SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ብሰንኪ ኲናት ዩክሬን ዘይጸግዓዊ መትከል ስዊዘርላንድ ይፍተን።
    ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ድሕሪ ምፍጻማ ፡ ንሓድነት ኤውሮጳውያን ፡ ምስ እገዳ ፡ ከምኡ ‘ውን ብዛዕባ ነዳዲን ቀረብ ጋዝን ዝምልከት ፈቲንዎ እዩ ። ክሳብ ሕጂ ኤውሮጳዊ ኅብረት ብሓደ እዩ ዘሎ ። ብዛዕባ እታ ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ ዘይኮነት ኣብ ማእከል ኣውሮጳ ትርከብ ዘይወገናዊት ተባሂላ ትጽዋዕ ስዊዘርላንድከ እንታይ ክበሃል ይከኣል ? ስዊዘርላንድ ካብ ክልቲኡ ውግኣት ዓለም ጸግዒ ብዘይምሓዛ ነቲ ፈተና ሓሊፋቶ'ያ: እንተዀነ ግን እዚ ኣብ ገለልትነት መትከላ ከጽንዓ ድዩ? ኣብ ምልክት ሕቶ ኣትዩ ዘሎ ጉዳይ እዩ።
    5 min
  • ምሉእ ትሕዝቶ ፈነወ ኤስቢኤስ ትግርኛ
    ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስቢኤስ ትግርኛ * ዕለታዊ ዜና፣ * ዕለተ ምርጫ ኣውስትራልያ ክልተ ሰሙን ምስ ተረፎ ኣቐዲምኩም ድምጽኹም ትህቡሎም ነቑጣታት ተኸፊቶም ኣለዉ- ትሕዝቶ * ጸብጻባት ዜና * ቃለመሕትት ምስ ዶ/ር ጽጋቡ ኣስመላሽ (ቀዳማይ ክፋል) * ምንባር ኣብ ኣውስትራልያ (ዓለምለኻዊ ሕግታትን ሓለዋ ህጻናትን)
    49 min
  • "ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ጉግል ምእታዉ፡ ካብን ናብን ብዙሕ ቋንቋታት ምትርጓም ሓሊፉ ብዙሕ ረብሓ ኣለዎ" ኢንጂኔር ክፍላይ ተወልደብርሃን
    ሎሚ ጉግል ንትግርኛ ወሲኹ ናይ 24 ቋንቋታት ክትርጎም ከፊቱ ኣሎ። እዚ ስራሕ ክሰልጥ ምስካልኦት ኮይኑ ክነጥፍ ዝጸንሐ ኢንጂኔር ክፍላይ ተወልደብርሃን፡ ብዛዕባ ኣገዳስነትን ኣጠቓቕማን እዚ ዓወት ኣብሪሁልና ኣሎ።
    10 min
  • ኤርትራዊት ዳይረክተር ሳይንስ ኣሜሪካ ኮይና፣ ትግርኛ ኣብ ትርጉም ጉግል ኣትዩ፣ ዘረባታት መራሕቲ ትግራይን ኢትዮጵያን ኩናት ከየበግስ ተሰጊኡ
    ጸብጻባት ዜና: * ህዝቢ ትግራይ ኣብ ወሳኒ መድረኽ ይርከብ ክብል ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ገሊጹ: * ኩሎም ሓይሊታት ፀፅታ ኣብ ዝሓሸ ቅዋምን ብቕዓትን ይርከቡ ክብል ከኣ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ገሊጹ: * ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ደርቂ ልዕሊ 600 ሽሕ ተማሃሮ ትምህርቲ ኣቋሪጾም * ኤርትራዊት-ኣመሪካዊት ፕሮ. ኣስመረት ኣሰፋው ዳይረክተር ሳይንስ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኰይና
    8 min
  • ኣብ ፈደራል ምርጫ ኣውስትራልያ 2022 ኣቐዲምካ ምምራጽ ተጀሚሩ፣ ስግኣት መልከፍቲ ኮቪድ ቅቡል ምኽንያት'ዩ
    ከባቢ 500 ቅድሚ መዓልቲ ምርጫ (21 ግንቦት 2022) ድምጺ ዝወሃበሎም መድመጺ ነቑጣታት ካብ ዝሓለፈ ሶኑይ ጀሚሮም መዓጹኦም ኣርሕዮም ኣለዉ። ኣብ’ዚ ዓመት ኮሚሽን ምርጫ ኣውስትራልያ ዳርጋ ፍርቂ ዝኾኑ ምዝጉባት ኣድመጽቲ 21 ግንቦት መዓልቲ ምርጫ ቅድሚ ምእኻሉ ንመን ከምዝመርጹ ድሮ ወሲኖም ኣለዉ ክብል ግምቱ ይህብ።
    7 min
  • “ኣብ ሱዳን ርጉእ መንግስቲ እንተዝነብር’ውን ምስኦም ኮይና ምሰራሕና።” ቃለ መሕትት ምስ ዶ/ር ጽጋቡ ኣስመላሽ
    ዶ/ር ጽጋቡ ኣስመላሽ ኣብ ዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳት ተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራ (ደለይቲ ፍትሒ) ክነጥፍ ዝጸንሐ እዩ። ኣባል ናይቲ ኣብዚ ቅሩብ ዝተመስረተ “ፈልሲ ደሞክራስን ሰላምን ኤርትራ” ኮይና ብዛዕባ ሓፈሻዊ ደምበ ተቓዉሞ ኤርትራን ኣብዚ ሎሚ ዘለዎ ኩነታትን ዝኽተሎ ዘሎ ዕላማታትን ገሊጹልና ኣሎ።
    29 min
  • መሰላት ቆልዑ ኣብ ኣውስትራሊያ (ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)
    እቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ውዕል መሰላት ናይ ህጻናት፡ ሓደ ካብ ኣህጉራዊ ስምምዕ ሰብኣዊ መሰላት እዩ። እዚ ውዕል ሰብኣዊ መሰላት ተባሂሉ እውን ዝፍለጥ ኰይኑ ፡ ቈልዑን መንእሰያትን እንታይ መሰላት ክሓቱ ከም ዝኽእሉ ድማ ዝገልጽ እዩ ። ዳርጋ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ኵለን ሃገራት ፡ እንተላይ ኣውስትራልያ ፡ ነዚ ውዕል እዚ ከተግብራ መብጽዓ ኣትየን እየን። በዚ ድማ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ካብ ኵሉ ንላዕሊ ደገፍ ዘለዎ ውዕል እዩ ። ናይዚ ሰሙን "ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ንቆልዑ ኣብ ኣውስትራሊያ እንታይ መሰላት ከምዘለዎም ከምኡ" ውን ብኸመይ ብናይ ኣውስትራሊያ ሕጊታት ከምዝሕለዉ ዝገልጽ እዩ ።
    11 min
  • ቢንያም ግርማይ ኣብ ዙር ኢጣልያ ታሪኽ ምስራሕ ይቕጽሎ፣ ዳቪድ ትሪዘገ ምስ ዋንጫ ዓለም ናብ ኢትዮጵያ ዑደት ክፍጽም'ዩ
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (09/05/2022) * ብሃንቀውታ ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ቅድድም ብሽግለታ መበል 105 ዙር ኢጣልያ ወይ ጂሮ ድ’ኢታልያ ዝሓለፈ ዓርቢ ተጀሚሩ ኤርትራዊ ኮኾብ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ካልኣይ ወጺኡ፣ ተሳትፎኡ ብዝለዓለ ብቕዓት ይቕጽሎ‘ሎ፣ * መርሃዊ ቅዱስን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ከኣ ጋንታታቶም እናሓገዙ ይምርሹ፣ * ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ስታድየም ባህር ዳር ዓለምለኻውያን ግጥማት ደጊሙ ከአንግድ ዝኽእል እንተኾይኑ ንምምልካት ናብ ኢትዮጵያ ዑደት ክገብር ምዃኑ ተፈሊጡ፣ ፈረንሳዊ ተዓዋቲ ዋንጫ ዓለም ደይቪድ ትሪዘገ ምስ ዋንጫ ዓለም ብሓባር ናብ ኢትዮጵያ ዑደት ክገበር’ዩ፣ * ንተዓወትቲ ጋንታታት ወይ ኣትሌታት ዝወሃብ ናይ ክብሪ ምዕጃብ ብድሌት ዝካየድ ክንሱ ንምንታይ’የን ገለ ጋንታታት ዘይደልይኦ፧
    10 min
  • ቀጥታ ፈነወ SBS ትግርኛ (09 ግንቦት 2022)
    ካብ ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣውስትራልያዊያን ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ፡ ንሕሙማት መንሽሮ ደም ፡ ካብ ተጻዋርነት መድሃኒት ዝከላኸል ሓድሽ ሕክምና ብምርካቦም ፡ ንሕሙማት ካንሰር ተስፋ ዝህብ ርኽበት ተባሂሉ ። ** ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ሞሪሰንን መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ኣንቶኒ ኣልባነስን ኣብቲ ብ 9 ኔትዎርክ እተወደበ ናይ ምርጫ ክትዕ ፡ ንኻልኣይ ግዜ ተራኺቦም ተኻቲዖም። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻባት ኣርእስታቶም፥ ኣማኻሪ ፕረዚደንትን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ምስ ኤርትራውያን ነበርቲ ጁባን ከባቢኣን ሰሚናር ኣካይዱ። ኣብ ምዕራብ ትግራይ ንዝተፈጸመ ምጥፋእ ዓሌት መርትዖታቱ ንምስዋር ኣስከሬናት ይቃጸሉ ኣለዉ ተባሂሉ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠሙ ሃይማኖታዊ ጎንጺታት ብዘይወገናዊ ኣካል ክምርመሩ ሓቲቱ። ቃለ ምሕትት፥ ኣቶ ግርማይ ገብረመድህን ኣብ ማሕበረሰብ ኲንስላንድ ብዘበርከቶ ወለንታዊ ስራሕን ናይ ኮሙዩኒትይ ኣገልግሎትን ብ Afriqueensland ክሽለም በቒዑ ኣሎ። ብዛዕባቲ ዝረኸቦ ሽልማትን ዝገብሮም ንጥፈታትን ኣዕሊሉና ኣሎ።ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ክቐርብዩ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊ’ውን ቀሪቡ ኣሎ።
    58 min
  • ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠሙ ሃይማኖታዊ ጎንጺታት ብዘይወገናዊ ኣካል ክምርመሩ ሓቲቱ። (ካብ ኣርእስታት ጸብጻብ)
    ኣርእስታት፥ ኣማኻሪ ፕረዚደንትን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ምስ ኤርትራውያን ነበርቲ ጁባን ከባቢኣን ሰሚናር ኣካይዱ። ኣብ ምዕራብ ትግራይ ንዝተፈጸመ ምጥፋእ ዓሌት መርትዖታቱ ንምስዋር ኣስከሬናት ይቃጸሉ ኣለዉ ተባሂሉ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠሙ ሃይማኖታዊ ጎንጺታት ብዘይወገናዊ ኣካል ክምርመሩ ሓቲቱ። ኢትዮጵያ ሕጂ ውን ዋጋ ነዳዲ ኣብ ሊትሮ 5 ቅርሺ ክውስኽ መምርሒ ኣውጺኣ። እዚ መምርሒ ኣብ ሊትሮ ክሳብ 121 ሚእታዊት ወሰኽ ዋጋ ከም ዘስዓበ ውን ተገሊጹ ኣሎ።ዝብሉን ካልኦትን ኣርእስታት ዝሓዘ ጸብጻብ ኣለና ከነቕርቦ ኢና፣
    8 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,814 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners