SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ኣጥቃዕቲ ኢትዮጵያ ብቕዓቶም ዘመስከርሉ ምሕዝነታዊ ግጥም ኣንጻር ማላዊ፡ ስሙ ዝገንን ዘሎ ኮኾብ ተቐዳዳማይ ብሽግለታ ናትናኤል ተስፋጽዮን

    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (22/03/2021)

    * ዝሓለፈ ሮቡዕ ኣብ ከተማ ባህር ዳር ኢትዮጵያ ኣንጻር ማላዊ ኣብ ዘካየደቶ ምሕዝነታዊ ግጥም ብገፊሕ 4-0 ተዓዊታ፡

    * ፈደረሽን ኣትለቲክስ ኢትዮጵያ መጻረዪ ውድድራት መስመር ጉያን ሜዳን ንኦሎምፒክስ ቶክዮ ዝመጽእ ወርሒ ሰነ ኣብ ከተማ ሀንገሎ፡ ነዘርላንድስ፡ ከካይድ ምዃኑ ኣፍሊጡ፡

    * ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ትሬኖ-ኣድሪያቲኮ ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን ንኡድ ምንቅስቓስ ብምርኣይ ተሳፎኡ ክዛዝም እንከሎ ናትናኤል ብርሃነን መርሃዊ ቅዱስን ከኣ ኣብ ቮልታ ኣ ካታሎንያ ክወዳደሩ’ዮም፡

    * መርበብ ሓበሬታ ዩሮስፖርት.ኮም ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ናትናኤል ተስፋጽዮን መን’ዩ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ብዛዕባ’ዚ ስሙ እናገነነ ዝኸይድ ዘሎ ሻምፒዮን ቅ/ብ ዙር ሩዋንዳ ሓደ ዓምዲ ወጺኡ 

    11 min
  • ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ 22 መጋቢት 2021

    ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡

     

    ** ኣብ ሰሜናዊ ገማግም ኒው ሳውዝ ዌልስ ፡ ኣብ ምዕራብ ሲድኒ ድማ ሎሚ ብዘሎ ብርቱዕ ዝናም  ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ካብታ ከተማ ወጺኦም።

     

     

    ** ቀንዲ መራኸቢ ብዙሃን ዓለም ብዛዕባ ኤርትራ ዝምልከት ዘውጽእዎ ርኡይ ናይ ስም ምኽፋእ ዘመተ ዘስደምም ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ ። ክብል ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ኣብዝጸሓፎ መልእኽቲ ገሊጹ።

     

    ** ኣብ ትሕቲ ኮቫክስ ዝወሃቡ ክታበታት ንፈለማ ግዜ ኣብ ክልታት ፍልስጤም ይወሃቡ ኣለዉ ።

     

    **ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ዘሎ ከቢድ ኩነታት ኣየር ነቲ ኣብ መላእ እታ ክፍለ ግዝኣት ዝወሃብ ናይ ኮቪድ-19 ክታበታት ከይዕንቅፎ ናይ ፈደራል ጥዕና ሰበስልጣን ሰጊኦም።

    13 min
  • "ኣብዚ ሓሙሽተ መዓልታት ሓይልታት ትግራይ ኣንጻር መንግስቲ ፌደራልን ሓገዝቱን ወሳኒ ስርሒትፈጺሞም።" ኣቶ ጌታቸው ረዳ

    ሓጸርቲ ጸብጻባት፡

    መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ንዝተወለዐ ግርጭት 'ሓደገኛ' ኢሉዎ።

    እቲ ተወለድቲ ኦሮሞ ኣብ ዘለዉላ ዞባ ዝተወለዐ ብከቢድ ብረት ዝተሰነየ ውግእ ዛጊት ሰባት ከም ዝተቐትሉ፣ ገዛውቲ ከም ዝነደደን ጠጠው እውን ከም ዘየበለን ዝተገልጸ ኮይኑ ካብ ባህርዳር ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝወስድ ፅርግያ እውን ከም ዝተዓጽወ ተሰሚዑ።

    እዚ መግለጺ ድሕሪ እቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕጡቓት ህወሓት ኢዶም ክህቡ ዘቕረቦ መጸዋዕታ እዩ ዝኸውን ዘሎ።፡ ዝብሊ ሓጸርቲ ጸብጻባት ልኡኽና።

    5 min
  • ፊንላንድ ኣብ ዓለም እታ ቀዳመይቲ ሕጉስቲ ሃገር ናይዚ ዓመት ኮይና።

    ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ፊንላንድ ንራብዓይ ተኸታታሊ ዓመት ኣብ ዓለም እታ ዝያዳ ሓጐስ ዘለዋ ሃገር ተባሂላ ተሰሪዓ ።

     

    ጸብጻብ ዓለምለኻዊ ሓጐስ ፡ ኣብቲ ጋለፕስ ዝገበሮ ሰለስተ ዓመት እተገብረ መጽናዕቲ ፡ ዜጋታት ክሳዕ ክንደይ ሕጉሳት ከም ዝዀኑ ዝገልጽ ጸብጻብ እተመርኰሰ እዩ ።

    7 min
  • መንግስቲ ኣውስትራሊያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጸቕጢ ክግበር ኣባል ፓርላማ ኣንድሪው ዊልክ ጸዊዑ።(ዕለታዊ ዜና)

    ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡

     

    ልዕሊ 700 ሽሕ ተወለድቲ ትግራይ፡ ካብ ምዕራብ ትግራይ ተፈናቒሎም ዝብል ክሲ ግዚያዊ ምም/ትግራይ፡ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣሉታዊ መልሲ ሂብሉ።

     

    *** ኣብ መዓልቲ ክሎዝ ዘ ጋፕ (ፍልልያት ምጽባብ) [18 ማር] ካብ ኣርባዕተ ገዛውቲ ደቀባት እቲ ሓደ ገዛ ኢንተርኔት የብሉን ።

     

     

    *** ፓፕዋ ኒው ጊኒ ካብ ዝመጽእ ሰኑይ [22 ማር] ኣትሒዛ ንኣርባዕተ ሰሙን ዝኸውን ሃገራዊ ናይ ኮቪድ ቀይዲ ኸተተኣታቱ ተዳልያ ኣላ።

     

     

    *** ናይ ታንዛንያ ፕረዚደንት ጆን ፖምበ ማጉፉሊ ኣብ መበል 61 ዓመት ዕድሚኡ ከም ዝሞተ መንግስቲ ብረቡዕ ኣፍሊጡ ።

     

     

    *** ኣባል ፓርላማ ኣውስትራሊያ ኣንድሪው ዊልኪ፡ ነቲ ኤርትራዊያንን ተጋሩን ነበርቲ ታዝማኒያን ዝኣከብዎ ጥርዓን (ፐቲሽን) ኣብክንዳኦም ኮይኑ ንፓርላማ ኣውስትራሊያ ኣቕሪቡ።

    14 min
  • ኢትዮጵያ ሓይልታታ ካብ ግዝኣት ሱዳን ከየውጸአትን እቲ መሬት ናይ ሱዳን ከም ዝኾነ ኣፍልጦ ከይሃበትን ንልዝብ ቅርብቲ ከም ዘይኮነት ሱዳን ገሊጻ።(ሓጸርቲ ጸብጻባት)

    ኣርእስታት ጸብጻብ፥

    ኢትዮጵያ፥ ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሴ ካብቲ ዝተሓስበሊ ጊዜ ከምዘይተሕልፍን ብጀካ ሕብረት ኣፍሪቃ ካልእ ሞንገኛ ኣብቲ ልዝብ ከም ዘይትቕበል ሓቢራ።

     

    ንሰራዊት ኢትዮጵያ ክመርሕ ብቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝተመዝዘ ተጋዳላይ ህወሓት ዝነበረ ጀነራል ዮሐንስ ገብረመስቀል እቲ ኣብ ትግራይ ምስ ህወሓት ዝገጠመሉ ውግእ "ረሳሕ ኩናት" ብምባል ብልዝብ ክፍታሕ ድሌት ከም ዘለዎ ንኣምባሳደራት ተዛሪቡ።

    ኣብ ክልል ሶማል ኣብ ልዕሊ 40 ወረዳታት ከቢድ ድርቂ ኣጋጢሙ።

    ብተቓውሞ ኣብ ዓፋር ተዓጽዩ ዝነበረ መገዲ ኣዲስ ኣበባ ጁቡቲ ብሓይልታት ፌደራል ተኸፊቱ። ዝብሉ ኣርእስታት ጸብጻባት ሉኡኽና እዮም፡ ፡

    8 min
  • "ተወጺዐ ንዝበለካ ንወጽዓኡ ክትርደኣሉ'ዩ ዘለካ እምበር ኣይተወጻዕካን ክትብሎ ኣይከኣልን'ዩ።"ዶ/ር ብርሃን ኣሕመድ

    ኣብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ኩነታት ኣብ ኣውስትራሊያ ዝነብሩ ማሕበረሰብ ኤርትራን ትግራይን ኣረኻኺብሎምሲ፡ ገለ ገለ በዚ ኩነታት ተጸልዮም ነቲ ሓቢርካ ናይ ምንባር ኩነታት ከምዝተናኸፎን እዚ ኩነታት ናብ ዉሉዶም ከይሰግርን የስግእ ኣሎ። ነዚ ኣመልኪቱ ካብ መራሕቲ ማሕበረሰባት ኣፍሪቃ ዝኾነ ዶ/ር ብርሃን ኣሕመድ ሓሳቡ ኣካፊሉ ኣሎ።

    16 min
  • ኣብ ትሕቲ ኮቪድ-ደሓን ናብ ስራሕካ ምምላስ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)

    ሓድሽ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ ክልተ ካብ ሓሙሽተ ኣውስትራሊያውያን ኣብ ቦታ ስርሖም ብዛዕባ ጽሬት ክግደሱ ከለው ልዕሊ ርብዒ ግን ካብ ምጅማር ለበዳ ኣትሒዞም ብዛዕባ ጀርምታት ክጭነቑ  ። ብዙሓት ሰራሕተኛታት ናብቲ ብኣካል ዝመጹሉ ቦታ ምስ ተመልሱ: ኣብ ናይ ሓባር ቦታታት ስራሕ ምስራሕን ግዜኻ ምሕላፍን የጨንቐካ ድዩ ?

    8 min
  • ኣብ ኲናት ትግራይ፡ ኤርትራ ንትገብሮ ዘላ ሓገዝ፡ ኢትዮጵያ 500 ሚልዮን ዶላርን ዓይነታዊ ክፍሊትን ንመ/ኤርትራ ከምዝኸፈለት ተገሊጹ። (ካብ ዕለታዊ ዜና)

    ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡

     

    **ሓድሽ ዝተመርጸ ናይ ምዕራብ ኣውስትራሊያ ስራሕ ፕሪመርሊግ ማርክ ማክጎዋን መንግስቲ ፓርላማ ብሓደ ሰልፊ ተዓብሊሉ ኢሎም ክፈርሑ የብሎምን ኢሉ።

     

    ** ኒው ሳውዝ ዌልስ ካብ ዉሽጢ ብኮቪድ-19 ዝተመሓላለፉ ተወሰኽቲ መልከፍቲ ኣየመዝገበትን

     

    ** መንግስቲ  ኤርትራ ንዝገብሮ ዘሎ ኣበርክቶ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዛጊት 500 ሚልዮን ዶላር ንመንግስቲ ኤርትራ ሂባ ዝብል መርትዖ ከምዝረኸበ ኢትዮ360 ገሊጹ።

     

     

     ** ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ንሱዳን ዝኸውን 200,000 ቶን ስርናይ ክገዝእ መደብ ከምዘለዎ ገሊጹ።

    14 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,800 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

0 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

0 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners