SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ንግጉይ ሓበሬታ ብኸመይ ንፈልጦን ንቃለሶን።
    ኣብዚ ሓበሬታ ብፍጥነት ብርሃን ዝውንጨፈሉ ዘሎ ዘመን ፡ ንሓቂ ካብ ሓሶት ፈሊኻ ምርኣይ ኣጸጋሚ እናዀነ ይኸይድ ኣሎ ። ከም ናይ ሓሶት ዜና: ግጉይ ሓበሬታ: ወይ ኮነ ኢልካ ንምግጋይ ዝወሃብ ሓበሬታ: ንኣረኣእያ ሰባት ኣብ ምቕያር፡ ኣብ ምቕራጽ ርእይቶታትን ኣብ ኣገዳሲ ውሳኔታት ጽልዋ ብምሕዳር ዝገብሮ ተጽዕኖ ተመሳሳሊ እዩ ። ሎሚ ፡ ነዚ እተሓላለኸ ዛዕባ እዚ ፡ መበቈሉ እንታይ ምዃኑ ብምቕላዕ ፡ ግጉይ ሓበሬታ ኣብ ሕብረተሰብ ብዛዕባ ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋን መብርሂ ኽንህብ ኢና ።
    13 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 ለካቲት 2024)
    ንሎሚ 27 ለካቲት ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ኣርእስታት፡ እስራኤል ካብ 1967 ኣትሒዛ ኣብ ግዝኣታት ፍልስጤም ዝሓዘቶ መሬት ብዛዕባ ሕጋውነቱ ዝምልከት እቲ ዝለዓለ ቤት ፍርዲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንመወዳእታ ግዜ ሰሚዑ ። ሽወደን ናብ ኔቶ ክትጽምበር ባይቶ ሃንጋሪ ደጊፍዎ፡ በራጊድ ምጥፋእ ሓዊ ቪክቶሪያ ኣብታ ግዝ ኣት ከቢድ ኵነታት ኣየር ከስዕቦ ንዝኽእል ዝኸፍአ ሓደጋ ኣንጸላልዩ ኣብዘሎ፡ ኣብ ምክልኻል ሞት ኣተኲሮም ክሰርሑ ምዃኖም ኣፍሊጦም ።
    7 min
  • ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ለካቲት 2024)
    ንሎሚ ሰኑይ 26 ለካቲት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣውስትራሊያ ንኽቱር ሕማቕ ኩነታት ኣየር ሓደጋ ዝተቓልዐት ሃገር እያ ። ኣብዚ እዋን እዚ ሓድሽ ሃገራዊ መዐቀኒ ዘለዎ ናይ ሓዊ ሓደጋ ስርዓተ ዓቐን ተኣታትዩ ኣሎ ፡ ንማሕበረሰብ ከምኡ "ውን ንናይ ህጹጽ እዋን ግብረ-መልሲ ትካላት ሓደገኛ ዝኾነ ፍጻመታት ከጋጥምከሎ ንኽርድኡ ፡ ንኽዳለዉ ፡ ከምኡ" ውን ንዝተፈላለየ ሓደገኛ ኣጋጣሚታት ከም ባርዕ ጫካ፡ ምዕልቕላቕ ማይ ፡ ህቦብላ ንፋስ ፡ ብርቱዕ ዋዒ ዝኣመሰሉ ግብረ-መልሲ ንምሃብ ዝሕግዝ ስርዓተ-መጠንቀቕታ እዩ። ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ዜማታትን ቀሪብና ኣለና ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ሓደ እስራኤላዊ በዓል ስልጣን ፡ ብዛዕባ ቓዛ ዝምልከት ዝርርብ ኣብ ፓሪስ ይካየድ ከም ዘሎ ፡ ገሊጹ። ስብርባር ናይ ሓንቲ ናይ ኣውስትራልያ ናይ ከሰል መርከብ ፡ 32 ሰራሕተኛታት ጽዒና ካብ እትጠፍእ 120 ዓመት ዝገበረት ተረኺቡ ። ካብ ደብረ ብርሃን ናብ ደሴ ዝወስድ መንገዲ ተዓፅዩ። ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ፡ ኣርባዕተ ፈለስቲ ብዕጡቓት ከምዝተቐተልዋ ኣፍሊጣ።
    49 min
  • ስነ ስርዓት ምዕዳል ሽልማት ዓዋተ ንዕዉታት ተመሃሮ ኣብ መልበርን ኣውስትራሊያ። ((ጸብጻብ)
    ጸብጻብ፥ መበል 14 ዓመታዊ ስሩዕ ስነ-ስርዓት ምዕዳል ሽልማት ዓዋተ፡ ብ24 ለካቲት 2024 ብቤት ትምህርቲ ቋንቋ ማሕበረሰብ ኤርትራ ኣብ መልበርን ተኻይዱ ። እቲ ስነ ስርዓት ፡ ነቶም ኣብ 2023 ብ VCE, IB. እተመረቑን ዩኒቨርሲቲ ዝወድኡን ንስድራ ቤቶምን ንምጽምባል ዝተገብረ በዓል እዩ ነይሩ ። እቲ ቤት ትምህርቲ ነቶም ተመሃሮን ንስድራ ቤቶምን ናይ ምሽላም ስነ-ስርዓት ወዲቡ ፡ ንዅሎም ተዓወትቲ ናይ ዓወት ምስክር ወረቐት ዓዲሉ ። ኣብ ርእሲ እዚ: እቶም ልዑል ዓወት ዘመዝገቡ ብሉጽ ሽልማት ዓዋተ ተዋሂብዎም ። ብተወሳኺ፡ ግዜኦም ንማሕበረሰብ ኣብ ምግልጋል ዝወፈዩ ወለንተኛታት ንዝገበርዎ ኣበርክቶ'ውን ኣፍልጦ ተዋሂብዎም ። ብዘይካዚ ፡ መደረታትን ባህላዊ ምርኢታትን ቀሪቡ ኣምስዩ ።
    10 min
  • ኤርትራ ሻምፒዮን ዙር ሩዋንዳ ኮይና፣ እኽሊሉ ኣረፋይነን ዳዊት የማነን ብሉጻት ኣፍሪቃውያን ተሰይሞም፣ ጽገ ገብረሰላማ ኣብ ራስ ኣል-ኼይማ ተዓዊታ፣
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (26/02/2024) * ጋንታ ኤርትራ ተዓዋቲት ዙር ሩዋንዳ 2024 ኮይና፣ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ብሉጽ ኣፍሪቃዊ መንእሰይ ተቐዳዳማይ ዳዊት የማነ ኸኣ ብሉጽ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ተሰይሞም፣ * ኣብ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ራስ ኣል ኼይማ ኢትዮጵያዊት ጽገ ገብረሰላማ ተዓዊታ፣ * ቤት ምኽሪ ማሕበራት ኩዕሶ እግሪ ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ ወይ ሴካፋ ኣብ 2024 ዘካይዶም ውራያት ኩዕሶ እግሪ ከአንግዳ ዝመረጸን ሃገራት ዘርዚሩ፣ ኢትዮጵያ ውራያት ደቀንስትዮ ከተአንግድ’ያ፣ * ካብ ግጥማት ፕሪምየርሊግ ዓዲ እንግሊዝ ዘዕረፈት ሊቨርፑል ንቸልሲ ስዒራ ጽዋዕ ዋንጫ ካራባኦ ክትዓትር’ንከላ ኣርሰናልን ማንቸስተር ሲቲን ከኣ ዓወታት ብምምዝጋብ ምስኣ ዝነበረን ፍልልያት ኣጽቢበን፣
    12 min
  • MiniPod: Ep8 Talking About Shopping | English on Repeat (Easy) - SBS ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ 8ይ ክፋል፣ ዕላል ብዛዕባ ሸመተን ዕዳጋን | መደብ English on Repeat (Easy)
    Listen to 'English on Repeat,' a podcast to help us improve our speaking skills: Do you enjoy shopping? | I enjoy shopping for new clothes. | I need a new jumper. | I do my grocery shopping online. | The markets have the best fruit and vegetables. - ነዚ ናይ ምዝራብ ክእለትና ከነመሓይሽ ዝሕግዝ ሓረጋት ቋንቋ እንግሊዝ እናደጋገምና ንመሃረሉ መደብ 'English on Repeat' ስምዕዎ፡ ኣብ ዕዳጋ ምሽማት የሐጉሰኩም ዶ፧ | ሓደስቲ ክዳውንቲ ምዕዳግ ደስ ይብለኒ። | ሓድሽ ጎልፎ የድልየኒ’ሎ። | ናይ ግሮሰሪ ሸመተ ዕዳጋይ ኣብ ኦንላይን የካይዶ። | እቶም ዕዳጋታት ዝበለጸ ፍሩታትን ኣሕምልትን ኣለዎም።
    6 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ለካቲት 2024)
    ንሎሚ ሓሙስ 22 ለካቲት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ብዛዕባ ክንክን ስኒ ዝምልከት ምስ ዶ/ር ገነት እንድርያስ ቅድሚ ሕጂ ዝገበርናዮ ጠቓሚ ምኽሪ ኣለና። ተመራመርቲ ጠፈር፡ ብ 500 ትሪልዮን ግዜ ካብ ብርሃን ጸሓይ ዝበርህ ነገር ኣብ ዩኒቨርስ ረኪቦም። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶን ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ንምምሃር ካብ መንግስቲ ዝወሃብ ናይ ልቓሕ መደባትን ኣገባባትን፡ዝምልከት ድማ ኣብ ሰሙናዊ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ መደብና ክቐርብ እዩ። ጸብጻብ ልኡኽና ዝርእዮም ኣርእስታት ሶማልያ ምስ ቱርኪ ን10 ዓመት ዝጸንሕ ገዚፍ ናይ ምክልኻልን ቁጠባውን ምትሕብባር ስምምዕ ከምዘጽደቐት ተገሊጹ። ኣመሪካ ኣብ መንጎ መንግስቲን ዕጡቓት ፋኖን ልዝብ ክካየድ ጸዊዓ። ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ብዙሓት ሰባት ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከምዝተቐተሉ መሰኻኽር ገሊጾም።ዝብሉ ትሕዝቶ ዘለዎ ዜና ከቕርበልና እዩ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ኣብ ቓዛ ዘሎ ሰብኣዊ ኵነታት እናኸፍአ ይኸይድ ከም ዘሎ ገሊጹ ፡ ኣገልግሎት ህጹጽ ቪክቶርያ ን ኣዚዩ ከቢድ ኩነታት ኣየር ይዳሎ ኣሎ። ሶማልያ ምስ ቱርኪ ን10 ዓመት ዝጸንሕ ገዚፍ ናይ ምክልኻልን ቁጠባውን ምትሕብባር ስምምዕ ከምዘጽደቐት ተገሊጹ።
    53 min
  • ተመራመርቲ ጠፈር፡ ብ 500 ትሪልዮን ግዜ ካብ ብርሃን ጸሓይ ዝበርህ ነገር ኣብ ዩኒቨርስ ረኪቦም።
    ብኣውስትራልያ ዝምራሕ ጕጅለ ተመራመርቲ ጠፈር (astronomers) ፡ ኣብ ዩኒቨርስ እቲ ዝደመቐ ብርሃን ዘለዎ ነገር ክኸውን ዝኽእል ከምዝረኣየ ኣፍሊጡ ። ምብራሁ 500 ትሪልዮን ግዜ ካብ ጸሓይ ብርሃን ዝበልጽ ከም ዝዀነን quasar, ዝበሃል እዩ ። እዚ ዝስዕብ ዝርዝር ሓበሬታ ናይዚ ርኽበት ዝገልጽ እዩ ።
    7 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,876 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners