
Sign up to save your podcasts
Or


ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (11/01/2021)
* ሓፋሽ ዝሳተፈሉ ዓመታዊ ውድድር ‘ዓቢይ ጉያ ኢትዮጵ’ ሰንበት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ ብዓወት ኣቤ ጋሻውን ጽገ ገብረሰላማን ተዛዚሙ፡
* ፊፋ ንምምዕባል ኩዕሶ እግሪ ኢሉ ቅድሚ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኸፈቶ ዞባዊ ቤት ጽሕፈቱ ናብ ኪጋሊ፡ ሩዋንዳ፡ ከግዕዞ ምዃኑ ገሊጹ፡ ተርእዮ ምግዓዝ ኣህጉራውያን ቤት ጽሕፈታት ካብ ኢትዮጵያ ከይከውን ከኣ ስግኣት ፈጢሩ፡
* ስም ይመርሕ ከምዝበሃል ኣስማት ገለ ጋንታታት ስፖርት ንምንታይ’ዮም ዓሌታዊ ኣድልዎን ዓመጽን ዘንጸባርቑን ድሕሪ ብዙሕ ተቓውሞታት ክቕየሩ ዝግደዱን፡
ሆስፒታላትን ማእከላት ጥዕና ኣመሪካን ብሪጣንያን ብሕሙማት ኮሮና ቫይረስ ብምዕልቕላቖም ነቶም ኣብ ሕማቕ ኩነታት መልከፍቲ ዘለዉ፡ ቦታ ንኽረኽቡ ብምሽጋሮም ሰብ መዚ ዕቕሎም ጸቢብዎም ኣሎ።
እዚ ዝመጽእ ዘሎ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ መልከፍቲ ኮሮና ቫይረስ ልዕሎ ሰለስተ ሚልዮን ኣብ ኣመሪካ ድማ ልዕሊ 22.1 ሚልዮን በጺሕሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ።
ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ዝስዕብ ዘሎ ምዕባለታት ኣመልኪትና ምስ መስራቲን ኣካያዲን ኢትዮ-መዲያ ኣቶ ኣብርሃ በላይ ናይ ዝገበርናይ ቃለ መሕትት ካልኣይን ናይ መወዳእታን።
ቀንዲ ነጥቢታት ዜና ፡
** ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ ንኣርባዕተ ሰዓታት ድሕሪ ዝጸንሐ ዕግርግር ሰብ መዚ ኣመሪካ እቲ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ዝኾነ ካፒቶል ዉሑስ ምዃኑ ኣረጋጊጾም ናይ ባይደን ዓወት ንምጽዳቕ ስርሖም ቀጺሎም።
** ኣብ ትግራይ ኣስታት 2.2 ሚሊዮን ህዝቢ ካብ ገዛኡ ከምዝተማዛበለ ተገሊጹ። (ዕለታዊ ዜና 7 ጥሪ 21)
** ሱዳን ምስ እስራኤል ዘለዋ ዝምድና መገዲ ዘጣጥሕ ምስ ኣመሪካ ስምምዕ ፈሪማ።
** ሕብረት ኣውሮጳ ካልኣይ ክታበት ኣንጻር ኮቪድ 19 ብምጽዳቑ ክታበት ሞደርና ክወሃብ ተፈቒዱ።
በዓል ልደት ምስ ቆሞስ ኣባ ዮሃንስ ከበደ ካብ ሃመረ ኖህ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኪዳነ ምሕረት ኣደላይድ።
ብምኽንያት እዚ ዝኽበር ዘሎ በዓል ልደት ፓስቶር በየነ ኣር ኣያ ካብ ቤተ ክርስቲያን ዘዊ መልበርን ነዚ መዓልቲ ኣመልኪቱ ብዛዕባ ማሕበሮምን ን ኣመንቲ ዝህቦ ኣገልግሎትን ምሳና ዝገበሮ ጻንሒት።
ንግስነት ሱዕዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ቐጠር ኣንቢራቶ ዝጸንሐት ገደብ ዘልዕል ቐጠርን ሱዕዲ ዓረብን ስምምዕ ተፈራሪመን።
እዚ ስጉምቲ ሱዕዲ ዓረብን ሰልሰተ ኣዕራብ መሓዙታ ማለት ግብጺ፡ ኢማራት ዓረብን ባሕሬንን ምስ ቐጠር ምሉእ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናኤን ክዕረ እዩ።
ኣብ ትግራይ ዝኸይድ ብዛዕባ ዘሎ ኲናትን መጻኢ ኣንፈቱን ዝምልከት ምስ ኣካያዲን መስራቲን መርበብ ሓበሬታ ኢትዮ መዲያ ዝተገብረ ቃለ መሕትት ቀዳማይ ክፋል
ኣብቲ ናይ ትግራይ ኲናት ዝተፈጸመ ቅትለት ሰላማዊያን ሰባት ብነጻ ወገን ክጻረ ኣብ ጀነቫ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ።
ኣብ ሱዳን ዝነበሩ ተወለድቲ ኣምሓራ ምብስባስን ምርሳይ ንብረት ይወርዶም ከምዘሎ ገሊጾም።
በቲ ኣብ ትግራይ ዝቕጽል ብዘሎ ውግእ ኣብ ኣፍሪካ እቲ ፈላማይ መስጊድ ከም ዝኾነ ዝእመነሉ መስጊድ ኣልነጃሺን ኣብ ጥቕኡ ዘሎ ቤተክርስቲያን ኣማኑኤልን ከም ዝዓነዉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሚኑ።
ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡
*** ነበርቲ ከተማ ሲድኒ ኣብ ውሽጢ እንተሃልዮም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብሩ ከድልዮም’ዩ፡
*** ሓደ ዓመት ሞት ኢራናዊ ጀነራል ቓስም ሶሌማኒ ንምዝካር ኣሻሓት ሓዘንተኛታት ኣብቲ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ባቕዳድ ዘምርሕ ጽርግያ ሰልፊ ጌሮም።
*** ድምር ዕዳ ኢትዮጵያ 2.01 ትሪልየን ብር ከም ዝበጽሐ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ገይሩዎ፡፡
*** ግብጺ ምቕጻል ዘተ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ኣመልኪቱ ዝቐረበ ሰነድ ሕብረት ኣፍሪቃ ነጺጋቶ።
From the publisher's feed

4 Listeners

10 Listeners

9 Listeners

111,767 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

3 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners