SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 ለካቲት 2024)
    ንሎሚ 14 ለካቲት 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኣርእስትታቶም፡ ኣብ ግዝኣት ቪክቶሪያ ብርቱዕ ነጐዳን ብርቱዕ ባርዕን ዘስዓቦ ኵነታት ድሕሪ ምግጣሙ ፡ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ቪክቶርያውያን ብዘይ ኤለክትሪክ ሓዲሮም ። ብዛዕባ ኩነታት እቶም ኣብ ራፋ ተኸርዲኖም ዘለዉ ልዕሊ ሚልዮን ፍልስጢኤማውያን ንምዝታይ ሰብ መዚ ኣመሪካ፡ ግብጺ ፡ እስራኤልን ቀጠርን ኣብ ካይሮ ተራኺቦም። ድሕሪ ኩናት፡ ኣብ ትግራይ ዝወረደ ጉድኣት 80 ቢልዮን ዶላር ከምዝግመት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ገሊጹ።
    6 min
  • ኣገዳስነት ኢደ ስራሓት ቀዳሞት ህዝብታት
    ሓደ ካብቲ ኣዝዩ እተሓላለኸን ዝኸበደ ንምፍታሑን ኣብነታት ናይ ቀዳሞት ህዝብታት ቴክኖሎጂን ባህልን ፡ ብኢደ ስራሓት እዩ ዝግለጽ ። ሰራሕቲ ኢደ ስራሓት ጽባቐ ናይ ነገራት ይፈጥሩ : እቲ መስርሕ ግን ዓሚቝ ባህላዊ ኣገዳስነት ኣለዎ ። ኣብዚ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ኣገባብ ኣሰራርሓን ኣብ ፍልጠት ምክፋል ዘለዎ ተራን ፣ ምስ ሰባትን ሃገር ክፈጥሮ ዝኽእል ርክብን ፣ ንስምዒት ክስሕበሉ ዝኽእለሉን ካልእን ክንድህስስ ኢና ።
    10 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 ለካቲት 2024)
    ንሎሚ 13 ለካቲት 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኣርእስታቶም፡ ኣብ ቪክቶርያ ድሕሪቲ ኣብ 2019 ዘጋጠመ ዝኸፍአ ሓደጋ ባርዕ ከጋጥም ትጽቢት ይግበር። ኣብ መንጎ ሶማሊያን ኢትዮጵያን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ዉሕሃ መትከላዊ ጸግዒ ክሕዝ ሶማሊያ ሓቲታ። ወናኒ ክብረወሰን ዓለም ማራቶን ደቂ ተባዕትዮ ዝዀነ ኬንያዊ ኣትሌት ኬልቪን ኪፕቱም ብዘጋጠሞ ሓደጋ መኪና ሞይቱ።
    6 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 ለካቲት 2024)
    ንሎሚ ሰኑይ 12 ለካቲት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ሓደ ካብቲ ኣብ ምብራቓዊ እስያ ዝዓበየ በዓላት ኣብ ሓድሽ ዓመት ዝኽበር በዓላት ሉናር ተባሒሉ ዝፍለጥ እዩ ። ነቶም ዘብዕልዎ ርሑስ ሓድሽ ዓመተ ድራጎን እናበልና፡ ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ፡ ኣብዚ ኣብ ኣውስትራሊያ ዑደት ክገብረሉ ኣብ ዝቐነየሉ እዋን፡ ብዛዕባ ፖለቲካ ዲያስፖራ፡ ዞባዊ ፖለቲካዊ ምዕባለን ለውጥኢ ኣብ ኤርትራን ዝምልከት ምስና ዕላል ጌሩ ነይሩ ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ከነቕርቦ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና ። ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስን መራሒ ሰልፊ ተቓዋሚ ፒተር ዱተን ኣብ ወፍሪ ምህናጽ ኣባይቲ ናይ ግብሪ ዕረፍቲ ክህሉ ጸቕጢ ይግበረሎም ኣሎ ። ኣፈኛ ፕረዚደንት ጆ ባይደን: ነቲ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ ንኣባላት ኔቶ ካብ ሩስያ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ዝሃቦ ርእይቶ ኣዝዩ ዘስካሕክሕን ጻሕታርን ክብል ገሊጽዎ ። ኤርትራ ምኽንሻብን ትሕቲ ዕድመ መርዓን ደቂንስትዮን ንምውጋድ፡ ምስ ሕብረት ኤውሮጳን ዩኒሴፍን ተሰማሚዓ፡
    52 min
  • ጉዳፍ ጸጋይን ለመቻ ግርማን ታሪኻዊ ውጽኢታት ብዝፈታተኑ ውጽኢታት ተዓዊቶም፣ ኣይቮሪ ኮስትን ቐጠርን ጎብለላት ኣህጉራተን ኮይነን፣
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (12/02/2024) * ኣብ ኤርትራ ውድድራት ፍርቂ ማራቶን ተኻይዶም ሳምሶን ኣማረን ርግበ ሃብተስላሰን ተዓዊቶም፣ * ጉዳፍ ጸጋይን ለመቻ ግርማን ንታሪኻዊ ውጽኢታት ዝፈታተኑ ዓወታት ኣመዝጊቦም፣ * ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣይቮሪኮስት 2023 ብዓወት ኣይቮሪ ኮስት ተዛዚሙ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ ንዲኣር ኮንጎ ስዒራ ሳልሰይቲ ወጺኣ፣ * ቐጠር ሻምፒዮን ኤስያ ኮይና፣ * ኣብ ቅድድማት ብሽግለታ ኣብ ኤውሮጳ ተቐዳደምቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝድነቕ ምንቅስቓሳቶም ይቕጽሉ፣ * ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እግሊዝ ሰለስቲኤን ኣብ ዝለዓሉ ተርታታት ዝርከባ ጋንታታት ብምዕዋተን ደረጃታተን ዓቂበን ይምርሻ’ለዋ፣ * ኣብ ግጥማት ኦሎሞፒክን ፓራሊምፒክን ፓሪስ 2024 ንተዓወትቲ ዝዕደሉ ስልማታት መዳልያ ቁራጽ ሓጺን ናይ’ቲ ኣብ ዓለም ህቡብ ዝኾነ ሓወልቲ ፍቑራት ኣይፍል ታወር ክህልዎም’ዩ፣
    11 min
  • MiniPod: Ep6 Home| English on Repeat (Easy) - SBS ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ 6ይ ክፋል፡ ገዛን መንበሪን| መደብ English on Repeat (Easy)
    Listen to 'English on Repeat', a podcast to help us improve our speaking skills: Where do you live? | I live in a small apartment in the city. | I live in a house with two bedrooms. | We are renting. | Are you close to public transport? - ነዚ ናይ ምዝራብ ክእለትና ከነመሓይሽ ዝሕግዝ ሓረጋት ቋንቋ እንግሊዝ እናደጋገምና ንመሃረሉ መደብ 'English on Repeat,' ስምዕዎ፡ ኣበይ ትነብሩ፧ | ኣብ ሓደ ንእሽቶ ኣፓርትመንት ኣብ ከተማ እነብር። |ኣብ ሓደ ክልተ መደቀሲ ክፍልታት ዘለዎ ገዛ እነብር። | ተኻሪና ኢና ዘለና። | ናብ ህዝባዊ መጓዓዝያ ቀረባ ዲኻ ዘለኻ፧
    6 min
  • "ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ነዚ ዘሎ ስርዓት ዝቃወም ሓይልታት ኣሎ።" ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ
    ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ፡ ኣብዚ ኣብ ኣውስትራሊያ ዑደት ክገብረሉ ኣብ ዝቐነየሉ እዋን፡ ብዛዕባ ፖለቲካ ዲያስፖራ፡ ዞባዊ ፖለቲካዊ ምዕባለን ለውጥኢ ኣብ ኤርትራን ዝምልከት ምስ ኤስ ቢ ኤስ ዝገበሮ ቃለ መሕትት።
    24 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (08 ለካቲት 2024)
    ንሎሚ ሓሙስ 08 ለካቲት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ኣብ ኣውስትራልያ ክልተ ሰባት ብሓባር ምስ ዝነብሩ፣ ብወግዒ ዝተመርዓዉ'ዉን ኣይኹኑ፣ ዝምድንኦም ሕጋዊ ኣፍልጦ ክረክብ ይኽእል'ዩ። ዲ ፋክቶ መጻምድቲ ልክዕ ከም ኩሎም ምርዑዋት ዝኾኑ ሰባት ተመሳሳሊ መሰል ዝከላኸለሎም ሕጊ ኣለዎም። ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ ኣብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። መስራቲን ዋና ኣካያዲን ስራሕ መርበብ ሓበሬታ ኣዝማሪኖ ዝነበረ ተስፋልደት ኣለም መሓረና፡ ኣብ ካሊፎርኒያ ሕመኣመሪካ ብዝሓደሮ ሕማም ብረቡዕ 24 ጥሪ 2024 ኣብ መበል 66 ዓመት ዕድሚኡ ብሕማም ዓሪፉ። እታ ንሱ ዝመስረታ መርበብ ሓበሬታ ከም ናይ ፈለማ ናጻ መራኸቢ ወጻኢ ኤርትራውያን ኮይና ኣብ ታሪኽ ክትምዝገብ ኪኢላ ኣላ። ስነ ጥበባዊ ኣማኒኤል ኣድሓኖም ካብ ቀንዲ ቀረቡን ኣብዚ ናይ ሓዘን እዋናትውን ቀንዲ ተዋሳኢ ናይቲ ዝቐነየ ሓዘን ኮይኑ ጸኒሑ፡ ብዛዕባ ተስፋልደት ዘለዎ ጦብላሕታን ንሱ ዝገደፎ ሓድግን ኣካፊሉና ኣሎ። ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ክቐርብ እዩ። ጸብጻብ ል ኡኽናን ካልእ ትሕዝቶታትን ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ፐርዝ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነን ብቕልጡፍ ዝላባዕን ዘሎ ባርዕ ጫካ ፡ ኣብ ነበርቲ ስግኣት ፈጢሩ ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ነቲ ብሓማስ ዝቐረበ ንድፊ እማመ ምቍራጽ ተዅሲ ነጺግዎ ኣሎ ። ኤርትራ፡ ንፈጻሚ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ኣስመራ ብምጽዋዕ ተቓውሞ ከም ዘስመዐት ገሊጻ።
    56 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,876 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners