SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ተሳተፍቲ ኣብ ዓቢይ ጉያ ኢትዮጵያ ንምረት ናብራን ፖለቲካዊ ተቓውሞን ዝገልጹ ጭርሖታት ኣቃሊሖም
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (20/11/2023) * መበል 23 ዓመታዊ ዓቢይ ጉያ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ ቢንያም መሓሪን መልክነህ ውዱን ተዓዊቶም፣ ካብ ሓፋሽ ተሳተፍቲ ምረት ናብራ ዝገልጹን ንፋኖ ዝድግፉን ፖለቲካዊ መልእኽታት ተመሓላሊፎም፣ * ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ሮቡዕ ምሸት ኣንጻር ሲየራ ሊዮን ዘካየደቶ መጻረዪ ግጥም ንዋንጫ ዓለም 2026 ብጽዑቕ ግመ ተሽፊኑ ስለዝተሰናኸለ ናብ ፊፋ ጥርዓን ኣቕሪባ፣ ዝቕጽል ግጥማ ኣንጻር ቡርኪና ፋሶ ዝጅመረሉ ግዜ ተቐይሩላ፣ * ነዘርላንድስ፣ ስዊዘርላንድን ሮማንያን ኣብ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ዩሮ 2024 ክሳተፋ ቦትአን ውሑስ ከምዝገበራ ተፈሊጡ፣ * እንግሊዛዊት ጋንታ ኤቨርተን መምርሒታት ፋይናንስ ፕሪምየር ሊግ ጥሒሳ ተባሂላ 10 ነጥቢ ክቕነሳ ተወሲኑ፣
    10 min
  • ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕታት ድሮን ንውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣሻቒልዎ
    ጸብጻባት ዜና * ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፈወርቂ ወረቀት ስራሕ ኣምባሳድራት 17-ሃገራት ተቐቢሉ፣ * ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ጌታቸው ረዳ ምስ ጉጅለ ልኡኽ ኔዘርላድስ ዘትዩ፣ * ዩኒቨርሲቲ መቐለ ልዕሊ 2ሽሕ ተምሃሮ ኣመሪቑ፣ * ታሪኽ ኤርትራን ጉዕዞ ናጽነትን ዝገልጽ ስእላዊ ምርኢት ኣብ ሳዋ ይቐርብ፣ * ኣብ ትግራይ ንልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ክታበት ፀረ ሕማም ትራኮማ ክወሃብ’ዩ፣ * ኢትዮጵያ ተጠቃምነት በሪ ባሕሪ ንምርግጋፅ ዓለም ለኸ ተሞክሮታት ዝምልከት ዋዕላ ምሁራት ከም ዘካየደት ገሊጻ፣ * ኣብ ኣምሓራ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ድሮን ከምዘሻቐሎ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ፣
    8 min
  • ኩፊያ ምግባር ፖለቲካዊ ተግባር ድዩ፧ እንታይ ማለት'ዩ ኸ፧
    ኲናት እስራኤልን ሓማስን ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ እቲ ብኩፊያ ዝፍለጥ ጸሊምን ጻዕዳን ስካርፍ፡ መሸፈኒ መንዲል ወይ መሃረም ወይ ሻርባ፣ ኣብ ደገፍቲ ፍልስጤም ኣብ ዝካየዱ ተቓውሞታት ጎሊሑ ዝረአ እዩ። ኣውስትራልያውያን ፖለቲከኛታት መህሪን ፋሩቒን ሊድያ ቶርፕን ኣብ ባይቶ ተኸዲነንኦ ኔረን፡ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ልዕሊ ሓወልቲ ቤንጃሚን ፍራንክሊን ከይተረፈ ብላዕሊ ተሰንዲዩ መሸፈኒ ኮይኑ’ዩ። ስለዚ እዚ ስካርፍ እንታይ እዩ?
    8 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ
    ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ * ተቐናቐንቲ ወገናት ሱዳን ኣብ ደቡብ ኻርቱም ዝርከብ ዲጋ ድሕሪ ዝወረዶ ዕንወት ክልቲኦም ነንሓድሕዶም ተኻሲሶም * ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ መራሕቲ ኣሜሪካን ቻይናን ኣብ ጎድኒ ዋዕላ ኤፐክ ኣብ ሳንፍራሲስኮ ተራኺቦም ኣብ ዝተዘራረብሉ ኣብ ዝቐረባ ግዜ ዝተነሃሃሩ ወጥሪታት ‘ኣዝሒሎሞም ኣለዉ’ ኢሉ፣ * እስራኤል ነቶም ኣብ ደቡባዊት ከተማ ኻን ዩኒስ ዘለዉ ፍልስጤማውያን ናብ ካልእ ክግዕዙ ደጊማ ኣዚዛቶም፣ * ቤተመንግስቲ ዋይት ሃውስ ንወናኒ X ኢሎን ማስክ ነቲ ‘ሓደገኛ' ጸረሴማውነት ውዲታዊ ስነሓሳብ ኢላ ዝገለጸቶ ብምድጋፉ ኮኒናቶ፣
    7 min
  • ኣይትጠቐምሉ ወይ ንሓዋሩ ክትስእንዎ ኢኹም - ሓካይም ኣንቲባዮቲክስ ልዕሊ መጠን ከይንጥቀም የጠንቅቑ
    ኣብ ኣውስትራልያ ብዛዕባ ሰባት ዝወስድዎም ወይ ዝጥቀሙሎም ዘለዉ መጠናት ሓሳኹ ዝቐትሉልና ጸረነፍሳት/ኣንቲባዮቲክስ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ሻቕሎት ፈጢሩ'ሎ። ሓካይም ኣድማዕነትን ቀረብን ኣንቲባዮቲክስ ደረት ዘይብሉ ከምዘይኮነን ሓደስቲ ጸገማት ጥዕና እንተተቐልቂሎም ከቢድ ሳዕቤን ክህልዎም ከም ዝኽእልን የጠንቅቑ።
    6 min
  • #50 Let's go fishing! (Med) - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ምስ SBS: ንኺድ ንግፈፍ ዓሳ!
    Learn how to talk about fishing. Plus, find out a bit of history on why Australians love fishing. - ብዛዕባ ምግፋፍ ዓሳ ከመይ ገይርኩም ምስ ካልኦት ተዕልሉ ኣብ'ዚ ተመሃሩ። እግረ መንገድኹም ከኣ ኣውስትራልያውያን ከመይ ኢሎም ምግፋፍ ዓሳ ፈትዮም ታሪኾም ትመሃሩ።
    15 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ
    ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስቢኤስ ትግርኛ (16 ሕዳር 2023) * ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሪፐብሊክ ሱዳን ተዛትዩ: ሃገሩ ንኣፍደገ ባሕሪ ክትብል ኣብ ኲናት ከም ዘይትኣቱ kea ተዛሪቡ: ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ንፀገም ኣፍሪቃውያን ንሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኢጋድን ኤኮዋስን ተሓተትቲ ገይሩ: መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ልዕሊ 40 ነፈርቲ ክዕድግ ከም ዝወሰነ ኣፍሊጡ: ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዘቋረጸቶ ዕደላ ሰብኣዊ ሓገዝ ክትጅምር ምዃና ኣፍሊጣ: ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ምልኣኽ ንዝብል ውጥን ነጺግዎ ዝብሉ ’ጸብጻባት ንሎሚ ዘለውና'ዮም * እስራኤልን ምዕራባውያን መሓዙታን ተኹሲ ደው ክብል ንዝቐርብ ዘሎ ጻውዒት ምንጻጎም ይቕጽሉ'ለዉ] ኣብ ውዱብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ኣውስትራልያን ከኣ ተረርቲ ነቐፌታታት ኣብ ዓለምለኻዊ ግብረመልሲ ነቲ ኩነታት ይቐርቡ'ለዉ። ሓማስ ኣብ ሰሜን ቓዛ ተሳዒሩ'ዩ ንዝብሉ ዘረባታት ክነጽጎ'ንከሎ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ሓይልታት ምክልኻል ሃገሩ ጥቓ ዶብ እስራኤልን ሊባኖስን ነቲ መጥቃዕቲ ከዛይዶ ተዳሊዩ'ሎ ኢሉ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። * ፍልስፍናን ሕብረተሰብን ዝብል ትሕዝቶ ኣብ መደብ ሞዛይክ ባህሊ * ኣውስትራልያውያን በቲ ቅልል ዝበለ ወይ ተዛናዪ ባህሎምን ዝተረኽበ ዕድላት ኣውደኣመት] ጽብምል ወይ መደብ ምዝንጋዕ ብዝለዓለ መጠን ብምስትምቓርን ፍሉጣት' ዮም። እንተኾነ ግን ወግዓውያን ንጥፈታት ወይ ውራያት ጥራይ ኣይኮኑን ናቶም ኣካይዳታትን ኣገባባትን ሒዞም ዝመጹ። ዝኾነ መደብ ምዝንጋዕ ወይ ፓርቲ ክሳብ ክንደይ ብዕቱብ ይተሓዝ ብዘየገድስ ዘይዝረበሎም ትጽቢታት ባህላዊ ስነምግባር ኣለዎም ፧ ነዚ ዝምልከት ንኣውስትራልያ ኣብ ዝገልጽ መደብና ከነቕርቦ ኢና።
    49 min
  • 'ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድን ኢኮዋስን ንጸገም ኣፍሪቃውያን ተሓተቲ'ዮም' ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ 'ንኣፍደገ ባሕሪ ኢለ ኲናት ኣይከፍትን'የ' ቀ/ሚ ኣቢይ
    ጸብጻባት ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ፡ * ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሪፐብሊክ ሱዳን ተዛትዩ። ሃገሩ ንኣፍደገ ባሕሪ ክትብል ኣብ ኲናት ከም ዘይትኣቱ ከኣ ተዛሪቡ። * ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣፍሪቃውያን ንዘጋጥምዎም ዘለዉ ጸገማት ንሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኢጋድን ኤኮዋስን ተሓተትቲ ገይሩ።’ * መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ልዕሊ 40 ነፈርቲ ክዕድግ ከም ዝወሰነ ኣፍሊጡ። * ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዘቋረጸቶ ዕደላ ሰብኣዊ ሓገዝ ክትጅምር ምዃና ኣፍሊጣ። * ቤት ፍርዲ ዓባይ ብሪጣንያ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ምልኣኽ ንዝብል ውጥን ነጺግዎ።
    8 min
  • እስራኤል መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሆስፒታል ተጽዕቕ፣ ግብረመልሲ ዓለም ነቐፌታታት ይቐርበሉ፣
    እስራኤልን ምዕራባውያን መሓዙታን ተኹሲ ደው ክብል ንዝቐርብ ዘሎ ጻውዒት ምንጻጎም ይቕጽሉ'ለዉ፡ ኣብ ውዱብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ኣውስትራልያን ከኣ ተረርቲ ነቐፌታታት ኣብ ዓለምለኻዊ ግብረመልሲ ነቲ ኩነታት ይቐርቡ'ለዉ። ሓማስ ኣብ ሰሜን ቓዛ ተሳዒሩ'ዩ ንዝብሉ ዘረባታት ክነጽጎ'ንከሎ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ሓይልታት ምክልኻል ሃገሩ ጥቓ ዶብ እስራኤል ምስ ሊባኖስ ነቲ መጥቃዕቲ ከዛይዶ ተዳሊዩ'ሎ ኢሉ።
    9 min
  • Attending or hosting an Australian party? Here’s what you need to know - ኣበዓዕላ ዕለተ ልደት፣ መመረቕታ ገዛን ካልኦት ምትእኽኻባትን ኣብ ኣውስትራልያ ከመይ ይመስሉ፣ ህያባትን ኣከዳድናን ከ፧
    Australians are known for their laid-back culture and seize every opportunity to celebrate special occasions. But it's not only business events that come with etiquette rules to follow; every party, no matter how casual, has its unspoken cultural expectations. - ኣውስትራልያውያን በቲ ቅልል ዝበለ ወይ ተዛናዪ ባህሎምን ዝተረኽበ ዕድላት ኣውደኣመት፡ ጽብምል ወይ መደብ ምዝንጋዕ ብዝለዓለ መጠን ብምስትምቓርን ፍሉጣት'ዮም። እንተኾነ ግን ወግዓውያን ንጥፈታት ወይ ውራያት ጥራይ ኣይኮኑን ናቶም ኣካይዳታትን ኣገባባትን ሒዞም ዝመጹዝመጹ፡ ዝኾነ መደብ ምዝንጋዕ ወይ ፓርቲ፡ ክሳብ ክንደይ ብዕቱብ ይተሓዝ ብዘየገድስ፡ ዘይዝረበሎም ትጽቢታት ባህላዊ ስነምግባር ኣለዎም።
    14 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,876 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners