
Sign up to save your podcasts
Or


መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኲናት ንምውዳእ፡ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ መቐለ ይግስግስ ኣሎ ክብል'ከሎ፡ ፕረሲደንት ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ድማ ኣብ መወዳእታ ህዝቢ ትግራይ ክስዕር'ዩ ኢሉ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናት ከቢድ ሰብ ኣዊ ቅልውላው ይፈጥር ከምዘሎን እቲ ኲናት ብህጹጽ ደው ክብልን ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ።
ኣብ ኦሮሚያን ቤናሻንጉልን ግጭት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ፡
ካልእ ጸብጻብን
ኣብዚ ካል ኣይ ክፋል ቃለ መሕትት፡ ብዛዕባ ዝኸይድ ዘሎ ኲናትን ኣብቲ ዞባ ከምጽ ኦ ብዛዕባ ዝኽእል ሳዕቤን፡ ዝምድናታት መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ መጻኢ ዶባትን ካልእን።
ብመሰረት ዝተገብረ መጽናዕቲ ዝበዝሑ ሰራሕተኛታት ድሕሪ ኮቪድ-19 ኣብ ገዛኦም ኮይኖም ምስራሕ ክቕጽሉ እዮም ዝደልዩ።
“ክንዮ ኣህጉራዊ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣትዩ ዝተዋግአ ኤርትራዊ ሓይሊ ኣሎ ዝብል ጭብጢ የለን።”
ቀዳማይ ክፋል ቃለ መሕትት ምስ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ፡ ብዛዕባ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ኲናት።
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (16/11/2020)
ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡
*** ሳውዝ ኣውስትራሊያ ሓድሽ ለበዳ ኮቪድ-19 ተኸሲቱ ...
*** ኣውስትራሊያ ትርከበን 15 ሃገራት ፓሲፊክ ኤሽያ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ናይ ነጻ ንግዲ ዉዕል ፈሪመን።
*** እቲ ኣብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ኲናት እናተጎሃሃረ ቀጺሉ፡ ካብ ትግራይ ናብ ኤርትራ ሚሳይል ተተኩሱ...
*** ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ መተከል ዞን ድባጢ ወረዳ ቂህዶ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ዕጡቓት መኪና ደው እናበሉ ብዘውረድዎ መጥቃዕቲ ልዕሊ 30 ሰባት ከምዝተቐትሉ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ገሊጹ።
እዚ ተረኺቡ ዘሎ ክታበት ናይ ኮሮና ቫይረስ ኣብ መወዳእታ ናይ ዝመጽእ ዓመት ህይወት ናብ ንቡር ዝመልስዩ ክብሉ ነቲ ክታበት ዝረከቡ ይዛረቡ።
እዚ ዝመጽእ ዘሎ መልከፍቲ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ኣመሪካን ኣውሮጳን ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናወሰኸ ኣብዝኸደሉ ዘሎ እዋንዩ።
ኣብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ኲናት ሰሙን ኣሕሊፉ፡ ብዙሓት ሰባት ይሞቱን ይስደዱን ኣለዉ፡ ናይዚ ዝኸይድ ዘሎ ምዕባለ ሓጸርቲ ጸብጻባት ልኡኽና ካብቲ ከባቢ ሰዲዱልና ኣሎ።
እዚ ኣብ መንጎ ሰራዊት ፈደራል መንግቲ ኢትዩጵያን ሰራዊት ትግራይን ዝግበር ዘሎ ኩናት ምስጀመረ ዋና ጸሓፊ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ “ኣብ ኢትዮጵያ ዘይምርግጋእ እንተተፈጢሩ ብምልኡ እቲ ዞባ ኣይክረጋጋእን እዩ።” ክብል ገሊጹ ኔሩ።
ራሺድ ዓብዲ ዝተባህለ ተንታኒ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምዝገለጾ’ ድማ “እዚ ኲናት ድሮ ዞባዊ ኲናት ኮይኑ እዩ” ክብል ደምዲሙ ኣሎ።
"እቲ ዞባ ስትራተጂካዊ ብምዃኑ እቲ ጽልዋ ዓቢ እዩ፡ ብዙሓት ሃገራት ድማ ክሳተፋኦ እየን፡ ሱዳንኳ ድሮ ኣብዚ ትሳተፍ ኣላ” ክብል ወሲኹ ገሊጹ ክብል ምስ ቢቢሲ ኣብዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ኣህጉራዊ ጉጅለ ቅልውላው (International Crisis Group) ከምዘጠንቅቖ፡ እዚ ኲናት ብህጹጽ ደው እንተዘይ’ሉ ብምሉኡ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ሕንፍሽፍሽ ክወድቕ እዩ።
ኣብ ዋና ከተማ ኤርትራ ኣስመራ፡ ከባቢ መዕርፎ ነፈርቲ ሓያል ነትጒ ከምዝተሰምዐ ነበርቲ እታ ከአተማ ኣረጋጊጾም። ዛጊት መንግስቲ ኤርትራ መግለጺ እንተዘይሃበሉኳ፡ ድሕር’ቲ ኣብ ባህርዳርን ጎንደርን መጥቃዕቲ ፈጺመ ዝበሎ መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ወሃቢ ቃል ናይ ትግራይ ሰንትራል ኮማንድ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብዛዕባ ቀጻሊ መጥቃዕቲ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ኔሩ። "ኣብ ባህርዳርን ጎንደርን ኣብ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ዝርከቡ ዝተፈልዩ ከባቢታት ዒላማ ጌርና ብሚሳይል ሃሪምና ኢለና። ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ኣብ ባህርዳርን ጎንደርን ብተመሳሳሊ'ውን ኣብ ኣስመራን ባጽዕን ካልእ ከባቢን ዘሎ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ንምምካን ብሚሳይል ክንወቅዕ ኢና።”
ብዘይካዚ ናይ ክልል ትግራይ ፕረሲደንት ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ዝርከብ ሓዱሽ ፋብሪካ ልማዓት ሽኮር ወልቃይት ውን ብነፈርቲ ተደብዲቡ ክብል ገሊጹ ኣሎ። ዝርዝር ናይቲ መግለጺኡ ኣብዚ ቐሪቡ ኣሎ።
From the publisher's feed

4 Listeners

10 Listeners

9 Listeners

111,767 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

3 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners