
Sign up to save your podcasts
Or


ኣርእስታት ጸብጻብ
ሎሚ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡
ኣብ ትግራይ ሓይሊ ኤለክትሪክ ተቛሪጹ።
ቃለ መሕትት ጌታቸው ረዳ።
ኲናት ኣብ ትግራይ ቀጺሉ።
ሱዳን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዘሎ ኣምባሳደራ ስሒባ።
ኣብዚ ሓደ ዓመት ኣቑጺሩ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ-19 ፡ ብዙሓት ኣውስትራሊያዊያን ኣብ ብዙሕ ናይ ውልቂ ልቓሕ ተጸሚዶም ወጻኢታት ስድራቤቶምን መነባብሮኦምን ንምሽፋን ኣብ ከቢድ ናይ ምውሳኽ ዕዳ ኣትዮም ይርከቡ ።
ዕዳኻ ካብ ቁጽጽርካ ወጻኢ እንተኾይኑ ፣ ናጻን ምስጢራውን ናይ ገንዘብ ምኽሪ ኣገልግሎታት ንኩነታትካ ንምግምጋምን ንምምሕዳር ዘድሊ ናይ ካሕሳ ውጥን ንምቕራብን ክሕግዘካ ይኽእል ።
ናይ ኣውስትራሊያ ዜግነት ንዝነበራ እሞ ካብ ቱርኪ ንዝተሰጎት ሰበይቲ ብዘይኣግባብ ዜግነታ ክሕደግ ብዝወሰደቶ ውሳነ ኣውስትራሊያ ብግብዝና ትኽሰስ ።
እቲ ውሳነ ፡ ነታ ሰብ ፡ ማለት ካብ ሽዱሽተ ዓመት ዕድሚኣ ኣትሒዛ ዋላ ሓንቲ ርክብ ዘይነበራ ሃገር ናብ ኒው ዚላንድ ክትጥረዝ ዝገብር እዩ ።
እዚ ካልኣይ ክፋል ናይቲ ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት በዚ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ኲናት ዘጋጠሞም ነገራት ነቃልሖ ዘለና መደብ እዩ። ንሎሚ ካልእ ዉጻእ መዓት ስደተኛ ነቲ ፍጻመታት ብዕለታት ኣደጊፉ ዝለኣኸልና ጽሑፍ’ዩ ክቐርብ። ኣብ መደበር ስደተኛታት ሕጻጽ ብዝተፈላለዩ ሰባት ይግለጽ ከምዘሎ ሰራዊት ኤርትራ ክልተ ሳዕ ናብቲ መዓስከር ከምዝኣተዉን፡ ኣብቲ ካልኣይ ልዕሊ10,000 ሰባት ካብቲ መዓስከር ከምዝወጹ እዩ። እዚ ነዚ ጽሑፍ ዝለኣኸልና፡ ካብቶም ኣብ ካልኣይ ግዜ ምስኩሎም ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ተወሲዱ ድሕሪ ምጽናሕ ምስካልኦት ዉሑዳት ሰባት ሃዲሞም ናብ ኢትዮጵያ ካብዝኣተው ሓደ እዩ። ነዚ ዝመሳሰልን ቅሩብ ፍልልያት ዘለዎን ዝተኣከበ ሓበሬታ ኣብ ዝቕጽል ክፋል ክቐርብ እዩ። ንሎሚ ናብቲ ዝተላእከልና ጽሑፍ ከስግረኩም።
ኣብ ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝሳተፉ ዘለዉ ኤርትራዊያን ወተሃደራት ካብ ኢትዮጵያ ክወጹ፡ ድምጺ ናይቶም ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ዝነበሩ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ኤርትራዊያን ድምጺ ንምዃንን ንመንግስቲ ኤርትራ ንምቅዋምን ዝዓለመ ብግሎባል ይ ኣክል እተወደበ ሰልፊ ኣብ ብዙሕ ከተማታት ከምዝግበር ተፈሊጡ ኣሎ። ነዚ ሰልፊ ካብ ዘወሃህዱ ዘለዉ ኣባላት ግሎባል ይ ኣክል፡ ሰምሃር ገብረስላሴ፡ ያቆብ ገብረትንሳኤን ተመስገን ዓንደሚካኤልን ብዛዕባቲ ጉዳይ ይዛረቡ።
ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡
** ቪክቶሪያ ሎሚ መርመራ ኮቪድ-19 ካብ ዝተገበረሎም 25,144 ሰባት እቶም ክልተ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ተረኺቦም
** ኣብ ብሪጣንያ ልዕሊ 15 ሚልዮን ህዝቢ ናይ ፈለማ ክታበት ኮቪድ-19 ተኸቲቡ።
** ናይ ኣመሪካ ፕረሲደንት ጆ ባይደን ጽኑዕ ናይ ጠበንጃ ሕጊ ክህሉ ጸዊዑ።
** ዉድድራት ቴኒስ ኣውስትራሊያ ኦፐን ተዓዘብቲ ኣብዘይብሉ ሜዳታት ቀጺሉ።
ናይ ኣውስትራሊያ ፈደሬሽን እስላማዊ ቤት ምኽሪታት ኮቪድ-19 ናይ ክታበት ሓበሬታታት ናብ ስደተኛታት ንምብጻሕ ናይ ፌደራል መንግስቲ ምወላ ብሓጎስ ተቐቢልዎ።
መንግስቲ ሞሪሰን ብ60 ቋንቋታት ንምትርጓምን ብቐሊሉ ዝርከብ ሓበሬታ ንምድላውን 1.3 ሚልዮን ዶላር መዲቡ ኣሎ ፣ እዚ ነቶም ብጀካ እንግሊዝኛ ካልእ ቋንቋ ዝዛረቡ ኣውስትራላውያን ተጠቀምቲ ክኾኑ እዮም ።
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (08/02/2021)
* ኣብ ፈረንሳ ኣብ ውድድር ጉያ እግሪ 1500 ሜ ውሽጢ ኣዳራሽ ኢትዮጵያዊት ጉዳፍ ጸጋይ ሓድሽ ክብረወሰን ዓለም ብምምዝጋብ ተዓዊታ፡
* ዋና ሓላፊ ኦሊምፒክስ ቶክዮ 2020 ዮሺሮ ሞሪ ደቀንስትዮ ዝዘልፍ ዘረባ ብምዝራቡ ዝሓለፈ ዓርቢ ካብ መዝነቱ ወሪዱ፡
* ሃገራዊ ሻምፒዮን ቅድድም ብሽግለታ መንገዲ ኢትዮጵያ ዝኾነ ነጋሲ ሃይሉ ኣብርሃ ብምኽንያት እቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጥረ ኩነታት ክሳብ ሕጂ ናብ ሃገሩ ክምለስ ብዘይምኽኣሉ ሃንደበት ስደተኛ ኮይኑ፡
ሓጺር ጸብጻብ
ሱዳን ሓይልታት ኢትዮጵያ ዶብ ጥሒሶም ዝብል ክሲ ኣቕሪባ ነቲ ዞባ ዝኸፍአ ሓደጋ ከየስዕበሉ ተጠንቅቕ።
መራሒ ውድብ ናጽነት ትግራይ ፖለቲከኛ መሓሪ ዮሐንስ ምስ ሓይልታት ትግራይ ኮይኑ ይቃለስ ከም ዘሎ ገሊጹ።
ሓጺር ጸብጻብ
ሱዳን ሓይልታት ኢትዮጵያ ዶብ ጥሒሶም ዝብል ክሲ ኣቕሪባ ነቲ ዞባ ዝኸፍአ ሓደጋ ከየስዕበሉ ተጠንቅቕ።
መራሒ ውድብ ናጽነት ትግራይ ፖለቲከኛ መሓሪ ዮሐንስ ምስ ሓይልታት ትግራይ ኮይኑ ይቃለስ ከም ዘሎ ገሊጹ።
-
ሓጺር ጸብጻብ
ሱዳን ሓይልታት ኢትዮጵያ ዶብ ጥሒሶም ዝብል ክሲ ኣቕሪባ ነቲ ዞባ ዝኸፍአ ሓደጋ ከየስዕበሉ ተጠንቅቕ።
መራሒ ውድብ ናጽነት ትግራይ ፖለቲከኛ መሓሪ ዮሐንስ ምስ ሓይልታት ትግራይ ኮይኑ ይቃለስ ከም ዘሎ ገሊጹ።
From the publisher's feed

4 Listeners

10 Listeners

9 Listeners

111,800 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

3 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners