
Sign up to save your podcasts
Or


ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (15/03/2021)
* ሃብታም ቢልዮነር ደቡብ ኣፍሪቃዊ ፓትሪስ ሞትሰፐ ፕረዚደንት ኮንፈደረሽን ኩ’እግሪ ኣፍሪቃ ኮይኑ ከምዝተመርጸ ተፈሊጡ፡
* ፈደሬሽን ኩ’እግሪ ኢትዮጵያ ግጥማት ዋንጫ ብድሆ ሴካፋ ዓበይቲ 2021 ከአንግድ ዝቐረበሉ ሕቶ ከምዝተቐበሎ ኣፍሊጡ፡
* ማሕበር ኩ’እግሪ ማላዊ ዝመጽእ ሰሙን ምሕዝነታዊ ግጥም ኩ’እግሪ ኣንጻር ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከካይድ ምዃኑ ኣረጋጊጹ፡
* ቅድድም ብሽግለታ ትሬኖ-ኣድሪያቲኮ ዝሓለፈ 10 መጋቢት ጀሚሩ፡ ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን ንኡድ ምንቅስቓስ ብምርኣይ ተሳፎኡ ይቕጽል ኣሎ፡
* ኮሮናቫይረስ ዓለማዊ ለበዳ ተባሂሉ ካብ ዝእወጅ ንደሓር ሓደ ዓመቱ ኣብ ዝገብረሉ ዘሎ እዋን መቐረት ግጥማት ኩ’እግሪ ብዘይተዓዘብቲ ክሳብ ክንደይ ተቐይሩ
ካልእ ኣርእስታት ጸብጻብ፥
ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክምርምር መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘቕረቦ እማመ ብግዳያት ይንጸግ ኣሎ፣
ጊዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ንክልተ ሰብ መዚ ካብ ሓላፍነቶም ኣውሪዱ፡
ኣብ ጥልያን መልከፍቲ ኮቪድ-19 እናዛየደ ብምኻዱ ኣብ ዓሰርተ ዞባታት ናይ ጥልያን ሰኑይ ሓድሽ ቀይዲ ተኣታትዩ።
እንተኾነ ኣብ ኤውሮጳ ተወሰኽቲ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት ሻቕሎት እንዳዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ፡ ነዘርላንድስን ኣየርላንድን ዝርከባአን ሓያሎ ሃገራት ነቲ ናይ ኣስትራዘነካ ክታበት ደው ኣቢለናኦ ኣለዋ ።
ሰልፊ ለበር ንሰልፊ ሊብራል ኣብታሪኹ ዘይተራእየ ስዕረት ብምስዓር፡ ፕሪሜር ማርክ ማክጎወን ነቲ ናይ ምዕራብ ኣውስትራሊያ መንግስቲ ብዓብላሊነት ክመርሖ እዩ።
ኣብቲ ብቐዳም ዝተገብረ ምርጫ ሰልፊ ለበር ነቲ ሰልፊ ሊብራል ሒዝዎ ዝነበረ ወናብር ተወሳኺ 13 ሚእታዊ ብምውሳድ፡ ካብ 59 ወናብር ታሕተዋይ ፓርላማ ነቲ 53 ወናብርዩ ተዓዊትሉ።
እዚ ንሰልፊ ሊብራል ዘባህርር ሕልሚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ኣብቲ ፓርላማ ክልተ ወናብር ሒዞም ምትራፎም ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቲ መሪሕነት ናይ ሰልፊ ተቓዋሚ ስልጣኖም ብሰልፊ ናሽናልስ ምሕዳጎም እንኮላይ እዩ።
ሚስተር ማክጎዋን ድሕሪ ዓወቱ ኣብዝገበሮ መደረ፡ " ኣብዝመጽእ ኣርባዕተ ዓመታት ንነፍሲወከፍ ወስት ኣውስትራሊያዊ ከገልግል እመባጻዕ።" ኢሉ። ጸብጻብ ይስዕብ
ብውሑዱ ኣርባዕተ ሓይልታት ኣብ ኲናት ኣብ ዝሳተፍሉ ቅልውላው ትግራይ ገበናዊ ወይ ሕጋዊ ተሓታቲ ረኺብካ ናብ ሕጊ ምቕራብ ክሳብ ክንደይ ዝተሓላለኸ’ዩ፧
ፍርዲ ብማሕበራዊ ሓፋሽን መድያን ንቤት ፍርዲ ዝኸውን መርትዖን ከመይ ይቃደው፧ ንሓለዋ መሰል ስደተኛታትን ሰላማዊ ህዝብን ኣብ ግዜ ኲናት ዝምልከቱ ሕግታት ኣየኖት እዮም፧
ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ድሕሪ ደጊም ብፍሉይ ክተሓዝ ተኽእሎ ኣሎ ድዩ፧ ተራ ላዕለዋይ ወኪል ስደተኛታት ኣብ’ዚ ቅልውላው እንታይ’ዩ፧
እዞም ዝወጹ ዘለው ኣስካሕካሒ ቪድዮታት ቅትለት ክሳብ ክንደይ ከም መርትዖ ንፍርዲ ይቐርቡ፧
ቃለ መሕትት ምስ ዶክተር ዳንኤል ረዘነ መኮነን ክኢላ ሕግታት ሰብኣዊ መሰላትን ተጣባቕን
ኣብ'ቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጥረ ኩነታትን ሰብኣዊ ቅልውላዋትን ኣየኖት ሕግታት'ዮም ተጣሒሶም ዘለው? ተሓታትነት ክሳብ ዝለዓለ ናብ መን'ዩ ክበጽሕ? ቃለ መሕትት ምስ ዶክተር ዳንኤል ረዘነ መኮነን ክኢላ ሕግታት ሰብኣዊ መሰላትን ተጣባቕን
ናይ ቀደም ኣብ ኣፍሪቃ ተሓጋጋዚት ጸሓፊት ጉዳይ ወጻኢ ኣመሪካ ጃንዳይ አሊዛበት ፍሬዘር ን ዳይረክተር ማእከል ስትራተጂካዊን ኣህጉራዊን መጽናዕቲ (CSIS). ጁድ ደቨርሞንት ኣብ ዝዘርግሕዎ ጽሑፍ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ኲናት ንጸጥታ ኣመሪካ ኣብ ሓደጋ ከምዘእቱ ገሊጾም።
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (11 መጋቢት 2021)
* ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጋጢሙ ተባሂሉ ኣብ ዝጽብጸበሉ ዘሎ እዋን 40 ኣምባሳደራት ሃገራት ናብ ከተማ መቐለ ምብጻሕ ፈጺሞም
* ንጽላት ቱሪዝም ኣውስትራልያ ክሕግዝ ኣብ ትሕቲ ዝተመደበ ሓደ ናይ 1.2 ቢልዮን ዶላር ኣውስትራልያ ጥማር ሓገዝ ቲኬታት በረራ ብፍርቂ ዋጋ ክሽየጡ ተመዲቡ
* ፕሪምየርቪክቶርያ ዳኒኤል ኣንድሪው ብሰንኪ'ቲ ዘጋጠሞ መውደቕቲ ክሳብ ሰለስተ ወርሒ ካብ ስራሕ ክእለ ከምዝኽእል ተገሊጹ፡
ሓጸርቲ ጸብጻባት
ሚንስተር ጉዳይ ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ቢሊንከን ኣብ ትግራይ ይፍጸም ኣሎ ንዝበሉዎ ምጽናት ዓሌት ኮይኖም።
ጉዳይ ትግራይ ዝረኣየሉ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሎምዓንቲ ክሳለጥ እዩ።
ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ኣቶ ብርሃነ ኪዳነማርያም ነቲ ኣብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ምጽናት ዓሌት ንምቅዋም መዝነቶም ከም ዝራሕርሑ ገሊጾም።
መንግስቲ ፌደራል ናብ መቐለ ዝዓደሞም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝማኽሎም ዲፕሎማስያሰኛታት ህዝቢ መቐለ ንክልተ መዓልታት ኣብ ገዛ ኮፍ ብምባል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ፌደራል ዘለዎ ተቓውሞን ዝወረዶ ማህሰይትን ገሊጹሎም።
መደብ ክታበት ኮቪድ-19 ኣውስትራልያ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ድሮ ቀዳማይ እብረ ክታበቶም ድሕሪ ምውሃቦም ይቕጽል ኣሎ። ብዙሓት ኣውስትራልያውያን እዚ፡ ሃገሮም ንዝተረፈ ክፋል ዓለም ክትክፈት እኹል ክኸውን ተስፋ ይገብሩ፡ ግን እኹል ድዩ፧
መደብ ዜና ኤስቢኤስ (ኤስቢኤስ ኒውስ) ገለ ካብ’ቶም ብዛዕባ መገሻን ውሸባን ኣብ ድሕረ ክታበት ዓለም ዝለዓሉ ሕቶታትኩም ንፈደራል መንግስትን ክኢላታትን ሓቲትልኩም ኣሎ።
From the publisher's feed

4 Listeners

10 Listeners

9 Listeners

111,800 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

3 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners