
Sign up to save your podcasts
Or


ዝተረጋግአን ህድእ ዝበለ ህይወት ንምሕላፍ፡ ኣብጥቓ ባሕሪ ወይ ኣብ ጣሻ ምንባር ናይ ብዙሓት ብጥሮታ ዝወጹ ኣብ ኣውስትራልያ ሕልሚዩ። ። ኮቪድ-19 ንብዙሓት ሰባት ንውሳነኦም ዘቀላጠፈ ኩነት እዩ ዝመስል ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብ ABS ዝወጸ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ካብ ዋና ከተማታት ናብ ገጠራት ንምንባር ዝኸዱ ጽሩይ ኣታውን ወጻእን ብዝሒ ሰባት ቅድሚ ሕጂ ብዘይተራእየ መጠን ፡ ናይ 11,000 ሰባት ምጉዳል ኣርእዩ ። ካብ ከተማታት ወጺእኩም ናብ ርሑቕ ገጠራት ምንባር መደብ እንተለኩም ኽትሓስብሉ ዝግባኣኩም ገለ ነጥብታት እንሆ ።
ኣብ ትግራይ ልዕሊ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ኣብ ዘሎ ኲናት፡ በሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት የህልቕ ኣሎ። ደቂ ኣንስትዮ ግዳያት ዓመጽ ከምዝኾና ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ይወጹ ኣለዉ። ብዛዕባ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝወርድ ዘሎ ዓመጽን ማሕበረ ሰብ ትግራይ ብኸመይ ይከታተሎ ከምዘሎን መምህር ኣስቴር ፍትዊ ሓሳባ ኣካፊላ ኣላ።
ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡
** ኣውስትራሊያውያን ነቲ ናይ መጀመርያ ዙር ኮቪድ-19 ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ዘማዕብል ክታበት ንምኽታብ ይዳለዉ ኣብዘለዉ ኣንጻር ክታበት ዝንዛሕ ዘሎ ፕሮፖጋንዳ ክነጽጉ ምሕጽንታ ይቐርበሎም ኣሎ ።
** ኒው ዚላንድውያን ፡ ነቲ ኣብ ክራይስትቸርች ዘጋጠመ ሓደጋ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዓስራይ ዓመት ይዝክሩ ኣሎዉ [ሞን 22 ለካ.]
** ኣብ ኒጀር ዝተገብረ ናይ ታሕሳስ ምርጫ ካብ 28 ሕጹያት ዋላ ሓደ ሰብ ዓብላሊ ድምጺ ብዘይምርካቡ ንኻልኣይ ግዜ ድምጺ ምሃብ ተጀሚሩ።
** ኖቫክ ደጆኮቪክ : ን ታሽዓይ ግዜ ናይ ኣውስትራልያ ኦፐን 2021 ሻምፕዮን ኮይኑ
ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ኮቪድ-19 ክታበት መስርሕ ምጅማሩ ብማሕበረሰብ ሕክምናን በቶም ናይ መጀመርያ ተኸተብቲ ተስፋን እፎይታን ኣሕዲርሎም ።
እቶም ተሳተፍቲ ካብቶም ኣዝዮም ተነቀፍቲ ክፋላት ናይ ኣውስትራሊያ ሕብረተሰብ ዝተሓረዩ እዮም ።
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (22/02/2021)
* ኣብ ፖላንድ ውድድራት ኣትለቲክስ ዓለም ውሽጢ ኣዳራሽ ተኻይዱ መንእሰይ ኢትዮጵያዊት ለምለም ሃይሉ ኣብ 3000 ሜ ኣብ መደብ ዕድሚኣ ዝቐልጠፈ ግዜ ብምምዝጋብ ተዓዊታ፡
* ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ግራንድ ፕሪ ቬሎ ኣላንያ ኤርትራዊ መትከል ኢዮብ ዝድነቕ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ኣብ ፖድየም ተሰቒሉ፡
* ኣብ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ስፐይን (ላሊጋ) ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሽቶታት ብተኸታታሊ ዘመዝግቦ ዘሎ ብምቕጻል ሰንበት ሰለስተ ሽቶታት ኣመዝጊቡ ሃት ትሪክ ሰሪሑ፡
* ከዋኽብቲ ኣትሌታት ኣብ ግዜ ለበዳ ኮቪድ-19 ኣርኣያ ሕብረተሰብ ወይ ሞዴል ካብ ምዃን ሓሚቖም ድዮም፧
ብምኽንያት ሕልፈት ገዲም ተጋዳላይ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማሪያም ጻንሒት ምስ ስነጥበበኛ ሃይለሚካኤል ሃይለስላሴ (ሊንጎ)።
ሓጸርቲ ጸብጻባት፡
ሱዳን፣ ኣብ ኣብዬ ዝተዋፈሩ ሰራዊት ዓቀብቲ ሰላም ኢትዮጵያ እምነት ከም ዘይሕትደረሎም፣ ሰራዊት ሱዳን ንረብሓ ሳልሳይ ወገን ክብል መሬት ወሪሩ ንዝብል መግለጺ ኢትዮጵያ ከም ትነጽጎ፣ ኤርትራ ካብ ጉዳይ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኢዳ ክትስሕብ ዝገልጽ መግለጺ ኣውጺኣ።
መበል 46 ዓመት 11 ለካቲት
ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ትግራይ ብጽምብል፣ ኣብ መቐለ ብሓውሲ ተቓውሞ ተኸቢሩ።
ኣብዚ ብተኸታታሊ ብዛዕባ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኣብ ትግራይ ዝነበሩ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ዝምልከት ሳልሳይ ክፋሉ ቀሪቡ ኣሎ። ገለ ካብ ግዱሳት ብዛዕባ ኩነታት ስደተኛታት ነቶም ኣብትቲ መዓስከር ዝነበሩ እናዘራረቡ ሰነድ ብምእካብ ንዝምልከቶም ዓለማዊ ዉድባት ንምቕራብ ዝሰርሑ ዘለዉ ሓደ ዝኾነ ኣቶ ከሰተ በራኺ ካብቲ ዝኣከብዎ ሓበሬታ ኣካፊሉና ኣሎ። ንሎሚ ነቲ ናይ መዓስከር ስደተኛታት ሕጻጽን ሽመልባን ዝምልከት ሓበሬታ ኣካፊሉና ኣሎ። ኣብ ቀጻሊ ብቓል ናይቶም ግዳያት ሓበሬታ ከነቕርብ ክንፍትን ኢና።
ኣብዚ ቕነ ኣብ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኤርትራዊያንን ኢትዮጵያዊያንን ብብድሆታት (ቻለንጂስ) ኣሰንዮም ክካትዕሉ፡ ክካሰስሉ፡ ክወቓቐስሉ፡ ክተኣራረምሉ ኣብ ገሊኡ ክጸራረፍሉ ዝቐነዩ መምህር ዮሴፍ ወርቀ ዳህሲስዎም ኣሎ።
“ፈይስቡክ ካብ ሮቡዕ ጀሚሩ ኣብ ኣውስትራልያ ዜናዊ ትሕዝቶታት ምውጻእን ምቅብባልን ዓጽይዎ ኣሎ። ናይ’ዚ ውጽኢት ከኣ ካባና ዜና ከይመጸኩም ወይ ከይትርእዎ ትኽእሉ ኢኹም። ዜናታትናን ትሕዝቶታትናን ክትረኽብዎም እምበኣር ብኽብረትኩም ናብ መርበብ ሓበሬታና (sbs.com.au/Tigrinya) ኪዱ፡ ነቲ መርበብ ሓበሬታና ከኣ ቡክማርክ ግበርዎ። ኣብ መኽዘን ኣፕስቶር (app Store) ብምኻድ’ውን ኤስቢኤስ ሬድዮ ኣፕ (SBS Radio app) ኢልኩም ደሊኹም ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም።”
ስለ'ዚ ትሕዝቶ መደባት ኤስቢኤስ ትግርኛ ይኹን ካልኦት ቋንቋታት ኣብ መርበብ ወይ ኦንላይን ይኹን ኣብ ሬድዮ ወይ ፖድካስት በዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለው መንገድታት ኣብ ዝደለኹሞ እዋን ክትረኽቡዎ ትኽእሉ ኢኹም።
From the publisher's feed

4 Listeners

10 Listeners

9 Listeners

111,800 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

3 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners