
Sign up to save your podcasts
Or


እዋን ክሪስማስ እዋን ብልዒ፡ ምትእኽኻብ ስድራን ወግዒንዩ እንተኾነ ብዙሓት ብስደት ዝነብሩ ሰባት ህይወቶም ኩሉ ናይ ጓና ህይወት ስለዝኾነ ከቢድ ብድሆ እዩ ዝኾኖም።
በዚ ድማ’ዩ ሓደ ካብ ኮንጎ ብስደት ናብ ኣውስትራሊያ ዝመጸ ናይ ፈለማ ኮመርሺያላዊ ኣፍሪቃዊ ሕርሻ ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ተዋፊሩ ዘሎ፡ እዚ ብምግባሩ ማሕበረሰቡ ናብ ሓደ ከምጽኦም ክኢሉ።
ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡
*** ኣብ ኒው ሳውዝ ወልስ ምስቲ ኣብ ሰሜናዊ ገማግም ሲድኒ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ብዝተሓሓስ 15 ሓደሽቲ ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ሰባት ተረኺቦም።
***ኣውስትራሊያዊያን ስድራቤታት ኣብ ዉሽጢ 3 ዓመታት ካብቲ ዓመታዊ ዝኸፍልዎ ክፍሊት ኤለክትሪክ ናይ $190 ዶላር ጎደሎ ክፍሊት ክኸፍሉዮም።
*** ለበዳ ኮሮና ቫይራስ ብሰላሕታ ናብ ኩለን ዞባታት ክልሕምን፡ ዝዀነ ናይ ጒዕዞ ታሪኽ ንዘይብሎም ዜጋታት ክለክፍን ከምዝጀመረ ብምግላጽ፡ ኤርትራ ሓድሽ ቀይዲታት ኣተኣታታትያ
*** ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ፕሪሜር ሊግ እንግሊዝ ናብ ሳልሳይ ደረጃ ደይባ።
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (21/12/2020)
* ኣብ ታይዋን፡ ኣብ ዝተኻየደ ታይፐይ ማራቶን 2020 ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብደቀንስትዮ ሰለስቲኡ ደረጃታት ብምውሳድ ተዓዊተን፡
* ግጥማት ሻምፒዮና ኩ’እግሪ መንእሰያት ት17 ሃገራት ኮንፈደረሽን ማሕበራት ኩ’እግሪ ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ (ሴካፋ) ኣብ ሩዋንዳ ይካየዱ’ለው፡ ኢትዮጵያ ኣብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ብታንዛንያ ብፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ተሳዒራ፡
* ኬንያዊት ህብብቲ ኣትሌት ሄለን ኦቢሪ ነቶም ብማዕበል ብርሃን ቴክኖሎጂ እናተሓገዙ ዝተመዝገቡ ክብረወሰናት ዓለም ልክዕ ከም’ቶም ሓይሊ ዘደንፍዑ ነገራት ወሲድካ ተመዝግቦም’ዮም ክትብል ገሊጻቶም
ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዶባት ኢትዮጵያ ቦታታት ከምተቖጻጸረ ተሓቢሩ።
መራሕቲ ኢትዮጵያን ሱዳንን ሰሉስ ናይ ክልቲኤን ሃገራት ናይ ሓባር ላዕለዋይ ኮሚተ ዶብ ክእከብ ተሰማሚዖም።
ኣብ ሱዳን ናይ ተቓዉሞ ሰልፊታት ክግበር ቀንዩ።
ካብ ዉዱብ ሕቡራት ሀገራትን ካብ ካልእን ዝተረኽበ ሓገዝ ንነበርቲ ከተማ መቐለ ናይ መግቢ ሓገዝ ክዕደል ምዃኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይገልጽ።
ኣብ ዝተፈላለዩ መዓስከር ስደተኛታት ዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ሓገዝ ምሃብ ከምዝጅምር 'ኣራ' ኣፍሊጡ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈንጀረ ቦምባ ጉድኣት ኣብጺሑ
ካልኣይ ክፋል ዘተ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝግበር ዘሎ ኲናት ኤርትራዊያን ዝተፈላለዩ ኣረኣእያታት የንጸባርቑ ኣለዉ። ብዛዕባዚ ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ዘለዎም ኡስታዝ ሑሴን ዓብደልዋስዕን ኣቶ ዮናስ ሃብተስላሴን ኣዛቲናዮም ኣለና፡ ክፋሉ ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ።
ቀንዲ ነጥቢታት ዜና ፡
** ኣብ ፓሪስ ኣብዝተገብረ መጥቃዕቲ ዝተኸሱ 14 ጥርጡራት ተፈሪዶም
** ኒው ሳውዝ ወልስ ክልተ ሓደሽቲ ብ ኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ተረኺቦም...
** ማልካ ለይፉህ ናብ ኣውስትራሊያ ተመሊሳ በቲ 74 ትኽሰሰሉ ዓመጽ ግብረስጋ ንኽትፍረድ ናይ እስራኤል' ሚኒስተር ፍትሒ ፈሪሙ።
** ኣውስትራሊያ ኣንጻር ቻይና ትገብሮ ዘላ ኣሉታዊ ጎስጓስ ደው ከተብሎ ሚኒስትሪ ወጻኢ ቻይና ጸዊዑ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መላእ እታ ሃገር ሰላም ኣስፊኑ ነጻን ሓቀኛን ምርጫ ክግበር ክጽዕር ኣባል ቤት ምኽሪ ጀርመን ጸዊዑ።
4 ሕዳር ኣብ ትግራይ ኲናት ድሕሪ ምጅማሩ ሰራዊትን ምልሻን ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ብምኻዱ ነቲ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣሰሓሓቢ ከባቢታት ፋሻካ ሰራዊ ሱዳን ተቖጻጺሮሞ ክብሉ ኢትዮጵያዊያን ክጠርዑ'ከለዉ፡ ሰራዊት ሱዳን ድማ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራተይ ብ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ተፈንዩኒ ኢሉ።
ኢትዮጵያ ካብተን ብዝሒ ዝእሰሩ ጋዜጠኛታት ዝወሰኸለን ሃገራት ምዃና ሲፒጄ ገሊጹ።
ኣብ መንጎ ሰልፊ ብልጽግና ኣምሓራን ቤንሻንጉል ግሙዝን ወጥሪ ከሪሩ።
ኤውሮጳዊ ሕብረት ንኢትዮጵያ ክህቦ መዲቡ ዝነበረ ኣስታት ተስዓ ሚልዮን ኤውሮ ባጀታዊ ፋይናንስያዊ ሓገዝ ደው ኣቢልዎ።
ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ኣውስትራሊያ ዓቐን ማይ ልዕሊ ገምጋማዊ መጠን ስለዝኸውን ኣውስትራሊያ ጥሉል ሳመር ብደሓን ክትሰግሮ እጅገኣ ትስብስብ ኣላ።
በዚ ኸኣ ህዝቢ ኣብ ጥቓ ዉሕጅ ዝዝውተሮ ከባቢታት ጥንቃቐ ክገብሩ ኪኢላታት ምኽሮም ይልግሱ።
From the publisher's feed

4 Listeners

10 Listeners

9 Listeners

111,767 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

3 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners