SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ዕለታዊ ዜና፥ ሓሙስ 12 ሕዳር 2020

    ቀንዲ ነጥቢታት ዜና ፡

     

    ** ክታበት ናይ ኮቪድ-19 ካብ ዝመጽእ ወርሒ ከምዝጅምር ናይ ኣመሪካ ኪኢላ ተመሓላለፍቲ ሕማም  Dr Anthony Fauci ገሊጹ።

     

     

    ** ኣብ ግዝኣት ጆርጂያ ነቲ ዝተገብረ ፕረሲደንታዊ ድምጺ ዳግም ይቑጸር ኣሎ።

     

     

    ** ኣብ ዓለም ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ዝነውሐ ዓመታት ዝገበረ ቀዳማይ ሚኒስተር ባሕሬን ዓሪፉ

     

    ** መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ኲናት ኤርትራ ትሳተፎ ኣላ ንዝብል ክሲ ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣሉታ ሂብሉ።

     

    ** ኣብ ቶክዮ ዝግበር ጸወታታት ኦሎምፒክ ብምጡን ቁጽሪ ሰብ ኣብ ወርሒ ሓምለ ክግበር ከምዝከኣል ኣህጉራዊ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ገሊጹ።

    13 min
  • ኣቶ ሓጎስ ወ/ዮሃንስን ኣቶ ሚካኤል (ወዲ ቐሺ) ሚካኤልን ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዉግእ ዝምልከት ሓሳባቶም የካፍሉ።

    ኣቶ ሓጎስ ካብ ማሕበረሰብ ትግራይ፡ ኣቶ ሚካኤል ካብ ማሕበረሰብ ኤርትራ ኣብ ኣውስትራሊያ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ሳዕቤኑን ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ዘሎ ህዝቢ ክገብሮ ዝግባእን ዝብልዎ ሓሳብ ኣካፊሎም ኣለዉ።

    36 min
  • መራሕቲ ዓለም ክታበት ኮሮና ቫይረስ ንሃገራቶም ብቐዳምነት ክወሃብ ትጓየዩ፡ ሚልዮናት ሰባት በዚ ለበዳ ይልከፉ።

    ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ለበዳ ክውዳእ ምእንቲ፡ ክታበት ንምምዕባል ዝግበር ዘሎ መስርሕ ኣብ ህዝቢ ዓለም ተስፋ ኣስፊኑ ኣሎ።

    መራሕቲ ዓለም ነዚ ምስሰምዑ ክታበት ኮሮና ቫይረስ ኣቐዲሞም ንሃገራቶም ኣቐዲሞም ንምርካብ ዉዕል ንምግባር ይጓየዩ ኣለዉ። እቲ ማዕቢሉ ተባሂሉ ዘሎ ክታበት ካብቲ ትጽቢት ተጌርሉ ዝነበረ ናይ 70 ሚእታዊ ዕዉትነት ዛይዱስ ልዕሊ 90 ሚእታዊ ዕዉት’ዩ ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ።

    8 min
  • ደቂቕን ንኡስ ቢዝነስን ብኦንላይ ንኽሰርሓልካ እንተይ የድልየካ? ( ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)

    ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 ብዙሓት ንኣሽቱ ቢዘነሳት ህላውነቶም ንምርግጋጽ፡ ኣብ ስርሖም ሓድሽ ዲጂታዊ ስትራተጂ ኣተኣታትዮም እዮም።

     

    ንረብሓ ተዋዳዳራይ ምዃን፡ ናይ ምትዕጽጻፍ ክእለት ምጥራይ፡ ፈጠራዊ ኣተሓሳስባ ምህላውን ኣብ ናይ ድጂታዊ ክእለት ቢዝነስ ናይ ሓንቲ ሳንቲም ክልተ ገጽ ከምዝኾነ ኪኢላታት ዲጂታዊ ቢዝነስ ይዛረቡ።

    12 min
  • ዕለታዊ ዜና 9 ሕዳር 2020

    ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡

      ** ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ሰልፊ ሪፑብሊካዊያን ካብ ቀንዲ ተጠመቲ መራሕቲ ኮይኑ ከምዝቕጽል ሰኔተር ሚት ሮምኒ ገሊጹ፡ እቲ ፕረሲደንት ግን ነቲ ዉጽኢት ምርጫ ዳግማይ ክፍቀድ ክሓትት መሰሉ እዩ ኢሉ።

     

    ** ምስ ናይ ኣመሪካ ምሩጽ ፕረሲደንት ጆ ባይደን. ኮይኑ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንምምካትን ወዲቑ ዘሎ ቁጠባ ንምብርባርን ብሓባር ክሰርሕ ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ሞሪሰን ተስፋኡ ገሊጹ።

     

    ** ኣብ ቪክቶሪያ ብሰንኪ ለበዳ ዝጸንሐ ቐይዲ ሓደ ንቕድሚት ስጉሚ ሰጒሙ፥ ካብ ሎሚ ጀሚሮም ደቂ መልበርን ናብ ዞባታት ቪክቶሪያ ክንቀሳቐሱ ተፈቒዱ።

     

    ** ኣብ ዓለም ቁጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ልዕሊ 50 ሚልዮን በጺሑ፡ ርብዒ ካብዚ ኣብ ካልኣይ ማዕበል መልከፍቲ ዝተኸስተ እዩ።

    **ኣብ ትግራይ ሃንደበት ባንክታት ስለዝተዓጽዋ ሰባት ዕለታዊ መሰረታዊ ድሌቶም ዘማልኡሉ ገንዘብ ይውሕዶም ከም ዘሎ ይግለጽ ኣሎ።

    11 min
  • ኣትሌታት ኣሜሪካ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ምርጫ ምስ ተሳዕረ ስምዒቶም ይገልጹ

    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (09/11/2020)

    • ** ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስን ኢትዮጵያዊ ጽጋቡ ግርማይን ተሳትፎኦም ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ላ ቩወልታ ኢስጳኛ ዛዚሞም፡
    • ** ኣብ ኢስታንቡል ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ እግሪ ማራቶን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ካልኣይትን ሳልሰይትን ወጺኤን፡
    • ** ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ብምኽንያት ኮቪድ-19 ናይ መጻረዪ ግጥማተን ከካይዳ ዘይክእላ ሃገራት ከምዝተሳዕራ ክቑጽር’ዩ ክብል መምርሒ ኣውጺኡ፡
    • ** ኣብ መላእ ኣሜሪካ ዝርከቡ ብዙሓት ህቡባት ኣትሌታት ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ምርጫ ኣሜሪካ ድሕሪ ምስዓሩ ስምዒቶም ይገልጹ፡ 
    12 min
  • “እዚ ኲናት፡ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘምጽኦ ኲናት እዩ።” ዮሴፍ ገብረህይወት

     

        ኣቶ ዮሴፍ ገብረሂወት ተንታኒ ፖለቲካን ምሁር ፍልስፍናን ጸሓፍን እዩ። ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ኲናት ዝምልከት መበገሲን መጻኢ ኣመትን ናይቲ ኲናት ተንቲኑ ኣሎ።

    -           እዚ ኲናት ኣብ መንግስታ ኣብይ ኣሕመድን ኢሳያስ ኣፈወርቂን ከምጽኦ ዝኽእል ነገር እንታይ ክኸውን ይኽእል?

    -           ድሕርዚ ኲናት ፖለቲካዊ መልክዕ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ መጻኢ ትግራይ እንታይ ክመስል እዩ?

    -           ኣብ ኲናት ተዓዋትን ተሰዓርን ዘየለኳ እንተኾነ፥ ኣብዚ ኲናት ናይ ኣብይ ሰራዊት ይስዓር ናይ ትግራይ ሰራዊት ይተዓወት ብዘየገድስ፥ ዝምድና ካልእ ክፋል ኢትዮጵያን ትግራይን ከመይ ክኸውን’ዩ። ዝብሉን ካልእ ሕቶታትን መሊሱ ኣሎ።

     

    "ኣቢይ ኣሕመድን ወያነን፡ ኤርትራ ዝተጋነነ ሓይሊ ከምዘለዋ ጌሮም ምሕሳቦም እቲ ዝዓበየ ጌጋኦም’ዩ።"

    51 min
  • ኲናት ሓይልታት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ይቕጽል፡ ሓንቲ ነፋሪት ምውዳቓ ተገሊጹ።

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዘበረ ገዱ ኣንዳርጋቸው ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ።፡

    ኣብ ክንድኡ ኣቶ ደመቀ መኮንን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን  ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኮይኑ።

    ጄኔራል ብርሃኑ ጁላ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮይኑ ተሸይሙ።

    ናይ ክልል ኣምሓራ ፕረሲደንት ዝነበረ  ተመስገን ጥሩነህ ዋና ዳይረክተር ሃገራዊ ድሕነት ከምዝኾነ ካብ ኢትዮጵያ ዝተረኽበ ሓበሬታ ገሊጹ። ካልእ ዝተሾሙን ዝወረዱን ሰበ ስልጣናት ከምዘለዉ'ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

    6 min
  • ጂ ባይደን ናብ መበል 46 ምሩጽ ፕረሲደንት ኣመሪካ ክኸውን ብኸመይ ናይ ህይወትን ፖለቲካ መገዲ'ዩ ሓሊፉ።

    ድሕሪ ተቐራራቢ፡ ኣዚዩ መሪርን ኣሰሓሓቢን ጎስጓስ ምርጫ ጆ ባይደን መበል 46 ፕረሲደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኮይኑ ተመሪጹ።

     

    ጂሴፍ ሮቢነት ባይደን ናብዚ ዝለዓለ ስልጣ ክድይብ ዝኸኣለ ኣብ ናይ ኣመሪካ ሰነትን ምክትል ፕረሲደንትን ኮይኑ ድሕሪ ምግልጋል እዩ።

     

    መንግስቲ ብኸመይ ከምዝመሓደር እኹል ተሞክሮ ከምዘለዎ ጥራይ ዘይኮነስ ምስ ሕማም ልቢ ዘለዎ ኣፍልጦ ኣተሓሒዙ’ዩ ክጉስጉስ ጸኒሑ።

     

    ኣብ ብዙሕ እዋን ጆ ባይደን ሕጹይ ፕረሲደንት ክኸውን ዘይሕሰብዩ ክበሃል ጸኒሑ።

    7 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,767 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

0 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

0 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners