
Sign up to save your podcasts
Or


ኣርእስታት፥
ኢስማኤል ዑመር ጉሌ ብ98% ኣብ ናይ ጅቡቲ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ተዓዊቱ ተባሂሉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንጉዳዩ ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ዘስምዕሉ(ሎቢ ዝገብርሉ) ኣማኢት ኣሻሓት ዶላራት ይኸፍል።
ኣብ ሶማሊያ ብነፍሰ ቅትለት መጥቃዕቲ 6 ክቕተሉከለዉ 7 ቆሲሎም።
መራሕቲ ግብጽን ቱኒዝያን ብዛዕባ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ዘትዮም።
ግብጽን ሱዳንን ሰብ ሞያ ከቕርባ ኢትዮጵያ ጸዊዓ።
ዶ/ር ሃይላይ አብርሃ ገሰሰው - ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፍሊንደርስ ናይ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ተመራማሪ፤ ዶ/ር ፍሳሃ ሃይለ ተስፋይ - ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዲክን ናይ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዘይኮኑ ተመራማሪ፣ ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ዘሎ ቅልውላው ኣገልግሎታት ጥዕና ብዛዕባ ዝምልከት ኣብዚ ቅሩብ እዋን ሓበሬታ እናኣከቡ ጽሑፋት ኣብ ምቕራብ ይርከቡ፡ ብዛዕባ ዝእክብዎ ዘለዉ ሓበሬታን ኩነታት ኣገልግሎት ጥዕና ዝገበርናዮ ዘተ።
ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡
*** ፈደራላዊ መንግስቲ ነቲ ብዛዕባ ኣብ ቦታ ስራሕ ዝፍጸም ወሲባዊ ግህሰት ዝቐረበ ጸብጻብ ፣ ብከፊል፡ ብመትከል ወይ ሙሉእ ብሙሉእ ከም ዝቕበሎ ይገልጽ ።
*** ኢትዮጵያን ሱዳንን ብዶብ ምኽንያት ዝሰሓሓብኦ ዘለዋ ጉዳይ ብሰላም ክፈትሓኦ ኣመሪካ ጸዊዓ።
*** ኣብ ጃፓን ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ኦሳካ ዝርከብ ከባቢ ብቫይረስ ኮሮና ተለቢዱ ኣሎ ዝብል ጸብጻብ ብምቕራቡ ስነስርዓት ምውላዕ ሽግ ኦሎምፒክ ንኽስርዝን
ኣብ ዝሓለፉ 5 ኣዋርሕ 2.5 ሚልዮን ኣብ ገጠራት ትግራይ ዝነብር ህዝቢ ብሰንኪ ኩናት መሰረታውያን ቀረባት ከም ዘይረኸበ ውሕሃገራት ኣፍሊጡ።
ኣብ ሞንጎ ክልላት ዓፋርን ሶማልን ብዝተወለዐ ጎንጺ ዛጊት ልዕሊ 100 ሰባት ተቐቲሎም።
ሱዳን ኣባላት ዓቀብቲ ሰላም ዝኾኑ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ግዝኣታ ክወጹ ሓቲታ።
ዝብሉን ካልኦትንዝብሉ ኣርእስታት ጸብጻባት ሉኡኽና እዮም፡ ፡
እታ "መርኣያ ሓዳስ ኢጣልያ" ተባሂላ እተጸውዐ ናይ ቲክ ቶክ ቶክ ጸላዊት ( ኢንፍሉዌንሰር) ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንዝነበረ ባህላዊ ዕንቅፋታት ተፍርሶ ኣላ ።
ምስታ ጓል 19 ዓመት ዝዕድሚኣ ሙስሊም ኣፍሪቃዊት-ኢጣልያዊት ከምኡውን ምስ 330,000 ዝኾኑ ጸልውቲ ጉጅለታት ዝስዕብዋ ከነፋልጠኩም ።
ካልኣይን ናይ መወዳእታን ክፋል፥ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝቖመ ብዛዕባ መሪሕነት ስልጠና ዝህብ “Josef Leadership Academy” መስራቲን ኣካያዲን ረቨረንድ ዳኒኤል ሃብታይ ብዛዕባ እቲ ትካልን ዝህቦ ኣገልግሎትን ከምኡውን ብዛዕባ ፍልጠትን ኣድላዪነትን መሪሕነት ዝምልከት ሓሳብ ኣካፊሉ ኣሎ፡ ኣብዚ ክስማዕ ይከኣል’ዩ።
ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡
** ክታበት ኣስትራዘነካ ምውሳድ ዘተሓሳስብ ነገር የለን ክብል ማሕበር ሕክምና ኣውስትራሊያ ገሊጹ።
** ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ኣብ ትግራይ ሰላም ክወርድ ጸዊዖም።
** ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዮርዳኖስ ኣማን ሳፋዲ ፡ እታ ሃገር ምእንቲ ኽትዓኑ ኢሉ ምስ ወጻእተኛታት ወገናት ውዲት ከም ዝፈጸመ፡ ነቲ ናይ ቀደም ዘውዳዊ ሉዑል ከሲሱ።
ሰበስልጣን ጥዕና ኣፍሪቃ 400 ሚልዮን ዶስ ናይ ኮቪድ-19 ክታበታት ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ክረኽቡ ምዃኖም ኣፍሊጦም ኣለው ፤ ብሪጣንያ ድማ ንዓበይቲን ህዝባዊን ኣጋጣሚታት ፈተነ ተካይድ ኣላ ።
በዓል ትንሳኤ ፡ ብምኽንያት ለበዳ ንኻልኣይ ዓመት ዕጹው በዓል ኮይኑ ኣብዝሓልፈሉ ዘሎ እዋንዩ።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝቖመ ብዛዕባ መሪሕነት ስልጠና ዝህብ “Josef Leadership Academy” መስራቲን ኣካያዲን ረቨረንድ ዳኒኤል ሃብታይ ብዛዕባ እቲ ትካልን ዝህቦ ኣገልግሎትን ከምኡውን ብዛዕባ ፍልጠትን ኣድላዪነትን መሪሕነት ዝምልከት ሓሳብ ኣካፊሉ ኣሎ፡ ኣብዚ ክስማዕ ይከኣል’ዩ።
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (05/04/2021)
* ኣብ ቱርኪ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ሜቭላና ተኻይዱ ኤርትራዊ መትከል ኢዮብ 6ይ ብምውጻእ ካብ’ቶም ዝለዓሉ 10 ተቐዳደምቲ ኮይኑ፡
* ኤርትራ ኣብ ዙር ሩዋንዳ 2021 ክትሳተፍ’ያ፡
* ኢትዮጵያ ኣብ ናይ መወዳእታ መጻረዪ ግጥማ ብኣይቮሪኮስት እንተተሳዕረት’ኳ ናብ ግጥማት ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ካሜሩን 2021 ምሕላፋ ኣረጋጊጻ፡
* ምድባት ሃገራት ንመጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ዓለም ኩ’እግሪ ፊፋ ቐጠር 2022 ዝሓለፈ ሰሙን ወጺኦም፡ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ ካብ ዝኸበዱ ምድባት ምስ ደ/ኣፍሪቃን ጋናን ተሰሪዓ፡
* መርመራታት ኮቪድ-19 ሃገራትን ክለባትን ንመሰናኸሊ መጋጥምተን ይጥቀማሉ ከይህልዋ ስግኣት ሓዲሩ፡
From the publisher's feed

4 Listeners

10 Listeners

9 Listeners

111,800 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

3 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners