SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ዕለታዊ ዜና 09 ነሓሰ 2021 SBS ትግርኛ

    ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡

     

    *** ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ተወሳኺ 283 ብኮሮናቫይረስ ዝመሓላለፉ ሰባትን ካልእ ሞትን ከምዘጋጠመ ተረጋጊጹ።

     

     

    **** ብዙሕ ከባቢታት ሱዳን ብማይ ኣጥለቕሊቑ።

     

    ***** ዉድድራት ኦሎምፒክ ተዛዚሙ

     

    14 min
  • ትካላት ጥዕና ኢትዮጵያ ብውጉኣት ኩናት ከም ዘዕለቕለቓ ኣህጉራዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ገሊጹ።

    ሓጸርቲ ጸብጻባት፥

    ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያ  ዝነበረ ኣምባሳደራ ንምምይይጥ ስሒባ።

    ዋጋ ዶላር ኣብ ኢትዮጵያ ብ5 ዕጽፊ ወሲኹ ተባሂሉ።

    ትካላት ጥዕና ኢትዮጵያ ብውጉኣት ኩናት ከም ዘዕለቕለቓ ተገሊጹ።

    ኣብ ምዕራብ ትግራይ መቕተልቲን ምድጓንን ተጋሩ ገዲዱ ከም ዘሎ ተገሊጹ። ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ ሓጸርቲ ጸብጻባት ልኡኽና።

    5 min
  • ናይ መወዳእታ ዙር ደወል ኣብ ዝተደወለሉ ለተሰንበት ግደይ ክትመርሕ ውዒላ ስለዝደኸመት ሳልሳይ ጥራይ ክትወጽእ ክኢላ

    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (09/08/2021)

    * ወናኒት ክብረወሰን ዓለም 10000 ሜ ኢትዮጵያዊት ለተሰንበት ግደይ ኣብ ኦሎምፒክስ ቶክዮ 2020 ኣብ’ቲ ክትዕወተሉ ብዙሕ ትጽቢት ተገይሩላ ዝነበረ ውድድር 10000 ሜ ሳልሰይቲ ብምውጻእ ነሓስ መዳልያ ተሰሊማ፡

    * ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽግለታ ቢንያም ግርማይ ብደረጃ ዙር ዓለም ምስ ትወዳደር ጋንታ ኢንተርማርች-ዋንቲ-ጎቤር ክወዳደር ውዕል ከምዝፈረመ ተፈሊጡ፡

    * ኦሎምፒክስ ቶክዮ 2020 ብዓወት ተዛዚሙ፡ ሱታፌ ኢትዮጵያን ዘመዝገበቶ ውጽኢትን ብብዙሓት ነቐፌታት ይዘንቦ፡ ኣብ መሪሕነት ለውጥታት ክተኣታተውን ስፖርት ዝያዳ ቆላሕታ ክግበረሉን መጸዋዕታታት ይቐርቡ፡

    * ኦሎምፒክስ ቶክዮ ስደተኛታት ዓለም ዝተሓበንሉ ኮይኑ ሓሊፉ፣ ኣብ ኣውስትራልያ ደቡብ ሱዳን መበቆል ዘለዎ ፒተር ቦል ቀልቢ ሃገር ስሒቡ፡

    15 min
  • "ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ንኹሉ ደላዪ ለውጢ ናብ ሓደ ኣምጺእካ ንኽቃለስ ምግባር'ዩ ዝሰርሕ" ዘተ ምስ ኣቦመንበርን ምክትልን ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራዊያን

    ካብ ብዙሕ ሃገራት ዓለም ኤርትራዊያን እተሳተፍዎ ናይ ዙም ዝኼባ ብምግባር "ዓለም ለኻዊ ምንቅስቓስ ይ ኣክል ኤርትራዊያን" ከምዝቖመን ነቲ ምንቅስቓስ ዝመርሑ ከምተመርጹን ክግለጽ ቀኒዩ ኣሎ። ብዛዕባ'ቲ ተመስሪቱ ዘሎ ምንቅስቓስ ዕላማኡን ግብራዊ ንጥፈታቱን እንታይ ከምዝኾነ ኣቦ መንበር ናይቲ ምንቅስቓስ ኣቶ ሰገድ ሓጎስን ምክትል ኣቦ መንበር ኣቶ ሓምድ ሳልምን መብርሂ ሂቦም ኣለዉ። ኣብዚ ብምጥዋቕ ምሉእ ትሕዝቶ እቲ ቃለ መሕትት ክትሰምዕዎ ትኽእሉ ኢኹም።

    33 min
  • ናብ ኣውስትራሊያ ንፈለማ እተሰደ ኤርትራዊ ኢንጂኔር ያረድ ኤልሳእ (1952-2021) ዓሪፉ

    ያረድ ኤልሳእ፡ በዓል ቤታ ንወ/ሮ ኣን፡ ኣቦኦም ንሚካኤል፡ ኤልሳቤጥን ፍረወይኒን፡ ብክእለቱን ዓቕሙን እተመስከረሉን እተኸብረን ኢንጂኔር፡ ካብ ኤርትራዊያን ንፈለማ ናብ ኣውስትራሊያ ብስደት ዝመጸ፡ ድሕሪ ናይ ሒደት መዓልታት ሕማም ብዕለት 31/07/2021 ካብ'ዚ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። ስድራቤት ያረድ፡ ንሓኻይምን ሰራሕተኛታትን ሆስፒታል ሞልግሬቭ ንያረድ ዘር ኣይዎ ክንክን ኣመስጊኖም ኣለዉ።

    ንሕና’ውን ን ኢንጂኔር ያረድ ዕረፍቲ፡ ንምሉእ ስድራቤት ድማ ምጽንናዕ እናተመነና፡ ቅድሚ ሕጂ ምስ ኢንጂኔር ያረድ ኤልሳእ ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት ደጊምና ነቕርቦ ኣለና።

    41 min
  • ዕለታዊ ዜና 05 ነሓሰ 2021 SBS ትግርኛ

    ኣርእስታት ዜና፥

    ** ኒው ሳውዝ ወልስ ሎሚ  262 ሓዲሽ መልከፍቲ  COVID-19 ኣመዝጊባ ሓሙሽተ ሰባት ድማ በዚ ሕማም ሞይቶም።

     

    **ኣውስትራሊያዊ ፒተር ቦል ኣብ ናይ 800ሜ ናይ መወዳእታ ዉድድር ራብዓይ ደረጃ ሒዙ ወዲኡ

     

     

    ** ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ጠቕሊሉ ክወጽእ፣ ዕጡቓት ኣምሓራ ካብ ምዕራባዊ ትግራይ ፤ ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ክወጹ ኣሜሪካ ጸዊዓ።

     

    ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ፡  ሃብታማት ሃገራት  ተወሳኺ መደንፍዒ ክታበት ኮቪድ-19 ምሃብ ደው ክብል ጸዊዑ ።

     

    17 min
  • መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣንጻር ተጋሩ ዘቕንዑ ጎስጓሳት ጽልኢ ከም ዝተጸምደ ሓላፊት USAID ሳማንታ ፓወርከሲሳ።

    ሓጸርቲ ጸብጻብ፥

    ሓላፊ ትካል ረድኤት ሕቡራት ሃገራትን ማርቲን ግሪፍቲዝ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝጸንሐለን መዓልታት  ቤቶም ብምዕናዉ መጽለሊ፣ እኽሎም ብምዝማቱ ዝብላዕ ዘይብሎም ሰባት ርእዮ ከም ዝሓዘነ ገሊጾም።

    ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ካልእ ቦታ ክግዕዙ ይሰርሕ ከም ዘሎ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

     

    ሚንስተር ጉዳይ ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ቢሊንከን ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ውግእ ደው ኢሉ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ብዛዕባ ዝኣትወሉ ናይ ስልኪ ዘተ ከም ዘሳለጡ ኣፍሊጦም።

    ሓላፊት ዓለምለኻዊ ትካል ረድኤት ኣሜሪካ ሳማንታ ፓወር ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ክትዘራረብ ዝተትሓዘ መደብ ከም ዘይሰለጠ ብምግላጽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣንጻር ተጋሩ ዘቕንዑ ጎስጓሳት ጽልኢ ከም ዝተጸምደ ከሲሳ። ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ ጸብጻብ ልኡኽና ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ።

    5 min
  • 10 ነሓሰ፡ መዓልቲ ቆጸራ ህዝቢ ኣውስትራሊያ

    ቫይረስ ኮሮና ኣብ ግዝኣታትን ክልላትን መዓልታዊ ንጥፈታት ህይወት ሰባት ዓናቒፉ ክኸውን ይኽእል እዩ: ይኹን እምበር ለበዳ ኮቪድ-19 ነቲ ኣብ ዝመጽእመዓልታት  ዝግበር ቆጸራ ህዝቢ መደባት ካብ ምትግባር ንድሕሪት ኣይከብልን ኣዩ ።

     

    ቤት ፅሕፈት ስታቲስቲክስ ኣውስትራልያ ፡ ዋላ'ኳ ለበዳታት ዕጽዋን ኮቪድ-19ን እንተሎኳ፡ ዛጊት ካብተራእየ እቲ ዝዓበየ ቈጸራ ህዝቢ ንምክያድ ዘኽእል ቅኑዕ መስርሕ ከምዘዳለወ ይተኣማመን።

    6 min
  • ሓ/ትግራይ ካብ ዓፋርን ኣምሓራን: ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ፣ ዕጡቓት ኣምሓራ ድማ ካብ ምዕራባዊ ትግራይ ክወጹ ኣሜሪካ ጸዊዓ።

    ሓጸርቲ ጸብጻብ፥

     

    ሓላፊ ትካል ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ወሃብቲ ሰብኣዊ ረድኤት ዝግበር ጠቐነ ደው ክብል ኣለዎ ኢሎም።

    ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን: ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ጠቕሊሉ ክወጽእ፣ ዕጡቓት ኣምሓራ ካብ ምዕራባዊ ትግራይ ፤ ክወጹ ኣሜሪካ ጸዊዓ።

    ጉጅለ ዶብ ኣልቦ ሓካይም ዝርከቡዎም ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ዘቕርቡ ዝነበሩ ትካል ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዝተኣገዱ ገሊጾም።

     

    ዝሓለፈ ሰሙን ጁቡቲ ምስ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ትዋሰነሉ ከባቢ ኣብ ሞንጎ ዓፋርን ሶማልን ብዝተወለዐ ጎንጺ ሰለስተ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ዓቃቢ ሕጊ ጁቡቲ ተዛሪቡ።

    8 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,864 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

0 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

0 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners