነ ንኲናት ኣንቂዶም ኣለዉ" መንግስቲ ኤርትራ “ኩሉ ግዝኣት ትግራይ ብሰላም ወይ ብኻልእ ሓራ ከይወጸ ጠጠው ዝብል ነገር የለን።” ጌታቸው ረዳ
    መንግስቲ ኤርትራ “ሓድሽ ወተሃደራዊ ዕንደራ ወያነ ስለምንታይ? ንምንታይ ዕላማኸ?” ብዝብል ኣርእስቲ፡ ህወሓት ን ኤርትራ ወሪሩ ዓባይ ትግራይ ንምምስራት ዉግእ ክኸፍትዩ ዝደሊ ኢሉ ከሲሱ። ወሃብ ቃል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ድማ መልሲ ሂቡ ኣሎ።
    3 min
  • ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ምምራጽ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ )
    ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ምምራጽ ንወለድን ውሉዳትን ዘይተጸበይዎ ውጥረት ከስዕበሎም ይኽእል እዩ ። ስድራ ቤታት ገለ ኣገዳሲ ዝዀኑ ነገራት ብምሕሳብ ፡ ንውሉዶም ይኸውንዩ ዝብልዎ ንዅነታቶም ዝሰማምዖም እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ፡ ሓበሬታ ንምርካብ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ይኽእሉዮም።
    10 min
  • ምርጫ 2022: ሰልፊ ግሪንስ
    ኣውስትራልያዊ ሓምላይ ሰልፊ/ዘ ግሪንስ ካብ ኣብ ግዝኣታት ዝመደበሮም ብነጻ/በበይኖም ዝንቀሳቐሱ ወከልቲ ሓምላይ/ግሪን ሰልፍታት ኣብ ሲድኒ ተራኺቦም ሓድሽ ፌደራላዊ ሰልፊ ምስ ኣቖሙ ብወግዒ 30 ነሓሰ 1992 ተበጊሱ። ዕብየትን ዓወትን ናይ’ቲ ሕጂ ኣብ ፖለቲካ ኣውስትራልያ ጸላዊ ኮይኑ ዘሎ ሰልፊ ሳላ ስራሕ ተጣባቒ ከባብን መራሒ ሰልፊ ግሪን ነበርን ቦብ ብራውን’ዩ ክበሃል ይከኣል።
    8 min
  • "ጀላል ያሲን ናብ ሓይልታት ምስመጻና ሮል ሞዴልና/ ኣብነትና'ዩ ኔሩ።" ዮሃንስ ጸጋይ
    ጀላል ያሲን ኣበራ፡ ብዙሕ ቋንቋታት ዝፈልጥ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝዝርግሖም ዘይርከቡ ሰነዳትን ስእሊታትን፡ ኣብ ኲናት ሰሊና ኣፍ ሞት ጥዒሙ ክምለስ ዝገበረ ምሉእ መዓናጥኡ ዘውጽአ መውጋእቲ ዝደሓነ፡ ኣብ ኖርወይ ንነዊሕ ዓመታት ክነብር ድሕሪ ምጽናሕ ዓሪፉ። ብዛዕባኡ ብዙሕ ሰብ ሓዘኑ ይገልጽ ኣሎ። ተጋዳላይ ዯህንስ ጸጋይ ኣብ ሜዳ ወዲ ጋንታኡ ዝነበረ ብፍላይ ኣብቲ ከቢድ መውጋእቲ ጀላል ያሲን ካብቶም ዘልዓልዎን ዝሓከምዎን እዩ ኔሩ። ዝኽሪታቱ ኣካፊሉና ኣሎ።
    22 min
  • ቢንያም ግርማይ ካብ ዝለዓሉ ተቐዳዳምቲ ጂሮ ብምዃን ይቕጽል፣ ኢትዮጵያ ኣብ ዓዳ ክካየዱ ዝግበኦም ግጥማታ ኣብ ማላዊ ከተካይዶም'ያ
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (16/05/2022) * ካፍ ስታድየም ባህር ዳር ኣህጉራዊ ግጥማት ከአንግድ ብቑዕ ኣይኮነን ኢሉ ክእግዶ ድሕሪ ምውሳኑ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገራ ተካይዶም ግጥማት ኣብ ማላዊ ሃገራዊ ስታድየም ቢንጉ ከተካይዶም ምዃና ተፈሊጡ፣ * ኮኾብ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ኣብ ዙር ኢጣልያ ዝነኣድ ምንቅስቓሳቱ ብምቕጻል ክሳብ ሕጂ ኣብ ሓሙሽተ መድረኻት ኣብ ዝለዓሉ ሓሙሽተ ቦታታት ቅድድሙ ፈጺሙ፣ * ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ብሽግለታ ግራንድ ፕሪ ዱ ሞርቢሃን ኤርትራዊ ዳዊት የማነ ዝነኣድ መበል 22 ወጺኡ፣ * ጋንታ ማንቸስተር ሲቲ ዝለዓለ ብዝሒ ሽቶታት ዘመዝገበላ ገዲም ተጻዋታያ ሰርጂዮ ኣጒሮ ሓወልቲ ትሰርሓሉ፣ እታ ሓወልቲ ግን ምስ’ቶም ብጽቡቕ ዝተሰርሑ ድያ ትስራዕ፧
    13 min
  • ቀጥታ ፈነወ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (16 ግንቦት 2022)
    ኣብ ሶማል ኣብ ዝተገብረ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ፡ ወዲ 66 ዓመት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ፕረዚደንት ኰይኑ ተመሪጹ ፡ ቃለ ማሕላ እውን ፈጸሙ ። እቲ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ፎርማጆውን ስዕረቱ ተኣሚኑ፡ ህዝቢ ሶማል ነቲ ተመሪጹ ዘሎ ክድግፎ ጸዊዑ። እዚ ሓደ ካብ ናይ ሎሚ ትሕዝቶ ዜናና እዩ። ካልኦት ዜናታትን ካብ ጸብጻብ ልኡኽና ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዳግም ኲናት ከይጅመር ጻዕርታት ክግበር ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣተሓሳሲቡ። ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ቀጻሊ ቀንዲ ቆላሕትኦም ትግራይ ዘይኮነትስ ወደብ ዓሰብ ምዃና ምዝራቦም ይግለጽ ኣሎ። ኣስመራ፡ ኣገልግሎት ረሳሕ ፈሳሲ ንምስፋሕ ኣድማዒ ዕማም ተሳልጥ ኣላ።። ቃለ ምሕትት፥ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊ’ውን ቀሪቡ ኣሎ።
    57 min
  • ቀ/ሚንስተር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ቀጻሊ ቀንዲ ቆላሕታኡ ትግራይ ዘይኮነስ ቀይሕ ባሕሪ ምዃኑ ምዝራቡ ይግለጽ። (ካብ ኣርእስታት ጸብጻብ)
    ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዳግም ኲናት ከይጅመር ጻዕርታት ክግበር ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣተሓሳሲቡ። ኣብ ኢትዮጵያ 300 ሚልዮን ዶላር ተሰሊዑሎም ዝነበረ ፕሮጀክትታት ልምዓት ተቛሪጾም። ኣስመራ፡ ኣገልግሎት ረሳሕ ፈሳሲ ንምስፋሕ ኣድማዒ ዕማም ተሳልጥ ኣላ። ኮንግረስ ፌደራሊስት ኦሮሞ ኲናት ትግራይ ምብትታን ሃገር ዝርከቦም ኣርባዕተ ሳዕቤን ዝወልድ እዩ ክብል ኣጠንቂቑ።
    9 min
  • ዓሌታዊ ስምዒት ዘበገሶ ጃምላዊ ቅትለት ጸለምቲ ኣብ ኣመሪካ።
    ሰበ-ስልጣን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከምዝሕብርዎ ፡ እቲ ኣብ ግዝኣት ኒው ዮርክ ኣብ ዝርከብ ሓደ ሱፐር ማርኬት 10 ሰባት ዝቐተለ ዕጡቕ ፡ ብብዝሒ ጸለምቲ ተኣኪቦሙሉ ዝነበሩ ከባቢ ደልዩ እዩ ተኲሱ ። እቲ ጃምላዊ ቅትለት ብዓሌታዊ ጽልኢ እተለዓዓለ ሃቐና ከም ዝዀነ ይዛረቡ ።
    4 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,814 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners