SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ቢንያም ግርማይ ቦኽሪ ፕሮፌሽናል ዓወቱ ኣመዝጊቡ፡ መሲ-ኣንጻር-ነይማር ብሰንኪ ድራማ ኣብ ኣተሓሕዛ ኮቪድ ተመሓላሊፉ

    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (06/09/2021)

    * ኬፕታውን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ እግሪ 10000 ሜ ኢትዮጵያዊት ታዱ ናረ ብሉጽ ውልቃዊ ግዜ ብምምዝጋብ ተዓዊታ፡

    * ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ኣብ ቦኽሪ ቅድድም ብሽግለታ ክላሲክ ግራንድ ቤሳንኮን ዶብስ ቀዳማይ ፕሮፌሽናል ዓወቱ ኣመዝጊቡ፡

    * ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ምድባዊ መጻረዪ ግጥማ ንዋንጫ ዓለም ፊፋ 2022 ዝሓለፈ ዓርቢ ኣካይዳ ብጋና 1-0 ተሳዒራ፡

    * ጂቡቲ ብወገና ኣንጻር ሻምፒዮን ኣፍሪቃ ኣልጀርያ ገጢማ ብገፊሕ 8-0 ተሳዒራ፡

    * መጻረዪ ግጥም ንዋንጫ ዓለም ቐጠር 2022 ኣብ መንጎ ሃገራት ደቡብ ኣሜሪካ ብራዚልን ኣርጀንቲናን ሰንበት ብምኽንያት ጸገማት ምኽታል መምርሒታት ኮቪድ-19 ግጥም ተጀሚሩ ድሕሪ 5 ደቓይቕ ምቁራጹ መዛረቢ ዓለም ኮይኑ፡

    11 min
  • ዓለም ሎሚ ምስ ኮሮና ቫይረስ ከመይ ዊዒላ፧ 06 መስከረም 2021

    እቲ ኣዝዩ ተላባዒ ዓሌት ኮሮና ቫይረስ ዝኾነ ደልታ ፡ በብዓይነቱ ሓድሽ ማዕበል መልከፍቲ ኮቪድ-19 ኣብ መላእ ዓለም ብምስፋሑ ፡  ነቲ ዓለምለኻዊ ኵነታት ለበዳ የጋድዶ ኣሎ ።

     

     'ሙ' ['Mu' ] ዝተሰምየ ሓድሽ ዓሌት ድማ ፡ ንሓለፍቲ ዉድብ ጥዕና ዓለም ከተሓሳስቦም ጀሚሩ፡ ጸብጻብ... _ _ _ _ ።

    8 min
  • «ኣብ ባህሉ ዝነደየን መንነቱ ዝነዓቐን ህዝቢ ጥዑይ ፖሎቲካ ክፈጥር ኣይክእልን’ዩ።» መንገሻ ሃብተ

    እዚ መቐጸልታ ናይቲ ምስ ጸሓፊ መጽሓፍ "መዘክር ወዲ ሃገረሰብ" ዝጸሓፈ መንገሻ ሃብተ የማነ እተገብረ ዝርርብ እዩ። ንባህሊን መንነትን ኣነባብራ ብዛዕባ ትገልጽ መጽሓፉ መሰረት ዝገበረ ዕላል እዩ።

    29 min
  • ዝርርብ ምስ ጸሓፊ መጽሓፍ "መዘክር ወዲ ሃገረሰብ" መንገሻ ሃብተ

    ኣብዚ ቅሩብ እዋን ተሓቲማ ኣብ ዕዳጋ ትርከብ መጽሓፍ "መዘክር ወዲ ሃገረሰብ" ካብተን ኣብ ነበብቲ ቅልጡፍ ተቐባልነት ረኺባ ዘላ መጽሓፍ እያ። ኣብ ባህሊን ያታን ኣነባብራ ሕብረተሰብ ትግርኛ እትገልጽ መጽሓፍ ዝምልከት ምስ ጸሓፊኣ መንገሻ ሃብተ እተገብረ ዕላል ቀዳማይ ትሕዝቶ።

    30 min
  • ዕለታዊ ዜና 02 መስከረም 2021 SBS ትግርኛ

    ዕለታዊ ዜና፥

    ** ኒው ሳውዝ ወልስ 70 ሚእታዊ ካብ ነበርታ ቀዳማይ ክታበት ተኸቲቦም።

     

    ** ሓይልታት ትግራይ  (ሕወሓት) ኣብ ክልል አማራ ዝርከብ ንብረት ናይ ኣመሪካ ትካል  ተራድኦ (USAID) ኣብ መኽዘናት ዝነበረ ናይ ረዲኤት ንብረት ምውሳዶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ናይቲ ትካል ሓላፊ ኣፍሊጡ።

     

    ኣብ ስፖርት

    ** ሓደ ኣውስትራሊያዊ ተጻዋቲ ባይታ ቴኒስ ኣብ ዩ ኤስ ኦፐን ይዕወት

    15 min
  • ኤርትራ ንምትእትታው ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ከምትቃወሞን ንግዝኣታዊ ሓድነት እታ ሃገር ከም ትድግፍን ገሊጻ። (ጸብጻብ)

    ኣርእስታት ጸብጻብ፥

     

    ኤርትራ ንምትእትታው ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ከምትቃወሞን ንግዝኣታዊ ሓድነት እታ ሃገር ከም ትድግፍን ገሊጻ።

      መበል 60 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ተኸቢሩ።

    ኣብ ትግራይ ልዕሊ 6500 ኣብ ዓፋርን ኣምሓራን ኣስታት 600  ኣብያተ ትምህርቲ ብምዕናዎም ልዕሊ 1.4 ሚልዮን ተምሃሮ ልዕሊ 48 ሽሕ መማህራን ካብ ትምህርቲ ቦኺሮም።

    ሚንስትሪ ንግድን ኢንዱስትሪን ኢትዮጵያ ቁጠባዊ ሸርሕታት ፈጺሞም ብዝብል ልዕሊ 50 ሽሕ ኣብያተንግዲ ዓሺጉ፣ ንልዕሊ 80 ሽሕ መጠንቀቕታ ከም ልዕሊ 1500 ከኣ ፍቓዶም ከም ዝሰረዘ ገሊጹ።

     

    ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ: ባንክታት እታ ሃገር ውህሉል መጠን ኣታዊ ኣብ ቤትጽፈቱ ዝዓቑርኦ ገንዘብ ካብ 5% ናብ 10% ፣ መጠን ወለድ: ልቓሕ ሓጺር እዋን ካብ 13% ናብ 16% ክውስኽ፣ መጠን ካብ ትካል ረድኤት ዝርከብ ሸርፊ ወጻኢ ካብ 30% ናብ 50% ወሲኹ ክዕቆር ዘገድድ ሕጊ ኣውጺኡ። ዝብሉን ካልኦትን  ኣርእስታት ዝሓዘ ጸብጻብ ልኡኽና ድሕሪ ዜና ክቐርብ እዩ።

    8 min
  • ክልተ ኤርትራዊያን ደቀንስትዮ ኣብ መልበርን ብኮቪድ-19 ሞይተን፥፡ መብርሂ ካብ ያሲር ኣብዱሪሒም ማሕሙድ

    ኣብዚ ብፍላይ ኣብ ኒው ሳውዝ ወልስን ቪክቶሪያን በዚ ሓድሽ ዓሌት ኮሮና ቫይረስ ዝኾነ ደልታ ኣስፋሕፊሕሉ ዘሎ እዋን፡ ብዙሓት ካብ ማሕበረሰብና ይለክፍን ሕማሞም በርቲዕዎም ናብ ሆስፒታል ዝውሰዱን ኣለዉ። ትማሊ ክልተ ኤርትራዊያን ደቂ ኣንስትዮ በዚ ሕማም ተለኺፈን ዓሪፈን ኣለዋ። ነዚ ብዝምልከት ምስ ዝሞታ ቅርበት ዘለዎን ኣብቲ ማሕበረሰብ ብንጥፈት ዝዋሳእን ኣቶ ያሲር ዓብዱርሒም ማሕሙድ መብርሂ ሂቡና ኣሎ።

    16 min
  • “ኩሉ ነገርና ምስ ፖለቲካ ተኣሳሲሩ’ዩ፡ ዓብይቲ ፖለቲካ ጥራ'ዮም ዘዕልሉ።” ሳብሪናን ኣድያምን

    ኣድያም በይንን ሳብሪና ኣደምን ኣብ ኣውስትራሊያ ዝዓበያ ኤርትራዊያን እየን። ንሳተን ምስካልኦት መዛኖአን ብምዃን ኣብ ወጻኢ ዝዓብዩ መንእሰያት ናብ ሓደ መጺኦም ብዛዕባ ታሪኽ ባህሊን ፖሎቲካ መበቆል ሃገሮም ክፈልጡን ከበርክቱን ዝነጥፋ ዘለዋ እየን።

    13 min
  • ኣብ መዓልታዊ ኣነባብራኻ፡ ገዛእ ርእስኻ ምፍቃድ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)

    ነብሰ-ክንክን ንዝተፈላለዩ ሰባት ዝተፈላለየ ትርጉም ኣለዎ ። ሕክምናዊ ምርምር ከም ዝሕብሮ ፡ ገዛእ ርእስኻ ምክንኻን ፡ ካብቲ መገዲ እቲ ዝሓሸ ምሉእ ጥዕና ንኺህልወካ መገዲ ይኸፍት እዩ ። ይኹን እምበር ፡ ናይ ስድራ ቤት ሓላፍነት ዘለወን ኣንስቲ ወይ ቈልዑ ዘለወን ፡ ካብኡ ሓሊፈን እውን ኣብ ስራሕ ዝውዕላ ኣንስቲ ከምዚ ምግባር  ቀሊል ኣይኰነን ።

     

    ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ መደብ ኣብ መዓልታዊ ሂወት ብዛዕባ ነብስኻ ኽትኣልየሉ እትኽእል ገለ መገድታት ዝድህስስ እዩ ።

    10 min
  • “እቲ ዉሳነ ብዓቢኡ ሽም ናይቲ ጀነራልን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ኣኽፊእካ ከምዝዋረድ ምግባር’ዩ።”ጠበቓ ኣምሃ

    መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ 23 ነሓሰ 2021 ኣብ ልዕሊ ሓለቓ ስታፍ ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፊሊጶስ ወ/ዮሃንስ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት እተታሓሓዘ ብሕጊ ዓለማዊ ተሓታትነት ሰብኣዊ መሰላት ማግኒቲስኪ (the Global Magnitsky Human Rights Accountability Act) ማዕቀብ ተጌርሉ ኣሎ። ነዚ ብዝምልከት ጠበቓ ኣምሃ ሃብተማርያም ደረስ ዝሃበና መብርሂ መቐጸልታን መወዳእታን።

    10 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,864 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

0 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

0 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners