
Sign up to save your podcasts
Or


ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ መንግስቱ ኣብ ልዕሊ ኩባንያታት ኣፍረይቲ መድሃኒት ኣስትራ ዜነካን ፕሮፌዘርን ኣብ ምቕራብ ክታበት ኮቪድ-19 ካብ መጠን ንላዕሊ ምድንጓይ ብምግባረን ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ።
እቲ ለበዳ ኣብ ገለ ካብተን ኣብ ዓለም ዝኸፍአ መልከፍቲ ዝወረደን ሃገራት እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ፡ ናይ ምፍራይ ፀገማት ብደረጃ ዓለም ክታበት ክዝሕል ተገዲዱ እዩ ።
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (25/01/2021)
* ኢትዮጵያዊት ሊድያ ታፈሰ ኣብ ታሪኽ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ዝለዓለ ግጥም ኩ’እግሪ ደቂተባዕትዮ ኮንፈደረሽን ኩ’እግሪ ኣፍሪቃ ኣብ ማእከል ዝዳነየት ጓለንስተይቲ ብምዃን ኣብ መዝገብ ታሪኽ ሰፊራ፡
* ኤርትራዊ ኮኾብ መርሃዊ ቅዱስ ዝኣባላ ጋንታ ቅድድም ብሽግለታ ኣስታና ፕሮቴክን ካልኦት ጋንታታትን ኣብ’ዚ ዓመት ተቐዳደምተን ዝወዳደሩለን ዝተፈላለዩ ውራያት ኣፍሊጠን፡
* ዓመት መጸ ጥሪ 26 መዓልቲ ኣውስትራልያ ተሰምያ ኣብ እትበዓለሉ ኣትሌታትን ግጥማትን ስፖርታት ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ትርጉም ናይ’ታ መዓልቲ ምስ መራሕቲ ፖለቲካ’ታ ሃገር ይካትዑን ይሰሓሓቡን
"መራሒ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ሰፍ ዘይብል ክሳራ ዘውርድ ዘሎ ሕቡእ ኩናት መልሲ ክህብ ይግባእ ፤ ሽልማት ኖበል ውን ክምንጠል ኣለዎ" ዘጋርድያን፣
መንግስቲ ኢትዮጵያ "ረሃብ ከም መቕጽዒ ይጥቀምሉ ኣሎ" ዝተብሃለሉ ፀብጻብ ዘኢኮኖሚስት ተቓውሞ ኣስሚዑ፣
ምስ ወደብ ዓሰብ ዘራኽብ ፅርግያ ኢትዮጵያ ስራሕ ጀሚሩ፣
ኤርትራ ካብ እገዳ ምምሕዳር ዶላንድ ትራምፕ ናጻ ኮይና፣
ክሲፖለቲከኛታት ጃዋር መሓመድን በቀለ ገርባን ዝርከቡዎም 24 ሰባት ካብ 10 ናብ 5 ተነክዩ።
ኣብ ኣውስትራሊያ ዝርከቡ ኣባላት ማሕበረሰብ ትግራይ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝድጸም ዘሎ ኲናት ሲዒቡ ዝወርድ ዘሎ ዓመጽ ንምቅዋም ብዓርቢ 22 ጥሪ 2021 ኣብዝተፈላለያ ከተማታት ሰላማዊ ሰልፊ ክገብሩ ዊዒሎም። ነዚ ኣመልኪትና ካብ ኣወሃሃድቲ ናይቲ ሰልፊ ን ኣቶ ሓጎስ ወልደዮሃንስን ንመንእሰይ ሳባ ኣለማየሁን ኣዘራሪብናዮም ኔርና።
ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡
*** ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ወተሃደራት ዝሓቘፈ ድልዱል ሓይሊ ጸጥታ ዝተዓጀበ መመረቕታ ስነ-ስርዓት ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጆ ባይደን ብዘይ ዕንቅፋት ተፈጺሙ።
*** ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ሓደ መዓልቲ 1,830 ሰባት ብኮቪድ-19 ሞይቶም።
*** መራሕቲ ዓለም ንፕረዚደንት ጆ ባይደንን ምክትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስን ኣብ ስነ-ስርዓት መመረቕታኦም ሓጎሶም ገሊጾምሎም እዮም ።
*** “ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራዊያን ስደተኛታት ከበድቲ ግፍዒታት ተፈጺሞም እዮም። ተሓታትነት ክህሉ ኣለዎ።” ክብል ሓድሽ ናይ ኣመሪካ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ክኸውን ተሸይሙ ዘሎ ኣንቶኒ ብሊንክን ገሊጹ
ጆ ባይደን መበል 46 ፕረዚደንት ኣመሪካ ኰይኑ ቃል ማሕላ ፈጺሙ። ቅድሙ ዝነበረ ናይ ዶናልድ ትራምፕ ሓያሎ ፖሊሲታት ቀይሩ ናብ ስራሕ ንምእታው ድማ ግዜ ከምዘየባኽን ገሊጹ።
ኣምስዩ ጀነራል ዓብደልፋተሕ አልቡርሃን መልሲ ሂቡ ኣሎ።
ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ክትዋጋእ ኣይትደልን እያ። ሓንቲ ኢንች መሬት ግን ኣይትህብን ኢሉ ኣሎ።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ፓርላማ ሶማል ሃለዋት እቶም ኣብ ኤርትራ ዝስልጥኑ ዝነበሩ ወተሃደራት ሶማል ክርከብ ንመሓመድ ፎርማጆ ሓቲቱ።
ሶማል ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ውግእ ወተሃደራት ኣይሓወሰትን ክብል መንግስታ ይገልጽ እኳ እንተሎ፣ ስድራቤታት ወተሃደራት ግን ሃለዋት መቕርቦም ክንገሮም ይሓቱ ዮም ዘለዉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንብኩናት ዝተመዛበሉ ዜጋታት ዓዲለዮ ዝብሎ ረድኤት ብሰብመዚ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዘመነ ኢህወዴግ (ተዓዲሎም)
ኣውስትራሊያ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት ንገለ ካብቶም ኣብ ልዕሊ ኮቪድ-19 ዝተቓልዑ ዜጋታታ ክታበት ምሃብ ክትጅምር እያ።
እንተኾነ ኣብ ውሽጢ ኣውስትራሊያ ንቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ውፅኢታዊ ክኸውን ምእንቲ እኹል ሰብ ንምኽታብ ብዙሕ ኣዋርሕ ክወስድ ከምዝኽእል ትጽቢት ይግበረሉ ።
ብዛዕባ ክታበት ኣውስትራልያ ዝገልጽ ጸብጻብ ።
ው.ሕ.ሃ.፥ ካብ ዶብ ኢትዮ-ሱዳን ንስደተኛታት ኢትዮጵያ ናብ ካልእ ቦታ ከግዕዝ ይጓየ።
ልኡኽ ናይ ዉሕሃ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ኣብ ትግራይ ናብ ዝርከባ ክልተ መዓስከራት ስደተኛታት በጺሑ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትግራይ "ጥሜት የልቦን" ኢሉ።
ወተሃደራት ሶማልያ ኣብ ትግራይ ኣብዝተገብረ ኲናት ተሳቲፎም ዝብል ሓበሬታ መንግስቲ ሶማል ነጺግዎ።
ኡጋንዳ ሰላም ዝዓሰላ፡ ኣንጻራዊ ደሞክራሲን ቁጠባዊ ምዕባለን ዝዕምብበላ ዘላ ሃገር እያ፡ ፕረሲደንት ዩዌሪ ሙሴቨኒ ደኣ ብኸመይ'ዩ ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ጸኒሑን ዝቕጽል ዘሎን? ነዚ ኩነታት ኡጋንዳ ዝምልከት ጋዜጠኛ ዘካርያስ ገሪማ ጽቡቕ ጌሩ ተንቲንዎ ኣሎ።
From the publisher's feed

4 Listeners

10 Listeners

9 Listeners

111,767 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

3 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners