
Sign up to save your podcasts
Or


ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ግረይስ ቴም ኣውስትራልያዊት ናይ’ዚ ዓመት/ኣውስትራልያን ኦፍ ዘ ዪር ተባሂላ ድሕሪ ምስያማን ኣባል ሰራሕተኛ ሰልፊ ሊበራል ዝነበረት ብሪታኒ ሂጊንስ ኣብ ቤተ መንግስቲ ወይ ፓርላመንት ሃውስ እናሰርሐት እንከላ ኣጋጢሙኒ ዝበለቶ ጾታዊ ዓመጽ ብቓልዕ ድሕሪ ምዝራባ ሓድሽ ኣትኩሮ ኣብ ልዕሊ ጾታዊ በደል ወይ ዓመጽ ፈጢሩ ቀንዩ። እንተኾነ ግን ካብ ሓሙሽተ ደቀንስትዮ ሓንቲን ካብ 20 ደቂተባዕትዮ ሓደን ኣብ ኣውስትራልያ ጾታዊ በደል/ዓመጽ ኣጋጢምዎም ወይ ካብ 15 ዓመት ዕድሚኦም ምፍርራሕ ኣጋጢምዎም፡ ዝበዝሑ [87%] በደላት ናብ ፖሊስ ኣይተጠርዑን ወይ ኣይቀረቡን፡ ካብኦም ዝወሓዱ ከኣ ናብ ገበናዊ ፍርዲ ይበጽሑ። ውጻእ መዓት’ዞም ዓመጻት ዝኾኑ ሰባት ንምንታይ’ዮም ፍትሒ ከይረኽቡ ብዙሓት መሰናኽላት ዝገጥምዎምን ነዚ ንምምሕያሽ እንታይ ክግበር ይከኣልን እዚ ጸብጻብ ክምልከት’ዩ።
ሓጸርቲ ጸብጻባት፥
ፕረሲደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ብዛዕባ ጉዳይ ቅልውላው ትግራይ ዝርከቦ ምስ መራሒ ሕቡራት ዓረብ ኢመረት ዘትዩ።
ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ሱዳን ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ግብጺን ዑደት ይገብር ኣሎ።
ሩሲያ ኣብ ምብራቓዊ ሱዳን ንዝህነጽ መዓስከር ሰራዊት ብዝብል ዘእተወቶ ናውቲ ከተውጽእ ሱዳን ሓቲታት።
ሱዳን እቲ ግድብ ህዳሰ ዝስረሓሉ ዘሎ ክልል ቤን ሻንጉል ግዝ ኣተይ’ዩ ምባላ ቅኑዕ ኣይኮነን ክብል ኣፈኛ ሚ/ሪ ወጻኢ ኢትዮጵያ ገሊጹ።
ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሱዳን ምብጻሕ ጌሩ።
ኢትዮጵያ ሓዲሽ ምልክትን ኣልባሳትን ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪቓ።
ሚ/ሪ ሕርሻ ኤርትራ ምሩጽ ዘርኢ ንሓረስቶት ዓዲሉ።
ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝግበር ምርጫ ሉኡኽ ከምዘይሰድድ ኣፍሊጡ።
ነበር ኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ሞይቱ።
ናይ ኣውስትራሊያ መንግስቲ ብዘይኽፍሊት ብናጻ ናይ እንግሊዝኛ ትምህርቲ ምስ ዓቕሚ ሞያ ምጥያስ ኣወሃሂዱ ብምሃብ፡ ሓደሽቲ ተሰደድቲ ትርጉም ብዘለዎ መንገዲ ኣብ ኣውስትራሊያ ናብራ ህይወቶም ክሳተፉ የግብር ። ኣብዚ እዋን እዚ ምምሕያሽ ብዝተገብረሉ ስርዓት ብዙሓት ስደተኛታት ንንውሕ ዝበለ ግዜ ናይ እንግሊዝኛ ትምህርቲ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም ።
ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ’ዚ ኣብ ኣውስትራልያ ፍሉይ መደብ ናይ ሓባር ኢፍጣር ብማሕበረሰብ ጀበርቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዝተዳለወ ተኻይዱ ኔሩ። ኣብ’ቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ኮሊንግዉድ ዝተኻየደ ስነስርዓት መራሕቲ ማሕበረሰብን ዕዱማት ኣጋይሽን ዝተረኽብሉ ኔሩ፡ ገለ ካብ'ቲ ጦብላሕታቱ አብ'ዚ ቁንጭል አቢልና ነቅርበልኩም።
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (03/05/2021)
* ኣብ ኢትዮጵያ መጻረዪ ውድድራት ጉያ እግሪ ማራቶን ንኦሎምፒክስ ቶክዮ 2021 ተኻይዶም ሹራ ኪታታን ትዕግስት ግርማን ተዓዊቶም፡ ቀነኒሳ ኣይተሳተፈን፡ ክምረጽ ድዩ ኣይኮነን ከኣ ርግጽ ኣይኮነን፡
* ኣብ ዙር ሮማንዲን ቩወልታ ኣስቱሪያን ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ተቐዳደምቲ ተሳቲፎም፡ ዙር ሩዋንዳ 2021 ከኣ ሰንበት ተጀሚሩ፡ ኮሎምቢያውያን ተቐዳደመቲ ይዕብልልዎ፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ማእከላይ ውጽኢት ኣመዝጊቦም፡
* ወርሒ ረመዳንን ጸይሞም ኣብ ግጥማት ስፖርት ዝሳተፉ ከዋኽብቲ ተጻወቲ ኩ’እግርን ኩ’ሰኪዐትን ቆላሕታ ዓለም ስሒቦም ቀንዮም፡ ሓለፍቲ ኩ’እግሪ ተጻወቲ ኣብ መንጎ ግጥም ጾሞም ክፈትሑ ወይ ክስዕሩ ድሕሪ ደጊም ክፍቀደሎም’ዩ ኢሎም
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (03/05/2021)
* መንግስቲ ኣውስትራልያ ኣንቢርዎ ዘሎ እገዳ ኣብ ልዕሊ’ቶም ካብ ህንዲ ናብ ኣውስትራልያ ዝመጹ ሰባት ክትግበር ጀሚሩ
* ካብ ሎሚ ጀሚሩ ነብሲ ወከፍ ኣውስትራልያዊ ልዕሊ 50 ዝዕድሚኦም ክታበት ኣስትራዘነካ ክወሃቡ ክኽእሉ’ዮም
* መንግስታዊ ቴሌቪዥን ኢራን ዓባይ ብሪጣንያ ነታ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘላ ኢራናዊት ብሪጣንያዊት ጓለንስተይቲ ከተፍትሕ ልዕሊ 700 ሚልዮን ዶላር ክትከፍል’ያ ኢላ
* ኣብ ትግራይ ነባሪ ሰላም ንምስፋን፡ ብፍላይ ኣብ ምብጻሕ ሰብኣዊ ረዲኤታዊ ሓገዝ፡ ብዙሕ ምዕባለ’ኳ እንተተመዝገበ፡ ገለ ብድሆታት ገና ይተርፉና ክብል ሚኒስተር መንግስቲ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ገሊጹ
ብተወሳኺ፥
ባይቶ ሚኒስትራት ኢትዮጵያ ህወሓትን ሸኔን ኣብ መዝገብ ግብረራዕዲ ክሰፍሩ እማመ ኣውጺኡ። ተንታኒ ፖለቲካ ኣወል ቃሲም ብወገኑ "ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ንሸኔን ህወሓትን ኣብ መዝገብ ግብረራዕዲ ክሰፍሩ ዘውጽኦ እማመ ፖለቲካዊ ፀገም ብኩናትን ግጭትን ክቕጽል ዘለዎ ድሌት ብንጹር ዘርኢ እዩ። " ብምባል ተቓዊምዎ።
ቆሞስ ኣባ ዮሃንስ ከበደ ካብ ሃመረ ኖህ ናይ ትግራይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኪዳነ ምህረትን፡ ቀሺ ገብረብርሃን ፍስሃ ካብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ቅድስቲ ማርያም ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ።
ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡
** ኣብዚ ሰሙን እዚ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ክታበታት ኮቪድ-19 እኳ እንተተኸትቡ ፡ ናይ ኣውስትራሊያ ናይ ክታበት መስርሕ ግን ኣብ ድሕሪት ከምዝርከብ ተገሊጹ።
** ኣብ ሕንዲ መዓልታዊ ብሰንኪ ኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት 360,000 በጺሖምን መዓልታዊ ብቫይረስኮሮና ዝሞቱ ድማ 200,000 ሓሊፎም ።
** ኢትዮጵያ: ሰራዊት ኤርትራ ዝዓጸውዎ መገዲ ዓዲግራት - ዓድዋ - ኣክሱም ክኸፍቱላ ንኣዘዝቶም ሓቲታ መልሲ ትጽበ ኣላ” ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ዮሃንስ ገ/መስቀል
ኣብዚ ቅሩብ እዋን ኤርትራዊያን ነበርቲ ኣውስትራሊያ መዓልቲ እሱራት ዘኪሮም ዊዒሎም ኔሮም፡ ኣብዝመጽእ ወርሒ’ውን በዓል ናጽነት ኤርትራ ንምኽባር ይሸባሸቡ ኣለዉ፡ ኣብ ኣበዓዕላ ሃገራዊ በዓላትን ዘሎ ፍልልያትን ምስ ኣቶ ብርሃነ መሓሪ ካብ ከተማ ብርዝበን ከም ኡውን ምስ ኡስታዝ ሑሴን ዓብደልዋስዕ ካብ መልበርን ዘተ ኣካይድና ኣለና፡ ኣብዚ ክስማዕ ይከኣል’ዩ።
From the publisher's feed

4 Listeners

10 Listeners

9 Listeners

111,767 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

3 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners