
Sign up to save your podcasts
Or


ኣብዝሓለፈ ሰሙን ኣዛረብቲ ዛዕባታት ኣብ ማሕበራዊ መዲያ ዝነበሩ፡ ዕረፍቲ ኣምባሳደር ኣድሓኖምን መራሒ "ፈንቅል" ዝነበረ መምህር የማነን ዝምልከት ተዳህሲሶም ኣለዉ።
ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡
** ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ሞሪሰን ፡ ምምጻእ ክታበት ኣስትራዘነካ ፡ ኣብቲ ኣውስትራልያ ኣንጻር ኮቪድ-19 እተካይዶ ዘላ ቃልሲ "ሓድሽ ምዕራፍ" ምዃኑ ገለጹ ።
** ነቲ መንግስቲ ፌደራል ክሳብ ጥቅምቲ ልዕሊ 20 ሚልዮን ሰባት ኣንጻር ኮቪድ-19 ክታበት ንምሃብ ዘውጸኦ ሸቶ ንምዕዋት ኣጸጋሚ ምዃኑ ተገሊጹ።
** ብኣማእታት ዝቝጸሩ ኤስያውያን ኣመሪካውያን ፡ ነቲ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ዘሎ ዓሌታዊ ኣረኣእያ ጸረ-እስያ ንምቅዋም ተኣኪቦም ።
** ኣብ ኣኽሱም ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ዝተፈጸመ ግፍዒ፡ ብገበን ሰብ ኣውነት ዘኽስስ እዩ ክብል ኣምነስቲ ጸብጻብ ኣቕሪቡ።
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (01/03/2021)
* ኣብ ዓመታዊ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኢትዮጵያዊ ጽጋቡ ግርማይ ዝድነቕ ውጽኢት ኣመዝጊቡ፡
* ዝለዓለ ዳኛ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ በኣምላክ ተሰማ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ መንጎ ጋናን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝካየድ መጻረዪ ግጥም ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ክዳኒ ተሰይሙ፡
* ኤርትራ ዝመበቆሉ ኣሜሪካዊ ጋዜጠኛ ስፖርት መርበብ ሓበሬታ ብሊቸር ሪፖርት ማስተር ተስፋጽዮን ዘይሕለል ጻዕርን ሓያል ውሽጣዊ ድሌትን ናብ ዓወት ከምዘብጽሕ ዘመስከረ ኣብነታዊ ሰብ ተባሂሉ ተገሊጹ
ገጻት ፈይስቡክ ንናይ ኣውስትራሊያ መራኸቢ ብዙሃን ፤ SBS ሓዊስካ ፤ ድሕሪ ናይ ሓደ ሰሙን ምዕጻው ዓርቢ ንግሆ ናብ ንቡር ተመሊሱ ኣሎ።
ኣብዚ ዝስዕብ ጸብጻብ እንታይ ከምዝተፈጸመን እንታይ ክመጽእ ከምዝኽእልን ፡ ሕጂ ናይ ኣውስትራሊያ መራኸቢ ብዙሃን ናይ ኣሰራርሓ ሕጊ እንታይ ከምዝመስልን ክርእይ እዩ ።
ጸብጻብ...
ሓጸርቲ ጸብጻባት፡
ኣመሪካ ኣብ ምዕራባዊ ትግራይ ምጽናት/ ምውጋድ ዓሌት ይፍጸም ከም ዘሎ ዘርእዩ ሓበሬታታት ከም ዝሓዘት ተገሊጹ።
ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ጉጅለ ልኡኽ ስዑዲ ዓረብ ተራኺቦም።
ኣብ ሶማሊያ ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ ተኻይዱ።
ኣቶ ሃኒባል ዳኒኤል ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ብምኽንያት እምነቶም ዝእሰሩን ዝፍትሑን ዜጋታት ተኸታቲሉ ሓበሬታ ዝእክብን ዝጣበቕን ኮይኑ፡ ኣብዚ ቅንያት ብዛዕባ ክሳብ 4 ዓመታት ብእምነተን ተኣሲረን ዝጸንሓ ደቂ ኣንስትዮ ኣመልኪቱ ሓበሬታ ሂቡ ኣሎ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝመርሖ ምርመራ ብህጹጽ ክግበረሉ ዝተጠርጠረ ፍርዲ፣ ስድራቤት ግዳያት ካሕሳ ክረኽቡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ።
ሓላፊ ቢሮ ኮንስትራክሽን መገድን ትራንስፖርትን ጊዜያዊ መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ ትግራይ ንሰላሳ ዓመታት ዘዋህለለቶ ሃብቲ ብዕጡቓት ኣምሓራን ኤርትራን ከም ዝዓነወን ከም ዝተዘምተን ኣብሪሁ።
ሮይተርስ ብግዲኡ ኣብዚ ቅንያት ኣብ ከባቢ ከተማ ግጀት ውግእ ኣብ ዘይብሉ እዋን ልዕሊ 500 ገዛውቲ ከም ዝነደደ ሓቢሩ።
ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡
*** ናይ ኣውስትራሊያ መስርሕ ክታበት ገለ ምድንጓያት የጋጥሞ ኣሎ ።
*** መራሕቲ ኤውሮጳዊ ኅብረት ፡ ንዜጋታት ኤውሮፓዊ ሕብረት ናይ ክታበት ወረቐት ምስክር ዝምልከት ስምምዕ ኣብ መወዳእታ መድረኹ የብጽሕዎ ኣለዉ ።
*** ኣብ ባሕሪ ሜዲትራኒያን ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ብምጥሓላ ብውሕዱ 41 ሰባት ሞይቶም ።
*** ኲንስላንድ ን2032 ክረምታዊ ውድድር ኦሎምፒክን ፓራሊምፒክን ከተአንግድ ምስያማ ብወግዒ ተፈሊጡ ።
*** 15 ተጋሩ ኣባላት ዓቃቢ ሰላም ዉሕሃ ኣብ ጁባ ኢዶም ሂቦም
*** መንግስቲ ሶማሊያን ተቓወምቱን ምርጫ ዝገብርሉ ዕለት ቀልጢፎም እንተዘይ ኣፍሊጦም ኣብቲ ዞባ ከቢድ ቅልውላው ክፍጠር ምዃኑ መጠንቀቕታ ቀሪቡ።
ጋና ካብናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ኮቫክስ ተበግሶ ናይ ናጻ ክታበት ኮሮና ዝረኸበት ካብ ዓለም ቀዳመይቲ ሃገር ኮይና።
ኣብ ጀርመን ፡ ኣብ ጫፍ ናይ ሳልሳይ ማዕበል መልከፍቲ ትርከብ፡ ሰበስልጣን ናይ ገዛ መመርመሪ ን ኮቪድ-19 ክጥቀሙ ኣጽዲቖም ኣለዉ ።
ኣርእስታት ጸብጻብ፥
ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ትግራይ ዝረኣዮ ኩነታት ዘሻቕል ቅልውላው ክብል ገሊጹዎ።
ኣብ ቤን ሻንጉል ብዘሎ ኩነታት ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ሱዳን ተሰዲዶም።
ኢትዮጵያ ሱዳን ካብቲ ሒዛቶ ዘላ መሬት ከይወጸት ዘተ ኣይገብርን ትብል ሱዳን ካብቲ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳን ዝሓዘቶ ከምዘይትወጽእ ኣፍሊጣ።
From the publisher's feed

4 Listeners

10 Listeners

9 Listeners

111,800 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

3 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners