SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ቁጽሪ ረዲኤታዊ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ኣብ መላእ ዓለም ብ40% ወሲኹ

    ውዱብ ሕቡራት ሃገራት እቲ ዓመታዊ ግሎባዊ ሰብኣዊ ኩነታት ዝግምግመሉ (Global Humanitarian Overview) ኣውጺእዎ’ሎ፡ ኣብ 2021 ቁጽሪ ናይ’ቶም ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ዳርጋ ዕጽፊ ክኸውን’ዩ ኢሉ ትንቢቱ ሂቡ። እዚ ዝመጽእ ዘሎ ኣብ ጽባሕ’ቲ ነተን ኣዝየን ተነቀፍቲ ሃገራት ዝያዳ ተመጣጣኒ ብዘይኮነ መጠን ጸልይወን ዘሎ ለበዳ’ዩ።

    5 min
  • ዕድመኹምን ዝዓበኹምሉ ቦታን ብዘየገድስ ኣብ ዝኾነ እዋን ምሕንባስ ክትመሃሩ ትኽእሉ ኢኹም

    ሓደስቲ መጻእቲን በጻሕትን ናብ ኣውስትራልያ እቶም ዝለዓለ ሓደጋ ምጥሓል ኣብ ማያትና ዘጋጥሞም'ዮም። ዳርጋ ፍርቂ ናይ’ቶም ዓመታዊ ብምጥሓል ዝሞቱ ወይ ዝጥሕሉ ኣውስትራልያውያን ዘይኮኑ ነበርቲ እዮም። ስለ’ዚ ክረምቲ ወይ ምውቕ ወቕቲ ብወግዒ ኣብ ዝጅምረሉ እዋን ዕድመ ብዘየገድስ ኩሉ ሰብ ምሕንባስ ክመሃር ይተባባዕ ኣሎ።

    4 min
  • ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ትግራይ ብዂናትን ሓደጋ ጸጥታን ዝተኸቡ ስደተኛታት ኤርትራውያን ህጹጽ ሓገዝ መግቢ ክቐርበሎም መጸዋዕታታት ወሲኾም

    ሓይልታት ፈደራል ኢትዮጵያ ኣብ ቀዳመ ሰንበት መቐለ ሒዝናያ ኢሎም፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ እቲ ውግእ ገና ኣይተወደአን ቃልሰይ ክቕጽል’የ ምባሉ ግን እቲ ዘጋጥም ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ቀረባ ዝውዳእ ኣይመስልን ክብል መርበብ ሓበሬታ ዘ ኒው ህዩማኒታሪያን ኣስፊሩ። ካብ’ቶም ኣብ ዝለዓለ ተኽእሎ ሓደጋ ዝርከቡ ኸኣ 96000 ኣብ ኣርባዕተ መዓስከራት ስደተኛታት ኣብ ትግራይ ተዓቚቦም ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት እዮም፡ ካብ ብህጹጽ ዝድለ ቀረባት ሓገዝ ከይመጾም ተቖሪጾም ወይ ተኸርዲኖም ይርከቡ። 

    8 min
  • ኣርባዕተ ኤርትራውያንን ሓደ ኢትዮጵያዊን ተቐዳደምቲ ብሽግለታ ን'ብሉጽ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ 2020' ተሓጽዮም

    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኤስቢኤስ ትግርኛ (30/11/2020)

    * ኣፍሪቃዊ ብሉጽ ተቐዳዳማይ 2020 ንምምራጽ ዝሓለፈ ሰሙን ኣካየድቲ ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ ዝርዝር ኣስማት 10 ሕጹያት ተቐዳደምቲ ኣውጺኦም፡

    * ኣሰልጣኒ ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ኮይኑ ዝተሰየመ ጀርመናዊ ኣሰልጣኒ ምስ’ቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሓድሕድ ዝተኣሳሰሩ ሓደጋታት ኣብ ኢትዮጵያ ምጽናሕን ምስልጣን ዘይከኣሎ ምዃኑ ገሊጹ፡

    * ፕረዚደንት ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ኣሕመድ ኣሕመድ ብዙሓት መምርሒታት ስነምግባር ብምጥሓሱ ፊፋ ንሓሙሽተ ዓመታት ኣጊድዎ፡

    * ድሕሪ ሞትን ምፍናውን ህቡብ ኮኾብ ተጻዋታይ ኣርጀንቲናዊ ዲያጎ ማራዶና ብዙሓት ደቁ ብሃብቱን ንብረቱን ክሰሓሓቡ ይኽእሉ'ዮም፡

    11 min
  • ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ው. ሕ. ሃ. - 'ሓይልታት ፈደራል ወተሃደራዊ ስርሒትና ወዲእና ኢና እንተበሉ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ግጭት ገና ኣይተወደአን'

    ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (30/11/2020)

    * ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንዲ ፈደራል ሓይልታት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ወተሃደራዊ ስርሒትና ወዲእና ኢና እንተበሉ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ግጭት ካብ ምውዳእ ገና ከምዝኾነ ገሊጹ።

    * ዳግማይ ንኽምረጽ ዘካየዶ ፈተነ ካብ ዝፈሽል ንደሓር ኣብ ዘካየዶ ናይ ፈለማ ቃለመሕትት ኣብ ቴሌቪዥን፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብጆ ባይደን ተሳዒረ ኢለ ኣይኣምነሉን’የ፡

    * ቀዳማይ ሚኒስተር አውስራልያ ስኮት ሞሪሰን ቻይና ናይ ሓሶት ምስሊ ናይ ሓደ ወተሃደር አውስትራልያ ስለዝጠቅዐት ‘አዝዩ ከሕፍራ አለዎ’ ክብል ገሊጹ።

    * ፈደራል መንግስቲ ኣውስትራልያ ዝበዝሑ ናይ መጻምድቲ ቪዛ ኣመልከትቲ ዝኾኑ 4000 ሰባት ካብ’ዚ ተኣታትዩ ዘሎ ግዝያዊ ለውጢ ኣብ መደባት ቪዛ ንስድራቤታት ተጠቀምቲ ክኾኑ’ዮም ኢሉ።

    13 min
  • መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀ/ሚ ኣብይ ሽልማት ኖበል ክሽለሙ ሓያል ጻዕሪ ዝገበሩ ዶክተር ኣወል ኣሎ ቃሲም ብገበን ምፍራስ ሃገር ከሲስዎም
    ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ወፍሪ ኩናት ኣብ ትግራይ ተወዲኡ ይብሉ። ሰብ መዚ መንግስቲ ትግራይ ብሰንበት ኣብ ዓብዪ ዓዲ ክትድብድብ ዝመጸት ሚግ-23 ዝዓይነታ ነፋሪት ሃሪሞም ከም ዝሓምሸሹዋ ይገልጹ። ኣብራሪ እታ ወታሃደራዊት ነፋሪት ብህይወቱ እንከሎ ከም ዝሓዙዎ እውን የብርሁ። ቀዳመ ሰንበት ብዝቐጸሉ ደብዳባት ነፈርቲ ውግእ ኢትዮጵያ 19 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ'ውን ሓቢሮም። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ዓድዋን ኣክሱምን ዝነበረ ሰራዊት ብዝተኸፈተሉ መጥቃዕቲ ገለ ናብ ሽረ ገለ ከኣ ናብ ኤርትራ ከም ዝተበተነ ገሊጾም ኣለዉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እዚ ዝሃቦ መልሲ የለን።* ኖርወይ ንመንግስቲ ኣዲስ ኣበባ መገድታትን መራኸቢታትን ትግራይ ብህጹጽ ክኸፍት ትጽውዕ፣* ካብ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራ ልዕሊ 6 ሽሕ ሰባት ብወተሃደራት ኤርትራ ተወሲዶም ተባሂሉ፣* ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንህወሓት ኣብ መዝገብ ግብረሽበራ ከስፍረሉ ዝኽእል ውሳኔ ንምሕላፍ ይእከብ፡ ህወሓት ብውግእ ደባይ ቃልሱ ይቕጽል፣* መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ኖበል ሽልማት ክሽለሙ ሓያል ጻዕሪ ዝገበሩ ዶክተር ኣወል ኣሎ ቃሲም ብገበን ምፍራስ ሃገር ከም ዝኸሰሶም ኣፍሊጡ፡
    7 min
  • ቪክቶርያ ንኮሮናቫይረስ ንምጥፋእ ዓሊማቶ ዝነበረት ሽቶ ወቒዓ

    ቪክቶርያ እቲ ብሰፊሑ ተቐባልነት ዘለዎ መልክዒ ምጥፋእ ኮቪድ-19 ኣብ ማሕበረሰብ 28 መዓልታት ብዘይዝኾነ ሓድሽ መልከፍቲ ኣማሊኣቶ’ላ። ምምሕዳራዊ ከባቢታት ካብ ኮሮናቫይረስ ነጻ ተባሂሎም ዝቑጸሩ ክልተ ነናይ 14 መዓልቲ እዋናት ምጭጫሕ (ኢንክዩቤሽን ፔሪየድስ)፡ ዝኾነ ሓድሽ መልከፍቲ ከይሃለወ/ከይተረኽበ፡ ምስ ዝሓልፉ’ዩ።

    7 min
  • መወዳእታ ምዕራፍ ኲናት፡ ኪንይኡ ዝፍጠር ኩነታትን ታሪኽን

    ዛዕባ ሎሚ፡ 

    አብ ትግራይ አብ መንጎ ሰራዊት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ናብ’ቲ ብዙሓት ናይ መወዳእታ ደረጅኡ ዝበልዎ ዝበጽሐ ይመስል። እዚ ታሪኽ ምልስ ኢልና ምስ እንምልከትን ሳዕቤኑ አብ ልዕሊ ህዝቢ ምስ እንግንዘብን እቲ ዝኸፍአ እንታይ’ዩ ክኸውን ዝኽእል ምሕሳቡ የፍርሕ።

    10 min
  • ካብ መላእ ኣውስትራሊያ ዝተኣከቡ ተጋሩ ኣብ ካንበራ ዓቢይ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

    ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (26/11/2020)

    * ሓደ ኣብ ከተማ ኣደላይድ ዝርከብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ተማሃሪት ኮቪድ-19 ድሕሪ ምልካፋ ንጽሬት ከምዝተዓጽወ ተፈሊጡ።

    * ግዝኣት ቪክቶርያ ን27 መዓልታት ኣከቲታላ ዜሮ መልከፍትን ሞትን ኮሮናቫይረስ ኣመዝጊባ። ካብ ቫይረስ ነጻ ክትበሃል ሓደ መዓልቲ ጥራይ ተሪፍዋ፡

    * ሎሚ ካብ መላእ ኣውስትራሊያ ዝተኣከቡ ተጋሩ  ኣብ ካንበራ ዓቢይ ሰላማዊ ሰልፊ ክገብሩ ዊዒሎም።

    * ልዕሊ 60 ሚልዮን ሰባት ኣብ መላእ ዓለም ኣብ’ዚ እዋን ብኮቪድ-19 ተለኺፎም፡ 1.4 ሚልዮን ከኣ መይቶም።

    12 min
  • ኣማኻሪ ጸጥታ መንግስቲ አሜሪካ ኣብ መቀለ ገበናት ኲናት ከይፍጸም ስግኣት ሓዲርዎም፡

    ጸብጻባት ዜና 

    * አማኻሪ ጸጥታ ሓድሽ ተመራጺ ፕረዚደንት አሜሪካ ስግኣት አብ መቀለ ገበናት ኲናት ከይፍጸሙ ሰጊኦም፡

    * ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ጸቅጢ ዝበዝሖም ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ 'ኢድ ኣእታውነት' ኣይቅበል ኢሎም፡

    * ኣብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ዘላ ናይ ነዳዲ መርከብ ብጥንቃቀ ክትእለ የመናዊ ዕጡቅ ጉጅለ ሑቲ ፈቃድ ሂቡ፡

    6 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,767 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

0 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

0 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners