SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ጽሟቕ ጸብጻብ ናይ ኣውስትራሊያ ባጀት 2021

    ኣብዚ ሓዲሽ ኣዋጅ ባጀት፡ መንግስቲ ኣውስትራሊያ ካብ ትጽቢት ንላዕሊ ገንዘብ ሒዙ ከምዘሎ ዘንጸባርቕ ምዃኑ ዘመላኸተ: ካብ መብዛሕትኡ ናይ ጥምረት መንግስቲ ባጀት ፍልይ ዝበለ ባጀት  ከውጽእ ትረዠረር ጆሽ ፍሪደንበርግ  ፈቒዱሉ ኣሎ ።

    10 min
  • "እቲ ንገብሮ ሰልፊ፡ ነቶም ሏኣላውነትና ክደፍሩ ወጥምውጥም ዝብሉ መራሕቲ ኢትዮጵያ'ውን መልእኽቲ ንምምሕልላፍ'ዩ።"

    ግሎባል ይኣክል ዘበገሶ ኣብዝተፈላለዩ ሃገራት ናይ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራዊያን ኣብ ዕለት 21 ግንቦት ሰላማዊ ሰልፊ ክገብሩ'ዮም። እቲ ሰልፊ ንምንታይ ዕላማ ከምትወደበ ካብ ኣወሃሃድቲ ኣቶ ያቆብ ገብረትንሳኤንን ን ኣቶ ተመስገን ዓንደሚካኤልን ኣዘራሪብናዮም ኣለና።

    19 min
  • ዕለታዊ ዜና 10 ግንቦት 2021 SBS ትግርኛ

    ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡

     

    ** ፈደራላዊ ባጀት ፡ ብውሑዱ 5 ቢልዮን ዶላር ወጻኢታት ንምምዕባል ትሕተ ቕርጺ ክምድብዩ።

    ** ኣብ መንጎ ሓይሊታት ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ምስ ወተሃደራት ኤርትራ ኲናት ይቕጽል፥  ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ረድኤት ተገቲኡ ከምዘሎ ተገሊጹ።

    ** መንግስቲ ኣውስትራሊያ ስደተኛታት ንምእታው ነቲ ናይ ካናዳ ሞዴል ክኽተል ከምዝደሊ ተገሊጹ።

     
    14 min
  • ኣብ ዙር ሩዋንዳ ብብቕዓቱ ተጠማቲ ኮይኑ ዝወጸ መንእሰይ ናሆም ዘርኣይ ኣብ መወዳእታ መድረኽ ኣብ ፖድየም ተሰቒሉ

    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (10/05/2021)

    * ኣብ ፖርቱጋል ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ እግሪ 10000 ሜ ኢትዮጵያዊት ጉዳፍ ጸጋይ ዝድነቕ ግዜ ብምምዝጋብ ተዓዊታ፡

    * ዙር ሩዋንዳ ኣብ ዝተዛዘመሉን ጂሮ ድ’ኢታልያ ኣብ ዝተጀመረሉን ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብብዝሒ ዝሳተፍሎም መድረኻት ኮይኖም፡

    * ኤርትራ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዓለም ጎሊሓ ትረአ ሓያል ትኸውን ኣላ ክብል ሓደ ፍሉጥ መርበብ ሓበሬታ ዘይዘተዘርበሎም ጀጋኑ ዙር ኢጣልያ ኣብ ዝብል ንኣማኑኤል ገ/ሄር መጻኢ ኣብ ሓፈሻዊ ምድባት ክወዳደር ዝኽእል ተውህቦ ዘለዎ ተቐዳዳማይ ብምባል ሓደ ዓምዲ ኣውጺኡ፡

    * ሓንቲ ኣውስትራልያዊት ኮኾብ ኩዕሶ ሰኪዐት ኮሚተ ኦሎምፒክስ ኣውስትራልያ ኣብ ስእልታት ናይ’ታ ናብ ኦሎምፒክ ትገይሽ ሃገራዊት ጋንታ ጸዓዱ ዝዓብለልዎ ብምግባሩ እዚ ተርእዮ እንተዘይተቐይሩ ናብ ኦሎምፒክስ ቶክዮ ከይትኸይድ ከምእትኽእል ኣጠንቂቓ 

    12 min
  • ዓለም ሎሚ ምስ ኮሮና ቫይረስ ከመይ ዊዒላ፧

    ኣብ ህንዲ፥ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዝሒ መልከፍትን ሞትን ኣብ ዘስዕበሉ ዘሎ እዋን ብደረጃ ሃገር ዕጽዋ ክካየድ ጻውዒታት ቀሪቡ።

     

    እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ስጳኛ ዝርከባ ኣብያተ-መግቢ ድሕሪ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናይ ቫይረስ ቀይድታት ፡ ኮፍ መበሊ ዘለዎ ምምጋብ እንደገና ክኽፈታ ተፈቒዱለን ።

    7 min
  • ፎረም ውድባት ትግራይ ህወሓት ኣብ መዝገብ ግብረሽበራ ክሰፍር ንዝተወሰነ ውሳኔ ጉልባብ ምጽናት ዓሌት እዩ ብምባል ተቓዊሞም።

    ኣርእስቲ ጸብጻብ፥

    ኣመንቲ እስልምና ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስቀል ኣደባባይ ስነስርዓት ምፍጣር ከየካዱ ስለዝተኸልከሉ ምስ ሓይልታት ፀጥታ ተራጺሞም። ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ቤተመንግስቲ እታ ሃገር ንስደተኛታት ሶርያ ዓዲሙ ኣብ ዘፍጠረሉ ቅንያት ዩ እዚ ረጽሚ ኣጋጢሙ ዘሎ።

    ኣብ ትግራይ ዘለዉ ስደተኛታት ዳግም ንምጥያስ ኣጸጋሚ ከም ዝኾነ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

    ኢትዮጵያ ካብ ፍርያት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ክትረኽቦ ዝሓሰበቶ ኣታዊ ሰደድ ወጻኢ ብከቢድ ከም ንዝተሃስየ ገሊጻ።

    6 min
  • “ምግማቱ ዘየሸግር ብዙሕ ቁጽሪ ኤርትራዊ ኣብዚ ኲናት ሃሊቑ ኣሎ።” ፕሮ/ ዓወት ተወልደ

    ካልኣይ ክፋል ቃለ መሕትት ምስ ፕሮ/ ዓወት ተወልደ ወልደሚካኤል

    ፕሮፌሶር ዓወት ተወልደ ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኲንስ ተመራማሪ ታሪኽ ኣፍሪቃ’ዩ፣ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ኲናትን ዝስዕብ ዘሎ ፖለቲካዊን ወተሃደራዊ ቅልውላው ናይቲ ዞባን ክንይኡን ትንታነ ሂቡ ኣሎ፡ ቀዳማይ ክፋሉ ቀሪቡ ኣሎ ካልኣይ ክፋሉ ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ክቐርብ እዩ።

    21 min
  • ንኤርትራውያን ን30 ዓመት ከውርደሎም ዝጸንሐ ግፍዕታት ኣብ ትግራይ ኣብ ትሕቲ 6 ወርሒ ብምፍጻም ንዓለም ኣርእይዋ - ሜሮን እስቲፋኖስ
    ኤስቢኤስ ትግርኛ ቃለመሕትት ምስ ጋዜጠኛታት ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላትን ስደተኛታትን ብዛዕባ ምዕባለታት ኣብ ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ መደበር ቴሌቪዥን ፒቢስ መደብ ፍሮንትላይን ዝቐረበት 'Escaping Eritrea' ዘርእስታ መጽናዕታዊት ፊልምን * ከም’ዚ ዓይነት ብምስሊ ዝቐርብ ዶክዩመንታሪ ነቶም ኣይግበርን’ዩ ኢሎም ዝምሕሉ ዝጥሕሉ ሓደ ዓቢይ ትምህርቲ’ዩ፡* እቶም ካሜራ ሓቢኦም ኣብ ኤርትራ ነቲ ኩሉ ዓመጻት ክቕረጽ ዝገበሩን ኣብ'ታ ፊልም ዝተሳተፋ ከም በዓል ሃና ጴጥሮስ ሰለሙን ዝኣመሰላን ኩላቶም ተባዓት ኤርትራውያን እዮም፡* ሳላ’ዛ መጽናዕታዊት ፊልም እቶም ኣብ ደገ ዝተወልዱ እቲ ብዕላል ጥራይ ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ከምዚ ኢና ንሕና ኢሎም ክስምብዱ፡ እቶም ብስቕታ ወይ ብሰላሕታ ጥራይ ዝዛረቡ ዝነበሩ ኸኣ ብዓውታ ክዛረቡ ክኢሎም’ዮም፡* እቲ ኩሉ ብፍልይቲ ኣማኻሪት ው. ሕ. ሃ. ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ይኹን ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዝጸሓፍን ዝወጽእን ዝነበረ ጸብጻባት ብጻዕሪን ድኻምን ኤርትራውያን ዝመጸ’ዩ፡* መንግስቲ ስርዓት ህግደፍ ንኤርትራውያን ኣብ ሰላሳ ዓመት ክገብሮም ዝጸንሐ ኣብ ትግራይ ኣትዮም ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ ንዓለም ኣርእዮማ፡* በቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ንጉዳያት ኤርትራ ዝቐረበ ጸብጻብ ዘይኮነ ብሰንኪ’ዚ ኣብ ትግራይ ዝወረደ ግፍዕታት እዩ ዓለምና ንስርዓት ህግደፍ ክትጻወረሉ ኣብ ዘይትኽእል ደረጃ ዝበጽሐት፡* ኲናት ትግራይ ጸሊኦም ወይ ተቓዊሞም ዝሃድሙን ናብ ጎረቤት ሃገራት ዝወጹን ብዙሕ ዝቑጽሮም ወተሃደራት ኤርትራ ኣለው፡ ጸብጻባት ብዛዕብኦምን ብዛዕባ’ቶም ዝተመዛበሉ ስደተኛታትን ይዳሎ ኣሎ፡* ገሊኦም ወተሃደራት ኤርትራ ‘ንሕና ነዚኦም ሰባት ካብ’ቶም መዓስከራት ሒዝኩም ኣምጽእዎም ተባሂልና ስም ዝርዝር ተዋሂብና ኬድና ሒዝናዮም፡ ንኤርትራ ይኹን ናብ ካልእ ናበይ ወሲዶሞም ግን ኣይተሓበረናን፡ ንኤርትራ ተጻዒኖም ክኸዱ ጥራይ ኢና ርኢና’ ይብሉ፡* መዓስከራት ሽመልባን ሕጻጽን ተቓጺለን ዓንየን’የን፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ የለዋን፡* መንግስቲ ኤርትራ ካብ መዓስከራት ዝወሰዶም ሰባት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኮይኖም ንኣብነት ኣብ ምቅዋም ኣንጻር መንግስትን ኣብ’ቲ መዓስከር ዝህልው ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ተሳትፎ ዝነበሮምን እዮም፡* ዝበዝሑ ናብ ኤርትራ ዝኣተዉ ቆልዑን ኣንስትን ዝሓዙ ስድራታት ጥሜት ምስ በዝሖምን መራኸቢታት ምስ ሰኣኑን ብዓቕሊ ጽበት ድላዮም ይግበሩና ኢሎም ብእግሮም ዝኸዱ’ዮም፡* ኣብ ክንዲ ሓደ ሰብ ንሓገዝ ኢሉ ሓንሳብ ጥራይ 50 ቅርሺ ዘዋጽእ ምስ ሓንቲ ዝተጸገመት ስድራ ኣራኺብና ወርሓዊ ዝከኣሎም ክሕግዝዎም ንገብር፡* ኤርትራዊ ኣብ ኩሉ ዘለዎ፡ ኣብ ሊብያ፡ ኣብ ሱዳን፡ ሕማቕ’ዩ ዘሎ፡ እቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለው ኸኣ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ስለዘለው ህጹጽ ሓገዝ የድልዮም’ዩ፡
    26 min
  • “ኣብ ትግራይ ዘሎ ዉግእ ሓድሕድ ብገለ እንተተወዲኡ፡ ኢትዮጵያ ምስ ሱዳን ዘለዋ ረጽሚ ክገድድ ኢኻ ትጽበዮ።” ፕሮ/ ዓወት ተወልደ

    ፕሮፌሶር ዓወት ተወልደ ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኲንስ ተመራማሪ ታሪኽ ኣፍሪቃ’ዩ፣ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ኲናትን ዝስዕብ ዘሎ ፖለቲካዊን ወተሃደራዊ ቅልውላው ናይቲ ዞባን ክንይ ኡን ትንታነ ሂቡ ኣሎ፡ ቀዳማይ ክፋሉ ቀሪቡ ኣሎ ካልኣይ ክፋሉ ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ክቐርብ እዩ።

    27 min
  • መደብ ፍሮንትላይን ፒቢኤስ ሕሱም ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዝሰነደት ፊልም ኣቕሪባ; ሲድኒ ቀይድታት ኮቪድ ተተኣታቱ

    ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (06/05/2021) 

    * ቻይና ኩሎም አብ ትሕቲ ሓደ ቁልፊ ዝኾነ ዋዕላ ቁጠባ ዝስርዑ ርክባታ ምስ አውስትራልያ ብወግዒ አወንዚፋቶም።

    * መንግስቲ ኒውሳውዝ ዌልስ ክልተ ኣወንታዊ ህላወታት ኮቪድ19 ድሕሪ ምምዝጋቦም ካብ ሎሚ ምሸት ኣትሒዙ ኣብ ዓባይ ሲድኒ ቀይድታት ኮሮናቫይረስ የተኣታቱ።

    * ሓደ ኣውስትራልያዊ ዜጋ ሕጋውነት ናይ'ቲ ፈደራል መንግስቲ ኣውስትራልያ ዝወሰዶ ካብ ህንዲ ዝመጹ በረራታት ንግዚኡ ናይ ምእጋድ ውሳነ ኣብ ቤት ፍርዲ ንምብዳህ መደብ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።

    * መደበር ቴሌቪዥን ፒቢኤስ ናይ አሜሪካ እታ ንነዊሕ ከወዓውዓላ ዝጸንሐ ንኩነታት ሰብአዊ መሰላት አብ ኤርትራ አጉሊሓ ተርኢ መጽናዕታዊት ፊልም አቅሪቡ።
    9 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,800 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

0 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

0 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners