
Sign up to save your podcasts
Or


ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝግበር ዘሎ ኲናት ኤርትራዊያን ዝተፈላለዩ ኣረኣእያታት የንጸባርቑ ኣለዉ። ብዛዕባዚ ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ዘለዎም ኡስታዝ ሑሴን ዓብደልዋስዕን ኣቶ ዮናስ ሃብተስላሴን ኣዛቲናዮም ኣለና፡ ቀዳማይ ክፋሉ ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ። ካልኣይ ክፋሉ ይስዕብ።
ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡
*** ሓያል ኩነታት ኣየር ኣብ ሰሜናዊ ኒው ሳውዝ ወልስን ደቡባዊ ምብራቕ ኲንስላንድን ሓደጋታት ከውርድ ጀሚሩ ኣሎ።
*** ካብቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናት ናብ ሱዳን ሃዲሞም ካብዘለዉ ስደተኛታት ኤርትራዊያን ከምዘለዉዎም ተፈሊጡ።
*** ኣብ ኣመሪካ ኣብዝግበር ዘሎ ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ 4 ሰባት ብኻራ ተወጊኦም።
*** ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዝግበር ዘሎ ኲናት ብደረጃ ኢጋድ ህጹጽ ኣኼባ ክግበር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ከምዝተሰማምዐ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ኣረጋጊጹ
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (14/12/2020)
* ግጥማት ሻምፒዮና ኩዕሶ እግሪ ሴካፋ መንእሰያት ት17 2020/21 ሰንበት ኣብ ሩዋንዳ ተጀሚሮም፡ ኣብ መኽፈቲ ግጥም ኢትዮጵያን ኬንያን 2-2 ማዕረ ተፈላልየን፡
* ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቕን ጋንቱ ሪያል ሶሰይዳድን ኣብ ግጥማት ላሊጋ ጋንታታት ስፐይን መሪሕነት ደጊሞም ተረኪቦም፡
* ብሓድሽ መዋሊ ቤትኪንግ ዝተሰየመ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ (ቤትኪንግ ኢትዮጵያን ፕሪምየርሊግ 2020/21) ብዲኤስቲቪ ብቐጥታ ብቴሌቪዥን እናተመሓላለፈ ቀዳማይ ዙር ግጥማት ብምክያድ ተጀሚሩ፡
* ኣቦ ወንበር ኣትለቲክስ ዓለም ሰባስትያን ኮ ኣትሌታት ኣብ መስርዕ ምሃብ ክታበት ቦትኦም ክወሃቦም ወይ ተራ ክሕዙ ይግባእ ክብል ገሊጹ፡
ኤርትራዊያን ስደተኛታት ብሓይሊ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መደበር ስደተኛታት ይውሰዱ ኣለዉ።
ሓጺር መገሻ መራሒ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያን ኣመታቱን።
ዝብሉን ካልእ ጸብጻባትን።
ዓለም ንምቕባል ዓመተ 2020 እንቋዕ ኣብጽሓና ኢላ ትሕጎሰሉ ኣብዝነበረትሉ እዋን፡ ኣብ መጻኢ ከቢድ ሓደጋ ኣንጸላልዩ ምንባሩ ምልክታት ኔሮም’ዮም።
ምርሻን፡ ኣብ ሕጊ ምቕራብ፡ ብረክሲት፡ ኣህጉራዊ ለበዳ ኩሎም ቅድሚ በዓል ትንሳኤ እዮም ተኸሲቶም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ትግራይ ሃዲሞም ናብ ኣዲስ ኣበባ ንዝኣተዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት “ስሩዕ ዘይኮነ ምንቅስቓስ” ብምባል ናብ መደበር ስደተኛታት ይመልሶም ኣብዘሎ፡ ናይ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ስደተኛታት UNHCR ነዚ ብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ " ፍጹም ዘይቅቡልን ኣሻቓሊን " ክብል ነጺግዎ ኣሎ። ኣብ ኣውስትራሊያ ዝርከቡ ኣዝማድ እቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ሻቕሎትም ይገልጹ ኣለዉ።
ቀንዲ ነጥቢታት ዜና ፡
** ራሻ ሰራሕተኛታት ጥዕና እቲ Sputnik-V [[five]] ዝበሃል ናይ ኮቪድ-19 ክታበት እናወሰዱ ዘርእይ ስእሊ ዘርጊሓ።
** ሓደ ወዲ 18 ዓመት መንእሰይ ናይ ሕሉፋት የማናዊያን ነገራት ኣብ ኦንላይን ክዝርግሕ ዝተኸታተሉ መርመርቲ ብግብረሽበራዊ ስራሕ ተኸሲሱ።
** ኣውስትራሊያ ምስ ህንዲ ክልተኣዊ ናይ ነጻ ስምምዕ ንግዲ ክትገብር ክትዝቲ ጀሚራ።
** ኣብ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ኲናት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይኑ ሰላማዊያን ሰባት ይጎድእ ኣሎ ክትብል ናይ ዉሕሃ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብ ኣዊ መሰላት ኣጠንቂቓ።
** ኣብ ኣውስትራሊያ ዝነብሩ ኤርትራዊያን ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ትግራይ ብዘለዉ ኣባላት ቤተሰቦም ሻቕሎቶም ገሊጾም
ኣውስትራሊያ ኣብ ወርሒ ሕዳር፡ ኣብ ታሪኽ ካብዝተመዝገበ ዝለዓለ መጠን ሙቐት ተመዝግብ ኣላ።
ንፋስ ላኒና (La Niña) ጠሊ ዝሓዘ ወቕቲ ሳመር ሒዙ ይመጽእ እንተሎኳ፡ ቤት ጽሕፈት መትሮሎጂ ብወገኑ ማዕበል ሙቐት ንነዊሕ እዋን ክጸንሕ ምዃኑ ገሚቱ ኣሎ።
ምስ ሙቐትን ጸሓይን ዝመጽእ ጸገም ጥዕና ንምክልኻል ኪኢላታት መጠንቀቕታ ይህቡ ኣለዉ።
ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት (ዉሕሃ) እቲ ኣብ ትግራይ ዝቐጸለ ኲናት ከምዘሻቐሎን፡ ኲናት ደው ኢሉ ናብ ልዝብ ክኽየድ ሰብ መዚ እቲ ዉድብ ይጽውዑ ኣለዉ። ብዘይካዚ ሆስፒታል ዓይደር ቀረብ ሕክምናዊ ናውቲ ከምዝወደአ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣፍሊጡ። ነዚ ዝምልከት ጸብጻባት ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ።
ኣብ ትግራይ ኲናት ምስተኸፍተ፡ መውጽኢ ሲኖም ካብ ዝጸንሑ ዲያስፖራ ተጋሩ ሓደ ዝኾነ ተስፋሁነኝ ጸጋይ፡ ብሓገዝ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኣውስትራሊያ ካብ ትግራይ ካብ ዝወጹ ሓደ ኮይኑ፡ ኣብቲ ተወሺብሉ ዘሎ ሆቴል ካብ ብርስቤን ብዛዕባ ዘጋጠሞም ጸገማትን ኣወጻጽኣኦምን ኣካፊሉና ኣሎ።
From the publisher's feed

4 Listeners

10 Listeners

9 Listeners

111,767 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

3 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners