SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ መንገዲ ኣፍሪቃ - ደቡብ ኣፍሪቃ ትዕብልል: ኢትዮጵያ ኣብ ቅድድም-መብረ ሳልሰይቲ ትወጽእ፡ ኤርትራ ኣይተሳተፈትን

    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (08/03/2021)

    * ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ተቐዳደምቲ ብብዝሒ ዝሳተፍሎም ዓለምለኸ ቅድድማት ብሽግለታ ይካየዱ ኣለው፡

    * ኣብ ካይሮ ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ መንገዲ ኣፍሪቃ 2021 ተኻይዶም፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝበዝሐ መዳልያታት ክትዕወት እንከላ ኢትዮጵያ ኣብ ቅድድም ምቅብባል ሳልሰይቲ ወጺኣ፡ ኤርትራ ኣብ’ዚ ዓመት ኣብ’ዚ ውራይ ኣይተሳተፈትን፡

    * ናይ መወዓውዒ ውዕል ኣብ መንጎ ኣርሴናልን መንግስቲ ሩዋንዳን ውዕሉ ክሕደስ ኣብ ዝቃረበሉ ዘሎ እዋን ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ሩዋንዳ ስክፍታታት ይፈጥሩ 

    12 min
  • ብሰንኪ'ቶም ኣብ ትግራይ ዝፍጸሙ ዘለው በደላት መንእስያት ትግራይ ብረት ይዓጥቁ'ለው - ጋዜጣ ዘ ጋርዲያን

    ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (08/03/2021) 

    * እቶም ኣብ ትግራይ ዝፍጸሙ ዘለው በደላት መልሰ ግብራዊ መጥቃዕቲ የኸትሉ ብምህላዎም መንእስያት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ብረት ይዓጥቁ'ለው ክብል ጋዜጣ ዘ ጋርዲያን ጸብጺቡ

    * ልዑል ሃሪ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ኦፕራህ ዊንፍሪ ኣብ ዘካየዶ ዕላል ሓደ ኣባል ንጉሳዊ ቤተሰብ ብሪጣንያ ወዱ ክሳብ ክንደይ ቆርበቱ ጸሊም ክኸውን’ዩ ስክፍትኡ ከምዝገለጸሉ ሓቢሩ

    * ፈደራል ትሬዠረር ኣውስትራልያ ጆሽ ፍራይደንበርግ መንግስቲ ዝርዝራት ብዛዕባ ዝቕጽል ደገፍ ገንዘብ ነቶም ኣብ ትሕቲ ክፍሊት ጆብኪፐር ዘለው ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ከፍልጥ እየ ኢሉ

     

    11 min
  • ብዙሓት ኣእዳው ኣብ ዝኣተውዎ ኲናት ትግራይ ሓቂ ግዳይ ኮይኑ

    ኲናት ትግራይ ሰብኣዊ ቅልቅላውን ገበናዊ ፍጻመታቱን ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ትግራይ ይኹን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት በብግዚኡ ኣብ ዝወጻሉን ዝቃልሓሉን ዘሎ ኣብ'ዚ እዋን እቲ ሓቀኛ ምስሊ ብዙሕ መልክዕ እዩ ሒዙ ዘሎ። ነዚ ብንጹር ንምርኣይ እምበኣር እዚ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ብምውካስ ዝተዳለወ ትሕዝቶ ፈተነ የካይድ

    12 min
  • ረቡዕ ኣብ ዝህሉ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ው/ሕ/ሃ፣ ዓቀብቲ ሰላም ኣብ ትግራይ ክዋፈሩ፣ ፈጸምቲ ገበን ኩናት ክሕተቱ፣ ማዕቀብ ክንበር ትጽቢት ይግበር።(ጸብጻብ)

    ኣርእስታት ጸብጻብ፥

    ዝቕጽል ረቡዕ ኣብ ዝህሉ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ዓቀብቲ ሰላም ክዋፈሩ፣ ፈጸምቲ ገበን ኩናት ክሕተቱ፣ ማዕቀብ ክንበር ዝእውጅ መፍትሕ  ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቁጽሪ 2417 ኣብ ኢትዮጵያ ክትግበር ተኽእሎ ኣለዎ ተባሂሉ።

    መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ እቲ ውሳኔ ተግባራዊ ከይኸውን ሚስዮናቱ ብዕቱብ ክሰርሑ ኣዋፊሩ ከም ዘሎ ተገሊጹ።

    ኢትዮጵያ ዋላ ሓደ ወተሃደር ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኩናት ክሕግዛ ከም ዘይዓደመት ገሊጻ።

    እዚ መግለጺ ድሕሪ እቲ ኣብ ትግራይ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ውግእን ምንጻግ ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ውግእን እዩ ዝኸውን ዘሎ።

    ሱዳንን ግብጽን ኢትዮጵያ ቅድሚ ስምምዕ፣ ንግድብ ህዳሴ ማይ ከይትመልእ ዝቃወም ሓበራዊ መግለጺ ኣውጺአን፣

    መገዲ ባቡር ኢትዮጵያ ልዕሊ 4 ቢልዮን ቅርሺ ከም ዝኸሰረ ተሰሚዑ።

    7 min
  • ኣብ ኣውስትራልያ ንፈለማ ግዜ ኣብ ግዝኣት ሳውዝ ኣውስትራልያ ክታበት ኣስትራዘነካ ምሃብ ተጀሚሩ

    ፕሪምየር ግዝኣት ሳውዝ ኣውስትራልያ ስቲቨን ማርሻል ዝሓለፈት ዓርቢ ኣብ ምዝርጋሕ ክታበት ኣብ ኣውስትራልያ ታሪኻዊት መዓልቲ ኮይና ክትዝከር’ያ ኢሉ... ኣብ ቅድመ ግንባር ዝተዋፈሩ ሰራሕተኛታት ጥዕና ኣብ ማሪ ብሪጅ፡ ምብራቕ ከተማ ኣደለይድ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ፈላማይ ዝኾነ ክታበታት ኣስትራዘነካ ድሕሪ ምቕባሎም። ሓካይም ቤተሰብ ከኣ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ክታበታት ኮሮናቫይረስ ክቕበሉ እዮም።

    8 min
  • መንእሰይ ሙባረክ ሙስጦፋ፡ ኣባላት ማሕበረሰብ ኣብ ሃርሞኒ ደይ ተሳትፎ ክገብሩ ይጽውዕ።

    እቲ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ንዝበዓል "ሃርሞኒ ደይ" ኣብዚ ሕብረ ብዙሕ ዝኾነ ማሕበረሰብ ቪክቶሪያ ዝተፈላለዩ ባህላዊን ስነጥበባዊ ፍርያት ናይ ዝተፈላለዩ ሃገራት ክንጸባረቑ እዮም። መንእሰይ ሙባረክ ሙስጦፋ ካብ ሁዩም ሲቲ ካውንስል ሓደ ካብ ኣተሓባበርቲ ናይቲ መደብ እዩ፡ ብዛዕባዚ ኣዕሊሉና ኣሎ። 

    9 min
  • ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ 04 መጋቢት 2021

    ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡

     

     

    ***  ኣብ ሚያንማር ኣብ ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ 38 ሰባት  ከም እተቐትሉ ተገሊጹ።

     

    *** ኣህጉራዊ ቤት-ፍርዲ ገበን ፡ ኣብ ግዝኣታት ፍልስጤም ተፈጺሙ ንዝበሃል ገበናት ኲናት ዝምልከት መርመራ ጀሚሩ ።

     

    *** ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ሰብኣዊ ኩነታት ትግራይ ሎሚ ብዕጹው ኽዘራረብ ምዃኑ ተፈሊጡ ።

     

    *** ናይ ኣውስትራሊያ ናይ ሓይሊታት ምክልኻል ሰራሕተኛታት ካብ ዝመጽእ ሰሙን ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ናይ ክታበት ስራሕ ክሕግዙ ምዃኖም ተፈሊጡ ።

    15 min
  • "ሃለዋት ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ክፈልጥ ከም ዘይከኣለ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሓቢሩ፣ (ካብ ኣርእስታት ጸብጻብ)

    ኣርእስታት ጸብጻብ፥

    ሃለዋት ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ክፈልጥ ከም ዘይከኣለ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሓቢሩ፣

    ሚንስትር ጉዳይ ወጻኢ ኣሜሪካ ሰራዊት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን ካብ ትግራይ ክወጹ ደጊሙ ሓቲቱ፣

    ኣብ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከይረአ ብሃገራት ኣፍሪቃ ተቓውሞ ዝገጥሞ ዘሎ ጉዳይ ትግራይ ሓሙስ ንሳልሳይ ጊዜ ዕጹው ኣኼባ ክካየደሉ እዩ፣

    ሱዳንን ግብጽን ናይ ሓባር ስግኣተን ንምምካት ወተሃደራዊ ስምምዕ ፈጺመን፣

    ዓበይቲ መርከብ ውግእ ኣሜሪካ ሱዳን ኣትያ። 

    8 min
  • ኣብ ኣውስትራሊያ ትምህርቲ ድሕሪ ምውዳእ ብኸመይ ናይ ስራሕ ቪዛ ይርከብ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)

    ኣውስትራሊያ ንናይ ወጻእ ሃገር ተማሃሮ ቀዳምነት ትህብ ሀገር ኮይና ከምትቕጽል ንምርግጋጽ፡ መንግስቲ ሞሪሰን ንኣህጉራዊ ተማሃሮ ዝጠቅም ናይ መመልከቲ ቅጥዒታትን ናይ ቪዛ መምዘኒታት ኣፍኲስዎ ኣሎ።

     

    ኣብዚ ሕጂ እዋን ፡ ብናይ ግዜያዊ ናይ ትምህርቲ ቪዛ ፡ ኣህጉራውያን ተመሃሮ ኣብ ኣውስትራሊያ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ዝጸንሕሉ ዕድል ረኺቦም ጠቓሚ ናይ ስራሕ ልምዲ ከጥርዩን ናብ ናይ ቀዋሚ ነባርነት ዝመርሑሉ መንገዲ ዕድላት ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም ።

    8 min
  • "ዛጊት ልዕሊ 200 ሽሕ ናይ ቋንቋ ትግርኛ ሓሳባት ኣብ ጉግል ኣትዩ ኣሎ።" ኢንጂኔር ክፍላይ ተወልደብርሃን

    ቋንቋ ትግርኛ ከምቲ ናይ ካልኦት ቋንቋታት ብጉግል ተተርጉሙ ህዝቢ ተጠቃሚ ክኸውን ዝተፈላለዩ ወገናት ብክእለቶምን ዓቕሞምን ይሰርሕሉ ኣለዉ፡ በዓል ኢንጂኔር ክፍላይ ተወልደብርሃን ዘለዉዋ ጉጅለ ሓንቲ ካብቶም ብዙሓት ኮይና፡ ብዛዕባቲ ስራሕ ዘሎ ምዕባለ ገሊጹ ኣሎ።

    [node_list uuid="4d0c1ef4-1177-470b-8e78-0d59750e1fa5"]

    13 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,800 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

0 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

0 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners