SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ 'ልኡኻት' ምስ ዝበሎም ሓይልታት ኣብ ሸሞንተ ግንባራት ይዋጋእ ከም ዘሎ ተዛሪቡ።

    ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ 'ልኡኻት' ምስ ዝበሎም ሓይልታት ኣብ ሸሞንተ ግንባራት ይዋጋእ ከም ዘሎ ተዛሪቡ።

    ምስቶም ለኣኽቶም 'ዝጋፈጠሉ' ጊዜ ውን ርሑቕ ከም ዘይኮነ ገሊጹ ኣሎ።

    መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ይወጹ ኣለዉ ክብል ንመግለጺ ሃገራት G-7 መልሲ ሂቡ። ሓደስቲ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ ይኣትዉ ከም ዘለዉ ድማ እማያት ይዛረቡ።

    ብዜካ እዚ ኣብ ዞባታት ደቡብን ማእከላይን ትግራይ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ጅሆ ከም ዝተትሓዙ ተሰሚዑ ኣሎ።

    ኣብ ክልል ሶማል ብዝወረደ ድርቂ ልዕሊ 2 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቐ ሰብ መዚ እቲ ክልል ተዛሪቦም። እታ ክልል ምስ ክልል ዓፋር ብዘለዋ ናይ ግዝኣት ጎንጺ ዘስዓቦ ልውውጥ ተኹሲ ሰባት ከም ዝሞቱ እውን ይሕበር ኣሎ

    5 min
  • ንደገፍቲን ተቕወምቲን ዘቖጠዐ ዘረባ በዓል ስልጣን ኢትዮጵያ (ዛዕባ ማሕበራዊ መራኸቢታት)

    እብዚ ሰሙን ድሕሪ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ "ኤርትራዊያን ንበዓል ናጽነቶም ኣየኽብርዎን ኣይፈትውዎን'ዮም" ድሕሪ ምባሉ ብክልቲኡ ወገን ፖለቲካ ዘሎ ህዝቢ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክዛረበሉ ዝቐነየ፡ መም ዮሴፍ ወርቀ ኣስራት ዳህሲስዎ ኣሎ።

    10 min
  • ዕለታዊ ዜና 1 ሚያዚያ 2021 SBS ትግርኛ

    ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡

     

    *** ኣብ ብሪዝቤን ዝጸንሐ ቀይዲ ካብ ፍርቂ መዓልቲ ኣትሒዙ ተላዒሉ ።

     

    *** ፖሊስ ቅድሚ እቲ ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ዝግበር በዓል ትንሳኤ ፡ ንመገድታት ዝምልከት መጠንቀቕታት ሂቡ ።

     

    *** ኣብ ምዕራብ ወለጋ ዕጡቓት ብዝወሰድዎ መጥቃዕቲ ብውሕዱ  28 ሰላማዊ ሰባት ከምተቐትሉ ሰበ ስልጣን እቲ ከባቢ ገሊጾም።

     

    ***  ናይ 2023 ዋንጫ ጸወታ ኩዕሶ ልአም ደቅንስትዮ ናይ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን  ከተማታት ከምዘአንግዳኦ ኣፍሊጡ ።

    17 min
  • "ኤርትራውያን ንናጽነቶም ብዘካየድዎ ልዑል ቃልሲ ሕቡናት እዮም። " ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ

    "ኢትዮጵያ ኣብ ሉኣላውነት ኤርትራ ዘይልወጥ መርገጺ ኣለዋ" ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኢትዮጵያ።

    ኣሜሪካ ንሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ጎረቤትን ፈጺሞምዎ ብዝበለቶ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ትኸስስ። ኤርትራ ነዚ ክሲ ነጺጋቶ።

    ርባዕተ ሃገራት ዓረብ ንጉዳይ ግድብ ህዳሴ ብዝምልከት ኣብ ዘውጽእኦ መግለጺ ኣብ ጎኒ ግብጺ ምስላፈን ገሊጸን።

    ፕረሲደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ብወገኖም 'ንጣብ ማይ ግብጺ እንተተንኪፋ ኣብቲ ዞባ ዝኸፍአ ሕምስምስ ክፍጠር'ዩ' ኢሎም።

    ከንቲባ ጊዝያዊ ምምሕዳር መቐለ ኣቶ ኣታኽልቲ ሃይለስላሴ ካብ መዝነቶም ወሪዶም።

    ኣብ ምዕራብ ወለጋ ንጹሃት ዜጋታት ከም ዝተቐትሉ መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ገሊጹ

    8 min
  • “ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ ንጽዉዕ ኣለና፡ ግን ዶብ ዘይተሓንጸጸ እንተኾይኑ እቲ ሰራዊት ናበይ እዩ ክሰግር፧” ዳኒኤል ተኽላይ

    “ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ ንጽዉዕ ኣለና፡ ግን ዶብ ዘይተሓንጸጸ እንተኾይኑ ናበይ እዩ ክሰግር፧” ዳኒኤል ተኽላይ

    ካል ኣይ ክፋል ዘተ ምስ ዶ/ር ዮሴፍ ገብረሚካኤል ኣባል ፈጻሚት ሉዓሉነት ህዝቢ ኤርትራ ከምኡ’ውን ንኣቶ ዳኒኤል ተኽላይ ኣቦ ወምበር ሓንቲ ሃገር ኣዘራሪብናዮም ብዛዕባ ብ 19 መጋቢት 2021 ብ ሉዑልነት ህዝቢ ኤርትራ፡ (EPS) ከምኡውን ሓንቲ ሃገር (One nation) ምስዚ ኣብ ትግራይ ዝኸይድ ዘሎ ኲናት ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ።

    “እዚ ዶብ ተሓንጺጹ እንተዝኸውን ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ እዋን ግዳይ ኣይምኾነን ኔሩ፡ ህዝቢ ኤርትራውን ደጀን ምኾኖ።”

    16 min
  • ዕለታዊ ዜና 29 መጋቢት 2021 SBS ትግርኛ

    ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡

     

    ** ኣብ ግሬት ብሪዝቤን ዝነብሩ ተቐማጦ ፡ ካብ ሎሚ ጀሚሮም ንሰለስተ መዓልቲ ፡ ካብሰዓት 5 ድ / ቀ ፡ 6pm AED [ዓዲ] ካብ ገዛኦም ከይወጹ ተኣዚዞም።

     

     

    ** መራሒ አል-ሸባብ ኣብ ጅቡቲ ዝርከብ ናይ ፈረንሳይን አሜሪካን መዓስከራት መጥቃዕቲ ክፍጸም ጸዊዑ።

     

    ** መትረብ ስወጽ ዓጊታቶ ዘላ ፡ ሓንቲ ገዘፍቲ መራኽብ ንምውጻ እተገብረ ጻዕርታት እተወሰነ ዕቤት እኳ እንተኦሉ ፡ መዓስ ኣብ ማያት ጸብለል ከምትብል ግና ብንጹር ኣይተፈልጠን ።

     

      ** ኣብ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ፡ ኣደላይድ ዩናይትድ ኣብ ልዕሊ ሲድኒ FC  ኣብ ስታድዩም ኮፐርስ ብዘርኣየቶ ሓያል ጸወታ ናይ 1 ብ 1 ስዕረት ሻድሻይ ናይ አ ሊግ ዓወት ኣመዝጊባ ኣላ ።

    15 min
  • ኢትዮጵያ ንማዳጋስካር ስዒራ ናብ ኣፍኮን ክትሓልፍ ዕድላ ኣስፊሓ፡ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ምስ ኢብራሂሞቪች ሰሚሩ ንሽወደን ሽቶታት ኣመዝጊቡ

    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (29/03/2021)

    * ኣብ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣፍኮን 2021 ኢትዮጵያ ንማዳጋስካር ብገፊሕ 4-0 ክትስዕራ እንከላ ቡርኪናፋሶን ጊኒን ምሕላፈን ኣረጋጊጸን፡

    * ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ምስ ዝላታን ኢብራሂሞቪች ተሰሊፉ ብምጽዋት ሽቶ ኣመዝጊቡ፡

    * ኣብ ከተማ ጎተንበርግ ዝመደበራ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ጋንታታት ሽወደን ትሳተፍ ኣብ’ታ ሃገር ካብ’ተን ቀዳሞት ዝተመስረታ ጋንታታት ተባሂላ ትቑጸርን ሓንቲ ጋንታ ንዝኽሪ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ዳዊት ኢሳቕ ስሙ ዝተጻሕፎ ማልያታት ዘርጊሓ፡

    * ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ክካየዱ ኣብ ዝቐነዩ ቅድድማት ብሽግለታ ኤርትራዊያን ተቐዳደምቲ ንኡድ ተሳትፎኦምን ብቕዓቶምን ምምስካር ይቕጽሉ’ለው፡

    * ንምንታይ’ዮም ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ሃገራት ኤውሮጳ ኣንጻር ዋንጫ ዓለም ቐጠር 2022 ተቓውሞታት ዘስምዑ ዘለው፧ 

    14 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,800 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

0 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

0 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners