
Sign up to save your podcasts
Or


ሰማዕትና ሰማዕቲ ሬድዮ ኤስ ቢ ኤስ ል ኡኽና ካብ ኢትዮጵያ ሓጸርቲ ጸብጻባት ናይዚ መዓልቲ ሰዲዱልና ኣሎ ኣርእስቲ ጸብጻባት እዞም ዝስዕቡ’ዮም፡
ኢትዮ-ቴሌኮም ንምውናን ክጫረቱ ወጢኖም ካብ ዝነበሩ 12 ዓለምለኻዊውያን ኩባንያታት ብስግኣት ፀጥታ እቶም 10 መደቦም ከም ዝሰረዙ ተፈሊጡ።
እቲ ኩባንያ ልዕሊ 100 ዓመታት ኣብ ኢድ መንግስቲ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ሕጂ ብፍርቂ ናብ ውልቀ ክዛወር ተሓሲቡ ሓደ ዘቤታዊ ሓደ ናይ ወጻኢ ትካል ሰነድ ጨረታ ከም ዘእተዉ ተገሊጹ ኣሎ።
ካብ ስዑዲ ዓረብ ምስተመልሱ፣ ካብ ትግራይ ዝኸዱ፣ ኣብ ታሕተዋይ ጸፍሒ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ዝርከቡዎም ልዕሊ 700 ተጋሩ ኣብ ኣዲስ ተኣሲሮም ከም ዘለዉ ተሰሚዑ።
ኣብ ትግራይ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣብ ፀገማ ወዲቖም ዘለዉ ኤርትራውያን ናብ ውሑስ ክወጹን፣ ቀረባት ክወሃብን ዝጠልብ ሰልፊ ዜግነት ኤርትራን ኣሜሪካን ዘለወን ኤርትራውያን ደቂ ኣነስትዮ ኣካይደን።
ልዕሊ 100 ኣብ ዓቃቢ ሰላም ተዋፊሮም ዝነበሩ ተጋሩ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ዑቕባ ሓቲቶም።
ውግእ ኣብ ትግራይ ምስተጀመረ ተመምዮም ዝተረፉ ልዕሊ 20 ሽሕ ተጋሩ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ማእሰርቲ ከም ዘለዉ’ዩ ዝግለጽ።
ዝርዝር ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ክስማዕ ይከኣል’ዩ።
ኣብ ታዝማኒያ ፡ ማኪና እናዘወርካ ኣብ ተሌፎንካ ናይ ጂ.ፒ.ኤስ. ምርሒት ኣፕሊኬሽናት ምጥቃም ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ከም ዘቕጽዕ፡ ወይ ከኣ ኢድካ ካብ መስኮት ማኪናኻ ወጻኢ ምግባር ዘይሕጋዊ ምዃኑ ትፈልጥዶ ?
ኣብዚ ኩነታት ፡ ብዙሕ ዘይፍለጥ ናይ መንገዲ ሕጊታት ሒዝናልኩም ቀሪብና ኣለና ፡ እዚ ድማ ነቲ ናይ ኣውስትራሊያ ጽርግያታት ዝምልከት ሕጊ ንኸይትጥሕሱ ክሕግዘኩም እዩ ።
ካልእ ኣርእስቲ ጽብጻብ፥
ኣባል ፈጻሚት ስራሕ ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ሓይልታት ትግራይ ክልላውን ዓለምለኻዊን ዶባት ከይዓገቶም ጸላኢ ዘጥቅዑሉ ባይታ ከም ዘጣጥሑ ተዛሪቡ።
ኣብቲ ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ብተንቀሳቓሲ ምስሊ ዝሃቦ ቃለመሕትት ብዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያት ትግራይ ናብ ሜዳ ቃልሲ ይውሕዙ ከም ዘለዉን ህዝቢ ትግራይ መስዋእቲ እናኸፈለ ነቲ ቃልሲ የሐይሎ ከም ዘሎን ኣረዲኡ ኣሎ።
ሓላፊ ውዱብ ጥዕና ዓለም እቲ ኣብ ህንዲ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ዝኸውን ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ተፈጢሩ ኣሎ፡ ክብል ገሊጹ ።
ኣመሪካ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት ናይ ጥዕና ቀረብ ፡ ናብ ህንዲ ኣብዘቕርበሉ ዘሎ እዋን፡ ዉድብ ጥዕና ዓለም ፡ተወሳኺ ቀረብ ይልእኽ ኣሎ ።
ኣውስትራሊያ ውን ሓገዝ ትሰድድ ኣላ።
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (26/04/2021)
* ፕሪምየር ኒው ሳውዝ ዌልስ ኣውስትራልያውያን ብኣጋጣሚ ዝፍጠር ነጻ ናይ ውሸባ ኣገባብ ክጽበዩ ኣይክእሉን'ዮም ኢላ፡
* ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ'ዚ ሰሙን'ዚ ዘጋጠመ ግጭት ኣስታት 200 ሰባት መይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ተፈሊጡ፡
* ኤርትራዊት ተመራማሪት ስነፍልጠት ዶክተር ኣስመረት ኣሰፋው ዳይረክተር ሳይንስ ኣሜሪካ ክትከውን ብፕረዚደንት ጆ ባይደን ተሓጽያ፡
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (26/04/2021)
* ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ እግሪ 10 ኪሜ ኤይሲክስ ቢ ኣት ዮር ፐርሰናል ቤስት ኤርትራዊት ኣትሌት መቕደስ ወልዱ ተዓዊታ፡
* ኤርትራዊያንን ኢትዮጵያውያንን ተቐዳደምቲ ብሽግለታ ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ዝካየዱ ዘለው ዝተፈላለዩ ቅድድማት ብቕዓቶም ምምስካር ይቕጽልዎ፡
* ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኩዕሶ እግሪ ኤውሮጳሓንቲ ካብ’ተን ኣዝየን ፍሉያት ሰሙናት ኮይና ሓሊፋ። እተን ዝዓበያ ጋንታታት ኣብ’ቲ ኣህጉር ንግጥማት ዩኤፋ ቻምፒዮንስ ሊግ ገዲፈንኦ ወይ ጠንጢነንኦ ከይደን፡ ኣብ ውሽጢ ከባቢ 48 ሰዓታት ግን ተመሊሰን ጥራይ ዘይኮነ ተዋሪደንን ይቕሬታ ክሓታ ተገዲደንን፡ እቲ ፈተንአን ግን ኣብቂዑ ድዩ፧
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣውስትራሊያዊያን ኣብዚ ናይ ANZAC መዓልቲ ነቲ ኣውስትራሊያዊያን ሰብኡትን ኣንስትን ንዝኸፈልዎ መስዋእቲ ዘኪሮም ዊዒሎም።
እቲ ስነስርዓት ብዉሑድ ቁጽሪ እንተ ተፈጸመኳ፡ ፡ ካብት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ፡ ተሰሪዙን ተቐዪዱን ዝነበረ ዝኽሪ ናይ ሎሚ ዓመት ዝሓሸ እዩ ኔሩ።
ሓጸርቲ ጸብጻባት፥
ዕጡቓት መንግስትን ተቓወምቲን ሶማልያ ኣብ ሞቓድሾ ኣብ ዝዋግኡሉ ዕለት ፤ ሚንስትሪ ጉዳይ ወጻኢ እታ ሃገር ወረቐት ሓዱሽ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ከም ዝተቐበለ ይገልጽ።
12 ካብቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ውግእ ነፍሶም ንምድሓን ናብ ኬንያ ዝኣተዉ ሰባት 6 ኣዋርሕ ማእሰርትን ምጥራዝን ተበይኑሎም።
ሱዳን ብዘይቪዛ ንዝኣተወ ዜጋ ወጻኢ ናብ ካልእ ሃገር ዘውጽኦ ቪዛ ምዕዳል ደው ከም ዘበለት ኣፍሊጣ። ዝብሉ ሓጸርቲ ጸብጻባት ልኡኽና ክቐርብዩ።
ሰማዕትና ሓጸርቲ ጸብጻባት ካብ ል ኡኽና እዞም ዝስዕቡ ኣርእስቲታት ሒዙ ኣሎ፡
ኤርትራዊት ተመራማሪት ሳይንስ: ኣስመረት ኣስፋው ዳይረክተር ሳይንስ ኣሜሪካ ክኾነና ብፕረዚደንት ጆ ባይደን ተሓጽየን።
"ኣብ ትግራይ ጥሜት ከም መስርሕ ኩናት ኮይኑ : ኣብ መዓልቲ ካብ 50-100 ሰባት ብጥሜት ይሞቱ ኣለዉ " ዘ-ኢኮኖሚስት
ጅፍርይ ፊልትማን ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ተመዚዙ: ጎንጺ ኣብ ትግራይ፣ ቅልውላው ኢትዮጵያ፣ ወጥሪ ምስ ሱዳንን ውጥጥ ግድብ ህዳሴን ክፈትሕ እምነት ተነቢሩሉ።
ሕብረት ኣውሮፓ ንኤርትራ ክህቦ ዝሰልዖ 100 ሚልዮን ዩሮ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ትግራይ ንክብርታት እቲ ሕብረት ዝጻብኡ ገበናት ፈጺሙ ብዝብል ከደስክሎ ይሓስብ።
ናብ ዝርዝራቱ ኣብዚ ክስማዕ ይከኣልዩ።
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (22/04/2021)
* ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ሞሪሰን ንመደብ ዝርጋሐ ክታበት ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዘበራብረሉ ዘሎ እዋን ሃገራዊ ዝርጋሐ ምሃብ ክታበታት ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣውስትራልያ ክቀላጠፍ'ዩ።
* ኣሜሪካ ቀቅድሚ'ቲ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ዘኣንግዶ ምስላዊ/ብቪድዮ ዝካየድ ክሊማዊ ዋዕላ መራሕቲ ዓለም ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ዓለም ጸቕጢ ትገብር።
* ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሓደ ዕጡቕ ጉጅለ ንሓንቲ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኢትዮጵያ እትርከብ ወረዳ ከምዝተቖጻጸረት ገሊጹ።
From the publisher's feed

4 Listeners

10 Listeners

9 Listeners

111,800 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

3 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners