
Sign up to save your podcasts
Or


ሓጸርቲ ጸብጻባት፡
*ኢትዮጵያ ኣብዚ ሰለስተ ወርሒ ብሰደድ ፍርያት ወጻኢ ካብ ትግራይ ትረኽቦ ዝነበረት 60 ሚልዮን ዶላር ከም ዝሓረማ ሚንስትሪ ንግድን ኢንዱስትሪን እታ ሃገር ገሊጹ።
*ቁጽሪ እቶም ኣብ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ማይካድራ ዝተቐትሉ ሰባት ዝተጋንዐ እዩ ክብል ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ሓቢሩ። ቁጽሮም ካብ ምንጻር ግን ተዓቂቡ።
*ኤርትራ ኣርባዕተ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኣምባሳደራት ኣሜሪካ ናብ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ንዝጸሓፉዎ ደብዳበ ነቒፋቶ።
*መሰል ዓርሰ ውሳነ ትግራይ ብምሉእ ዓወት ክሳብ ዝዕተር ውግእ ጉሂሩ ከም ዝቕጽል ኣቦ መንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል ካብ በረኻታት ትግራይ መግለጺ ኣሕሊፉ።
ኣብዚ ቕምያት፡ ሰማንያ ዝኾኑ ኣብዝተፈላለዩ ሃገራት ዝነብሩ ምሁራት ኤርትራዊያን ንምትእትታው ኤርትራ ኣብ ሕድሕድ ኲናት ኢትዮጵያ ዝኹንን መግለጺ ኣውጺኦም ኔሮም። ኣቶ ጳውሎስ ተስፋግዮርጊስ (በዓታይ) ሓደ ካብቶም ፈረምቲ ናይቲ መግለጺ ኮይኑ፡ ብዛዕባ እቲ ዝፈረሙሉ መግለጺን ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ኩነታት መብርሂ ሂቡ ኣሎ።
ኣቶ ጳውሎስ በዓታይ፡ ኣብ እዋን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንልዕሊ 15 ዓመታት ማሕበር ረዲኤት ኤርትራ ዝመስረተን ዝመርሐን፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ዝመሃረ፡ ኣብ ምርቃቕ ቅዋም ኤርትራ እተሳተፈን፡ ካብቶም ብ G13 ተባሂሎም ዝፍለጡ ኣብ መንጎ ፕ/ኢሳያስ ኣፈወርቂን ላዕለዎት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባርን ዝተፈጥረ ባእሲ ክዓርቁ ዝፈተኑ’ዩ። ኣብዝተፈላለዩ ዓለምለኻዊ ስራሓት ዝሰርሐ ሰፊሕ ተመኩሮ ዘለዎ ምሁር እዩ።
እዚ ትሕዝቶ ጽሟቕ ብኣለክስ ደ ዋል (Alex de Waal) ላዕለዋይ ዳይረክተር World Peace Foundation ከም ኡውን ተመራማሪ ፕሮፌሶር ኣብ ታፍትስ ዩኒቨርሲቲ ዝቐረበ ትሕዝቶ እዩ፡
ኣለክስ ብዕለት 27 ጥሪ 2021 ን ሓደ ካብ ላዕለዎትን ነባራትን ኣባል ኢህወደግ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲት ፒስ ኣንድ ሰኩሪትይ ፋውንዴሽን ዝመስረተን ኣቶ ሙሊጌታ ገብረህይወት በርሀ ኲናት ኣብ ትግራይ ምስጀመረ ናብ ርሑቕ ከባቢታት ትግራይ ዝርከብ፡ ካብ በረኻታት ትግራይ ኣዛሪብዎ ኔሩ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ኩነታት ድማ ገሊጽሉ ኣሎ፡ ጽሟቑ ይስዕብ፡
በዓላት ወይ ዕረፍቲ ቤት ትምህርታት ክረምቲ ምስ ተወድኡ ናብ ስሩዕ ህይወት ቤት ትምህርቲ ምምላስ ንህጻናት ዘሐጉሶም ወይ ዘፍርሖም ግዜ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ደቅኹም ናብ ሓድሽ ዓመተ ትምህርቲ ብጽፉፍ መታን ክሰግሩ ንወለዲ ዝኾኑ ገለ ምኽርታት ኣብ’ዚ ተዋሂቦም ኣለው።
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (28/01/2021)
* ሕብረት ኤውሮጳ ንትካል መፍረ መድሃኒት ኣስትራዘነካ ነቲ ሕብረት ተወሰኽቲ መድሃኒታት ክታበት ኮቪድ-19 ካብ'ቶም ኣብ ኤውሮጳን ብሪጣንያን ዝርከቡ ፋብሪካታቱ ከቅርበሉ ዝያዳ ጸቅጢ ይገብረሉ:
* መንግስቲ ኣሜሪካ ወተሃደራት መንግስቲ ኤርትራ ካብ ትግራይ ብቕልጡፍ ክወጹ ጸዊዑ:
* ጋዜጣ ዋሺንግተን ፖስት ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ካብ ተቀባሊ ስልማት ሰላም ኖቤል ናብ ገበናት ኲናት ዝፈጸመ ተባሂሉ ዝተኸሰሰ ዝብል ኣርእስቲ ተሪር ነቔፌታ ዝሓዘለ ርእሰ ዓንቀጽ ኣውጺኣ:
ካልኦት ኣርእስታት ጸብጻብ፥
*መንግስቲ ኣመሪካ ውግእ ደው ኢሉ ሰብኣዊ ሓገዝ በዘይዕንቅፋት ውሑስ ኮይኑ ክኣቱ፣ ፈደራል ምስ ክልል ትግራይ ዘተ ክጅመር ፀዊዑ።
*ላዕለዋይ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮጳ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ቅልውላውን ወጥሪ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ክዕዘብ ናብቲ ከባቢ ከምርሕ እዩ።
*"ሱዳን ሰራዊታ ናብቲ ዝነሮ መሊሳ ክንዘራረብ ይግባእ " ሚንስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኢትዮጵያ
" ኢትዮጵያ ዝገበተቶ መሬት ኣለኒ። ገና ከምልሶ'የ" ሚንስትሪ ምክልኻል ሱዳን
*ሶማል ብኬንያ ዝድገፉ ዕጡቓት ጕጅለታት መጥቃዕቲ ከፊቶምለይ ብምባል ንኬንያ ትኸስስ
ካልኦት ኣርእስታት ጸብጻብ፥
*ላዕለዋይ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮጳ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ቅልውላውን ወጥሪ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ክዕዘብ ናብቲ ከባቢ ከምርሕ እዩ።
*"ሱዳን ሰራዊታ ናብቲ ዝነሮ መሊሳ ክንዘራረብ ይግባእ " ሚንስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኢትዮጵያ
" ኢትዮጵያ ዝገበተቶ መሬት ኣለኒ። ገና ከምልሶ'የ" ሚንስትሪ ምክልኻል ሱዳን
*ሶማል ብኬንያ ዝድገፉ ዕጡቓት ጕጅለታት መጥቃዕቲ ከፊቶምለይ ብምባል ንኬንያ ትኸስስ
ሳሚያ ባሆ ኣብ ኣውስትራሊያ ንልዕሊ 30 ዓመት ኣብዝነበረትሉ ንብዙሓት ስደተኛታት ዝሓገዘት እያ። ንዘበርከተቶ ዝተፈላለየ ኣበርክቶ ኣፍልጦ ዝህብ ዝለዓለ ክብሪ ናይ ኣውስትራሊያ ኣብ መዓልቲ ኣውስትራሊያ 20 ጥሪ 2021 ተሸሊማ። ምስ ኣ ዝተገብረ ሓጺር ዕላል።
"ኣነ 'ዝኾነ ሰብ እንተመጺኡን ኣብ'ዚ ቤተሰብ እንተዘይሃልይዎን፡ ንዓይ ደዉሉለይ' እየ ዝብል። ኣብ ታዝመንያ፡ ኣብ ሲድኒ፡ ኣብ ኩሉ ዝኸድኩዎ ቦታ ኣነ 'እነሀልኩም እዚ ቁጽሪ ስልከይ'ዩ፡ ሰብ ዘይብሉ ዝኾነ ሰብ፡ ኣነ ኣለኹዎም።' ይብሎም።
"ንሶም ይድውሉለይ፡ ኣነ ኸኣ ዘሊለ ይኸይድ።"
መዓልቲ ኣውስትራሊያ 2021 ኣብ 26 ጥሪ ኣብ ሙሉእ ሃገር ተኸቢሩ ዊዒሉ ።
እዚ ህዝባዊ በዓል ንብዙሕ ሰብ ብዙሕ ትርጉም እዩ ዘለዎ ።
ብሰንኪ ኮቪድ-19 እገዳታት መብዛሕትኦም ምትእኽኻባት ካብቲ ልሙድ ብዝወሓዱ ምትእኽኻባት'ዮም ኔሮም ፡ ሰላማዊ ተቓውሞታት'ውን ብንጽጽር ህዱኣት'ዮም ኔሮም ።
...... ጸብጻብ ።
ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡
*** ክታበት ፈይዛር ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ምጽዳቑ ን ኮቪድ 19 ንምቅላስ ኣገዳሲ ስጉምቲዩ ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ሞሪሶን ተዛሪቡ።
*** ኣፍረይቲ ኩባንያታት ክታበት ኣንጻር ኮቪድ ነቲ ክታበት ከቕርባሉ ዝፈረማሉ ውዕል ከፈጽማ ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝወስድ ሕብረት ኣውሮጳ ኣፍሊጡ።
*** ኣብ ሞዛምቢክ፡ ብርቱዕ ንፋስን ብርቱዕ ዝናምን ብኣሽሓት ዝቝጸር ህንጻታት ከም ዘዕነወን ኣስታት 7000 ሰባት ካብ መረበቶም ከም እተመዛበሉን ተፈሊጡ ።
From the publisher's feed

4 Listeners

10 Listeners

9 Listeners

111,767 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

3 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners