SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • "ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ምሉእ ትግራይ ተዋፊሩ ኣሎ: ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ቅልውላዋትን ኣጋዲዱ ስለዘሎ፥ ብህጹጽ ይውጻእ።" ክብል ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ጸዊዑ።

    ሰማዕቲና ሰማዕቲ ሬድዮ ኤስ ቢ ኤስ፡ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ኣሎ ኣርእስታቱ ድማ እዚ ዝስዕብዩ

    ኣብ መቐለ ምስ ዕጡቓት ኤርትራ ብዝተፈጥረ ምስሕሓብ ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም።

    ኤርትራዊ ናጽነት ፕሬስ ብምጉዕጻጽ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ።

    ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ፣ ኣብ ክልል ደቡብ ብዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ፣ ከም ዝተሰደዱን ትካላት ከም ዝነደዱን ተገሊጹ።

    ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሸዋ ብዝቐነየ ዓሌታዊ ግጭት ሕጹይ መረጻ ኢዜማ ተቐቲሉ።

    ትካል ዶብ ኣልቦ ሓካይም ካብ ዓዲግራት ናብ ኣክሱም ዝወስድ ጽርግያ ብምዕጻዉ ኣብ ኣክሱም ኦክስጅን ዝደልዩ ሕሙማት ክበጽሐሎም ከም ዝተጸገመ ገሊጹ።

     

    ንምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይከኣል’ዩ፡

    7 min
  • ዓለምና ምስ ኮሮናቫይረስ ከመይ ውዒላ፧

    ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ነቲ ኣብ’ታ ሃገር እናገደደ ዝኸደ ቅልውላው ኮቪድ-19 ንምምካት መዕጸውቲ ወይ ሎክዳውን እቲ ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ክኸውን ኣለዎ ኢሉ። ህንዲ ልዕሊ 200000 መልከፍታት ኣብ መዓልቲ’ያ ካብ ሚያዝያ 15 ጀሚራ መዓልታዊ ተመዝግብ ዘላ። 

    9 min
  • ኣገዲድካ ቁጽጽር ኣብ ሓዳር ኣብ ኣውስትራልያ ገበን ክቑጸር መጸዋዕታታት ይውስኹ (ምንባር ኣብ ኣውስትራልያ)

    ጎስጎስቲ ኣንጻር ዘቤታዊ ዓመጽ እቶም ኣብ ሓደ ዝምድና ኣካላዊ ጎነጽ ከጋጥም ምዃኑ ዘአንፍቱ ቀንዲ ኣመልከትቲ ዝኾኑ መጻምድትኻ ክትቆጻጸር ናይ ምድላይ ባህርያት ክቕጽዑ ወይ ገበን ክበሃሉ ይጽውዑ ኣለው። እንተኾነ ግን ሰራሕተኛታት ብዝሐባህላዊ ደገፍ ጋጋት ወይ ክፍተታት ኣብ ሕጋጋትን ኣገልግሎታትን ነቶም ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ቪዛታት ዘለው ግዳያት ዝኾኑ መጻእቲ የግድዖም ኣሎ ይብሉ።

    15 min
  • ሓይልታት ትግራይ ብሰለስተ ግንባራት ውግእ ይቕጽል ከም ዘሎን ነፋሪት ወቒዖም ከም ዘውደቑን ገሊጾም። (ካብ ጸብጻባት)

    ሰማዕትና ሰማዕቲ ሬድዮ ኤስ ቢ ኤስ፡ ሉኡኽና ካብ ኢትዮጵያ ዝለኣኸልና ሓጸርቲ ጸብጻባት ነዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ሒዙ ኣሎ፡ዝርዝሩ ናብ ጸብጻብ ልኡኽና ከብለኩም።

    ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኣምሓራ ዝወርድ መጥቃዕቲ ደው ክብል ዝጠልቡ ሰልፍታት ኣብ ክልል ኣምሓራ ተኻይዶም፣

    ማእሰርቲ ተጋሩ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ይቕጽል፣

    ሕብረት ኣውሮፓ ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ትግራይ ክተውጽእ ደጊሙ ይጽውዕ፣

    ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ብሰሉስን ረቡዕን ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ሰራዊት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን ክወጹ ሓቲቱ፣

    ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ዩኒሴፍ መጻኢ ዕድል ህጻናት ትግራይ ኣብ ዘጸግም ኩነታት ከይወድቕ ኣጠንቂቑ፣

    ዝብሉ እዮም ኣብዚ ክስማዕ ይከኣል’ዩ።

    8 min
  • “ኣብ ልዕሊ ኣቡነ እንጦንዮስ እተዋህበ ቅብኣ ንሃገርና ከም ሃገር ዘፍለጠን ልኡላዉነታ ክሕሎን ዝገበረን ፍሉይ ቅብኣ’ዩ።”

    ኣብዚ ቕነ፡ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኤርትራ፡ ሓሙሻይ ፓትርያርክ ከምዝሸይም መግለጺ ኣውጺኡ ቀኒዩ ኣሎ። እዚ ዝኸውን ዘሎ እቶም ሕጋዊ ሳልሳይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብህይወት ኣብ ማሕዩር ኣብዘለዉሉ ብምዃኑ፡ ብዙሓት መራሕቲን ምእመናን ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ኤርትራ ተቓዉሞኦም የስምዑ ኣለዉ። ብዛዕባዚ ጉዳይ ምስ ሊቀ ካህናት ቀሺ ተክለማርያም መርካጽዮንን ሊቀ ህሩያን ቀሺ ተኽለ ተፈሪን ዝገበርናዮ ዘተ ካልኣይን ናይ መወዳእታን  ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ።

    14 min
  • ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ዝኣተዎ ቃል ብዘይምኽባሩ ንፍሉይ ልኡኽ ባይደን ከምዘተሓሳሰቦ ገሊጹ። (ካብ ዜና)

    ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡

     

    ** ኣብ መንጎ ኣውስትራልያን ኒው ዚላንድን እተገብረ ካብ ውሸባ ናጻ ዝዀነ ጕዕዞ ፡ ንኽልቲአን ሃገራት ከም ዘርብሕ ተገሊጹ።

     

    ** ኣብ ከተማ ኣዲስ አበባ ናይ ቦምብ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ ክልተ ሰብ ቀቲሎም።

     

    ** ኣባል ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ክሪስ ኮንስ  ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ቃል ዝኣተዎ ብዘይምግባሩ ከምዝጎሃየ ገሊጹ።

    ** ደገፍቲ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ንፈለማ ግዜ ናብ ስታድዩም ዌምብሊ ናይ ሎንዶን ተመሊሶም።

     

    12 min
  • ዓለም ሎሚ ምስ ኮሮና ቫይረስ ከመይ ዊዒላ፧

    ህንዲ ፡ ብብዝሒ መልከፍቲ  ኮሮና ቫይረስ  ብዙሕ ዝርጋሐ ዘለዋ ሃገር ኮይና ዘላ ኮይና ፣  ፍልይ ዝበለ "ብድርብ ዝቕየር" ዓልየት ቫይረስውን ተወሪራ ዘላ ሃገር እያ።

     

    ሰብ መዚ ጥዕና ብሪጣንያ ነዚ ሓድሽ ዓልየት ቫይረስ ይመርምሩ ኣለዉ ፣ ኰይኑ ግና ፡ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ገና ብዙሕ ዘተሓሳስብ መርትዖ ከም ዘየለ ይዛረቡ እዮም ።....................... 

    6 min
  • ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ፕረዚደንታዊ ዙር ቱርኪ ሓምሻይ ብምውጻእ ዝነኣድ ውጽኢት ኣመዝጊቡ

    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (19/04/2021)

    * ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ ኢትዮጵያ ኣንጻር ደቡብ ሱዳናውያን መዛኑአን ክልተ ግዜ ገጢመን ብገፊሕ ተዓዊተን፡

    * ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽግለታ መርሃዊ ቅዱስ ኣብ ዙር ቱርኪ ዝነኣድ ሓምሻይ ተርታ ወጺኡ፡

    * ኣብ ነዘርላንድስ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ እግሪ ማራቶን ኤርትራዊ ጎይትኦም ክፍለ ሳልሳይ ብምውጻእ ነሓስ መዳልያ ተሰሊሙ፡

    * መርበብ ሓበሬታ ጋንታ ቅድድም ብሽግለታ ትሬክ-ሴጋፍሬዶ ንኣባል ጋንትኣ ዝኾነ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ኣማኑኤል ገ/ሄር ካብ ኤርትራ ናብ ኤውሮጳ ዝብል ዓምዲ ሂባ ንኣመጻጽእኡን በጺሕዎ ዘለዎ ደረጃን ዝድህስስ ዛንታ ኣብ ገጻታ ኣስፊራ፡

    13 min
  • “ኤርትራዊያን ወተሃደራት ንዉልቀ መላኺ መንግስቲ ኢሳያስ ኢልኩም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘይርሳዕ በደል ትፍጽሙ ኣለኹም።” ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል

    ናይቲ ካብ በረኻታት ትግራይ ምስ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ኤርትራን ሚልሺያ ኣምሓራን ዝዋጋእ ዘሎ መንግስቲ ክልል ትግራይ መራሒ ዶ/ር ደብረጽዮን ሎሚ ብተሌፎን ምስ ትግራይ መድያ ሃውስ ቃለ መሕትት ጌሩ ኣሎ። ንሱ  ህዝቢ ትግራይ “ንጸላእትኻ ደምሲስካ መሰል ዓርሰ ዉሳኔኻ ንምትግባር ታሪኽ ዓዲሉካ ኣሎ።” ብምባል ነቲ ዘይተርፍ ዓወት ዝበሎ ቃልሲ ትግራይ ንኽዕወት ዓቕሚ ዘለዎ ኩሉ ክኸትትን ዘየድሊ ሓበሬታ ከይዝርጋሕን ጸዊዑ።

    ሰራዊት ኤርትራ ክወጽእ እየ እንተበለኳ ከም ብሓድሽ ንወረራ ይዳሎ ከምዘሎ ብምግላጽ ዶ/ር ደብረጽዮን “እቲ ኣብ ትግራይ ዝረግፍ ዘሎ ሰራዊት ኤርትራ ንኸንቱ ዕላማ ምዃኑ ተረዲኡ፡ ንዳግማይ በደል ከይዳሎን ህዝቢን መንግስቲን ትግራይ ናብ ዝደለዮ ክሰዶ ከምዝኽእል” ብምፍላጥ ኢዱ ክህብ ጻዊዒት ኣቕሪቡ ኣሎ። እዚ ጸብጻብ ኣብ ትግራይ መዲያ ሃውስ ካብ ዝቐረበ ትሕዝቶ ከምዝኾነ ክንገልጽ ንፈቱ።

    3 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,800 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

0 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

0 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners