SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ግዚያዊ ቪዛ ንዝሓዙን፡ ንሓተቲ ዑቕባን ፋይናንሲያዊ ደገፍ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)

    ግዝያዊ ቪዛ ዝሓዙን ናይ መንግስቲ ክፍሊታት ዘይበቕዑን ሓተትቲ ዕቑባ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናይ ኮቪድ-19 ምዕጻው ጸገም እንተጋጢምዎም ህጹጽ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም ።

    ግዝያዊ ቪዛ ዝሓዙ ካብቲ ናይ ፈደራል መንግስቲ መደብ ጆብኪፐር 2020 ተጠቀምቲ ኣይነበሩን። ኣብዚ ዓመት እዚ ፡ ክፍሊታት ናይ ኮቪድ ሓደጋ ብሰንኪ ናይ ጥዕና መምሪሒታት ኣታዊኦም ንዝሰኣኑ ግዚያዊ ቪዛ ንዝሓቱ ሰባት ክፉት እዩ ።

    ይኹን እምበር ፡ ብዙሓት ሰባት በዚ ደገፍ ተባሒሉ እተዳለወ መስርሕ ተጠቀምቲ ኣይኮኑን።

    ናይ ኣውስትራሊያ ናይ ማይግሬሽን ፕሮግራማት ዋና ዳይረክተር ቪኪ ማ ብዙሓት ሰባት መሰረታዊ ነገራት ንምርካብ ይጽገሙ እዮም ትብል ።

    8 min
  • ሻምፒዮና ኣትለቲክስ ዓለም መንእሰያት ት20 መርኣያ ሓደስቲ ወለዶ ኣትሌታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኮይኑ ተዛዚሙ

    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (23/08/2021)

    * ኣብ ናይሮቢ ክካየዱ ኣብ ዝጸንሑ ውድድራት ኣትለቲክስ ሻምፒዮናታት ዓለም 2021 መንእሰያት ት20 ኢትዮጵያውያንን ኬንያውያንን ኣትሌታት ሓያሎ ዓወታት ብምጉንጻፍ መዳልያታት ሓፊሶም፡ ኤርትራ’ውን ዕውት ተሳትፎ ብምግባር መዳልያ ተቛዲሳ፡

    * መበል 57 ዓመታዊ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ደ’ለ’ኣቨኒር ሰንበት ተዛዚሙኤርትራዊ ሄኖክ ምሉእብርሃንን ኢትዮጵያዊ ነጋሲ ሃይሉ ኣብርሃን ዘዕግብ ውጽኢት ኣመዝጊቦም፡

    * ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ግጥም ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ወይ ኣፍኮን 2021 ዝገጥማሎም ምድባት ዝሓለፈ ሰሙን ወጺኦም፡

    * ካብ ነፋሪት ዝወደቐ ኣፍጋናዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ታሪኻዊ ምስሊን ዘይሃስስ ምዕራፍን መርኣያ ሕንፍሽፍሽ ህዝቢ ብሰንኪ ፍርሒ ምእታውጣሊባንን ምርሕራሕ ምዕራባውያን ሓይልታትንኮይኑ

    12 min
  • ኣውስትራልያ ንልዕሊ 100 ሓለውቲ ጸጥታ ኤምባሲኣ ኣብ ካቡል ዝነበሩ ቪዛ ክትከልኦም ወሲናቶ ዝነበረት ቀይራቶ

    ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ  (23/08/2021)

    * ፕረዚደንት ዩናይትድ ስቴትስ ጆ ባይደን ኣሜሪካ ትመርሖ ዘላ ምውጻእ ኣሜሪካውያን፡ ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ኣፍጋናውያንን ካልኦትን ወሲኾም ኣለው፡ እቶም ጻዕርታት ከኣ ክቕጽሉ’ዮም ኢሉ።

    * ኣውስትራልያ ኣብ’ቲ ናይ ካቡል ኤምባሲኣ ዝሰርሑ ዝነበሩ ልዕሊ 100 ሓለውቲ ጸጥታ ቪዛ ክትከልኦም ወሲናቶ ዝነበረት ውሳነ ቀይራቶ።

    * ግዝኣት ኒው ሳውዝ ዌልስ 818 ሓደስቲ መልከፍታት ኣብ ማሕበረሰብ ዝመሓላለፍ ኮቪድ-19ን ተወሰኽቲ ሰለስተ ዝሞቱ ሰባትን ረኺባ።

    * ቀ/ሚ ስኮት ሞሪሰን ኣውስትራልያ ሓንሳብ መጠናት ክታበት ኮቪድ-19 70% ኣብ መላእ ሃገር ምስ በጽሑ ንቕድሚት ክትከይድ ክትጅምር ይግባኣ ኢሉ።

     

    12 min
  • በዓል ኣሸንዳ 2013 ዓ.ም ብኣዋልድ ትግራይ ኣብ ግንባራት ውግእ ይጽምበል። (ጸብጻብ)

    ኣርእስታት ዜና:

    በዓል ኣሸንዳ 2013 ዓ.ም ብኣዋልድ ትግራይ ኣብ ግንባራት ውግእ ይጽምበል። ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ልዕሊ 11 ዓመታት ዝዓጸወኦ ዶብ ንግዳዊ ንጥፈታት ከሰላስላሉ ይስማምዓ። ሓላፊት ዓለምለኻዊ ረድኤት ኣሜሪካ ሳማንታ ፓወር ኣብተን ሓይልታት ትግራይ መጥቃዕቲ ዝኸፈቱለን ክልላት ንዝተመዛበሉ ልዕሊ 136 ሽሕ ሰባት ትካለን ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዘቕረበ ብምግላጽ ዕጡቓት ህወሓት ካብተን ክልላት ወጺኦም ክላዘቡ ሓቲተን። ኣብ ትግራይ ምዝገባ ትምህርቲ ይጅመር ኣሎ ተባሂሉ።

    6 min
  • ኣውስትራልያ ኣብ መንጎ ዜሮ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ዘለዎ ዕጹው ህይወትን ኩሉ ዝተኸትቦ ክፉት ናብራ ምስ ቫይረስን ተማትእ

    ላዕለዋይ ሓላፊ ጥዕና ኣውስትራልያ ፕሮፌሰር ፖውል ኬሊ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ስኮት ሞሪሰን ሒዝዎ ዘሎ መርገጺ፡ ማለት መዓልታዊ ቁጽርታት መልከፍቲ ኮቪድ-19 ብዘየገድስ፡ ዒላማታት ብዝሒ ክታበታት ይወቕዑ ጥራይ እምበር ቀይድታት ክለዓሉ ክጅምሩ ይኽእሉ’ዮም ዝብል ይድግፎ ኣሎ። ገለ ካብ’ተን ግዝኣታትን ዶባዊ ምምሕዳራትን ግን እቶም ካብ 70 ክሳብ 80% ኣብ በጽሒ ዕድመ ዝርከቡ ኣውስትራልያውያን ምሉእ ብምሉእ እንተተኸቲቦም እቶም ቀይድታትን መዕጸውትታትን ብሓቂ ክኽፈቱ ድዮም ኣብ ምልክት ሕቶ የእትዮሞ ኣለው፡ እቲ ነዚ ግምትን ኣንፈትን ዝሃበ ብትካል መጽናዕቲ ዶሀርቲ ዝቐረበ ቅርጸ ትንበያ/ሞዴሊንግ መሰረት ኣብ ማሕበረሰብ ትሑታት ቁጽሪ መልከፍቲ ክህሉ ዝብል ስለዝኾነ ብምባል የስምርሉ። ፕሮፌሰር ኬሊ ዝሃቦም ርእይቶታት ዝመጹ ዘለው ትማሊ ኮይኑ ኣውስትራልያ 917 ሓደስቲ መልከፍታት ኣብ ዘመዝገበትሉ መዓልትን 830 ካብ’ዚኦም ኣብ ግዝኣት ኒው ሳውዝ ዌልስ ኣብ ዝኾኑሉን እዋን’ዩ።

    9 min
  • ትካላት ፋይናንስ ዓለም ንኢትዮጵያ ክህብኦ ዝሓሰብኦ ልዕሊ 11 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ ደው ከም ዘበላ ተሓቢሩ። (ጸብጻብ)

    ኣርእስታት ጸብጻብ፥

     

    ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲጵ ጠይብ ኤርዶጋን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሓድሕዳዊ ኩናትን፣ ኢትዮጵያ ምስ ሱዳን ዘለዋ ውጥጥን ንክሽምግሉ ቅሩብ ከም ዝኾኑ ተዛሪቦም።

     

    ኣብ ኢትዮጵያ ህጻናት ዝርከቡዎም ተጋሩ ብኣልማማ ምእሳር ገዲዱ ይቕጽል ኣሎ ተባሂሉ።

     

    ትካላት ፋይናንስ ዓለም ንኢትዮጵያ ክህብኦ ዝሓሰብኦ ልዕሊ 11 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ ደው ከም ዘበላ ተሓቢሩ።

     

    ንትግራይ ከይሓወስካ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 3.6 ሚልዮን ሰባት ሸቕሊ ኣልቦ ከም ዝኾኑ ተገሊጹ።ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ ጸብጻብ ልኡኽና ክቐርብ እዩ።

    7 min
  • ዓለም ሎሚ ምስ ኮሮና ቫይረስ ከመይ ዊዒላ፧

    ዉድብ ጥዕና ዓለም ነቶም ሳልሳይ ናይ ኮቪድ-19 ክታበት ክህቡ ዘዳልዉ መንግስታት ብምንቃፍ ነተን ናይ መጀመርታ ዶስ ክረኽባ ዝቃለሳ ዘለዋ ሃገራት ቀዲሙ ክሕሰበለን ኣጠንቂቑ ።

     ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ወርሒ መስከረም ሳልሳይ መደብ መደንፍዒ ክታበት ክትጅምር ተስፋ እኳ እንተሃለዋ ፡ ካብ ካልኦት ሃገራት ንላዕሊ እቲ ዝዓበየ ብዝሒ ዘለዎ ክታበት ንኻልኦት ሃገራት እውን ወፍያ እያ ።

     

    ውድብ ጥዕና ዓለም ንኣመሪካ እናኣመስገነ ፡ ኩሉ ሰብ ማዕረ ዝኾነ መሰረታዊ ናይ ውሕስነት ደረጃ ክሳብ ዝረክብ እቲ ለበዳ ከምዘይውዳእ ደጊሙ ገሊጹ ።

    9 min
  • ዝርርብ ብዛዕባ ክታበት ኮሮናን ስክፍታታት ሕብረተሰብናን ምስ ዶ/ር ጥላሁን ነጋሽ

    ኣብዚ ዓለም ብፍላይ ብ ደልታ ዝዓይነቱ ቤተሰብ ናይ ኮሮና ቫይረስ ተጠቒዓትሉ ዘላ እዋን ከተማታትን ሃገራትን ናብ ዳግም ዕጽዋ ይጓየያ ኣለዋ። ኣብ ገሊኡ ድማ እቲ እንኮ ፍታሕ ህዝቢ ክኽተብ ከምዘለዎ ይጉስጎስ ኣሎ። ብዙሕ ሰብ ይኽተብ እንተሎኳ ኣብ ገሊኡ ስክፍታታት ብዛዕባቲ ክታበት'ውን ይዝረብን እዩ። ነዚ ምስቲ ክታበት ዝለዓል ሕቶታት ናይ ብዙሓት ከብርሃልናን ንዶ/ር ጥላሁን ነጋሽ ካብ ሆፐክሮሲን ሱፐር ክሊኒክ ኣብ መልበርን ተወኪስናዮ ኣለና።

    20 min
  • "ድሕሪ ዉድቀት ህግደፍ፡ ኤርትራ ቀልጢፋ ብድድ ትብለሉ ኩነታት ንምፍጣርዩ ናይ ነዊሕ ዕላማና።" ዶ/ር ቶማስ ሰሎሞን

    ኣብ ትሕቲ “ትካል መጽናዕቲ ኤርትራውያን ንፖሊሲን ስትራተጂን (ERIPS)” እተባህለ ምትእኽኻብ ኣብ ስደት ዝነብሩ ሰብ ሞያን ሙሁራንን ኤርትራዊያን  ናይ ፈለማ ዋዕላኦም ብቐዳም 14 ነሓሰ 2021 ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ጌሮም ኔሮም።

    ብዛዕባ’ቲ ዝተኻየደ ዋዕላን ዕላማ እቲ ምትእኽኻብን ግደ ምሁራን ኤርትራዊያን ሎሚን ጽባሕን እንታይ ከምዝኾነ ከብርሃልና ንፕረዚደንት እቲ ማሕበር ንዶክተር ቶማስ ሰሎሞን ካብ ዋሺንግተን ዓዲምናዮ ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት።

    32 min
  • “ኣፍልጦ ብዛዕባ ወጽዓ ደቀባት ኣብ ኣውስትራሊያ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)

    ኣብ ኣውስትራሊያ ብዛዕባ ጥጡሕ ናብራን ማሕበረ ቁጠባዊ መዐቀኒታት ክምዘንከሎ ኣቦርጂናውያንን ቶረስ ስትራት ኣይስላንደር ሰባት ካብ ምስቲ ካልእ ሕብረተሰብ  ኣውስትራሊያ ክነጻጸር ዝያዳ ጉድኣት ይበጽሖም እዩ ።

    እዚ ናይ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ጸብጻብ ታሪኻዊ ፖሊሲታትን ዘይፍትሓዊ ተግባራትን ሎሚውን ቀጺሉ ኣብ ደቀባት ኣውስትራሊያዊያን ዘውርዶ ማህሰይቲ ክምልከትዪ።

    11 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,864 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

0 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

0 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners