
Sign up to save your podcasts
Or


ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (04/01/2021)
* ኣብ ባርሴሎና ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ እግሪ 5 ኪሜ 'ኩርሳ ዴልስ ናሶስ 2020' ወናኒት ክብረወሰን ዓለም 1500ሜ ዝኾነት ኢትዮጵያዊት ገንዘበ ዲባባ ተዓዊታ፡
* ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2021 መንእሰያት ት17ን ት20ን ከምዝተሰረዙ ፊፋ ገሊጹ፡
* ግጥማት ኦሎምፒክስ ቶክዮ 2020 ምውሳኽ ቁጽሪ መልከፍቲታት ኮሮናቫይረስ ኣብ ጃፓንን ከተማ ቶክዮን ብዘየገድስ ኣብ ግዚኦም ክካየዱ ምዃኖም ቀ/ሚ ጃፓን ኣረጋጊጹ፡
* ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ፍራንሲስ ወዲ ዓዶም ኣርጀንቲናዊ ዲያጎ ማራዶና ኣብ ደገ ውልቃዊ ጸገም እንተነበሮ’ኳ ኣብ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ግን ‘ፍሉይ ቃና ዝፈጥር ስነጥበባዊ’ዩ ኔሩ' ክብሉ ገሊጾሞ
ሃገራት ዓለም ህዝበን ኣንጻር ኮቪድ 19 ዝምክት ክታበት ንምኽታብ ይጓየያ እየን ዘለዋ፡ እንተኾነ ሕጽረት ስለዘጋጥም ዘሎ ካልእ ፍታሕ ኣብ ምንዳይ ሃሰው ዝብላ ድማ ኣለዋ።
ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣመሪካን ህንድን ድሮ ንህዝበን ኣብ ምኽታብ ተጸሚደን ዘለዋ ሃገራት እየን።
እንተኾነ እተን ነቲ ክታበት ንምርካብ ኩንትራት ክፍርማ ዘይከኣላ ሃገራት፡ መጻኢ ህዝበን ጽልግልግ ዝበለ ኮይኑ ኣሎ።
ካብ ኣውስትራሊያ ናብ ኢዮጵያ ከይዱ ኣብ ሕርሻን ህንጻን ኣውፊሩ ክሰርሕ ዝጸንሐ፡ በዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት ኣብ ህይወቱን ኣብዝፈልጦምን በጺሑ ዘሎ ሕማቕ ነገራት ካብ ዉሽጢ ኢትዮጵያ ኣካፊሉ ኣሎ። ንድሕነቱ ክበሃል ስሙ ኣይተጠቕሰን።
ኣብ ትግራይ ብዝካየድ ዘሎ ኲናት ናብ ሱዳን ዝስደዱ ሰባት ይውስኽ ከምዘሎ ተፈሊጡ።
ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ሓለፍቲ ህወሓት ን ወተሃደራዊ መኮንናትን ከምዝሓዘን ከምዝቐተለን ገሊጹ።
ሓይሊታት መንግስቲ፡ ሰብኣዊ ገበናት ከምዝፈጸሙ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ኣብ ሶማሊያ ዝርከብ ናይ ቱርኪ ኩባኒያ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎም
ሮቦታት ዘጽንዑ ክኢላታት ኮምፒውተርን ኤሌክትሮኒክስን ነቲ ናይ ‘ሓባር ብልሓቶም’ የድንቕዎን ይብህግዎን፡ ክኢላታት ስነፍልጠት፡ ከባቢ፡ ህንደሳ፡ ወዘተ ሳዕሪን ዕንጸይትን ናብ ‘ጸዓት’ ናይ ምቕያር ክእለቶም የገርሞምን የቕንኦምን። እዚ ብልሓቶምን ክእለቶምን ደቂሰባት ክፍጽምዎ ወይ’ውን ክበጽሕዎ ይኽእሉ’ዶ ዝብል እቲ ብሓደ ወገን ዝቐርብ ሕቶ’ዩ። በቲ ኻልእ ግን ብውሑዱ ፍርቂ ዝኾኑ ካብ’ቶም ብዛዕባ ፍልሖ ዝወጹ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ከመይ ጌርካ ትቐትሎም ዝብሉ’ዮም። ሳይንስ ግን ጸኒሑ እቲ ፍሉይን ተኣምራውን ስርሖምን ጥቕሞምን እናፈለጦ ይመጽእ ኣሎ።
ቀንዲ ነጥቢታት ዜና ፡
** ኣብ ቪክቶሪያ ሰለስተ ሓደሽቲ ኣብ ኒው ሳውዝ ወልስ ድማ 10 ተ ሓደሽቲ ብ ኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ሰባት ተረኺቦም
** 32 ዜጋታት ሓድሽ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ኣረጋጊጹ።
** ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ንፈጻሚ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣብ ካይሮ ጸዊዑ ሓቲትዎ።
** ኣብ ኢጣልያ ብምርባሕ ኣጣልን ኣጅቦ ብምድላውን እትፍለጥ ኢትዮጵያዊት ስደተኛ ኣጊቱ ጉደታ ኣብ መንበሪ ገዛኣ ሞይታ ከምዝተረኽበት፡
** መንግስቲ ኡጋንዳ ንተቓዋሚ ፖለቲከኛ ድምጻዊ ቦቢ ዋይን ዳግማይ ኣሲርዎ።
ዋና ጸሓፊ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ናይዛ ምድሪ መሰረታት ተነቓኒቑዩ ዘሎ ክብል ኣብዚ ዓመት ተሰሚዑ ኔሩ።
ፍጥረት ሰብ ኣብ ልዕሊ ባህርይ ኣዊጅዎ ዝጸንሐ ኲናት ደው ዘብለላ ዓመተ 2021 ክትከውን ንመራሕቲ ዓለም ኣሕሚሙ ተዛሪብዎም።
.... እዚ ጸብጻብ ኣብ 2020 ኣከባቢ ዓለም ብከመይ ተተንኪፉ ክድህስስ እዩ።
መግለጺ CPJ ብዛዕባ ኩነታት ጋዜጠኛታት ዓለም።
ዉጥጥ ሱዳንን ኢትዮጵያን።
“ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ዝርከብ መዓስከራት ስደተኛታት ኣትዩ ብዙሕ ንብረት ኣብሪሱን ራስዩን ደም ኣፍሲሱን ብዙሓት ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ወሲዱን” ክብል ጋዜጣ ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ ጸብጺቡ
ኢትዮጵያን ሱዳንን ብዛዕባ ኣብ ዶብ ክሊኤን ሃገራት ተኸሲቱ ዘሎ ግጭት መግለጺ ኣውጺኤን።
ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ሃገሩ እናኸፍአ ብዝኸይድ ዘሎ ስቓይ ህዝቡ ዝስምዖ ዘሎ ቃንዛ ገሊጹ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍጸም ዘሎ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ ክምርመር ሕብረት ኣውሮጳ ጸዊዑ።
ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡
*** ትማሊ ኣብ ኤርትራ 47 ተወሰኽቲ ብኮቪድ 19 ዝተለኽፉ ዜጋታት ከምዝተረኽቡ ተገሊጹ።
*** ኣብ ሲድኒ ሃርበር ዝግበር ናይ ድሮ ሓድሽ ዓመት ርችት ብጽኑዕ እገዳ ስድራቤታት ኣብ ደገ ዝዕዘብሉን ኩነታት ክግበር ምዃኑ ተገሊጹ።.
*** ኣውሮጳ ፋይዘር ባዮንቴክ ክታበት ብምኽታብ ሰፊሕ ናይ ኮቪድ-19 ክታበት ወፍሪ ተጀሚሩ።
*** ብዓይነት ናይ ፈለማ ዝተባህለሉ ንካንሰር ደም ዝፍውስ መድሓኒት ሕሙማት ብዓቕሞም ንምግዛእ ፈደራል መንግስቲ ኣውስትራሊያ ከምዝሕግዝ ኣፍሊጡ።
From the publisher's feed

4 Listeners

10 Listeners

9 Listeners

111,767 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

3 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners