SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ዕድመ ኣታሊሉ ዝተባህለ ጋቦናዊ ተጻዋታይ ካፍ መርመራ የካይድ፣ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣገረምቲ ውጽኢት ይምዝገቦ፣
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (15/01/2024) * ንተዓዘብቲ ዝመሰጡ መኽፈቲ መደባት ድሕሪ ምክያዶም ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2023 ኣብ ኣይቮሪኮስት ቀዳም ብድሙቕ ኣገባብ ተኸፊቱ፣ * ኣይቮሪኮስት ብዓወት ክትጅምር እንከላ ናይጀርያ ምስ ኢኳቶርያል ጊኒን ግብጺ ምስ ሞዛምቢክን ካብ ትጽቢት ወጻኢ ማዕረ ወጺኤን፣ * ኢትዮጵያዊ ገዲም ተቐዳዳማይ ብሽግለታ ጽጋቡ ግርማይ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ሩዋንዳ ድሕሪ ምስታፉ ካብ’ቲ ስፖርት ክሰናበት ምዃኑ ኣፍሊጡ፣ * ኤርትራዊ መንእሰይ ዮኤል ሃብተኣብ ምስ ጀርመናዊት ጋንታ ባይክ ኤይድ ተጸንቢሩ፣ * ኮንፈደረሽን ኩዕሶ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ሓደ ምትላል ዕድመ ፈጺሙ ዝተባህለ ጋቦናዊ ተጻዋታይ መርመራ የካይድ ከምዘሎ ገሊጹ፣ * ፍርቀን ፕሪምየር ሊግ ጋንታታት ጥራይ ግጥማተን ኣብ ዘካየዳሉ ሰሙን ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሽቶ እንተመዝገበ’ኳ ጋንትኡ ኒውካስትል ዩናይትድ ብሻምፒዮን ማንቸስተር ሲቲ ተሳዒራ፣
    12 min
  • MiniPod: Ep2 Daily Routine | English on Repeat (Easy) - SBS ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ 2ይ ክፋል፡ ዕለታዊ ነዘውትሮም ንጥፈታት | English on Repeat (Easy)
    Listen to 'English on Repeat,' a podcast to help us improve our speaking skills: Do you wake up early? | I wake up at 6.| I start work at 7.30.| I always eat breakfast at work.| What about you? - ነዚ ናይ ምዝራብ ክእለትና ከነመሓይሽ ዝሕግዝ ሓረጋት ቋንቋ እንግሊዝ እናደጋገምና ንመሃረሉ መደብ 'English on Repeat,' ስምዕዎ። ንግሆ ዲኹም ትትስኡ፧ | ሰዓት 6 እየ ዝትስእ።| ስራሕ ሰዓት 7.30 እጅምር። |ቁርሲ ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ይበልዕ።| ንስኹም ከ፧
    6 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 ጥሪ 2024)
    ንሎሚ ሓሙስ 11 ጥሪ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ብዛዕባ ኣብ ትግራይን ከባቢኡን ዝምዕብል ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ምስ ምሁር ፖለአቲካ ተ/ፕሮ መረሳ ጸሃየ ካብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዝተገብረ ቀዳማይ ክፋል ቃለ መሕትት።ከነቕርቦ ኢና። እስራኤል ድሕሪ እቲ ብጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብልንኬን ኣብ እስራኤል ዝገበሮ ምብጻሕ ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ፍልስጤማውያን እተካይዶ መጥቃዕቲ ደው ከተብሎ ጸቕጢ ይግበረላ ኣሎ ። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝምዕብል ዘሎ ኩነታት ዝድህስስ ሓደ ትህዝቶ ኣሎና፡ ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታትውን ኣዳሊና ኣለና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ገምጋም ዋጋ ክራይ ገዛ ኣብ ኣውስትራሊያ ን10 ተኸታተልቲ ርብዒ ዓመት ዝተራእየ ወሰኽ ክብረወሰን ሒዙ ከም ዝርከብ ተፈሊጡ። ኣብ ኲንስላንድ ድሕሪ እቲ ንሰሙናት ብ ትሮፒካል ሳይክሎፕሎን ጃስፐር ዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ማይ ካልእ ናይ ሳይክሎን ሓደጋ የንጸላልዋ ከምዘሎ ተፈሊጡ። ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ካልእ ከባቢታት ሶማልያን ዝነብሩ ገለ ኢትዮጵያውያን መጥቃዕትን ምፍርራሕን ከምዝበጽሖም ገሊጾም።
    56 min
  • ኣመሪካ ናጻ ሃገረ ፍልስጢኤም ክምስረት ትጽውዕ፡ ኲናት ቓዛ ኣብ ምሉእ ዞባ ከይሰፍሕ የስግእ።
    እስራኤል ድሕሪ እቲ ብጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብልንኬን ኣብ እስራኤል ዝገበሮ ምብጻሕ ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ፍልስጤማውያን እተካይዶ መጥቃዕቲ ደው ከተብሎ ጸቕጢ ይግበረላ ኣሎ ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ብሰንኪ ቅትለት ኣዛዚ ሰራዊት ሕዝቦላህ ፡ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣብቲ ዞባ ከይሰፍሕ ተሰጊኡ። ዛጊት ኣመሪካ ፡ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ጠለብ ኣየቕረበትን ፡ ሓደ ናይ ኣውስትራልያ ትካል ድማ ፡ መንግስቲ ምስቲ ኣብቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል እተኻየደ ጃምላዊ ቅትለት ብደቡብ ኣፍሪቃ ቀሪቡ ዘሎ ክሲ ምጽናት ዓሌት ክሳተፍ ጸዊዑ ኣሎ ።
    9 min
  • ምዕልቕላቕ ማይ ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (10 ጥሪ 2024)
    ኣብ ኲንስላንድን ቪክቶሪያን ምዕልቕላቕ ማይ ኣብ ዓድታት ከቢድ ጉድኣት ምውራድ ይቕጽል ኣሎ። እቲ ዝነኣሰን ብግሁድ ናይ ተመሳሳሊ ጾታ ዝምድና ዘለዎ ሰብ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈረንሳ ኰይኑ ተሸይሙ ኣሎ ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ዝቐርበሉ ዘሎ ጥርዓን ግህሰት መግለጺ ከምዘውጽእ ኣፍሊጡ።
    6 min
  • ፕ/ሶማልያ ናብ ኣስመራ ኣትዩ፡ ሓ/ ስታፍ ሰራዊት ሶማሌ ላንድ ድማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ። ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 ጥሪ 2024)
    ናይ ሎሚ 9 ጥሪ 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዜና፡ ኣብ ቪክቶሪያ ኣብ ሰለስተ ወርሒ ክዘንም ዝኽእል ዝናብ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ስለ ዝዘነበ ፡ ህዝቢ ካብቲ ቦታ ኺግዕዙ መጠንቀቕታ ቀሪቡ። ፕረዚደንት ሶማልያ ሸኽ ሓሰን ማሕሙድ ናብ ኣስመራ ኣትዩ፡ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሶማሌ ላንድ ድማ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ። ፍሉጥ ጀርመናዊ ተጻዋታይ ኵዕሶ እግሪ ፍራንዝ ቤክንባወር ኣብ 78 ዓመት ዕድሚኡ ዓሪፉ ።
    7 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (8 ጥሪ 2024)
    ን ሎሚ 8 ጥሪ 2024 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ በዚ ኣጋጣሚ ንኹላትኩም በዓል ልደት የሱስ ክርስቶስ ተኽብሩ ርሑስ በዓል ክኾነልኩም እናተመነኹ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣብ ትግራይ ብድርቂ ንዝተጠቕዑ ክፋል ሕብረተሰብ ንምሕጋዝ ብውሑዳት ዝተበገሰ ናይ ገንዘብ ምትእኽኻብ መስርሕ ድሮ ናብቶም ተጠቀምቲ ክበጽሕ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ሓሳብ ብኸመይ ተበጊሱን ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ዝነብሩ ኤርትራዊያን ዝሃብዎ ደገፍን ዝምልከት ኣተሓባበርቲ ናይቲ ተግባር ዝኾኑ ወ/ሮ ሳባ ኣብርሃም፡ ኣቶ ኤፍረም ተኽላይን ኣቶ ምሉእብርሃን ኣበበን ካብ ዝገለጽዎ እዩ፡ ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ከነቕርቦ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ገለ ክፋል ቪክቶሪያ ብርቱዕ ነጐዳ ምዕልቕላቕ ማይ ከምዝህሉ መጠንቀቕታታት ቀሪቡ ። ኣብ ደቡባዊ ጋዛ ፡ ጥቓ ራፋ ብመጥቃዕቲ ኣየር ፡ ክልተ ፍልስጥኤማውያን ጋዜጠኛታት ተቐቲሎም ። ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ኢትዮጵያ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝገበረቶ ስምምዕ "ዝነጽግ" ሕጊ ፈሪሙ ኣጽዲቑ።
    52 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,876 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners