
Sign up to save your podcasts
Or


ጽሟቕ ዜናታት፥
ናብቶም ኣብ መዓስከራት ስደተኛታትት ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ንምርኣይ ዝኸዱ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ውሕሃ ተኹሲ ከም ዝኸፈተሎምን ከም ዝኣሰሮምን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሚኑ።
ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ትሳተፍ ከም ዘላ ኣሜሪካ ክትግንዘብ ከምዝኸኣለት ተገሊጹ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ማይካድራ ዝተፈጸመ ጅምላዊ ጨፍጫፍ ናይ ደገ መርመርቲ ከጻርዩዎ ከም ዘየፈቅድ ኣፍሊጡ።
ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ዘለዉ ተጋሩ፡ ብዕጡቓት ዝወረዶም ግፍዒ ንማዕከናት ዜን ይገልጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ ሰብ መዚ ኤርትራ ናብ ሱዳን ኣምሪሖም።
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (7/12/2020)
* ወናኒት ክብረወሰን ዓለም 5000ሜ ለተሰንበት ግደይ ብምኽንያት ኲናት ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ’ቲ ሰንበት ዝተኻየደ ውድድር ጉያ እግሪ ፍርቂ ማራቶን ቫለንስያ ከይተሳተፈት ተሪፋ፡
* ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ናትናኤል ተስፋጽዮን ምስ ኢጣልያዊ ጋንታ ኣንድሮኒ-ጂያካቶሊ ተጸምቢሩ ናይ ክልተ ዓመት ውዕል ተፈራሪሙ፡
* ኣንበብቲ መጽሄት ‘ኣትለቲክስ ዊክሊ’ ናይ ዝሓለፉ ሰብዓን ሓሙሽተን ዓመታት ጃማይካዊ ዩሰይን ቦልትን ኢትዮጵያዊት ጥሩነሽ ዲባባን ዝበለጹ ኣትሌታት ክብሉ መሪጾሞም፡
* ማራዶና ኣብ ዋንጫ ዓለም ሜክሲኮ ንብዙሓት ተጻወቲ ኣሽኪዑ ኣንጻር እንግሊዝ ዘመዝገባ ሽቶ ዘሐብን ዳንነት ዘርኣኹላ’ያ ክብል ማእከላይ ዳኛ ዝነበረ ቱኒዝያዊ ኣብ ተዘክሮኡ ገሊጹ
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (071220)
* ስግኣት ጸጥታ አብ ትግራይ ረዲኤታዊ ሓገዝ ናብ’ቲ ተጸጊሙ ዘሎ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ከይበጽሕ ዕንቅፋ ኮይኑ’ሎ ክብሉ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ሰንበት ገሊጾም።
* ኣብ ትግራይ ዝመተ ሰብ የለን ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ዝሃቦ መረጋገጺ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንሓደ ዶክተር አብ መቀለ ብምዝዝራብ ዝሞቱ ከምዘለው ኣረጋጊጹ፡
* ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ጠበቕኡ ሩዲ ጁልያኒ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኽፈ ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ ኣፍሊጡ።
* ኣብ ቪክቶርያን ኒው ሳውዝ ዌልስን ተነቢሮም ዝጸንሑ ግዴታዊ መምርሒታት ኮሮናቫይረስ ብዝለዓለ መጠን ተፏዂሶም።
* ፈደራል ሚኒስተር ቱሪዝም ሳይመን በርሚንግሃም ምምላስ ተወሰኽቲ አውስትራልያውያን ካብ ካልኦት ሃገራት ልክዕ አብ በዓል ልደት ምስ ቤተሰቦም ክጽንብሮም’ዩ ድሕሪ ምባል በዳሂ እዋን ምኳኑ ተአሚኑ።
ጸብጻብ ዜናታት (071220)
* ቀ/ሚ ኲናት ተወዲኡ’ኳ እንተበለ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ውግእ ይቅጽል አሎ፡
* ኣብ ደገ ዝነብሩ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኲናት ደው ክብልን ሰብአዊ ሓገዝ ክአቱን ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ አካይዶም፡
*
ልዕሊ 100,000 ሰባት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብምኽንያት ኮቪድ-19 ኣብ ሆስፒታል ይሕከሙ ኣለው፡ እዚ እታ ሃገር ርእያቶ ዘይትፈልጥ ልዑል ቁጽሪ መልከፍታት ኣብ ተመዝግበሉ ዘላ እዋን’ዩ። ናብ ዓርቢ ኣብ ዘውግሑ 24 ሰዓታት ልዕሊ 200000 ሓደስቲ መልከፍታት ክምዝገቡ እንከለው 2800 ሰባት ከኣ መይቶም።
ኣባል ፈጻሚት ኣካል ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ) (EMDHR) ሄለን ኪዳን ኤርትራውያን ስደተኛታት ህጹጽ ሓገዝ ረዲኤት ክረኽቡን ዓለምለኻውያን ውድባትን ማሕበራትን ክበጽሐኦም መንገዲ ክኽፈትን ጎስጓስ ብደረጃ'ቲ ምንቅስቓስ ኣብ ምንጣፍ ትርከብ። ንኩነታት እዚ ጎስጓሳትን ናይ ስደተኛታት ኣብ መዓስከራት ትግራይ ንምሕጋዝ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታትን ዝምልከት ምስ ኤስቢኤስ ትግርኛ ቃለመሕትት ኣካይዳ ኣላ።
ጸብጻባት ዜና (03/12/2020)
* መግለጺ ወሃቢ ቃል 'ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ' (** ክቡራት ሰማዕትና መንግስቲ ኤርትራን ኢትይጵያን ኤርትራ ኣብ'ዚ ኲናት ኣይኣተወትን ኢሎም ቅድሚ ሕጂ ገሊጾም'ዮም። ወሃብ ቃል ገብረ ገብረጻድቕ ዝበሎ ኸኣ ብኻልእ ነጻ ዝኾነ ኣካል ክረጋገጽ ኣይተኻእለን።)* ኣብ ኣርባዕተ መዓስከራት ስደተኛታት ዝርከቡ ዜጋታት መግቢ ስለዝወድኡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሻቕሎት ኣትዩ፡* 38 ኣባላት ህወሓት ተታሒዞም ዝብል ዜና ጌጋ ምዃኑ ፖሊስ ፌደራል ፍለጡለይ ኢሉ* ሕብረት ኣውሮጳ ኢትዮጵያ ንሓደ ዓመት ምስ እተውጽኦ በጀት ዝመዓራረ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ ዓመታት ክሕግዛ ወጢኑዎ ዝነበረ ገንዘብ ደው ከብሎ ከም ዝሓሰበ ሓቢሩ+251 94 312 2207
+251 11 552 7110
ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ መዓልታዊ ሓደጋታት የጋጥሞም ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም፡ ኣብ ውልቃዊ ህይወቶም ከኣ ዘይትጽቢታዊ ምኹላፋት የጋጥሞም። ኣውስትራልያ ኣብ ምሕላው ድሕነት ገዛውትን ማሕበረሰባትን ብዝዓበየ መጠን ኣብ ወለንተኛታት ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ ትምርኮስ። ስለ’ዚ ከመይ ጌርኩም ሓደ ካብ’ዞም ናይ'ቲ ብሓቂ እንነብሮ ህይወት ጀጋኑ ትኾኑ፧
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (03/12/2020)
* ህወሓት “ምሉእ መጥቃዕቲ አብ ቀረባ ግዜ ክፍንው’የ’ ክብል ገሊጹ፡
* ቪክቶርያ እቲ ካብ ኮቪድ ነጻ ዝኾነ አትያቶ ዘላ ጐዕዞ ብምቅጻል መበል 34 መዓልቲ ብተኸታታሊ ብዘይ ዝኾነ መልከፍቲ ሓሊፋ፡
* ፈደራል መንግስቲ መደባት ክታበት ኣውስትራልያ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ምድላዋት በጺሑ'ሎ ክብል ኣፍሊጡ፡
* ውዱብ ሕቡራት ሃገራትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ክልል ትግራይ ናብ’ቶም መንግስት ዝቆጻጸሮም ቦታታት ቀረባት ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣትው ከምዝተሰማምዑ ሰብኣውያን ጉዳያት ኣብ ው. ሕ. ሃ. ሮቡዕ ኣፍሊጡ፡
From the publisher's feed

4 Listeners

10 Listeners

9 Listeners

111,767 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

3 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners