
Sign up to save your podcasts
Or


ኣርእስታት፥
ኩባንያ ኣውስትራልያ ፎርትስኪዩ ፊውቸር ኢንዱስትሪ ብ10 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ምፍልፋል ተሓዳሲ ፀዓት ክወፍር ተሰማሚዑ።
ኣቦ ወንበር ሉኣላዊ ባይቶ ሱዳን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቕኒዑ። ቅድሚ ሰሙን ናብ ካይሮ ኣቕኒዑ ዝነበረ ጀነራል አብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን ብዓርቢ እውን ምስ ብምክልኻልን ጡረተኛ ወታሃደራትን ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ከም ዘዘራበ ተገሊጹ።
ብዜካ’ዚ ብኢታማዦር ሹም ዝተመርሑ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ግብጺ ናብ ሱዳን ከም ዝኣተዉ እውን ተሓቢሩ።
ልኡኽ ሕብረት ኣውሮፖ መንግስቲ ፌደራልን መንግስቲ ክልል ትግራይን ከሸማግል ከም ዘዘራረቦም ተገሊጹ።
ኣብ ኤርትራ ዞባ ደቡብ ዝተኸስተ ዕስለ ኣንበጣ ናብ ካልእ ከባቢ ከም ዘይኸይድ ይጭፍጨፍ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።
ኩሉ ዓቕሚ ዘለዎ ኣብዚ ወርሒ ዝከኣሎ ብምግባር ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ጉጉል ከምዝትርጎም ብምግባር ብዙሕ ረብሓ ክርከብ እዩ፡ ናብዝደለኻዮ ቋንቋ ብጽሑፍን ብድምጺን ትርጉም ምርካብ፡ ብዝተፈላለዪ ቋንቋታት እተጻሕፉ ጽሑፋትን መጻሕፍቲን ናብ ቋንቋ ትግርኛ ተተርጉሞም ንተጠቃሚ ድሉው ምግባርን ካልእን። ኣብዚ ወርሒ ብዙሕ ሰብ ዝሳተፉ ልዕሊ 750,000 ሓሳባት ናብ ጉግል ከምዝ ኣቱ ክግበር እዩ። ኣብዚ ወፈራ ብኸመይ ተሳትፎ ከምዝግበር ብሓፈሻ ድማ ዝርዝር ኣሰራርሓ ናይቲ ፕሮጀክት ዝምልከት፡ ኪኢላ ኮምፑዩተር ኣቶ ኤርሚያስ ዘርኣ ጽዮን ገሊጹ ኣሎ።
እቲ ትግርኛ ኣብ ጉጉል ክኣቱ ዝተገብረ ጎስጓስ ናይ ፐቲሽን፡ ኣብዚ ትሕዝቶ ብዶ/ር ቢንያም ከምዝተገብረ ተገሊጹ ዘሎ ብጌጋ ምዃኑ ተሓሲቡ፡ ብበዓል ሳሙኤል ሰለሞን ዝምራሕ ካልእ ጉጅለ እተሰርሐ ምዃኑ ክፍለጥ ምስናይ እቕረታ ንሓትት።
መንግስቲ ኤርትራ ንሕብረት ኤውሮጳን ሽወደንን ዝፈሸለ ሸርሕታትን ከቐጽላ ይጽዕራ አለዋ ክብል ከሲሱ።
ምድልዳል ዞባዊ ሰላምን ምሕዝነትን ኣብትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ብሚኒስትሪ ዜና ዝወጸ ሓተታ፡ ክልል ትግራይ ተቛዳሲት እቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተጀሚሩ ኣሎ ዝበሎ ምዕባለ ከይትኸውን ብህወሓት ጅሆ ከም ዝተትሓዘት ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።
ሚንስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ብዝሓለፈ ሰሙን 'ብመራኸብቲ ሓፋሽ ትግራይ ዝተቓለሐ' መግለጺ ሓላፍነት ዝጎደሎ እዩ ኢሉዎ።
ብዛዕባ’ቲ ኣብዚ ሰሙን ዝወጸ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰራዊት ካብ መቐለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሶም ዝብል ሓበሬታ ግን ዝበሎ የለን።
እቲ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ - መቐለ ብሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ተኸልኪሉ ዝተመልሰ ጀነራል ጀማል ዝተብሃለ ኣዛዚ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዕዝ ሰሜን ምክትል ኣዛዚ ኮይኑ ክሰርሕ ዝተመዘዘ እዩ ተባሂሉ።
ሰለስተ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ መዝነቶም ጠንጢኖም ናብ መቐለ ከም ዘቕንዑ ኢትዮ 360 ኣማስያኡ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ገሊጹ።
ቀንዲ ነጥቢታት ዜና ፡
ነፍስሄር ኪዳነ ከበደ ብሩ፡ ሓደ ካብ ንጡፍ ኣባልን ካብ መራሕቲ ማሕበረሰብ ትግራይ ኣብ ቪክቶሪያ ዝነበረ፡ ብዝሓደሮ ሕማም መልበርን ኣብ ከቢድ ዕጽዋ እናሃለወት ብምማቱ፡ ኣብ እዋን ሕማሙ ብ ኣካል ከይዶም ምሕረት የውርደልካ ብዘይምባሎምን ኣብ ቀብሩ ብ ኣካል ብዘይምስታፎምን ሓዘኖም ድርብ ከምዝገብሮ መራሕቲ እቲ ማሕበረሰብ ገሊጾም ኣለዉ። ብተወሳኺ (ልጅ) ብርሃነ ኣብቲ ማሕበረሰብ ዝነበሮ ኣበርክቶ ገሊጾም ኣለዉ።
ብሰንኪ ለበዳ ዝሰዓበ ዕጽዋ፡ ብ ኣካል ከይድካ ምጥላዕ ወይ ጋምብሊንግ ምግባር ዘይከኣል እንተኾነኳ ኣብ ምጥላዕ ዝዋፈር ብዝሒ ኣብ ኣውስትራሊያ ኣይጎደለን። ብ ኦንላይን ጠላዕ ዝጻወቱን መጻወቲ ጠላዕ ኣፕ ኣብ ሞባይሎም ዘውርዱ ብዝሒ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ብፍላይ ኣብ ጋምብሊኒግ ዝሳተፉ ብዝሒ መንእሰያት ሪኢኻ እቲ ኩነታት ኣዚዩ ዘሻቕል ኮይኑ ኣሎ።
ካብ ወርሒ ነሓሰ ናይዚ ዓመት ዓበይቲን ነ ኣሽቱን ደቂ ዓዲ ዃዜን ብሓይሊታት ጸጥታ ኤርትራ ተገፊፎም ከምተኣስሩ ተሃቢሩ ኔሩ፡ ኣብዚ ቕነ ካብቶም ተሪፎም ዘለዉ ደቂ ኣንስትዮን ዓበይቲን ናብቲ እቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ናብ ሓሸፈራይ ተወሲዶም ደቂ ዓዶም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡ፡ ገለ ገለ ድማ ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ምህላዎም፡ ተወላዲ ኳዜን ዝኾነ ሚካኤል እዮብ ገሊጹ ኣሎ። ኣብዚ ክትረኽብዎ ኢኹም።
From the publisher's feed

4 Listeners

10 Listeners

9 Listeners

111,767 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

3 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners