
Sign up to save your podcasts
Or


ኣብ መላእ ኤውሮጳ ዝርከባ ሃገራት ፡ ሓጋይ ኤውሮጳ እናቐረበ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ፡ ነቲ ናይ ክታበት ምኽታብ ወፍሪ ክብ የብላኦ ኣለዋ ።
ኤውሮጳዊ ኅብረት ፡ "ናይ ክታበት ፓስፖርት" ከውጽእ ከም ዝቐረበ ብምግላጽ ፡ ነቶም ዝተኸትቡ ዝያዳ ናጽነት ከምዝፈጥረሎም ይገልጽ ።
ተዓዋታይ ዓመታዊ ሽልማት ጉማ ስነጥበባዊ ኢሳያስ ታደሰ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ነቲ ኣብ ትግራይ ይፍጸም ከም ዘሎ ዝግለጽ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ኣመልኪቱ ካብ ዘስምዖ ዘረባ
ክልል ሶማሌ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ዘላ ዝሰረዞ ናቑጣ መረጻ ዳግመ ግምት እንተዘይገይሩሉ ኣብ ሃገራዊ መረጻ እታ ሃገር ዘይክትሳተፍ ከም ትኽእል ክተጠንቅቕ ከላ ፤ እቲ ቦርድ ብግዲኡ ንሕቶ ናይታ ክልል ነጺግዎ ኣሎ።
ብ 19 መጋቢት 2021 ብ ሉዑልነት ህዝቢ ኤርትራ፡ (EPS) ከምኡውን ሓንቲ ሃገር (One nation) ምስዚ ኣብ ትግራይ ዝኸይድ ዘሎ ኲናት ዝተሓሓዝ ናይ ሓባር መግለጺ ኣውጺኦም ኔሮም። ነዚ ብዝምልከት ን ዶ/ር ዮሴፍ ገብረሚካኤል ኣባል ፈጻሚት ሉዓሉነት ህዝቢ ኤርትራ ከምኡ’ውን ንኣቶ ዳኒ ኤል ተኽላይ ኣቦ ወምበር ሓንቲ ሃገር ኣዘራሪብናዮም ኣለና ቀዳማይ ክፋል ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ።
"እታ ሃገር ነቶም ዓበይቲ ትማሊኦም’ያ ነቲ መንእሰይ’ከኣ ጽብሑ’ያ፡ ስለዚ ካባና ተመሃሩ ኢልካ ኣብቲ ነቲ መንእሰይ ጽብሑ ዝኾነት ሲቪላዊ ኣተሓሳስባ ኣምጺእካ ክትመርሖም ይከኣል’ዩ።" ዝብል ትሕዝቶ ዘረባ ዘለዎ፡ ካልኣይ ክፋልን መወዳእታን ዘተ ብዛዕባ ምቛም መንግስቲ ኣብ ወጻኢ ምስ ኣቦ-መንበር ምንቅስቓስ ብሩህ መጻኢ ኤርትራ ኣቶ በየነ ገረዝግሄር።
[node_list uuid="ff8f4060-0e63-401b-bf9f-08ea2ef08444"]
ኣብ ኣውስትራሊያ ዝርከቡ ማሕበረሰብ ትግራይ ብቐጻሊ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ሰላማዊ ሰልፊታት ብምግባር ድምጾም የስምዑ ኣለዉ። ነዚ ንጥፈታት ዝምልከት ን ዶ/ር ፍስሃ ሃይለ ካብ ዲክን ዩኒቨርሲቲ ኣዛሪብናዮ ኣለና።
ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡
*** መንግስቲ ቪክቶሪያ ካብ 8 ሚያዝያ ጀሚሩ ኣህጉራዊ በረራታት ናብ መልበርን ከምዝጅምር ኣፍሊጡ ።
*** ፈደራላዊ መንግስቲ ፡ ኢንዱስትሪ ስነ-ጥበብን መዘናግዕን ካብ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብዝወረዶ ዕንወት ንኽሓዊ ፡ 135 ሚልዮን ዶላር ወጻኢ ከምዝገብረሉ ኣፍሊጡ ።
*** መትረብ ስወጽ ፡ ኣብ ዓለም ዝዓበየት ናይ ጽዕነት መርከብ ስለዝዓገተቶ 10 ዚጐዓዛ ጃላቡ ነታ መርከብ ንምውጻእ ይቃለሳ ኣለዋ።
ኢትዮጵያዊያን ብፌስቡክ እንተዘይኮይኑ ምስ ሰራዊት ክዓጥቁ ከምዘይደልዩን፡ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ክብል ተዛሪቡ
*** ሎሚ ኣብ መንጎ ጋንታታት ካርልተንን ኮሊንግዉድን ኣብ ዝግበር ግጥም ኤኤፍ ኤል ክሳብ 75,000 ዝበጽሑ ሰባት ኣብ መልበርን መጻወቲ ሜዳ ክርኬት ብ ኣካል ተረኺቦም ክርእይዎ እዩም።
“እቲ ሻዕቢያን ጀብሃን ዝበሃል ኣተሓሳስባ ብረታዊ ኣተሓሳስባን ናይ ኲናት ኣተሓሳስባን እዩ።”
ኣብ ወጻኢ ካብዝነብሩ ገለ ኤርትራዊያን፡ ናይ ወጻኢ መንግስቲ ንምምስራት ላዕሊ ታሕቲ ይብሉ ኣለዉ። ነዚ ኣመልኪትና ብዛዓባ’ቲ ተሓሲቡ ዘሎ ምምስራት መንግስቲ ን ኣቶ ሳልሕ ጆሃር ጋዲ ኣዘራሪብናዮ ኔርና። ነቲ ቃለ መሕትት ስዒቡ ብዙሓት መንእሰያት ተቓዉሞኦም ክገልጹ ቀንዮም። ካብቶም ነዚ ሓሳብ ዝነጸግዎ ኣብ ትሕቲ ምንቅስቓስ ብሩህ መጻኢ ኤርትራ ዝጥርነፉ መንእሰያት’ዮም። በዚ ምኽንያት ን ኣቦ መምበር ናይቲ ምንቅስቓስ ኣቶ በየነ ገረዝግሄር ኣዛሪብናዮ ኣለና። ቀዳማይ ክፋሉ ኣብዚ ኣቕሪብናዮ ኣለና።
ገለ ካብ ፍጻሜታት እቲ ድሕሪ ሒደት መዓልታት 3ይ ዓመት ዝረግጽ ዘሎ ሓዱሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ መወዳእታኡ ኣበይ ንምብጻሕ?
ማይ ከዝንብ ከምዝኽእል፡ ምድፋር ደቂ ኣንስትዮ ብደቂ ተባዕትዮ ምስ ብሳንጃ ምድፋር ወተሃደራት ምውድዳርን፡ ካልእን።
ክሳብ ኣማላጣ አገው ይዋጋእ ከም ዘሎ ንዝርረበሉ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ወሰን ዶብ ይሕሉ ኣሎ ክብል ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ፓርላማኡ ተዛሪቡ ኣሎ።
ሳዕቤን ናይዚ ተርእዮ እንታይ ኽኸውን ይኽእል?
ሓደ ሰብ ኣብ ውሽጢ ኣውስትራሊያ እንተሃልዩ እሞ ቪዛኡ እንተወዲቑ እንታይ ይገብር? ዘይሕጋውያንን ዜጋታት ዘይኮኑ ሰባት ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክእሰሩን ካብታ ሃገር ክጥረዙን ይኽእሉ'ዮም። ኣብ ኣውስትራሊያ ዝወደቐ ቪዛ እንተሒዝካ እንታይ ትገብር?
ኣብዚ ቅሩብ እዋን ገለ ኣብ ወጻኢ ካብ ዝነብሩ ኤርትራዊያን፡ ኣብ ወጻኢ ናይ ልፍንቲ መንግስቲ ንምቛም ላዕሊ ታሕቲ ይብሉ ኣለዉ። በዓል መንዮም ነዚ ሓሳብ ዘንቀሳቕስዎ ዘለዉ? ንምንታይ ዕላማ? ብኸመይ ኣገባብን ዝብሉን ካልእ ሕቶታትን ክምልሰልና ን ኣቶ ሳልሕ ጋዲ ጆሃር ኣዛሪብናዮ ኣለና፡ ምሉእ ትሕዝቶኡ ኣብዚ ክትሰምዕዎ ይከኣል'ዩ።
From the publisher's feed

4 Listeners

10 Listeners

9 Listeners

111,800 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

3 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners