
Sign up to save your podcasts
Or


ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡
** ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ሞሪሰን ፡ ብዛዕባ ምኽፋት ዓለምለኻዊ ዶባት ዝምልከት ንዚግበርረሉ ዘሎ ሓያል ጸቕጢ ይቃወሞ
** ተወሰኽቲ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ካብ ዞባ ቤኒሻንጉል-ጉሙዝ ናብ ሱዳን ኣትዮም።
** ነፈርቲ ውግእ እስራኤል ፡ ኣብ ሓያሎ ቦታታት ከተማ ጋዛ ፡ ብደብዳብ ኣናዊጸናኦ።
ሓጸርቲ ጸብጻባት፥
መንግስቲ ኢትዮጵያ 'ሸኔ' ብዝብል ኣብ መዝገብ ፈጣሪ ራዕዲ ኣእትየዮ ዝበሎ ንርእሱ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ዝሰሚ ዕጡቕ ሰለስተ ቻይናውያን ከም ዝዓገተ የፍልጥ።
እዚ ፍጻመ ኣብ ጽባሕ ቻይና ንሰራዊት ኢትዮጵያ ክታበት ኮቪድ 19ን ገንዘብን ሓጊዘ ዝበለትሉ እዋን ዩ።
ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍሪ ፊልትማን ንኮሚቴ ሰነት ርክባት ወጻኢ ኣሜሪካ መብርሂ ክህቡ እዮም። ወከልቲ ኮንግረስ ኣሜሪካ ኣባላት ሰልፍታት ዴሞክራትን ሪፖብሊካንን ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ መሰል ዝገሃሱ ኣካላት ማዕቀብ ክግበር ቀዳማይ ውራይ ገይሮም ከም ዝሓተቱ ተፈሊጡ ኣሎ።
ብሰንኪ ሓዱሽ ዝተወልዐ ጎንጺ
ዋሕዚ ስደተኛታት ካብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ናብ ሱዳን ይቕጽል ኣሎ ተባሂሉ።
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (17/05/2021)
* ኩባንያ ነዳዲ ቶታል ዝምውሎ ግጥማት ደቀንስትዮ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ሞሮኮ 2022 መጻረዪ ግጥማት ዘካይዳ ሃገራት መጋጥምተን ፈሊጠን፡ ኤርትራ ኣንጻር ቡሩንዲ ኢትዮጵያ ኸኣ ኣንጻር ኡጋንዳ ኣብ ቀዳማይ ዙር ክገጥማ’የን፡
* ቅድድም ብሽግለታ ዙር ኢጣልያ (ጂሮ ድ’ኢታልያ) ብመሪሕነት ኮሎምቢያዊ ኢጋል በርናል ታሽዓይ መድረኹ ብምክያድ ይቕጽል ኣሎ፡ ሰለስተ ኤርትራዊያን ተቐዳደምቲ ዘዕግብ ውጽኢት እናመዝገቡ ገና መኸተኦም ይቕጽሉ’ለው፡
* ንጋንታ ስደተኛታት ኦሎምፒክስ ወኪሉ ዝወዳደር ኤርትራዊ ብሉጽ ግዜ ንመሕለፊ ኦሎምፒክስ ቶክዮ ድሕሪ ምርካቡ ኣብ ቶክዮ ኣብ’ቲ ውድድራት ኦሎምፒክስ ዝካየደሉ ቦታ ብምኻድ ምድላዋቱ የሳልጥ፡
* ኣብ ጉያ እግሪ ዲባባ ዝብል ስም ነተን ብፍጥነተን ቀዳሞት ዝኾና ስድራ የመልክት ዝብሉ ገለ ካብ’ቶም ኣርእስታት ዝሓዘ መደብ ኣለና። ክትከታተሉና ንዕድም።
ኣብ ህንዲ ከም መቐጸልታ ዘቐነየ ብዝሒ መልከፍቲን ሞትን፡ ልዕሊ 300,000 ዝዀኑ ሰባት ብኮሮና ቫይረስ ከም ከምተለኽፉን ልዕሊ 4,000 ከም ዝሞቱን ፡እንተኾነ ኣብ ሓያሎ ክፋላት እታ ሃገር ብሰንኪ ዋሕዲ መጠን መርመራ፡ እቲ ቝጽሪ ካብቲ ዝግለጽ ኣዝዩ ከም ዝዓቢ እዮም ክኢላታት ጥዕና ዝገልጹ ።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ገለ ሃገራት ኣውሮጳዊ ኅብረት ንበጻሕቲ ሃገር ዝኸውን ዶባት ዳግማይ ከፊተን ኣለዋ ።
ሓጸርቲ ጸብጻባት፥
ኣብ ምልእ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ፖለቲካውን ዓሌታውን ፍልልያት ኣዝዩ ከምዘተሓሳስቦ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ገሊጹ።
ሕብረት አውሮጳ ኣብ ክልል ትግራይ ናይ ሰብኣዊ ረዲኤት ከም መሳርሒ ኲናት ምጥቃም ደው ከብል ጸዊዑ።
ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ንዘይተፈልጠ ዕለት ተናዊሑ።
ኣርእስታት ዜና...
* * ኣውስትራሊያ 25 ሚልዮን ዶስ ናይ ሞደርና ዶስ ክታበት ክትዕድግ ወዲኣ...
* * ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ወተሃደራት ሓማስን ዝካየድ ዘሎ ግጭት በርቲዕሉ ዘሎ እዋን ናብ ምሉእ ኲናት ከይዓርግ ተሰጊኡ
* * ዩዌሪ ሙሴ ቬኒ ንሻድሻይ እዋን ፕረሲደንት ክከውን ቃል ማሕላ ፈጺሙ።
ሓጸርቲ ጸብጻብ፥
መበል 1442 በዓል ዒድ ኣልፈጥር ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ይኽበር ኣሎ።
ሂዩውማን ራይትስ ዎች ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ኣብዚ ሰሙን ንጅምላዊ ህልቂት ሰላማውያን ኣብ ኣክሱም ዝሽፍን ጸብጻብ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸሙ ገበናት ብዓለምለኻዊ መርመርቲ ክጻረዩ ከም ዝግባእ ዘርኢ እዩ ኢሉ።
ኣብ ክልል ኦሮምያ ከተማ ደምቢደሎ ሓይልታት ፀጥታ ንህዝቢ ኣኪቦም ንሓደ መንእሰይ በዘይፍርዲ ኣብ ኣደባባይ ከም ዝረሸኑ መሰኻኽር ዓይኒ ተዛሪቦም።
ውድብ ምግቢ ዓለም ብሱዳን ልዕሊ 500 መግቢ ዝጸዓና መካይን ናብ ትግራይ ከም ዘእተወ ገሊጹ።
ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ሕጂ ውን መገዲ ይዓጽዉ፣ ግፍዕታት ይፍጽሙ ከም ዘለዉ ሲኤንኤን ካብቲ ቦታ ጸብጺቡ።
ንኹሎም ኣመንቲ እስልምና ዒድ ሙባረክ እናበልና፡ ብምኽንያት እዚ በዓል ምስ ድምጻዊ ስዒድ ዓብደላ ዝገበርናዮ ዕላል።
ኣብ መንጎ እስራኤልን ዕጡቓት ሓማስን ግጭት ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን፡ እስራኤላዊያንን ፍልስጢኤማዊያንን ከምዝሞቱ ተገሊጹ ኣሎ። እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ጋዛ ብዝፍጸመቶ ደብዳብ ነፈርቲ ብርክት ዝበሉ ኣዘዝቲ ሓማስ ምሟቶምውን ተገሊጹ ኣሎ።።
ሃገራዊ ድሕነት እስራኤል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሓላፊ ምህንድስናን ሓላፊ ናይ ሳይበርን ምምዕባል ሮኬት ዝርከብዎም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓማስ ተቐቲሎም ኣለው ኢሉ።
ሓማስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ድማ ኣብ ከተማ ጋዛ መራሒ ወታሃደራዊ ስርሒት ባሰም ዒሳን ካልኦት ላዕለዎት ወታሃደራዊ ሰበስልጣንን በቲ መጥቓዕቲ ከምዝተቐትሉ ኣፍሊጡ።
ሚኒስትር ጥዕና ጋዛ ከምዝገለጾ ድማ ወታሃደራዊ ሓይልታት እስራኤል ዒላማታት ናይ ሮኬት መወንጨፊ ቦታታት፣ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ጽሕፈት ስለያን መንበሪ ገዛውቲ መራሕቲ ሓማስን ደብዳብ ነፈርቲ ብምግባር ኣብ ጋዛ 13 ህጻናት ዝርከብዎም ብውሑዱ 48 ፍልስጤማዊያን ክሞቱ ከለዉ ኣስታት300 ካልኦት ሰባት እውን ቆሲሎም ኣለው።
እዚ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብዛዕባ ዝኸይድ ዘሎ ዕግርግር ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዕጽው ኣኼባ ክዘራረብ መደብ ሒዙ ኣሎ። ብዙሓት ሃገራት እቲ ዕግርግር ደው ክብል ይጽውዓ ኣለዋ።
ኣብ እስራኤል ብዙሓት ኤርትራዊያን ስደተኛታት ከምዘለዉ ዝፍለጥ’ዩ፡ እዚ ኩነታት ነቶም ስደተኛታት ብኸመይ ይጸልዎም ኣሎን ሓፈሻዊ ኩነታቶም ንምፍላጥ፡ ኣብከባቢቲ ኩነታት ዝካየደሉ ኣብ ከተማ ራምለ ዝነብር ኣቶ ተመስገን ሰመረ መብርሂ ሓቲትናዮ ኣለና ኣብዚ ምስማዕ ይከኣል’ዩ።
From the publisher's feed

4 Listeners

10 Listeners

9 Listeners

111,800 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

3 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners