SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ጆ ባይደን ዝጽበዮ ዘሎ ብድሆን፡ ትጽቢት ኣፍሪቃን ዉጹዓትን ካብ ምምሕዳር ዋሽንግተንን፡ ካልኣይ ትንታነ ብበረኸት ሃብተማርያም

    ኣብዚ ዝፍቀድ ዘሎ ድምጺ ምርጫ ኣመሪካ፡ ጆ ባይደን ንዶናልድ ትራምፕ ይመርሖ ኣሎ። እቲ ዓወትውን ናብ ባይደን ዝዛዘወ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ጆ ባይደን ዓወቱ ብወግዒ ምስተገልጸ፡ ምስምሕንጋድ ዶናልድ ትራምፕ እንታይ ክፍጸም ይኽእል? ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንዶናልድ ትራምፕ ክድግፍ ድዩ? ጆ ባይደን ኣብ ዘቤታዊን ናይ ወጻኢን ፖሊሲታቱ ን ኣመሪካን ንዓለምን ብኸመይ ከርብሓ እዩ? ዝብሉን ካልእ ሕቶታትን ኣቶ በረኸት ሃብተማርያም እስቲፋኖስ ካብ ዋሽንግቶን ተንቲኑልና ኣሎ።

    26 min
  • “ሐዚ ናብ ምሉእ መኸተ ወራር ኢና ኣቲና ዘለና ብኹሉ ወገን ክንውልዓ ኢና። ኩላ ትግራይ ረመጽ ክንገብራ ኢና።”D

    ኣብ መንጎ ሓይልታት ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ፈደራል መንግስቲን ዝግበር ዘሎ ኲናት ከምዝቐጸለን፡ ብወገን ክልል ኣምሓራ ሰራዊቶም ናብ ከባቢ ሑመራ ይኣትዉ  ከምዘለዉ ክገልጹ'ከለዉ፡ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ግና ክንዮ ዶብ ትግራይ ናብ ርሑቕ ከይድናውን ክንድምስሶም ኢና ክብል ገሊጹ ኣሎ። ገለ ካብቲ ፕረሲደንት ትግራይ ዘቕረቦ መግለጺ ኣብዚ ኣቕሪብናዮ ኣለና።

    "ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩሉ ኣጽዋር ኣብ ትሕቲ ቁጽጽርና እዩ ኣትዩ።"

     "ንህዝቢን ሰራዊትን ኤርትራ ዝገበርናዮ መጸዋዕታ ኣወንታ መልሲ ረኺቡ ኣሎ።"

    11 min
  • ሰራዊት ፈደራል ኢትዮጵያን ፍሉይ ሓይሊ ትግራይን ግጭት ደው ኣቢሎም ጸገሞም ብሰላም ክፈትሑ ዋና ጸሓፊ ዉሕሃ ጸዊዑ።

    ቀንዲ ነጥቢታት ዜና ፡ 

    **ጆ ቫይደን እኹል ድምጺ ረኺቡ ናይ ኣመሪካ ፕረሲደንት ክኸውን ከምዝኽእል ተገሊጹ

     

    **ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ፈለማ ክታበት ኮሮና ቫይረስ ካብ ዝመጽእ ሰሙን ኣትሒዙ ኣብ መልበርን ክፈሪ ክጅምር እዩ።

     

    **ሰራዊት መንግስቲ ፈደራል ኢትዮጵያን  ፍሉይ ሓይሊ ክልል ትግራይን ኣብ  ኲናት ከምዝተጸምዱ ተጸብጺቡ።

     **ኣብ ዓለም መልከፍቲ COVID-19 ልዕሊ  46.8 ሚልዮን በጺሑ በዚ ቫይረስ ዝሞቱ ድማ ልዕሊ 1.2 ምልዮን ሓሊፉ።

    12 min
  • ዶናልድ ትራፕ ናይ ምዕዋት ዕድሉ ኣይተጸንቀቐንድዩ? ትንታነ ምርጫ ኣመሪካ ምስ በረኸት ሃብተማርያም

    ኣገባብ ምርጫ ኣመሪካ ከመይ ከመይ እዩ? ዶናልድ ትራምፕ ጥቓ ፍርቂ ካብ ብዝሒ ኣመሪካ ፕረሲደንቱ ኮይኑ ክመርጾ ኪኢሉ ኣሎ፡ እዚ ከመይ ኢሉ ኮይኑ? ዝብሉን ካልእን ትንታነ ምርጫ ካብ ዋሺንግተን ኣቶ በረኸት ሃብተማርያም ።

    22 min
  • ናይ ኣምሓራን ትግራይን ፍሉያት ኣሃዱታት ናብ ዶባት ክልቲኤን ክልላት ከምትጸግዑ ተገሊጹ።

    ፍሉይ ኣሃዱ ትግራይ ናብ ክልል ኣምሓራ ራያ ቆቦ ከም ዝተጸገዐ ፖሊስ ሰሜን ወሎ ተዛሪቡ።

    በዚ ከኣ ኣብ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ስግኣት ከም ዘንጸላለወ ሓቢሩ።

    ፍሉይ ኣሃዱ ኣምሓራ እውን ናብቲ ከባቢ ይጽጋዕ ከም ዘሎ ኣብሪሁ.

    3 min
  • ዘይሓሙ ሰባት ዘዘውትርዎ ባህርይ

    ኣብ እዋን ለበዳ ገለ ሰባት ጥዑያትን ምስምሉእ ሓይሎም ዘሕልፍዎ ክህልዉ’ከለዉ፡ ብኣንጻሩ ዝሓሙ ወይ ሞራሎም ዝስበር ዝህልዉ ንምንታይ እዩ? ምስጢር ናይቶም ብዙሕ ኣብ ሓፈሻዊ ጥዕናኦም ዝሓሹ ሰባት  ኣተሓሳስባኦም ንመላእ ጥዕናኦም ከም ቀንዲ ረቛሒ ጌሮም ይሓስብዎ።

    7 min
  • Tigrinya: Uluru Statement from the Heart - መግለጺ ኡሉሩ ካብ ልቢ (Tigrinya: Uluru Statement from the Heart)

    ግንቦት 2017 ልኡኻት ህዝብታት ኣቦሪጂንን ደሴታት መጻብቦ ቶረስን (Aboriginal and Torres Strait Islander) ንሃገራዊ ቅዋማዊ ዋዕላ ቀዳሞት ህዝብታት (First Nations National Constitutional Convention) ኣብ ጥቓ ኡሉሩ ብሓባር ተኣኪቦም መግለጺ ኡሉሩ ካብ ልቢ (Uluru Statement from the Heart) ኣጽዲቖም። እቲ መግለጺ ትካላዊ ጽገና/ተሃድሶ/ምምሕያሽ/ለውጢ ኣብ ሰለስተ ግንባራት፡ ድምጺ፡ ውዕልን ሓቅን ብምእማም፡ ኣብ ቅዋም ኣውስትራልያ ቀዳሞት ህዝብታት ኣፍልጦ ክረኽቡ መርሓ ግብሪ የቕርብ።  እዚ ብ13 ዞባዊ ዘተታት ቀዳሞት ህዝብታት ዝተወጠነን ዝተመርሐን ብ250 ልኡኻት ህዝብታት ኣቦሪጂናልን ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ተቐባልነት ረኺቡ ዝጸደቐ ሓደ ናይ ክልተ ዓመት ውሳነ ዝህብ ዘተ ተኸቲሉ ዝመጸ’ዩ። ኣብ ሓቂ፡ ፍትሒን ርእሰ-ውሳነን መሰረት ገይሩ ናብ ዕርቂ ገጹ ንቕድሚት ዘምርሕ፡ ሉኣላውንት ከይገደፈ፡ ዝምድና ኣብ መንጎ ቀዳሞት ህዝብታት ኣውስትራልያን መንግስቲ ኣውስትራልያን ሓደ ዝምድና ክምስርት ይዕልም። ሙዚቃ ብፍራንክ ያማ።

    -

    ግንቦት 2017 ልኡኻት ህዝብታት ኣቦሪጂንን ደሴታት መጻብቦ ቶረስን (Aboriginal and Torres Strait Islander) ንሃገራዊ ቅዋማዊ ዋዕላ ቀዳሞት ህዝብታት (First Nations National Constitutional Convention) ኣብ ጥቓ ኡሉሩ ብሓባር ተኣኪቦም መግለጺ ኡሉሩ ካብ ልቢ (Uluru Statement from the Heart) ኣጽዲቖም። እቲ መግለጺ ትካላዊ ጽገና/ተሃድሶ/ምምሕያሽ/ለውጢ ኣብ ሰለስተ ግንባራት፡ ድምጺ፡ ውዕልን ሓቅን ብምእማም፡ ኣብ ቅዋም ኣውስትራልያ ቀዳሞት ህዝብታት ኣፍልጦ ክረኽቡ መርሓ ግብሪ የቕርብ።  እዚ ብ13 ዞባዊ ዘተታት ቀዳሞት ህዝብታት ዝተወጠነን ዝተመርሐን ብ250 ልኡኻት ህዝብታት ኣቦሪጂናልን ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ተቐባልነት ረኺቡ ዝጸደቐ ሓደ ናይ ክልተ ዓመት ውሳነ ዝህብ ዘተ ተኸቲሉ ዝመጸ’ዩ። ኣብ ሓቂ፡ ፍትሒን ርእሰ-ውሳነን መሰረት ገይሩ ናብ ዕርቂ ገጹ ንቕድሚት ዘምርሕ፡ ሉኣላውንት ከይገደፈ፡ ዝምድና ኣብ መንጎ ቀዳሞት ህዝብታት ኣውስትራልያን መንግስቲ ኣውስትራልያን ሓደ ዝምድና ክምስርት ይዕልም። ሙዚቃ ብፍራንክ ያማ።

    5 min
  • ኣብ ሓሽፈራይ ተኣሲሮም ካብ ዝጸንሑ ተወላዶ ኳዜን ዞባ ማእከል ዝበዝሑ ከምተፈትሑ ሓበሬታ ተረኺቡ። (ካብ ዜናታት)

     

    ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡

      ** ኣብ ክፍለግዝኣታት ዘሎ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ በዚ ዘለዎ ትሑት መጠን እንተቐጺሉ፡ ኣውስትራሊያ ኣብ ዉሽጢ ሓድሕድ ዶባት ግዝኣታት ቅድሚ ክሪስማስ ክኽፈት ተኽእሎ ከምዘሎ ተገሊጹ።

     

    ** መንግስቲ ኤርትራ ንሕብረት ኤውሮጳን ሽወደንን ዝፈሸለ ሸርሕታትን ከቐጽላ ይጽዕራ አለዋ ክብል ከሲሱ።  ክልል ትግራይ ተቛዳሲት እቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተጀሚሩ ኣሎ ዝበሎ ምዕባለ ተቛዳሲት ከይትኸውን ብህወሓት ጅሆ ተታሒዛ ኣላ ኢሉ።

     

    ** ፕሪሜር ኲንስላንድ Palaszczuk ኣብ ኣውስትራሊያ ንፈለማ እዋን ንሳልሳይ እዋን ትምረጽ ዘላ ኣንስተይቲ ብምዃን ታሪኽ ሰሪሓ።

     

    ** ቪክቶሪያ ንሰለስተ ተኸታታሊ መዓልታት ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፈን ዝሞተን ኣየመዝገበትን።

    14 min
  • ፓላሼ፡ ጓል ኣንስተይቲ ንሳልሳይ እብረ መራሒት ግዝኣት ኮይና ብምምራጻ ታሪኽ ሰሪሓ።

    ኣብ ኲንስላንድ ኣብዝተገብረ ምርጫ ፕሪሜር ኣናስታሺያ ፓላሼ ንስላሳይ ግዜ ብምምራጻ ኣብ ኣውስትራሊያ ንፈለማ ግዜ ንሳልሳይ ግዜ ትምረጽ ኣንስተይቲ ብምዃን ታሪኽ ሰሪሓ።

    ን ዓለማዊ ለበዳ ብዝግባእ ብምብዳሁ ሰልፊ ለበር ዓብላሊ መናብር ብምሓዝ ንመንግስቲ ኲንስላንድ ንዝመጽእ 4 ዓመታት ክመርሕ እዩ።

    5 min
  • ሃገራውያን ጋንታታት መንእሰያት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ግጥማት ሴካፋ መጋጥምተንን ምድባተንን ፈሊጠን

    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (01/11/2020)

    ** ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስን ኢትዮጵያዊ ጽጋቡ ግርማይን ተሳትፎኦም ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ላ ቩወልታ ኢስጳኛ ይቕጽሉ፡

    ** ምድባት ግጥም ኩዕሶ እግሪ መንእሰያት ሃገራት ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ (ሴካፋ) ወጺኦም: መንእሰያት ኢትዮጵያን ኤርትራን ምድቦምን መጋጥምቶምን ፈሊጦም፡

    ** ፕረዚደንት ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ኣሕመድ ኣሕመድ ኮሮናቫይረስ ምልካፉ ድሕሪ ምርግጋጹ ኣብ ካይሮ፡ ምስሪ፡ ንሓሙሽተ መዓልቲ ኣብ ሆስፒታል ክጸንሕ’ዩ፡

    ** ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣትሌታት ዝኾኑን ዘይኮኑን ጎየይቲ ጉያ እግሪ ካብ ኢትዮጵያውያን ጎየይቲ ክመሃርዎም ዝኽእሉ ሸሞንተ ምኽርታት ኣለው ክብል ሓደ ፍሉጥ ኣትሌትን ተመራማሪን ገሊጹ፡

    11 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,767 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

0 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

0 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners