
Sign up to save your podcasts
Or


ኣብዚ ቕነ፡ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኤርትራ፡ ሓሙሻይ ፓትርያርክ ከምዝሸይም መግለጺ ኣውጺኡ ቀኒዩ ኣሎ። እዚ ዝኸውን ዘሎ እቶም ሕጋዊ ሳልሳይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብህይወት ኣብ ማሕዩር ኣብዘለዉሉ ብምዃኑ፡ ብዙሓት መራሕቲን ምእመናን ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ኤርትራ ተቓዉሞኦም የስምዑ ኣለዉ። ንሎሚ ብዛዕባዚ ጉዳይ ንሊቀ ካህናት ቀሺ ተክለማርያም መርካጽዮንን ሊቀ ህሩያን ቀሺ ተኽለ ተፈሪን ኣዛሪብናዮም ኣለና። ኣብዚ ክስማዕ ይከኣል’ዩ። ካልኣይ ክፋሉ ኣብዝቕጽል ክቐርብ እዩ።
መመረቅታ መጽሓፍ 'A Home for the diaspora: From the Horn of Africa to Melbourne’s Public Housing' ኣብ'ዚ ቀረባ እዋን አብ ከተማ መልበርን ተኻይዱ። እታ መጽሓፍ ብዛዕባ ኣብ ገለ ካብ'ቶም ፍሉያት መለለዪታት ከተማ መልበርን ተባሂሎም ዝውሰዱ ካብ ዝተፈላለየ ማሕበረሰባትን ባህልታትን ዝመጹ አባላት ሕብረተሰብ ዝነብሩሎም ሰማይ ጠቀስ ህንጻታት እተዘንቱ’ያ።
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (15/04/2021)
* ኣውስትራልያ ክትክተሎ ዝጸንሐት መደብ ክታበት ቀይራ ክታበት ሓፋሽ ክትጅምር እያ:
* ቀይድታት ኮሮቫይረስ ኣብ መላእ ግዝኣት ኲንስላንድ ሎሚ መዓልቲ ሓሙስ ተቓሊሎም:
* ዴንማርክ ብሰንኪ ተኽእሎታት ሳዕቤን’ቲ ሳሕቲ ዘጋጥም ግን ከኣ ቀታሊ ዝኾነ ምርጋእ ደም ምጥቃም ክታበት ኣስትራዘነካ ምሉእ ብምሉእ ደው ምበላ ዘፍለጠት ፈላሚት ሃገር ኮይና:
* ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዓድዋ ሰለስተ ሰባት ከምዝቐተሉን ብውሑዱ 19 ሰባት ከምዘቑሰሉን ኣረጋጊጸ ክብል መግለጺ ኣውጺኡ:
ሚያዝያ 14 መዓልቲ እሱራት ኤርትራ ንምዝካር ቀዳም ኣብ'ዚ ኣብ መልበርን በቲ ማሕበረሰብ ሓደ መደብ ተኻይዱ ኔሩ፡ ምስ ሓደ ካብ ኣወሃሃድቲ መምህር ኣልኣሚን ዓብደላ ዝተኻየደ ዕላል።
ኣርእስታት ዜና፡
* ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት ሕጂውን ግዳያት ኩናት ይኾኑ ከም ዘለዉ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮፖ ተዛሪቡ።
* ኢትዮጵያ ማሕበረሰብ ዓለም ንሱዳን ዓገብ ብዘይምባሉ ከም ዝሓዘነት ትገልጽ ፤ ሌ/ጀነራል ባጫ ደበሌ ምስ ሱዳን ኣይንዋጋእን፣ ምስ ሓይልታት ትግራይ ግን ውግእ ከም ዝቕጽል ተዛሪቡ።
* ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም ኣብ 13 መዓልቲ ልዕሊ 12 ሽሕ ሰራዊት ምዉትን ቁሱልን ከም ዝገበረ ኣፍሊጦም።
* ስልጣን ፕረዝደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፎርማጆ ንክልተ ዓመታት ብምንውሓ ትኹነን ዘላ ሶማልያ ግዳማውያን ኣካላት ኣብ ዘቤታዊ ዛዕባ ከእትዉ ኣይግባእን ክትብል ኣጠንቂቓ
ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ኣብ ኤርትራ ብእምነቶም ብዛዕባ ዝተፈትሑን ዝተኣስሩን ዝምልከት ኣቶ ሃኒባል ዳኒ ኤል ተኸታቲሎ ዝኣከቦ ሓበሬታ ኣካፊሉ ኣሎ።
ኣካል ናይ’ቲ ሓደ ተወጢኑ ዘሎ መደብ ማይግረሽን፡ ኣውስትራልያ በብዓመቱ ብዙሓት ዝኾኑ ቀዋሚ መንበሪ ዘውሕሱ ቪዛታት ትቕርብ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት እዚ ቁጽሪ ኣብ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ጠለባት ወይ ኣድላይነታት ናይ’ዛ ሃገር ተሞርኪሱ ክቀያየር ወይ ክለዋወጥ ጸኒሑ’ዩ። ጽሩይ ቁጽሪ ካብ ደገ ናብ ኣውስትራልያ ዝኣቱ ብዝሒ ሰብ ወይ ማይግረሽን ክሳብ 2020 ኣዝዩ ዝለዓለ እንተነበረ፡ እቲ ዓመታዊ ቀዋሚ ቁጽሪ ዝኣትዉ ሰባት ግን ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ናይ 160000 ገደብ ኣለዎ።
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (12/04/2021)
* ንግጥማት ሻምፒዮና ኣትለቲክስ ኢትዮጵያ ክሳተፉ ካብ ክልል ትግራይ ዝመጹ ኣትሌታት ፖለቲካዊ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ተባሂሉ ካብ ውድድር ተሰናቢቶም፡
* ኣብ ሌጎስ ናይጀርያ ኣብ ዝተኻየደ መበል ሻድሻይ ዓመታዊ ውድድር ጉያ እግሪ ማራቶን ኣክሰስ ባንክ ሌጎስ ሲቲ ማራቶን 2021 ኢትዮጵያዊት መሰረት ድንቄ ተዓዊታ፡
* ጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ንሓለቓ ጋንታ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን ተጻዋታይ ጋንታ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበረን ሮቤል ተኽለሚካኤል ምስኣ ተሰሊፉ ክጻወት ከምዘፈረመቶ ገሊጻ፡
* ዓለምለኻዊ ሕብረት ቅድድም ብሽግለታ ተርታ ሃገራት ቅድድም ብሽግለታ ዓለም ትሕቲ 23 መንእሰያት ዘርጊሑ ኤርትራ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዓ፡
* ግጥማት ኦሎምፒክስ ቶክዮ ክታበታት ኣብ መላእ ዓለም ብማዕረ ኣብ ዘይተዘርግሕሉ እዋን ንኹሉ ብማዕረ ከሳትፍ ዕድል ኣለዎ ድዩ?
ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡
** ኣብ ኢንዶነዥያ ቀንዲ ደሴት ጃቫ ፡ 6.0 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጠሙ ፡ ብውሕዱ 8 ሰባት ሞይቶም
** ኣብ ኣውስትራልያ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዝዀኑ ኣመንቲ ምስልምና ፡ ሎሚ [12 ሚያዝያ] ነታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ወርሒ ረመዳን ይጅምርዋ ኣለዋ ።
** ኣልሸባብ መዓርን ኣቦሱዳ ንለበድዳ ኮቪድ-19 ፍቱን መድኒት ምዃኑ ገሊጹ።
ኢትዮጵያ ኣብቲ ትሃንጾ ዘላ ሓጽቢ ሓበሬታ ንምልውዋጥ ይሕግዝ እዩ ናብ ዝበለቶ እማመ ክኣትዋ ዝተዓደማ ግብጽን ሱዳንን ነቲ ዕድመ ተሓሲመንኦ።
ኤርትራ ብሰንኪ እምነቶም ልዕሊ 4 ዓመታት ዝተኣስሩ ዝርበኩዎም ልዕሊ ሰላሳ ሰባት ፈቲሓ።
From the publisher's feed

4 Listeners

10 Listeners

9 Listeners

111,767 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

3 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners