
Sign up to save your podcasts
Or


ኣብ ኤርትራ ብእምነቶም ተኣሲሮም ካብዘለዎ 70 ዝኾኑ ሰባት ካብ ማይ ስርዋን ካልኦት ኣብያተ ማእሰርቲ ተፈቲሖም ኣለዉ። ብዛዕባዚ ዝምልከት ብቐረባ ሓበሬታ ዝከታተል ኣቶ ሃኒባል ዳኒኤል መብርሂ ሂቡ ኣሎ።
ኤርትራ ዝኣሰረቶም ገፈፍቲ ዓሳ እዮም ዝተብሃሉ ግብጻውያን ክትፈትሕ ተሓቲታ።
መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ክገሹ ኣብ ዝወጠኑሉ እዋን ተሪር ተቓውሞ ገጢሙዎም።
ኣብ መፈለምታ ሓድሕዳዊ ኩናት 'ኣብ ጎኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ደው ንብል' ምባሎምን በቲ ንዓለም ዘሻቕል ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ትግራይ ስቕታ ምምራጾምን ገለ ካብ መበገሲታት ናይቲ ተቓውሞ እዩ ተባሂሉ።
ሱዳን ካብ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ ግዝኣታት ከም ዘምለሰት፣ ሓንቲ ከተማ ከም ዝዓነወትን ልዕሊ 4000 ሰባት ነታ ከተማ ሓዲጎም ከም ዝሃደሙን ተሰሚዑ።
ዝቕባበ ዋጋ ሸቐጣት ኢትዮጵያ ኣብዚ ወርሒ ምስቲ ናይ ዓሚ ተመሳሳሊ እዋን ተነጻጺሩ ብ19.2% ከም ዝነሃረ ተገሊጹ።
ኣብ ቤት ማሕዩር ዝርከቡ ፖለቲከኛታት ኦሮሞ መግቢ ናይ ምሕሳም አድማ ካብ ዝጅምሩ 11 መዓልታት ሓሊፉዎም።
ፕረዚደንት ሶማልያ መሓመድ ፎርማጆ መዝነቱ ከም ዝተናውሐ ኣፍሊጡ።
ቅድሚ ለበዳ ምጅማሩ፡ ብዕድመ ዓበይቲ ኣውስትራሊያዊያን ኣብ ስራሕ ዓለም ከይቁጸሩ ጸገም የጋጥሞም ኔሩዩ፡ ኣብ 2018 ብ ትካል ሓይሊ ሰብ ኣውስትራሊያ (the Australian Human Resources Institute) ዝተገብረ መጽናዕቲ ከምዝገልጾ፡ 68 ሚእታዊ ኣስራሕቲ ዕድሚኦም ልዕሊ 50 ዓመት ንዝኾኑ ሰባት ክቖጽሩ ከምዘይደልዩ ገሊጾም ኔሮም።
ኣርእስታት ፥
*ኣብ ሶማሊያ ብዛዕባ ክግበር ተመዲቡ ዘሎ ምርጫ ዝምልከት ኣብ መንጎ መራሕቲ ፖለቲካ ዝተገብረ ዘተ ብዘይስምምዕ ተበቲኑ።
*ሙሳ ፋቒ ማሃመት ሓላፊ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ክኸውን ዳግማይ ተመሪጹ።
*መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ሕማቕ ኩነታት ኣየር ናብ ከም ባህርዳር ዝበላ ከተማታት ሰሜን ኢትዮጵያ በረራ ከምዘቋረጸ ኣፈሊጡ።
ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡
*** ኣብ መልበርን ኣብ ሓደ መወሸቢ ሆቴል ዝሰርሕ ብኮቪድ 19 ተለኺፉ፡
*** 330 ሚልዮን ዶሳት ክታበት ኮሮና ንድኻታት ሃገራት ከምዝተመደበ ኣብ ፈለማ ፍርቂ ዓመት ናይ 2021 ናብቲ ዝተመደበሉ ክከፋፈል ምዃኑ ተፈሊጡ።
*** ቤት ምኽሪ ጸጥታ ዉሕሃ ሎሚ ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ኩነታት ንምዝርራብ ሎሚ ኣኼባ ከምዝገብር ተፈሊጡ።
*** ፖለቲከኛታት ኦሮሞ ዝኾኑ ኣቶ በቀለ ገርባን ኣቶ ጃዋር መሓመድን መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ ካብ ዝጅምሩ ሓደ ሰሙን ከም ዝመልኦም ተገሊጹ።
መግለጺ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ፣ ኩነታት ሰብኣዊ ሓገዝን ስደተኛታትን ኣብ ትግራይ ብዓይኒ ሰብመዚ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ምሕሳም መግቢ እሱራት ፖለቲከኛታት ኦሮሞ፣ ኣብ ሞንጎ ዓፋርን ክልል ሶሚሊን ብዝነበረ ውግእ 30 ኣባላት ሰራዊት ፌደራል ፖሊስ ከም ዝተቐትሉ ዝብሉን ካልኦትን ፀብጻባት
ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ተመሪሑ ኣብ መላእ ዓለም ክታበት ኮቪድ-19 ብፍትሓዊ መገዲ ንምክፍፋል ተበግሶ ጀሚሩ ፡ መብዛሕትኡ ኣብተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ፡ ልዕሊ 300 ሚልዮን ክሮና ከበርክት መዲቡ ኣሎ ።
እዚ ዝመጽእ ዘሎ ኣህጉራዊ ኮሚተ ኦሎምፒክ ፡ ንተሳተፍቲ ሓድሽ መምርሒታት ኮሮናቫይረስ ን ፈለማ ግዜ ዘውጽ ኣሉ ኣብዝግለጸሉ እዋንዩ።
ኣብዚ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝነብሩ ገለ ግዱስት ኤርትራዊያን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ ዝጽውዕ መልእኽቲ ናብ መንግስቲ ኣውስትራሊያ ንምቕራብ ተበግሶ ወሲዶም ኣለዉ፡ ካብ ኣበገስቲን ኣወሃሃድቲን ናይቲ ተበግሶ ን ኣቶ መዝሙር ፍስሃየ ካብ ከተማ ፐርዝ፡ ን ኣቶ ብርሃኒ መሓሪ ካብ ከተማ ብርዝቤን ብዛዕባቲ ዝገብርዎ ዘለዉ መብርሂ ሂቦም ኣለዉ።
ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡
** ነበርቲ ዉሽጢ ከተማ ፐርዝን ክልተ ኣብዙርያኡ ዝነብሩ ዞባታትን ካብ ሎሚ ንግሆ ኣትሒዞም ንሓሙሽተ መዓልታት፡ ኣብ ጽኑዕ ዕጽዋ ኣትዮም።
** መራሒት ማይንማር ኣን ሳን ሱቺን ላዕለዎት ሰብመዚ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።
** ዉዱብ ሕቡራት መንግስታት፡ ኣስማት ሕጹያት መሰጋገሪ መንግስቲ ሊብያ ብወግዒ ኣፍሊጡ።
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (01/02/2021)
* ኤርትራ መበቆል ዘለዎ ኣውስትራልያዊ ኣሚር ዓብደላ ምስ ኢስቶንያዊት ጋንታ ሌቫድያ ከምዝተጸንበረ ተፈሊጡ፡
* ፕረዚደንት ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ኣሕመድ ኣሕመድ ቤት ፍርዲ ዳንነት ኣብ ስፖርት ድሕሪ ዝሃቦ ውሳነ ናብ መዝነቱ ብቕልጡፍ ተመሊሱ፡
* ኣአንጋዲት ሃገር ካሜሩን ኣብ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ሻምፒዮና ሃገራት ኣፍሪቃ ወይ ቻን ንደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ 2-1 ብምስዓር ናብ ፍርቂ ፍጻመ በጺሓ፡
* ግጥማት ባይታ ቴኒስ ኣብ ኣውስትራልያ ክካየድ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ከዋኽብቲ ቴኒስ ዘሕለፍዎ ተዋስኦ ኩነታት ምውሻብ፡ ልምምድ ኣብ ውሽጢ ዘዕርፍሉ ሆቴልን ምክልባታት ብሰንኪ ኮቪድን ግጥማት ቴኒስ ምስ ተጀመሩ ከመይ ክጸልዎም እዩ፡
From the publisher's feed

4 Listeners

10 Listeners

9 Listeners

111,734 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

3 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners