
Sign up to save your podcasts
Or


እዚ ልዕሊ 100 መዓልታት ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት ኣብ ትግራይ ብዙሕ ሰላማዊ ህዝቢ ከምዝተቐትለን ዓመጻት ደቂ ኣንስትዮ ከምዝተፈጸመ ዝተፈላለዩ ምንጪታትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ይገልጽዎ ኣለዉ። ገለ ካብቶም ግዳያት ናይዚ ኲናት ሰላማዊ ህዝቢን ኣብ ትግራይ ተዓቚቦም ዝጸንሑ ኤርትራዊያን ስደተኛታት እዮም። ንሎሚ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሕጻጽ ዝወረደ ቅትለትን ዓመጽን ከመይ ከምዝመስልን መን ፈጺምዎ ከምዝኽእልን ክንድህስስ ኢና። ሓደ ካብቶም ብቐረባ ንገለ ካብቶም ኣብቲ መዓስከር ዝነበሩ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ተኸታቲሉ ኣዛሪቡ ዝረኸቦ ሓበሬታ ተጣባቒ መሰላት በረኸት ሃይለ እዩ። ቅድሚኡ ግና ኣቐድም ኣቢሉ ካብቶም ስደተኛታት ናይ መዓስከር ስደተኛታት ዝለኣኸልና ጽሕፍቲ ከንብበልኩም።
ኣብዚ ቕነ ኤርትራዊያን ነጠፍቲ ማሕበራዊ መዲያ ክዘራረብሉ ካብዝቐነዩ ናይ ክልተ ጉዳያት ነዚ ሰሙን መምህር ዮሴፍ ወርቀ ኣቕሪብዎ ኣሎ።
ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡
*** ትማሊ ምስቲ ናይ ቪክቶሪያ መወሸቢ ሆቴል ዝተሓሓዝ ቀለበት መልከፍት ክልተ ሓደሽቲ ብኮቪድ ዝተለኽፉ ደሚርካ ኣብታ ግዝኣት ዛጊት 8 ሰባት በጺሆም ኣለዉ።
*** ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ደቡብ፡ ማእከልን ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 75 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ገሊጹ።
*** ክልላዊ መንግስታትን ፈደራል መንግስቲ ሶማልን ብህጹጽ ብዘተ ተሰማሚዖም ምርጫ ክገብሩ ዉሕሃ ጸዊዑ።
*** ፖለቲከኛታት ኦሮሞ ዝኾኑ ኣቶ በቀለ ገርባን ኣቶ ጃዋር መሓመድን መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ ካብ ዝጅምሩ ሓደ ሰሙን ከም ዝመልኦም ተገሊጹ።
ኣብ ትግራይ 80% ካብቶም ብኲናት ዝተጎድኡ ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘይረኸቡ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
"ሎሚ ሓደ፣ ክልተ ሰለስተ ብጥሜት ዝሞቱ ሰባት ኣለዉ። ድሕሪ ወርሒ ብኣሽሓት፣ ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ግን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ክሞቱ ይኽእሉ እዮም። "
ፕረዚደንት እቲ ማሕበር ኣበራ ቶላ።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣተዎ መብጽዓ ከኽብር መገዲ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ክኣቱ ሓቲቱ።
ኣንጻር ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ትግራይ ንሽምግልና ዝኸዱ ሰባት ብዝተበገሰ ተቓውሞ ንካልኣይ መዓልቲ ኣብ ከተማታት ዓዲግራት፣ ውቕሮን ፍረወይንን ሰባት ከም ዝተቐትሉ ተገሊጹ።
ንልዕሊ 110 ዓመታት ተሓላቓይ መሰል ስደተኛታት ዝኾነ ኮሚቴ ስደተኛታት ኣሜሪካ ኩነታት እቶም ካብ መዓስከራት ትግራይ ዝጠፍኡ 20,000 ስደተኛታት ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ክምርመር ሓቲቱ።
ኣብ ኣርባዕተ መደበር ስደተኛታት ኣብ ትግራይ ዝነብሩ ዝነበሩ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብቲ ከባቢ ብዘሎ ኲናት ቀዳሞት ግዳያት ናይቲ ኲናት ኮይኖም ኣለዉ። ብዛዕባ’ዞም ስደተኛታት ዘሎ ኲነታትን ክግበር ብዛዕባ ዝኽእል ሓገዛትን ንኣቶ ክብረኣብ ይመስገን ኣዛሪብናዮ ኣለና።
ኣቶ ክብረኣብ ይመስገን ነቲ Eritrean Community Connections (ECC) ዝበሃል ትካል ዝመርሕ እዩ። እቲ ትካል ነቶም ኣብ ፈቐዶኡ ዝርከቡ ኤርትራዊያን ናይ ማሕበራዊን ረዲኤታዊን ስነ ኣእምሮኣዊን ደገፍ ብምሃብ ማሕበራዊ ሕውየት ክፍጠር ዝዓዪ ዘይመንግስታዊ ኣብ ዋሽንግቶን ዝቖመ ማሕበር’ዩ።
“ኤርትራዊያን ዲያስፖራ ብዛዕባዚ ኩነታት ዝምልከት ንምንታይ ኣብ ሓሸውየ ኮለል ንብል ከምዘለና ንዓይ’ውን ሕቶ’ዩ ዝኾነኒ።”
ናይ ዉሽጢን ወጻኢን ኪኢላታት እቲ ንኽተቦ ክታበታት ዉሑስን ኣድማዒን ምዃኑዮም ዝነግሩና።
እንተኾነ እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ከምዘመልክቶ ብዛዕባ ክታበታት ዝምልከት መሰረት ዘይብሉ ኣሉታዊ ሓበሬታታት ይዝርጋሕ ኣሎ። እቲ ዝውረ ዘሎ ቤላቤሎውን እቲ ሓቂን ኣብዚ ተገሊጹ ኣሎ።
ሚንስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ፊንላንድን መራሒ ጉጅለ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮጳን ኣብ ትግራይ ዝወረደ ግፍዒ ካብ ኣፍ ግዳያት ክሰምዕ ብዘይገደብ ክፍቀድ ይጠልብ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ሽማግታትን ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣብ መቐለ ዘለዉ መራሕቲ ሃይማኖትን ሽማግሌታትን ከይተራኸቡ ተመሊሶም፣ ኣብ መቐለ ብዝነበረ ተቓውሞ ውን ህይወት ሰብ ሓሊፉ ተባሂሉ።
ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣብቲ ከባቢ ከስዕቦ ዝኽእል ቅልውላውን ከምዘሻቐሎም ላዕለዋይ ወኪል/ምክትል ፕረሲደንት ናይቲ ሕብረት ጆሰፕ ቦረል፡ ኮሚሽነር ጁታ ኡርፒሊያነን ከም ኡውን ኮሚሽነር ጃነዝ ለነሪች ብሓባር ኣብዘውጽእዎ መግለጺ ተዘርጊሑ ኣሎ።
"ኣብ ትግራይ ሰባት ኣብ ገዝኦም ይሞቱ ኣለዉ።" ሮይተርስ።
ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡
**ናይ ኣልጀዚራ ሪፖርተር ግብጻዊ ጋዜጠኛ ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ማእሰርቲ ተፈቲሑ።
**ኣብ ቪክቶሪያ ኣብ ሓደ መወሸቢ ሆቴል ዝሰርሕ ሰብ ብኮቪድ-19 ተለኺፉ።
** ኣብ ሶማሊያ ኣብ መገዲ ብዝነተገ ፈንጂ ዓሰርተታት ሰባት ተቐቲሎም።
**ኣብ ሙይንማር ንዝተገብረ ዕልዋ መንግስቲ ብምቅዋም ብ ኣሻሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት እታ ሃገር ሰላማዊ ሰልፊ ጌሮም። ሰልፈኛታት “ወተሃደራዊ ዕብለላ ደው ይበል” ዝብል ጭርሖ ክጭርሑ ዊዒሎም።
** ዉድድራት ቴኒስ ኣውስትራሊያ ኦፐን ተጀሚሩ፡ 50% ዓቕሚ ናይቲ ስተድዮማት ተዓዘብቲ ክኣትዉ ተፈቒዱ።
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (08/02/2021)
* ዓለምለኻዊ ኮሚተ ኦሎምፒክስ፡ ዓለምለኻዊ ኮሚተ ፓራሊምፒክስን ኣወሃሃዲት ኮሚተ ቶክዮ 2020ን ድሕነት ዘለዎምን ዕውታት ውራያት ቶክዮ 2020 ኦሎምፒክስን ፓራሊምፒክስን ንምሕላፍ ዝሕግዙ መምርሒታት ዘለውዎም ሓባሪ ጽሑፋት ዘርጊሖም፡
* ካሜሩን ከተአንግዶ ዝጸንሐት ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ሻምፒዮና ሃገራት ኣፍሪቃ ወይ ቻን ብዓወት ሞሮኮ ሰንበት ተዛዚሙ፡
* ሃገራዊ መዝሙርን ስፖርተኛታትን ስፖርታዊ ውራያትን ታሪኻዊ ምትእስሳራቶም ከመይ ኢዩ፧ ንምንታይ’ዩ ኸ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ዝፈላለ፧
From the publisher's feed

4 Listeners

10 Listeners

9 Listeners

111,800 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

3 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners