
Sign up to save your podcasts
Or


ሓይሊታት ምክልኻል ትግራይ፡ ብወገን ምዕራብ መጥቃዕቲ ክፍንዉ እዮም ተባሂሉ ትጽቢት እናተገብረ፡ ናብ ወገን ደቡብ ኣቢሎም ኣብ ዉሽጢ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን እቲ ኲናት ቀጺሎሞ ኣለዉ። ነዚ ምዕባለ ተኸቲሉ፡ ኲነታት ኣብ ወጥሪ ወዲቕሉ ዘሎ እዋን እቲ ምዕባለ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ናበይ ገጹ ክኸይድ ከምዝኽእል፡ ጸሓፊን ተመራማሪን ዶ/ር መሓመድ ኬር ዑመር ትንታነ ሂቡ ኣሎ። ኣብዚ ክስማዕ ይከኣል'ዩ፡
ጸብጻባት ዜና (22/07/2021)
* ውግእ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኣንጻር ሰራዊት ኢትዮጵያን ዕጡቓት 9 ክልላት’ታ ሃገርን ይቕጽል ኣሎ ክልቲኦም ወገናት ሰራዊት ደምሲስና ይብሉ፡
* መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ብርጋዴር ጀነራል ተፈራ ማሞ ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ’ቲ ክልል ገይሩ ሸይሙ፡
* ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ዝድግፍ ንሓይልታት ትግራይ ዝቃወም ሰልፊ የካይድ፡
* ዩኒቨርሲቲ መቐለ ከምህሮም ዝጸንሐ ተመሃሮ ቀለቦም ከም ዝተወደአ ገሊጹ፡ መንግስቲ ፌደራል ንዘጋጥም ጸገም ሓላፍነት ክወስድ ሓቲቱ፡
* ሱዳን ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ሕጂ’ውን ቀያዳይ ስምምዕ ክእሰር ከም ትሰርሕ ኣፍሊጣ፡
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ
* ግዝኣት ኒው ሳውዝ ዌልስ ኩነታት ለበዳ ደልታ ዝዓይነቱ ኮሮናቫይረስ እናበኣሰ ይኸይድ ከምዘሎ ዘመልክት ዝለዓለ ዕለታዊ ቁጽሪ መልከፍታት ኮቪድ-19 ዝኾነ 124 ሓደስቲ መልከፍታት መዝጊባ።
* ግዝኣት ኲንስላንድ ካብ ዓርቢ 23 ሓምለ 2021 ሰዓት ሓደ ወጋሕታ ጀሚራ ዶባታ ናብ ዝተረፉ ከባቢታት ግዝኣት ኒው ሳውዝ ዌልስ ክትዓጽዎ’ያ።
* ቪክቶርያ 26 ሓደስቲ መልከፍታት ኮቪድ-19 ኣብ ማሕበረሰብን ክልተ ከኣ ኣብ መወሸቢ ሆቴላትን መዝጊባ።
* ጂቡቲ ተኽእሎታት መጥቃዕቲ ካብ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ንምክልኻል ብምባል ሰራዊታ ናብ’ቲ ናይ ሓባር ዶባ ምስ ኢትዮጵያ ኣጸጊዓቶም።
* ብውሑድ 17 ቤንጋሊ ስደተኝታት ካብ ሊብያ ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ኢጣልያ ክሰግሩ ክፍትኑ እንከለው ጸገም ኣብ ዘጋጠማ (ኤርትራውያን ካብ ዝነበርዋ) ጃልባ ጥሒሎም።
ቁጽሪ ሓደስቲ መልከፍታት ኮቪድ-19 ኣብ ኢንዶነዝያ ብጣዕሚ ብዙሓት’ዮም ዘለው፡ ንመንግስቲ’ታ ሃገር ከኣ ነቶም ኣውጺእዎም ዝጸንሐ ቀይድታት ምንቅስቓስን መምርሒታት ዕጽዋን ክሳብ መወዳእታ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙን ከናውሖም ኣገዲዶሞ። እዚ ዝመጽእ ዘሎ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝርከቡ ተንተንቲ ዘካየድዎ ሓደ መጽናዕቲ ቁጽሪ መወትቲ ኣብ ህንዲ ካብ’ቲ መንግስቲ ዘቕርቦ ወግዓዊ ቁጽሪ ብሚልዮናት ይበዝሕ ኢሎም ኣብ ዝገለጸሉ’ዩ።
እቲ 'ሕጂ ዓድግ ድሓር ክፈል' ዝበሃል ኣሰራርሓ ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ሸማቶ ህቡብ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ ፡ እዚ ድማ ኣብ 2018-19 ዋጋ ናይ ሸመታ ናብ ልዕሊ 5.6 ቢልዮን ዶላር ክብ ኣቢልዎ ኣሎ ።
ኰይኑ ግና ፡ ነቲ ሕጂ ብዙሕዓዲጎም ዳሓር ክኸፍሉ ዝደልዩ ሸማቶ፡ ኣብ ሓደ እዋን ብዙሕ ገንዘብ ከም ዝዕደዩ ክገብገብሮም ስለዝኽእል ፡ ኣብ ጸገም ገንዘብ ኸይወድቁ ዘስግእ እዩ ።
ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡
** ኒው ሳውዝ ዌልስ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 98 ቪክቶሪያ ድማ 13 ሓደሽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ኣመዝጊባ።
** ሓይሊታት ትግራይ ኣብ ክልል ዓፋር ዝርከቡ ናይ መንግስቲ ደገፍቲ ዝበልዎም ወታደራት መጥቃዕቲ ምፍናዎም ተገሊጹ።
** ኣውስትራሊያ ብጠቕላላ 487 ኣትለታት ኣብ ናይ ቶክዮ ኦሎምፒክ ዝሳተፉ ትልእኽ ኣላ ።
ሓድሽ ጸብጻብ ከምዘመልክቶ ኣብ ኣውስትራሊያ ብዙሓት ኣመንቲ ምስልምና ኣብ ህይወቶም ዓይነት ዝተፈላለዩ ኣድልዎ ኣጋጢሙዎም እዩ ።
እቲ ርኽበታት ሎሚ (ሰኑይ) ብናይ ኣውስትራሊያ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ወጺኡ ኣሎ።......................
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (19/07/2021)
* ግጥማት ሴካፋ ዋንጫ ብድሆ መንእሰያት ት23 ኣግማል ቀይሕ ባሕሪ-ኤርትራን እቶም ዋልያታት-ኢትዮጵያን ብዘካየደኦ ብዙሓት ሽቶታት ዝተመዝገቦ መሳጢ ግጥም ኣብ ከተማ ባህር ዳር ቀዳም ብወግዒ ተጀሚሩ፡
* ሰለስተ ኣባላትን ሓደ ኣሰልጣንን ዝሓቖፈት ሃገራዊት ጋንታ ቅ/ብ ኤርትራ ናብ’ቲ ካብ 23 ሓምለ ክሳብ 8 ነሓሰ ዝካየድ ኦሎምፒክስ ቶክዮ ክትሳተፍ ቀዳም ተበጊሳ፡
* ምስ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ጋንታ ቅድድም ብሽግለታ ኩቤካ ኮንቲነንታል ዝወዳደር ኤርትራዊ መንእሰይ ሄኖክ ምሉእብርሃን ካብ ጥሪ 2022 ጀሚሩ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ክኸውን’ዩ ክትብል ጋንትኡ ኣፍሊጣ፡
* ኢትዮጵያዊ ጽጋቡ ግርማይ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ዘዕግብ ውጽኢት ብምምዝጋብ ውድድሩ ዛዚሙ፡
* ፖለቲካዊ ኤሊት ዓባይ ብሪጣንያ ብመንእሰያት ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ እንግሊዝ ዝመጽእ ዘሎ ማዕበል ለውጢ-ኣብ-ባህሊ ክዓግትዎ ይኽእሉ ድዮም፧
ዶ/ር ፍስሃ ሃይለ ካብ ዩኒቨርሲቲ ዲክን/መልበርን ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ትግራይን መጻኢ ኣመታቱን ምስና ጻንሒት ጌሩ ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶኡ ኣብዚ ክስማዕ ይከኣል'ዩ።
ትግራይ፡ ነዚ ክመጽእ ዝዳሎ ዘሎ ማዕበል መጥቃዕቲ ክትገጥሞ ትኽእል ድያ?
መራሕቲ ትግራይ ንጹር መርገጺ ብዛዕባ መጻኢ ትግራይ ኣለዎም ድዩ?
ትግራይ ከም ሃገርዶ፡ ምስ ኢትዮጵያ?
ዝብሉ ሕቶታት ተተንኪፎም ኣለዉ።
ኣርእስታት ዜና፥
** ኣብ ቪክቶሪያ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምውዳይ ኣብ ዉሽጢ ናይ ግድን ኮይኑ።
** ናይ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ብረቡዕ ፡ ኣንጻር ካብ ትግራይ ዝመጹ ሓይልታት መጥቃዕቲ ክፍኑ ምዃኑ ገሊጹ።
** ናይ ጃፓን ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ፡ ን ኣውስትራሊያዊት ጋንታ ማቲልዳ ሲዒራታ።
From the publisher's feed

4 Listeners

10 Listeners

9 Listeners

111,845 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

3 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners