
Sign up to save your podcasts
Or


ቅድሚ 20 ዓመት፡ 11 ሰበስልጣን መንግስቲን 18 ጋዜጠኛታት ናይ ብሕቲ ፕረስን ብዉሳነ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ዝዝከር ኢዩ። ብርግጽ እቲ እዋን፡ ኣሜሪካ ብናይ 11 መስከረም 2001 ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ልባ ኣብ ዝባና ተሰቒሉ ምምሕዳር ቡሽ ፈታዊን ጸላኢን ንምልላይ ላዕልን ታሕትን ዝብለሉ ዝነበረ እዋን ብምንባሩ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኣልማማ ማእሰርቲ ልክዕ ግዜ መሪጹ ከም ዝፈጸሞ ዝዛረቡ ወገናት ኣለዉ።
ድሕሪ እቲ ማእሰርቲ ብቃለ መጠይቓት ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሰብ መዚ ኤርትራን ኣቢሉ ብዛዕባ እቶም ዝተኣስሩ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲን ጋዜጠኛታትን ዝተነገረ ነገር እንተሎ፣ እቶም ቅዩዳት ካብ ናይ ግዳም መንግስታት ገንዘባዊ ሓገዝ ብምርካብ ሃገር ኣሕሊፎም ዝሃቡን ብክድዓት ዝሕተቱን ሰባት ከም ዝኾኑ ኢዩ። እዚ ክሲ’ዚ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ወላ እንተጸንሐ ክሳብ ሕጂ ግን እቶም ቅዩዳት ብወግዒ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ከይተሓተቱሉ 20 ዓመቶም ገይሮም ኣለዉ።
** ኣብ መላእ ኒው ሳውዝ ዌልስ ዝርከባ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ 25 ጥቅምቲ ክኽፈታ እየን።
**ሰራዊት ሕወሓት ኣብ ሰሜን ጎንደር ዞባ ዳባት ወረዳ ናይ ጅምላ ቅትለት ምፍጻሙ ናይቲ ዞባ ምምሕዳር ኣፍሊጡ።
** ጣሊባን ኣፍጋኒስታዊያን ደቀንስትዮ ስፖርት ክጻወታ ከም ዘይፍቀደለን ኣረጋጊጹ።
እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ጸብጻብ ልኡኽና፡
ትምህርቲ ኣብ ትግራይ ክጅመር ምድላው ይግበር ኣሎ ተባሂሉ። ብኮቪድ 19ን ኩናትን ካብ ዝቋረጽ ልዕሊ ዓመት መንፈቕን ሓሊፉዎ ኣሎ።
ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 13 ሚልዮን ሰባት ዋሕዲ መግቢ ከጋጥሞም ይኽእል ዩ ክብል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ።
ኣብ ሱዳን ዝነብሩ ስደተኛታት ንሓይልታት ትግራይ ይሕግዙ ኣለዉ ንዝብል ክሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ UNHCR ነጺጉዎ።
'ዕጡቓት ህወሓት' ኣብ ክልል ኣምሓራ ከባቢ ዳባት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ቀቲሎም ንዝብል ክሲ መንግስቲ ክ/ትግራይ: ስኑዕ ሓበሬታ ክብል ነጺጉዎ።
'ዕጡቓት ህወሓት' ኣብ ክልል ኣምሓራ ከባቢ ዳባት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ቀቲሎም ንዝብል ክሲ መንግስቲ ክ/ትግራይ: ስኑዕ ሓበሬታ ክብል ነጺጉዎ።
ብ ኣቆጻጽራ ግእዝ ሓድሽ ዓመት 2014 ኣብዝቀራረበሉ ዘሎ እዋን፡ ብዛዕባ ኣቆጻጽራ ዘመን ብፍላይ ድማ ትርጉም ናይ ጳጉሜን ቆሞስ ኣባ ዮሃንስ ከበደ ኣመሓዳሪ ቤተ ክርስትያን ሃመረ ኖህ ኪዳነ ምህረት ኣደላይድ ካብዝገበርናዮ ጻንሒት ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ።
ኣእምሮኣዊ ጥዕና ቀንዲ ክፋል ሓፈሻዊ ጥዕናን ድሕነትን እዩ ። ናይ ኣእምሮ ሕማም ዘለዎም ሰባት ኣካላዊ ሕማም ናይ ምሕማም ዕድሎም ሰፊሕ እዩ ። ኣብ ኣውስትራሊያ ሰባት ዝተፈላለዩ ናይ ኣእምሮ ሓለዋ ጥዕና ኣገልግሎታት ክጥቀሙ ይኽእሉ ፤ ይኹን እምበር ምልክታት ናይ ኣእምሮ ጥዕና ፈሊኻ ሓገዝ ምሕታት ኣገዳሲ እዩ ።
ምስ ጋዜጠኛን ጸሓፊን ግርማይ ገብሩ ብዛዕባ ግጥሚታቱ ካብ ዝተገብረ ዕላል እተወስደ።
ዕልልታን ንብዓትን፥
ምፍጣርኪ ዝነግር ብኽያትኪ ሰሚዖም
ኩሎም ብዕልልታ ብታሕጓስ ነቢዖም።
ደሓርከ
ምማትኪ ዝነግር ጥሩምባ ምስ ሰምዑ
ጨጉሪ ርእሶም ነጽዮም ንሶም እንትነብዑ
ትስሕቂዶ ሽዑ?
ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡
** ኣንጻር ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑን ዝወርድ ዓመጽ ዝምልከት ዝዝቲ ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ኣውስትራሊያ ይግበር ኣሎ።
** New South Wales ልዕሊ ሓደ ሽሕ ናይ ኮቪድ መልከፍቲ ን 5 ሞትን ተመዝግብ
ናይ ጊኒ መራሒ ወታሃደራዊ ዕልዋ ኣጋጢምዎ
** ፓራኦሎምፒክ ቶክዮ ብውዕዉዕ ጽምብል ተዛዚሙ
ሓጺር ጸብጻብ፥
ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ከይኣቱ ብዝቕጽል ዘሎ ዕጽዋ መገድታት ሰባት ብጥሜት ይሞቱ ከም ዘለዉ ተሰሚዑ።
ሱዳን ዴሞክራሲያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምኹላፍ ዝተልኣኸ ዝበለቶ ብነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ካርቱም ዝኣተወ ኣጽዋር ኣብ ቁጽጽር ከም ዘእተወት ኣፍሊጣ።
ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝተረፉ ተጋሩ ንምጥፋእ ሓይልታት ኣምሓራ ብወግዓዊ ኣኼባ ምስተዘራረቡሉ ኣስከሬናት ኣብ ሩባ ተከዘ ከንሳፍፉ ከም ዝተርኣዩ ዘ ቴሌግራፍ ኣቃሊሑ።
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (06/09/2021)
* ኬፕታውን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ እግሪ 10000 ሜ ኢትዮጵያዊት ታዱ ናረ ብሉጽ ውልቃዊ ግዜ ብምምዝጋብ ተዓዊታ፡
* ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ኣብ ቦኽሪ ቅድድም ብሽግለታ ክላሲክ ግራንድ ቤሳንኮን ዶብስ ቀዳማይ ፕሮፌሽናል ዓወቱ ኣመዝጊቡ፡
* ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ምድባዊ መጻረዪ ግጥማ ንዋንጫ ዓለም ፊፋ 2022 ዝሓለፈ ዓርቢ ኣካይዳ ብጋና 1-0 ተሳዒራ፡
* ጂቡቲ ብወገና ኣንጻር ሻምፒዮን ኣፍሪቃ ኣልጀርያ ገጢማ ብገፊሕ 8-0 ተሳዒራ፡
* መጻረዪ ግጥም ንዋንጫ ዓለም ቐጠር 2022 ኣብ መንጎ ሃገራት ደቡብ ኣሜሪካ ብራዚልን ኣርጀንቲናን ሰንበት ብምኽንያት ጸገማት ምኽታል መምርሒታት ኮቪድ-19 ግጥም ተጀሚሩ ድሕሪ 5 ደቓይቕ ምቁራጹ መዛረቢ ዓለም ኮይኑ፡
እቲ ኣዝዩ ተላባዒ ዓሌት ኮሮና ቫይረስ ዝኾነ ደልታ ፡ በብዓይነቱ ሓድሽ ማዕበል መልከፍቲ ኮቪድ-19 ኣብ መላእ ዓለም ብምስፋሑ ፡ ነቲ ዓለምለኻዊ ኵነታት ለበዳ የጋድዶ ኣሎ ።
'ሙ' ['Mu' ] ዝተሰምየ ሓድሽ ዓሌት ድማ ፡ ንሓለፍቲ ዉድብ ጥዕና ዓለም ከተሓሳስቦም ጀሚሩ፡ ጸብጻብ... _ _ _ _ ።
From the publisher's feed

4 Listeners

10 Listeners

9 Listeners

111,825 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

3 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners